መንግስቲ ኤርትራ፡ ቀረብን ስርዓተ ዕደላን ኤለክትሪሲቲ ኣብ መላእ ሃገር ውሑስን ርጉእን ንምግባር ናይ ዘበገሶ ፕሮጀክት ቀዳማይ ገጽ፡ ተዛዚሙ።
ሓይሊ ኤለክትሪክ፡ ቅድመ-ኩነታዊ ጠለብ ሃገራዊ መደባት ልምዓት ብምዃኑ፡ መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ዝጸንሐ ንኡስ ምንጪታት ሃገራዊ ቀረብ ክብ ንምባልን ዘላቒ ንምግባሩን፡ ናይ ቀረባ፡ ማእከላይን ርሑቕን እዋን ውጥናት ሓንጺጹ፡ ረስናዊ፡ ንፋሳዊ፡ ጸሓያውን ካልእን ምንጭታት ንምውዳድ ብዕቱብ ይሰርሕ ከምዘሎ ዝፍለጥ’ዩ።
በዚ መሰረት፡ ኣብ ቀዳማይ ገጽ ኣብ መደበር ሓይሊ ኤለክትሪክ በለዛ ዝተተኽላ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሓት ሚያዝያን ሓምለን ናብ ሃገር ዝኣተዋ ሰለስተ ሓደስቲ ጀነሬተራት፡ ካብ ሎሚ 29 መስከረም ኣገልግሎት ጀሚረን ኣለዋ።
እዘን ተዋዲደን ዘለዋ ጀነሬተራት ብድምር ዘመንጭውኦ 22 ሜጋ-ዋት ኤለክትሪሲቲ፡ ድሮ ኣብ’ቲ ሃገራዊ ጥሙር ስርዓት ተጸንቢሩ ብምህላዉ፡ ክወሃብ ዝጸንሐ ኣገልግሎት ኣብ ምምሕያሽን ስሩዕነት ከምዝህልዎ ኣብ ምግባርን ኣበርክቶ ክገብር’ዩ።
ኣካያዲ ስራሕ ፕሮጀክት ‘ምምሕያሽ መደባት ኤለክትሪሲቲ’ ኢንጂነር ኣብርሃም ዝብኣይ ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሸፈነ ሃገራዊ ጠለብ ክብ ንምባል ኣብ ወርሒ ሕዳር 2021 ዝተበገሰ ፕሮጀክት ሰለስተ ገጻት ከምዘጠቓልል ብምጥቃስ፡ ኣብ ደረጃ ምጽፋፍ ዝርከብ ካልኣይ ገጽ ኣብ ቀረባ ግዜ ምስ ተዛዘመ፡ ናይ 24 ሰዓታት ኣገልግሎት ክወሓስ ምዃኑ ገሊጹ።