ቃል ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ብኣጋጣሚ ባሕቲ መስከረም 2024
ባሕቲ መስከረም 1961፡ ህዝቢ ኤርትራ ንፖለቲካዊ ቃልሱ፡ ናብ ሓድሽ ምዕራፍ መኸተ ዘሰጋገረላ፡ ንዕጥቃዊ ታጋድሎ ኣሃዱ ዝበለላ ኣገዳሲት ዕለት’ያ። ካልእ ሕርያታት ስለዘይነበሮ ተገዲዱ ዝወሰዶ ከቢድ ውሳኔ ከኣ’ዩ። ምኽንያቱ ኣብ ገዛእ ዓቕሙ ተኣማሚኑ ምስ ዘይዳረጎም ጸላእቲ ክገጥም ምውሳኑ ቀሊል ስለዘይነበረ፡ ሽዑ ዓንዳርነት ዝወሰድዎ፣ ክዕወት ዘይክእል ከንቱ ፈተነ ዝመሰሎም ውሑዳት ኣይነበሩን። ይኹን እምበር፡ ንቕድሚት ምስጓም ንድሕሪት ምምላስ፣ ምውዳቕ…
