ኣባል ቤልጁማዊት ክለብ ኢንተርማርሼ-ዋንቲ ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ፡ ሎሚ ኣብ ዝተኻየደን 177.8 ኪሎ-ሜተር ዝሸፈነን መበል 17 መድረኽ ቱር-ደ-ፍራንስ 11 ነጥብታት ብምውህላል፡ ንጠቕላላ ድምር ነጥብታቱ ናብ 387 ክብ ብምባል ንቐጠልያ ማልያ ኣብ ዝግበር ውድድር መሪሕነቱ ቀጺሉ።
ቢንያም ድሕሪ’ቲ ኣብ መበል 16 መድረኽ፡ ንፍጻመ 1.3 ኪሎሜተር ክተርፎ ከሎ ዘጋጠሞ ናይ ምውዳቕ ሓደጋ፡ ሎሚ ኣብ መበል 115 ኪሎሜተር ምስ’ቲ ብነጥቢ ዝስዕቦ ዘሎ ቤልጁማዊ ጃስፐር ፊሊፕሰን ኣብ ዘካየዶ ቅጽበታዊ ውድድር ክዕወት ምኽኣሉ፡ ኣድናቖት ተንተንቲ ቅድድም ብሽክሌታን ኣፍቀርቲ ናይ’ቲ ስፖርትን ረኺቡ’ሎ።
ኣብ’ዚ መድረኽ ሻድሻይ ዝወጸ ጃስፐር ፊሊፕሰን 10 ነጥብታት ብምውህላል፡ ንድምር ነጥብታቱ ናብ 354 ክብ ኣቢልዎ። በዚ ድማ፡ ምስ ቢንያም ዝጸንሖ ናይ ነጥቢ ፍልልይ 33 ኰይኑ’ሎ።
ቢንያም ኣብ 3ይ፡ 8ይን መበል 12ን መድረኻት ቀዳማይ ብምውጻእ ሰለስተ ሜዳልያታት ከምእተዓወተ፣ በዚ ድማ “ኣብ ታሪኽ ቅድድም ቱር-ደ-ፍራንስ ናይ መድረኽ ዓወት ዘመዝገበ በዂሪ ጸሊም ኣፍሪቃዊ” ዝብል ክብሪ ከምዝረኸበን ብቕዓቱ ደጋጊሙ ከምዘመስከረን ዝፍለጥ’ዩ።
መበል 111 ውድድር ቱር-ደ-ፍራንስ፡ ዝመጽእ ሰንበት 21 ሓምለ ብዝካየድ መበል 21 መድረኽ – ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ቅድድም ክዛዘም’ዩ።