ቃለ-መሕትት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዓለማዊ፡ ዞባውን ዘቤታውን ጉዳያት (1ይ-ክፋል)
ክቡር ፕረዚደንት፣ ዓለምና ቅልውላውን ነውጽን ብዝበዝሖ እዋን ትሓልፍ ኣላ። ኩነታት ዩክሬን፡ ምትህልላኽ ዓበይቲ ሓይልታት ኣብ ባሕሪ ደቡብ እስያ፡ ግጭት እስራኤል ምስ ሓማስ፡ ሕዝቡላህ፡ ኢራን፡ ሑቲ፡ ብዙሕ ህይወት ይቐዝፍ ኣሎ። ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ’ውን ኲናት ሓድሕድ ሱዳን፡ ውሽጣዊ ግጭታት ኢትዮጵያን ሶማልን ኣሰካፊ እዩ። ኣብዚ ሕጽር ዝበለ ቃለ-መጠይቕና ናብዚ ዝተጠቕሰ ዓለማውን ዞባውን ኩነታት፡ ብዓቢኡ ድማ ናብ ዘቤታዊ ጉዳያት…
