ቢንያም ግርማይ ኣብ ቱር-ዲ-ፍራንስ ብዘመዝገቦ ናይ መድረኽ ዓወት፡ ቀንዲ ኣርእስቲ ዓበይቲ ማዕከናት ዜና ዓለም ክኸውን በቒዑ።
ኣባል ቤልጁማዊት ክለብ ኢንተርማርሼ-ዋንቲ – ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ፡ ብሰኑይ 1 ሓምለ ኣብ 3ይ መድረኽ መበል 111 ውድድር ቱር-ዲ-ፍራንስ ቀዳማይ ብምውጻእ ዘመዝገቦ ታሪኻዊ ዓወት፡ ዝዓበየ ኣርእስተ ዜና ሓያሎ ማዕከናት ዜና ዓለም ክኸውን በቒዑ’ዩ። ጋዜጠኛ ተስፋልደት መብራህቱ ዘወሃሃዶ ትሕዝቶ’ሎ፡ ብመልክዕ ጸብጻብ ክቐርብ’ዩ። “ቢንያም ግርማይ፡ ኣብ ቅድድም ብሽክሌታ ሰውራ ጀሚሩ’ሎ” ዝበለ መርበብ ሓበሬታ BBC SPORT፡ ኣብ’ቲ ብጸዓዱ ዝተዓብለለ…
