ወግዓዊ ጽንብል መበል 33 ዓመት ናጽነት፡ ብልዑል ድምቀት ተኻዪዱ።
ወግዓዊ ጽንብል መበል 33 ዓመት ናጽነት፡ “ውሕስነት ሰላም ብመኸተ” ብዝብል ቴማ፡ ሎሚ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ-ቐትሪ ኣብ ስታድዩም ኣስመራ ብልዑል መዓርግ ተኻዪዱ። ኣብ’ቲ ብናይ ክብሪ ሰልፊ ዝተሰነየ ሰላምታ ንክቡር ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ዝኽረ-ሰማእታትን ዝፈለመ ወግዓዊ ስነ-ስርዓት፡ ኣቦ-መንበር ሃገራዊ ኣወሃሃዲ ሽማግለ በዓላት ኣምባሳደር ዘመደ ተኽለ፡ ብኣማኢት ኣባላት ወተሃደራዊ ሰልፊን ስነ-ጥበባውያንን፣ ከምኡ’ውን ብመንእሰያት ተመሃሮ ዝወቀበ፡ ንሓድነት፡ ጅግንነትን ጽንዓትን…
