ስርሒት ፈንቅል፡ ድንቂ ወተሃደራዊ ስትራተጂ ህ.ግ.ሓ.ኤ
ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ ካብ’ቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝወርድ ዝነበረ ግፍዒ፡ በደልን ወጽዓን ዝተወልደ ፖለቲካዊ ሓይልን መትከላትን መንእሰያት ኤርትራ ኰይኑ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ወዲቡን መሪሑን ባህጊ ሓርነትን ናጽነትን ህዝቢ ኤርትራ ተሰኪሙ ኣብ ምዕራፉ ንምብጻሕ፡ ብህዝቢ ኤርትራ ዝተወከለ ውድብ እዩ። ስርሒት ፈንቅል ከኣ፡ ሓደ ካብ’ቶም ወተሃደራዊ ብልሒን ርቀትን ኤርትራውያን መንእሰያት ዝተመስከረሉ ኣደናቒን ግዙፍን ወተሃደራዊ ስርሒትን ዓወትን…
