ፕረዚደንት ፈደራላዊት ሪፓብሊክ ሶማልያ ሓሰን ሼኽ ማሕሙድ፡ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ንምፍጻም፡ ሎሚ ፍርቂ መዓልቲ ኣስመራ ኣትዩ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ድማ፡ ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ተረኺቡ፡ ብናይ ክብሪ ሰልፊ ዝተሰነየ ኣቀባብላ ገይሩሉ።
ኣምባሳደር ፈደራላዊት ሪፓብሊክ ሶማልያ ኣብ ኤርትራ ዑመር እድሪስ፡ ምስ ፕረዚደንት ሓሰን ሼኽ ማሕሙድ ሓቢሩ መጺኡ’ሎ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስን ፕረዚደንት ሓሰን ሼኽ ማሕሙድን ኣብ ዝገብርዎ ርክብ፡ ኣብ ምምዕባል ክልተኣዊ ዝምድናታትን ንክልቲአን ሃገራት ኣብ ዘገድሱ ጉዳያትን ክዝትዩ’ዮም።