ሓተታ፡ ህልው ኩነታትን ኣንፈት ብሩህ መጻእን
ህልው ኩነታትና፡ ካብ ሕሉፍ ኩነታትና ዝተነጸለ ኣይኰነን። እቲ ሕሉፍ ንብሎ፡ ነዚ ህልው ዝወለደ፡ ኣብ’ዚ ህልው ዘሎ’ምበር፡ ኣሰር ከይገደፈ ዝሓለፈ ኣይኰነን። መጻኢና፡ መጻኢ ኩነታትና ድማ፡ ውልዶ ሕሉፍናን ህልውናን’ዩ። ብሓጺሩ፡ ህልው ኩነታትና ውጽኢት ናይ’ቲ ትማሊ ዝሓለምናዮ፡ ዝወጠንናዮ፡ ዝሰራሕናዮ፡ ዝረሃጽናዮ፡ ዝተጋደልናዮ፡ ዝመከትናዮ፡ ዝመሃዝናዮ፡ ዝተመሃርናዮ፡ ዝተወደብናዮ፡ ዝሰመርናዮ፡ ዝሰንከልናዮን ዝተሰዋእናዮን’ዩ። ንመጻኢና ዝውስኖ ድማ፡ ሎሚ ሃንቀው ንብሎ፡ ንትልሞ፡ ንዂስኲሶ ሃገራውነት፡ ነደልድሎ…
