ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኣብ ውድድራት ኦሎምፒክ-ፓሪስ ንእትሳተፍ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ሰናይ ምንዮቱ ገሊጹ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ውድድራት ኦሎምፒክ-ፓሪስ ንእትሳተፍ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ሎሚ ኣብ ሰዓታት ንግሆ ኣብ ዓዲሃሎ ተቐቢሉ፡ ሰናይ ምንዮቱ ገሊጹላ።

ኣብ’ቲ ኮሚሽነር ባህልን ስፖርትን ኣምባሳደር ዘመደ ተኽለ፡ ከምኡ’ውን ኣካየድቲ ፈደረሽናትን ሃገራዊ ኮሚተ ኦሎምፒክን ዝተረኽቡሉ መፋነዊ ስነ-ስርዓት፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኣብ’ዚ ቅንያት’ዚ ዘሎ ውዕዉዕ ናይ ስፖርት ሃዋህው፡ ብደረጃ ሃገር ንዘሎ ባህግን ሓይልን ዘንጸባርቕ ምዃኑ ብምሕባር፡ “ኤርትራ፡ ብቑጽርን ዓይነትን ኣብ ዓለም ዝበለጹ ስፖርተኛታት ከም ዝህልውዋ እምነተይ ጽኑዕ’ዩ ክብል ገሊጹ።

ክሳብ ታሕቲ ወሪድካ ዘድሊ መሳለጥያታት ብምውዳድ ንዝለዓለ ዕብየት ስፖርት ክስራሕ ዘዘኻኸረ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኣብ ውሱናት ዓይነታት ስፖርት ተሓጺሩ ዘሎ ዓወት፡ ናብ ኩሉ ዓውድታት ስፖርት ክዝርጋሕ ሓያል ጻዕሪ ክካየድ ተላብዩ።

ኣብ ኩለን ዞባታት ብቑጽሪ ብርክት ዝበሉ መንእሰያት ዝሳተፉሉ ውድድራት ምስራዕ ኣገዳሲ ከምዝዀነን ብዕቱብ ክተሓዝ ከምዝግባእን ብምዝኽኻር ድማ፡ እቲ ዕላማ – ብደረጃ ዓለም ኣብ ዝካየዱ ዓበይቲ ውድድራት ብምስታፍ፡ ክብሪ ዘጎናጽፍ ዓወት ንምሕፋስ ክኸውን መልእኽቱ ኣመሓላሊፉ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ መወዳእታ፡ ተሳተፍቲ ውድድራት ኦሎምፒክ-ፓሪስ 2024 ተሰኪሞሞ ንዘለዉ ሓላፍነት ብምግንዛብ፡ ንኻልኦት ስፖርተኛታት ኣርኣያ ብምዃን፡ ኣብ ዘካይድዎ ውድድራት ዓወት ሒዞም ክምለሱ ኣተባቢዑ።
ኮሚሽነር ባህልን ስፖርትን ኣምባሳደር ዘመደ ተኽለ ብወገኑ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብቐጻሊ ንስፖርተኛታት ንዝገብሮ ምትብባዕ ብምምስጋን፡ ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ መንግስትን ህዝብን ንዘሰከሞም ሓላፍነት ንምትግባር ናይ ዓወት መንፈስ ክሰርጾም ተላብዩ።

ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኦሎምፒክ ኤርትራ ድማ፡ ዝምዝገብ ዘሎ ዓወታት መርኣያ ናይ’ቲ መንግስትን ህዝብን ኤርትራ ንስፖርት ዝህብዎ ዓቢ ቈላሕታ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ዓወት ሒዞም ክምለሱ ዝከኣሎም ከምዝገብሩ ኣረጋጊጾም።

ካብ 26 ሓምለ ክሳብ 11 ነሓሰ ኣብ ፓሪስ – ፈረንሳ ኣብ ዝካየድ መበል 33 ውድድራት ኦሎምፒክ፡ ኤርትራ ኣብ ቅድድም ብሽክለታ፡ ምሕንባስን ኣትለቲክስን ብድምር ብ11 ኣትለታት ክትሳተፍ’ያ።