ሚኒስትሪ ንግዲን ኢንዳስትሪን፡ ክልተ ሕጋጋት ኣውጺኡ።
ሚኒስትሪ ንግዲን ኢንዳስትሪን፡ ንሕጋጋት ዘይቅኑዕ ኣሰራርሓ ንግዲ ዝምልከት ሕጋዊ ምልክታ ቊጽሪ 132/2024፣ ከምኡ’ውን ንሕጋጋት ኣወሃህባ ፍቓድ ዋኒንን ቊጽጽር ስርዓተ-ምዝገባን ዝምልከት ሕጋዊ ምልክታ ቊጽሪ 133/2024 ኣውጺኡ። 13 ዓንቀጻት ዝርከቦ ንሕጋጋት ዘይቅኑዕ ኣሰራርሓ ንግዲ ዝምልከት ሕጋዊ ምልክታ ቊጽሪ 132/2024፡ ኣዋጅ ዘይቅኑዕ ኣሰራርሓ ንግዲ ቊጽሪ 125/2002 ዓንቀጽ 10(ሐ)፡ ንሚኒስተር ንግድን ኢንዳስትሪን ብዝህቦ ስልጣን መሰረት ዝወጸ’ዩ። እዚ ዝርዝር ተግባራት…
