ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን፣
ንህዝቢ ኤርትራ፣ ኣብ ውሽጢን ወጻኢን፤ ምስ ኩሎም ፈተውቱን፣ ሓራ ህዝቢ ዓለምን ዮሃና!
ነዛ ዕዝዝቲ ዕለተ-ናጽነት 33 ንምምዕራግ፤ ቀስቃሲ መሰናድኦታት ኣብ ምድላው፣ ኣበርክቶ ንዝገበሩ ኩሎም ከኣ ምስጋና!
ኣብ ዝኽሪታት ናጽነትና፣ ዓመት-ዓመት፤ ኣብ ዲናሚካዊ ሃገራዊ ህንጸት ናጻን ልዑላዊትን ኤርትራ፤ ዝተዓመ ገስጋስ ተልእኾ ኣዛሚድና ንምግምጋም፤ ኣብ ዓለምን ጎዶቦናን ዘሎ ተቐያያሪ ሃዋሁ ንድህስሰሉ ኣጋጣሚ’ዩ። ኣብ’ዚ ዝሓለፈ 33 ዓመታት፤ ምስ ምኽታም “ዝሑል-ኲናት”፤ ሓድሽ ‘ዓለማዊ ስርዓት’ ክዉን ንምግባር፣ ዝተኣታተወ ስነ-ሓሳባትን ፖሊሲታትን፣ ዘኸተሎ ጽልዋታት ብወድዓዊነት ንምንባብ ምእንቲ ኪሕግዝ፣ ዝተሰነዱ ትዕዝብቲታትና መወከሲ እዮም። ኣብዘን ዝሓለፋ ውሑዳት ዓመታት ብፍሉይ፤ እቲ ኪገዝእ ዝተደልየ “እንኮ-ቀጽራዊ” ዓለማዊ ስርዓት፤ ብመኸተ ሓራ ህዝቢታት ዓለም፣ እናተሳዕረ ኣብ ዝኸደሉን፤ ሓድሽን ረብሓ ሰፊሕ ህዝቢታትን ዝውክል ዓለማዊ ስርዓት ኪመጽእ ምእንቲ፣ ዝማዕበለ ሃንቀውታ፤ ኣርእስቲ ንባብና’ዩ ነይሩ። ነቲ “መድርኽ ምስግጋር” ኪበሃል ዝከኣል ዓመታት፤ ምስ ኩሉ ተቐያያሪ ረቛሒታቱ፣ ብዕምቈት ንምርዳእ፤ ኣብ 2021፣ 2022፣ 2023፣ ዝተኻየዱ ዳህሳሳዊ ንባባት፤ ትሕዝቶ ስነ-ሓሳብ “ዓብልል-ገብት”፤ ምስ ናይ ‘በሃራቱ’ (elite) እስትራተጂታትን ውጥናትን ስልቲታትን ንምብራህ ዝዓለመ’ዩ ነይሩ። ሕጂ ኣብ 2024ከ፣ እንታይ ይመስል?
ቅድሚ 30 ዓመታት ዝተኣወጀ ኲናት “ድረታ”፤ ንሩስያ ቅድም ዝሰርዐ፤ ብዉዕዉዕ ፕሮፓጋንዳታት፣ ዕለታዊ ቴማ ኰይኑ ዘሎ ጉዳይ’ዩ። ንዝተረመሰ ‘ናቶን’ ‘ኤውሮጳዊ ሕብረትን’፤ ኣባዚሕካን ጽዑቕ ክንክን ጌርካን፤ ሓዪሉ ከምዘሎ ንምምሳል ዝካየድ ትያትሮታት፤ ኣብ ዓዘቕቲ ተሸኺሉ/ተዋጢሩ ከምዘሎ ኪሰትር ዝኽእል ኣይኰነን። ኣብ’ዚ ናይ ከንቱ (futile) ኲናት፤ መዓልቲ-ብመዓልቲ ዝሓርር ዘሎ ቢልዮናት ዶላራት፤ ናብ ትሪሊዮናት የጋልብ ከምዘሎ ኸኣ፣ ርኡይ’ዩ። ግዜ እናመጠጠ፣ ዕንወት እናዛየደ፤ ብዓለም ደረጃ፣ ከኸትሎ ዝኽእል ሓደጋ ኸኣ፤ ቀሊል ኣይኪኽውንን’ዩ። በሃራት’ቲ ውዱቕ ስነሓሳብ፤ ጭንቀቶም ይዛይድ ስለዘሎ’ውን፤ ኪሓስቡዎ ንዝኽእሉ ሕርያታት ምግማት ኣዝዩ ከቢድ’ዩ።
ካብ ናይ ሩስያ ድረታ፣ ዝያዳ ዘሰክፍ፤ ድረታ ናይ ቻይና’ዩ። እዚ ብጥዑም ቋንቋን ልስሉስ ዲፕሎማሲን ኪሽፈን ዝድለ ዘሎ እዉጅ ኲናት፤ ምስ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂን፣ ኪምዕብል ዝኽእል ውጥረትን፣ ዝጋጠም ኣይኰነን። ብቐንዱ፣ በሃራት “ዓብልል-ገብት”፣ ብባህሮምን ምእንቲ ወልፎምን፤ ንናይ ቻይና ቁጠባዊን ተክኖሎጂያዊን ወተሃደራዊን ዕብየት ኰነ፤ እናሰፍሐ ዝኸይድ ዝምድናታት ኪቕበሉዎ ስለዘይክእሉ፤ ውጥረት ዝዘልቕ ኣይኰነን። ልዕሊ ኩሉ፤ ናይ ዕብለላን ምግባትን ኣጀንዳታቶም ከዋድቑ ስለዘይኰኑ፤ ብምስምስ ‘ታይዋንን’ ሆንግ-ኮንግን፤ ብጸቢብ፣ ኣብ “ባሕሪ ደቡብ ቻይና”፤ ብገፊሕ ከኣ፣ ኣብ እስያ፤ ቻይና ንምድራት ዘኽእል ኪዳናት ንምፍጣር ዘካይዱዎ ህቀናታት፤ ግሁድ መርኣያ’ዩ። ብዓቢኡ ግን፤ ዝዓበየ ስግኣቶም፤ ቁጠባዊን ቴክኖሎጂያዊን ዕብየት ስለዝዀነ፤ ነዚ ዓቕሚ’ዚ ንምድራት፣ ዘዋድዱዎ ዘለዉ ሓጹራትን እገዳታትን፤ “ጫፍ እምባ-በረድ’ዩ” ክበሃል ይከኣል። ከምዚ ዝበለ ሓደገኛ ቅኒተ-እምሮ፣ ኣብ ዓለማዊ መድርኽ ከስዕቦ ዝኽእል ቅልውላው ከኣ፣ ንእሽቶ ኣይኰነን። ልዕሊ 30 ትሪልዮን ዕዳ ዘለዋ ኣሜሪካ፤ ኣስታት ርብዒ ካብኡ፣ ብቻይና ትእወዶ’ዩ።
ኣፍሪቃን፣ ኩነታት’ቲ ክፍለ-ዓለምን፤ ምስ ካልእ ዓለማዊ ምዕባለታት፣ ኣዛሚድካ ዝርአ፤ ካልእ ኣገዳሲ ባይታ’ዩ። ብዓይኒ በሃራት “ዓብልል-ገብት” ከኣ፣ ከም ዘይቅረብ ሕዛእቲ፣ ኪውሰድ ዝጸንሐ’ዩ። እቲ ክፍለ-ዓለም፤ ኣስታት 60% ካብ ባህርያዊ ጸጋታት ዓለም ዝውንን፤ ብቕልጡፍ ናህሪ ዝዓቢ፤ 1.2 ቢልዮን ዝግመት ህዝቢ ዘለዎ’ዩ። ምስ ኩሉ’ዚ ጸጋታት፤ ብባርነትን መግዛእቲን ዕድላቱ ተመንጢሉ ከይኣክል፤ ኣብ መዋእል ኢንዱስትሪያዊነት፤ ዕብየቱ ተሓኒቑ፤ ኣብ ቁጠባ ዕንጋሎ (subsistence) – ብሰደድ ጥረንዋት ጥራይ – ዝነብር ዘሎ፣ ዝተዋሰነ ህዝቢታት ዝሓቘፈ ክፍለ-ዓለም’ዩ። ኣብ’ዘን ዝሓለፋ ውሑዳት ዓመታት ግን፣ ናይ ህዝቢታት ኣፍሪቃ፣ ንባርነትን መግዛእቲን ምግባትን/ምዝማትን፣ “ይኣክል!” ዝብል ድምጹ፣ እናሓየለ ይኸይድ ኣሎ። ኣንጻር ስርቂን ዝምታን ጥራይ ዘይኰነ፤ መሳርዑ ንምዝራግ ዝዝራእ ኣተፋናኒ ኤትኒካዊን እንዳዊን ኣጀንዳታት፤ ናይ ሃሱሳት ብኩል (corrupt) መጋበርያ ስርዓታት ኪምክትን፣ ንሃገራዊ ህንጸትን፤ ንናጽነትን ልዑላዊነትን፤ ንቕሓት እናዛየደን ተበግሶታት እናወሰደን፣ ብድሆ ኪብል ይርአ ኣሎ። ንሓድሽ ፍትሓዊ ዓለማዊ ስርዓት ዘለዎ ሃንቀውታ ምስኡ። ናይ እስያን ላቲን-ኣሜሪካን፤ ምስ ህዝቢታት ኤውሮጳን ኣሜሪካታትን’ውን ብተመሳሳሊን፣ ብሰፊሕ ዝንበብን’ዩ (ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ብሰፊሕ ዝርአ’ዩ)።
እቲ ብቐረባ ዝጸልወና፣ ጐደቦና’ኸ? ጐደቦና፣ ተፋሰስ ኒልን፣ ቀርኒ-ኣፍሪቃን፣ ቀይሕ-ባሕሪን፣ ወሽመጥን።
ሓደ፣ ኣብ ውሽጢ’ዘን ዝሓለፋ ሸውዓተ ኣዋርሕ፣ ማእከል መድርኽ ሒዙ ዘሎ ጉዳይ፤ ሓርነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ፍልስጥኤም ንናጽነት’ዩ። ካብ ድሕሪ 2ይ ዓለማዊ ኲናት ‘ተዘይተባህለ፤ ካብ “ኦስሎ” (1993) ንደሓር፤ በሃራት “ዓብልል-ገብት”፣ ብስም “ፍታሕ ክልተ ሃገራት” (Two State Solution)፤ ኣዳህሊልካ፣ ግዜ እናመጠጥካ፤ ናይ መሪሕነት ድኻማትን ውድባዊ ምግምማዕን እናመዝመዝካ፤ “ሓድሽ-ክዉን” (accomplished facts) ኣብ ባይታ እናፈጠርካ፤ ናይ ሃገራት ዓረብ “ስኽነት” (normalization) እናዓደግካ፤ ጉዳይ ሓርነትን ናጽነትን ህዝቢ ፍልስጥኤም ዓፊንካ ንምቕታል’ዩ ነይሩ ብልሓቶም። ፍትሓዊ ቃልሲ ህዝቢ ፍልስጥኤም ግን፤ መኸተኡ ከየዛነየን ከይተሰነፈን፤ ብጽንዓቱ፣ ንዓለም ዘገረመ ጥራይ ዘይኰነ፤ ሰፊሕ ህዝባዊ ዓለማዊ ምሕዝነት ፈጢሩ፤ ማእከል መድርኽ ሒዙ ኣሎ። ማዕረ-ማዕረ’ቲ መኸተ ግን፤ ዓማጺን ምስሉይን ሸጣፊን ባህርያት ‘ኣስኮላ’ “ዓብልል-ገብት” ኣቃሊዑ ይርከብ።
ምስ ሓርነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ፍልስጥኤም ንናጽነት ተዛሚዱ ካብ ዝንበብ ምዕባለታት ጎዶቦና ሓደ፤ ካልኦት፣ ህዝቢታት ጎዶቦና፣ ኣብ ሃሃገሮም ብዘሐይሉዎ ናይ ምሕዝነት መግለጺታትን መርገጺታትን፤ ኣብ ቀይሕ-ባሕሪን፣ ባብ ኤልመንደብን ወሽመጥ ዓደንን፣ ብፍሉይ፤ ተፈጢሩ ዘሎ ውጥረት’ዩ። ነዚ ውጥረት’ዚ ምስምስ ጌርካ፤ “ኣህጉራዊ መገዲ-ማያት ክንሕሉ ኢና” ተባሂሉ ዝካየድ ዘሎ ዘይሕጋዊ ምትእትታዋትን ኣራግጽን፣ ነዳያት ‘ዓብልል-ገብት’ን’፣ ሓደገኛ ሳዕቤናቱን ከኣ ኣቓልቦ ዝስሕብ ምዕባለ’ዩ።
ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን፣
ካብ ቀረባ ብቐረብኡ፤ ንዘቤታዊ ኩነታትና ብቐጥታን ብተዘወዋሪን ናይ ቀረባ ጽልዋ ዘለዎም ኩነታትን ምዕባለታትን ጐረባብትና፣ ኣዝዮም ብዙሓት’ዮም። ኣውራ ኣብዘን ዝሓላፋ 33 ናይ ናጽነት ዓመታት፤ ብበሃራት “ዓብልል-ገብት” ኪፈሓሱ ዝጸንሑ ኣጀንዳታት፤ . . . ካብ ምንቛትን፣ ቅልውላዋት ኣሳዊርካ ምምሕዳርን፤ ናብ ወራርን ኲናትን ሰጊሮም፤ ዘኸተሉዎ ምትሕልላኻትን ዕንወትን፣ ኣዝዩ ዓቢ’ዩ ነይሩ። ማዕረ ፍሽለት ናይ ዝተፈላለዩ ተጻብኦታት፤ ጭንቀት “ዓብልል-ገብት” ዓጸፋ ስለዝዓርግ ከኣ፤ ኣብ’ዚ ሰዓት’ዚ ሃነፍነፍ ዝብሉሉ ዘለዉ፤ ካልእ ኲናት ናይ ምብራዕ ፍሕሶታት’ውን፤ ቅሉዕ ምስጢር’ዩ ኪበሃል ይከኣል (ብሰዓቱ ኪግለጽ’ዩ)። ሳላ’ቲ ንሓርነቱን ናጽነቱን 50 ዓመታት ተቓሊሱን ተሰዊኡን፤ ኣብ ዝሓለፋ 33 ዓመታት ከኣ፤ መዘና ብዘይርከቦ ቅያ ሓርበኝነትን ጽንዓትን፤ ናጽነቱን ልዑላዊነቱን ዘውሓሰ ህዝቢ ኤርትራ፤ ምስ ቅድመ-ግንባርነትን ድርዒን ጀጋኑ ሓይሊታት ምክልኻል፤ ካብ ቅሰን ንላዕሊ ዝበሃል የለን።
ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን፣
ንዝዀነ ተጻብኦ፤ ድሕነታዊ ድሉውነትና ኣብ ቦትኡ እናሃለወ ግን፤ ቀዳምነት ቀዳምነታትና፣ ህንጸት ናጻ ሃገርና ስለዝዀነ፤ ልምዓታዊ መደባትና ኣዕቢና፤ ኣድማዕነቱ ንምሕያል፤ ሒዝናዮም ዝጸናሕና ውጥናት ኣወርጺጽና፤ ዘድሊ ጸጋታት ኣጐስጒስና፤ ዘድሊ ሕድገትን መስዋእቲን እናገበርና፤ ውዳበታትና እናደራዕና ክንሰርሕ ኢና። ኣብ ወጻኢ ንዘለዉ ዜጋታት፤ ኣብ ዝተፈላለየ ናይ ፈተነ እዋናትን፤ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ዓመት ብዘርኣዩዎ ሓርበኛነትን ከኣ ኣገናዕ! ቀጽልዎ!
ንናጽነትናን ልዑላዊነትናን ጥራይ ዘይኰነ፤ ኣብ ሰፊሕ ምሕዝነታዊ ምትሕብባርን ምምልላእን፤ ጐረባብትናን ጎዶቦናን’ውን፤ ምስ መኻዪድና ሓራ ህዝቢ ዓለም፤ ከይተዛነና ክንሰርሕ ኢና!
ውሕስነት ሰላም ብመኸተ!
ጥሉል ክራማት ምስ ህዝባዊ መኸተ!
ክብሪን ሞጎስን፣ ንጀጋኑ ሰማእታትና!
ዓወት ንሓፋሽ!
24-05-2024