“ፈላሚት ጌጋ ናይ መወዳእታ ዕምሪ”
2ይ ክፋል ኣብ ቀዳማይ ክፋል ናይዚ ኣርእስቲ’ዚ፡ ኣባል ሃንደሳ ክ/ሰራዊት 52 ተጋዳላይ ሳምሶን ኢሳቕ ካብ ሩባ ዓንሰባ ናብ ደጀን (ሓሽክርበብ ኤምዳድ ውድብ) ሓንቲ መሰነይታ ደብዳበ ሒዙ ከም ዝተላእከ፣ እቶም ኤምዳድ ድማ ነተጕቲ ጸረ-ተሽከርከርቲ ዝሓዘ ሳናዱቕ ኣብ መኪና ጽዒኖም ናብ መበገሲ ቦታኡ ከም ዘፋነዉዎ፣ ክምለስ ከሎ ኣብ ዛራ ምስ ወዓለ ግን፡ ነፈርቲ ውግእ መጺአን ኣሰር ናይታ…
