ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብ30 ሕዳር 2024፡ ኣብ ህልው ዓለማውን ዞባውን ኩነታትን ዘቤታዊ ጉዳያትን ዘተኰረ መግለጺ፡ ንማዕከናት ዜና ውሽጢ ሃገር ሂቡ።
ኣብ’ቲ ብኤሪ-ቲቪን ድምጺ ሓፋሽ ኤርትራን ብቐጥታ ዝተፈነወ ቃለ-መሕትት፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ምስ ምምራጽ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ንኻልኣይ እብረ፡ ኣብ ኣመሪካ ክህሉ ዝኽእል ለውጢ ምስ ታሪኻዊ ኣመጻጽኣን ካልእ ዓለማዊ ህልው ኩነታትን ኣዛሚድካ ክርአ ከምዝከኣል፣ ኣብ ዝሓለፈ 30 ዓመታት እናተዳኸመ ንዝመጸ ኩሉመዳያዊ ሓይልን ጽልዋን ኣመሪካ ንምምላስ ኰነ ነቲ ዝፈሸለ ናይ እንኮ-ቐጽራዊ ኣተሓሳስባ ንምዕራይ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ክፍትን ከምዝኽእል ብምእማት፡ ከምጽኦ ዝኽእል ለውጢ ግና ተሃዊኽካ እትዛረበሉ ከምዘይኰነ ኣገንዚቡ።
ኣብ ዓለማዊ ዛዕባ ድማ፡ ድሕሪ ምብቃዕ ዝሑል ኲናት ዝተፈጥረ እንኮ-ቐጽራዊ ስርዓት፡ ምምሕዳራት ዋሺንግተን – “ንዓለም ክንቈጻጸራ ኣሎና” ዝብል ስሕታን ቅመራ ዘንቀሎ ኣብ ዝሓለፈ 30 ዓመት ዝተኸስተ ዓለማዊ ኩነታት ናብ ቅልውላው ከምዝሸመማ ዝጠቐሰ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ክወዳደሩና ዝኽእሉ ክህልዉ የብሎምን ካብ ዝብል ኣተሓሳስባ፡ ንቻይና ንምድራት ብዙሕ ከምእተሰርሐ፣ እንተዀነ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣመሪካ ንቻይና ብቊጠባዊ ሓይሊ ክትወዳደራ ኣብ ዘይትኽእለሉ ደረጃ ተበጺሑ ከምዘሎ ኣረዲኡ።
ኣብ ጉዳይ ሱዳን ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ድማ፡ ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ኩነታት ንምርዳእ ታሪኻዊ ኣመዓባብላኡ ምግንዛብ ኣገዳሲ ከምዝኾነ ዝጠቐሰን በብመድረኹ ዘብርሀን ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ብሰንኪ ግዳማዊ ምትእትታውን ምብዛሕ ስዉር ዕላማታት ዘለዎ ግዳማዊ ኣጀንዳታትን፡ ናብ’ዚ ሕጂ ዘለዎ ዘሕዝን ደረጃ ከምዝበጽሐ ብምጥቃስ፡ ሱዳን ናብ በሪ ኣማን ክሳብ እትሳገር፡ ሉኣላዊ ባይቶ ከም ግዝያዊ ድንድልን ተሰካም ሕድሪን ኰይኑ ብምዕያይ፡ ኣብ መወዳእታ ህዝቢ ሱዳን ኣላዪን ኣማእዛንን ጉዳዩ ባዕሉ ክኸውን ከምዝግባእ ኣረዲኡ።
መራሕቲ ኤርትራ፡ ሶማልያን ግብጺን ኣብ ኣስመራ ብዛዕባ ዝገበርዎ ርክብ፡ ከም ኣንጻር ኢትዮጵያ ዝቐንዐ ሽርክነት ኣምሲልካ ዝወሃብ መግለጺታት፡ ኣካል ናይ’ቲ ንምጥቛስ ዝዝውተር ዝምቡዕን ዘይክውንነታውን ዘመተታት ከምዝዀነ ዘነጸረ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ እቲ ስሉሳዊ ርክብ – ኣካል ናይ’ቲ ኣብ መንጐ ዝሰፍሐ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ቀይሕ ባሕሪ፡ ተፋሰስ ኒልን ወሽመጥ ዓረብን ምትሕግጋዝ ብምዕዛዝ፡ ነቲ ከባቢ ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ንምስግጋር ዝዓለመ ከምዝዀነ ኣነጺሩ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ንውሽጣዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ብዝምልከት፡ እቲ በብከባቢኡ ዝርአ ዘሎ ምትፍናናትን ግጭታትን – መንቀሊኡ እቲ ኣብ 1995 ብወያነ ዝምራሕ ዝነበረ መንግስቲ ዘጽደቖ ኣብ ዓሌት ዝተመርኰሰ ሕገ-መንግስቲ ከምዝዀነ ብዝርዝር ድሕሪ ምብራህ፡ እዚ በብከባቢኡ ዝፍንጀር ነተጉቲ ዝሓዘ ሰነድ፡ ነታ ሃገር ኣብ’ዚ ኣትያቶ ዘላ ዓዘቕትን ቅልውላውን ሸሚምዋ ከምዘሎ ኣረዲኡ።
ንዘቤታዊ ኩነታት ኣመልኪቱ ድማ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ሃገራዊ ልምዓታዊ መደባትና – ጽላታት ልምዓት ማይ፡ ሕርሻ፡ ትሕተ-ቕርጺ፡ ወደባት፡ መጓዓዝያ፡ ኣባይቲ፡ ጸዓት፡ ምስናዕን ምምዕባል ዓቕሚ-ሰብን ከምዘጠቓልል ምስናይ ብድሆታቱ ድሕሪ ምዝርዛር፡ ጽቡቕ መኣዝን ሒዙ ከምዘሎ፣ ወፍሪ ዜጋታት ንምትብባዕ ዝካየድ ጻዕሪ ከኣ ኣብ’ቲ መደባት ስለዝምርኰስ፡ ፈለማ ምቹእ ባይታን ሃውህውን ምጥጣሕ ከምዘድልን ይስራሓሉ ከምዘሎን ኣብሪሁ።
ኣብ ኣገልግሎት መጓዓዝያ፡ ዛጊት ሸፊናዮ ዘሎና ካብ 30 ክሳብ 40 ሚእታዊት ከምዝኾነ፣ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ኣብ ኩሉ ንጥፈታት ሕብረተሰብ ዘለዎ ኣበርክቶ ቀሊል ስለዘይኰነ፡ ድጐማ ብዝተሓወሶ ኣገባብ ንኩሉ ንኽባጻሕ፣ ከምኡ’ውን ኣብ መንጎ ኣፍራዪን ኣህላኺን ንዘሎ ጋግ ዘጽብብ ኣገባብ ንምትእትታው ከምዝስራሕ ኣገንዚቡ።
“ዓቕሚ-ሰብና እቲ ዝዓበየ ጸጋና’ዩ” ዝበለ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኣወዳድባኡ እንደገና ተኸሊሱ፣ ሞያዊ ዓቕሙ ክብ ንምባል ኣብ 2025 ዝትግበር ውጥን ከምዘሎን መርሓ-ጎደና ፖሊሲታት ኣብ ምትዕርራይ ከምዝርከብን ኣረዲኡ።
ኣብ ደገ ዘሎ ኤርትራዊ፡ ደሊብዎ ዘሎ ዓቕሚ ኣካል ናይ ሃገር ቊጠባ ከምዝዀነ ብምጥቃስ፡ ኣብ ኩሉ ዝከኣል ጽላታት ክሳተፍ ምእንቲ ባይታ ክጣጣሕ ከምዝግባእ ብምብራህ፡ ዝተታሕዘ መደባት ከምዘሎ ገሊጹ።
ኣብ ጉዳይ ኣባይቲ ድማ፡ ዳግመ ምውዳብ ተኻዪዱ፡ ምሉእ ዓቕሚ ሓይልታት ምክልኻል ኣብኡ ክዋሳእ ምዃኑ ኣረጋጊጹ።