ኣብ ዓንቀጽ ካልኣይ ክፋል ናይዚ ኣርእስቲ’ዚ፡ ዶክተር ኣርዓዶም ተድላ ካብ ኤመሪካ ንሜዳ ኣትዩ፡ ነቲ ድሕሪ መሪር መስዋእቲ ናብ ንቡር ተመሊሱ ዝተዋሕሰ ድፋዓት፡ ብፍላይ እቲ ኣብ ኤመሪካ ምስ ሜ/ጀ ቁምላቸው ደጀነ ማእከል ዕላሎም ኮይኑ ዝነበረ ድፋዕ እንሲ ምስ ውዑይ ኣሰር ዝተጸፋጸፈ ሬሳታት ጸላኢ ከም ዝርኣዮ፣ ዶክተር፡ መንቀሊ ናይቲ ህልኽ ዝመልኦ ውግእ እምሰሊምን እንስን እንታይ ምዃኑ ምስ ሓተተ፡ እቲ ንሽረ ሓራ ገይሩ መረብን ክሳድ ዒቃን ተሳጊሩ ዓዲ-ዃላ ድሕሪ ምቍጽጻር ናብ መንደፈራ ክግስግስ ዝጀመረ ሰራዊትና ዝፈጠሮ ጸቕጢ ምዃኑ መብርሂ ከም ዝተዋህቦ ነቢብና። በዚ መሰረት፡ ኣብ ክንዲ ብዛዕባ ታሪኽ ውግእ እንሲ ምዝርዛር ውግእ ሽረን ዓድ-ዃላን ምቕዳም ከም ዝሓይሽ ኣመልኪትና፡ ኣብ ኣድያቦ ዓስኪሩ ዝነበረ ዓቕሚ ጸላእን ሽረ ንምሓዝ ዝተሰለፈ ዓቕሚ ኣሃዱታት ህዝባዊ ሰራዊትን ኣሰላልፋ ውግእን ኣመልኪትና ገሊጽና ኔርና። ናቱ መቐጸልታ ድማ እንሆ፦
ጥሪ 1989 ድሕሪ ዝተኻየደ ናይ ጎላጕል መጥቃዕቲ፡ ብርጌድ 19 ኣብ ሑጺት-ከባቢ ኣፍዓበት ንሓጺር ግዜ ወተሃደራዊ ልምምድ ክገብር ጸንሐ። እዚ ታዕሊም’ዚ ብፍሉይ ነቲ ብርጌድ ዝተዋህበ ኣይኰነን። ማዕረ- ማዕረ’ቲ ስርዓት ደርግን ህዝባዊ ግንባርን ንምቅርራብ ዝግበር ዝነበረ ናይ ሰላም ዲፕሎማስያዊ ርክባት፡ ኣብታ ዓመት እቲኣ፡ ንዅሉ ሰራዊት ህዝባዊ ግንባር ሓፈሻዊ ታዕሊም ይወሃብ ነይሩ እዩ። ንዝካየድ ወሳኒ ወተሃደራዊ ግጥማት ኣካላውን ኣእምሮኣውን ምቅርራብ ንምግባር ጥራይ ዘይኰነ፡ ኵሉ ዓጢቑዎ ዝነበረ ኣጽዋር ዝትስፈረሉ (ዝስተኻኸለሉ)፡ ኣድማዕነት ሓይሊ ተዅሲ ሰራዊቱ ንምርግጋጽ ብቕዓት ብረትን ሰብን ክብ ንምባል ልዑል ልምምድ ጨመተ ተዅሲ ዝካየደሉ ዝነበረ ዓመት እዩ። ብፍላይ ኣሃዱታት ስለያ ሰራዊት ድማ፡ ዝተቐብረ ጸረ-ሰብ ነተጕቲ ጸላኢ ናይ ምውጻእ ተወሳኺ ሞያ ወተሃደራዊ ሃንደሳ ይወስዳ ነበራ። ብተወሳኺ፡ ከም ጸረ-ታንክን ጸረ-ነፈርትን ዝኣመሰሉ ሓደስቲ ተገዚኦም ሜዳ ዝኣተዉ ኣጽዋር ንምዕጣቖም እውን ሓደስቲ ኣሃዱታት ብምምስራት ስልጠና ዝወሰዳሉ መድረኽ እዩ ዝነበረ።
ኣብ ከም’ዚ ዝበለ ልምምድ እናሃለወ እዩ’ምባኣር እቲ ብርጌድ ሃንደበት ካብዚ ተላዒሉ ናብ ምዕራብ ኤርትራ ገጹ ጕዕዞ ዝጀመረ። ኣብ ምዕራብ ኤርትራ ከባቢታት ጀርበት ናይ ሓደ መዓልቲ ኣቢሉ ድሕሪ ምዕራፉ፡ ጕዕዞኡ ንምቕጻል ኣብ መካይን ተሳፊሩ ዶብ ሃገር ሰጊሩ መሬት ኢትዮጵያ ረገጸ። ቅድሚ ናብ መሬት ኢትዮጵያ ምስጋሩ፡ ኣብ ጀርበት ኵሉ ሰራዊት ጸረ- ኣንቅጺ መድሃኒት ተኸትበ፣ ምኽንያቱ ኣብ ትግራይ ኣንቅጺ ተራእዩ ስለዝነበረ።
እቲ ብርጌድ ናብ መሬት ትግራይ ከይኣተወ ጀሚሩ – ምንቅስቓሳቱ ስቱር ክኸውን ስለ ዝነበሮ፡ እንከላይ መራኸቢ ረድዮታቱ ዓጸወ። ምስ ህዝቢ ካብ ምርኻብ ይዂን ካብ ነፈርቲ-ዂናት ንምኽዋል ጥንቃቐታት ይገበር’ኳ እንተ ነበረ፡ ተሽከርከርቲ ናይ’ቲ ብርጌድ ብነፈርቲ ውግእ ጸላኢ ስለዝተራእያ፡ ብኸፊል ዕንወት ወረደን። እቲ ብርጌድ፡ ኣብ ጻዕዳ-ምድሪ ዝተባህለ ከባቢ ዓዲዳዕሮ ኣዕሪፉ ኣብ ዝወዓለሉ ግዜ፡ እተን ነፈርቲ ውግእ ክሳብ ኣርባዕተ ናይ ጽዕነት መካይን ተጋደልቲ ኣቃጺለን እየን። እቶም ሓለፍቲ ኸኣ ጸላኢ ሓበሬታ በጺሑዎ ከይከውን ተጠራጠሩ። ይዅን’ምበር፡ ጸላኢ ገለ ምንቅስቓስ ከም ዝነበረ’ኳ እንተፈለጠ፡ ሻዕብያ ናብ ትግራይ ብዛዕባ ምእታዉ ግምታት ኰነ ዝጨበጦ ሓበሬታ ኣይነበሮን።
ንምሸቱ፡ ኵሉ ሰራዊት ኣብ ጻዕዳ-ምድሪ ተኣኪቡ ካብ ሓለፍቱ ንዝተዋህበ መግለጺ ሰምዐ። ማእከልነት ብርጌድ-19 ተጋዳላይ ኣብርሃም ዓንዶም (ዓፋን) ኣዛዚ፡ እምበቲቶ ኮሚሳር ብርጌድ ነበሩ። ዓፋን፡ ነቲ ሰራዊት ናብ ትግራይ መምጽኢኡ ምኽንያት ክገልጽ ከሎ፡ ከተማ ሽረ ካብ ሰራዊት ደርግ ሓራ ንምግባር ምዃኑ ድሕሪ ምብራህ፡ ታንክኛታት ህዝባዊ ግንባር’ውን ኣብ ጎድኒ’ቲ ሰራዊት ክስለፍ ምኳኑ ገለጸ። ብተወሳኺ፡ ካብ ኣሰላልፋ ብርጌድ 19 ንጸጋም፡ ለካቲት፣ ብሸነኽ ምብራቕ ድማ ኣሉላ ዝተባህሉ ክፍላተ-ሰራዊት ወያነ ክህልዉ ምዃኖም፣ ሰራዊት ህዝባዊ ግንባር፡ ከም ኣብ ሳሕል ኣብዛ መጥቃዕቲ’ዚኣ’ውን ናይ ጽንዓት ጅግንነትን ስረኡ ከርኢ ከም ዘለዎ ተላብዩ ዓጸወ።
ነቶም ብደረጃ ሓለፍቲ ኣብቲ ውግእ ዝሳተፉ ተጋደልቲ ግን፡ ካብ መሬት ኤርትራ ናብ ትግራይ ከይሰገሩ ኸለዉ መግለጺ ተዋሂቡ ነበረ። እቲ መግለጺ ልክዕ ከምቲ ንሓፋሽ ተራ ተጋደልቲ ዝተዋህበ ሓበሬታን መምርሕን ኮይኑ፡ ካብኡ ዝሓለፈ ተወሳኺ ለበዋ ከም ዝነበሮ እዩ ዝፍለጥ። ህዝባዊ ግንባርን ወያንን ናይ ወተሃደራዊ ምትሕግጋዝ እምበር ጌና ናብ ስትራተጂ ዝበረኸ ፖለቲካዊ ውህደት ኣይመስረታን ዝነበራ። ስለ’ዚ ምስ ተጋደልቲ ወያነ ኣብ ፖለቲካ መርገጺታት ኣቲኻ ምዝርራብን ምክታዕን ኣድላዪ ከም ዘይኰነ መምርሒ ተመሓላለፈ።
ሰራዊት፡ ኣብ ጻዕዳ-ምድሪ ከባቢ ዓዲ-ዳዕሮ መግለጺ ይወሃቦ ኣብ ዝነበረ ምሸት፡ ወከልቲ ኣባላት ስለያን ሃንደሳን ክፍለ-ሰራዊት፡ ብድሮ ንቕድሚት ሓሊፎም ዓዲ-ኮኾብ ኣትዮም ውዒሎም ነበሩ። ካብኡ ንቕድሚት ናብቲ ግንባር ብምቕራብ ናይ ነተጕትን ካልእን ሓፈሻዊ መጽናዕትን ተፍትሽን ተገብረ። ጸረ-ሰብ ኰነ ጸረ-ተሽከርከርቲ ነተጕቲ ኣብቲ ግንባር ፍጹም ከም ዘይነበረ ተረጋገጸ። ካብ ዓንተቦኡ ኣብ ትግራይ ንጸላኢ ዘሸገረ ግንባር ብዘይ ምንባሩ፡ ነታጒ ምቕባር የዘውትር ኣይነበረን። ከምኡ ስለዝዀነ፡ ኣብ ትግራይ ብጸረ-ሰብ ነታጒ እግሩ ዝተቘርጸ ወያናይ ኰነ ገባራይ ተራእዩ ኣይፈልጥን። ኵሉ ዝግበር ዝነበረ ምንቅስቓሳት ብሃታሃታ ይካየድ ብምንባሩ ግን፡ ብዙሕ ስራሕ ተሰሪሑ ክበሃል ኣይከኣልን።
ሓፈሻዊ ዳህሳስ ስለያን ሃንደሳን ተጋደልቲ፡ ናብ ከባቢታት እምባ-ጢዙን የማነ-ጸጋሙ ናብ ዝነበረ ቅርጺ መሬትን ኣተሓሕዛ ድፋዕ ጸላእን ዘተኰረ ነበረ። ጸላኢ ሃኒጹዎ ዝነበረ ድፋዕ ኣብ እምባ-ጢዙ ጥራይ እዩ። ብፍላይ’ቲ ካብኣ ንየማን ዝነበረ ሰጥ ዝበለ ጎላጕል ቀዋሚ ድፋዕ ኣይነበሮን። ቅድሚ እምባ-ጢዙ ምብጻሕካ ዘሎ ቅርጺ መሬት’ውን ሕማቕ እዩ። ንሳ ኣብ ቍጽጽር ከይኣተወት ካብኣ ንጸጋም ዘሎ ከም በዓል ዓዲሓኖ ክተሓዝ ኣይክእልን። ብርጌድ 19 እትስለፈሉ ከባቢታት እምባ-ጢዙ ማእከል ገይሩ፡ ካብኡ የማነ-ጸጋም ምዕራባዊ ሸነኽ ሽረ እዩ። ብፍላይ’ቲ ካብ እምባ-ጢዙ የማን ሸነኽ ዘሎ ጎላጕል ስለዝዀነ፡ ጸላኢ ካብ እምባ-ጢዙ ከይተራእየ ክሰግር ኣይክእልን። ስለ’ዚ እታ ብቐዳምነት ኣብ ቍጽጽር ክትኣቱ ዝነበራ ወሳኒት ታባ እምባ-ጢዙ እያ።
ሰራዊት ብርጌድ 19፡ ካብ ጻዕዳ-መሪ ተበጊሱ ድፋዓት ጸላኢ ግንባር ሽረ ክበጽሕ ሓጺር ዘይኰነ መንገዲ ይጽበዮ ነበረ። ነዊሕ ስለ ዝኹነ ክሳብ ፍርቂ መንገዲ ብሓገዝ መካይን ቀረበ። ምዕራባዊ ሸነኽ ሽረ፡ ጎላጕል ከም ምዃኑ መጠን፡ ንናይ ህዝባዊ ግንባር ታንከኛ ኰነ ንናይ ጸላኢ ምቹእ እዩ። ንዘጥቅዕ ኣጋር ሰራዊት ግን ሓደገኛ። ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ ጸላኢ ኣብ ቅድሚ ድፋዓቱ ጸረ-ሰብ ነተጕቲ ዘይምቕባሩ ብእወታ ዝጥቀስ’ኳ እንተ ነበረ፡ እቲ ግንባር ንሰራዊት ህዝባዊ ግንባር በዳሂ ከም ዝኸውን ግን፡ ወያነ ከይተረርፉ በጨቕ ዘብሉዎ ዝነበሩ ሓቂ እዩ።
በዚ ሸነኽ ግንባር’ዚ ዓሪዱ ዝነበረ መጋጥምቲ ሰራዊት ህዝባዊ ግንባር 4ይ ክፍለ-ጦር ጸላኢ እዩ። ማእከላይ እዚ ራብዓይ ክፍለ-ጦር ኣብ ፎርቶ ሽረ ዝነበረ ዀይኑ፡ ንተኣፋፊ ጎላጕል ምዕራባዊ ሸነኽ ናይቲ ግንባር ይሕሉ ስለ ዝነበረ ደገፍ ታንክታትን ረሽራሻት ነበሮ። ሓሙሽተ ኣጋር ብርጌዳትን ሓደ ሻለቃ ታንከኛን፡ ሓደ ሻለቃ መድፍዐኛን ተደረብቲ ኣሃዱታትን ነበሩዎ። ንሚዛን ዕጥቂ ጸላኢን ሓያልነት ቅርጺ መሬትን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ንኣጋር ሰራዊት ህዝባዊ ግንባር ፈታኒ ከም ዝኸውን ርዱእ ነበረ።
ዓቕሚ ሰብ ብርጌድ-19 ካብ ሓደ ሽሕ ዘይበዝሕ ኮይኑ፡ ሓደ ንሰለስተ ዓቕሚ 4ይ ክ/ጦር ጸላኢ ክገጥም ተሰለፈ። ነዚ ዘይተመጣጠነ ዓቕሚ’ዚ ንምጽባብ ከኣ፡ ካብ ወሃቢ ደገፍ ኣሃዱታት ከቢድ ብረት ሜካ፡ 75 ሚ/ሜተር ዝዓጠቐ ሞተራይዝድ ሓይሊን፡ ሰለስተ ታንክታት፡ ሰለስተ ረሽራሻትን መዳፍዕን ኣብ ጎድኑ ከም ዝስለፉ ተገብረ።
ኣሰላልፋ ቦጦሎኒታት፣ ቦጦሎኒ 119 ብጸጋም ኮይና፡ ብኽልተ ቢ-10፡ ታንክታትን ረሻሻትን ተደሪዓ፡ ኣብ እግሪ ኣድሓኖ ትርከብ ንዝነበረት ነቝጣ ጸላኢ ደምሲሳ ናብታ ናይ መወዳእታ ሸቶ ዳኖሳ ከተጥቅዕ። ቦጦሎኒ 219 ኣብ መንጎ ቦጦሎኒታት 119ን 319ን ተሰሊፋ፡ ምስ ክልተአን ተወሃሂዳ፡ ቅድሚኣ ንዝነበረ ነዊሕ ጎልጕልን ዓቢ ስንጭሮን ሓሊፋ ንጸላኢ ጸራሪጋ መጀመርታ ናብ ዳኖሳ ካብኡ ሓሊፋ ናብ ፎርቶ ተምርሕ። ቦጦሎኒ 319፡ የማን ካብ ቦጦሎኒ 219 ኣሲራ ንቕድሚኣ ዘሎ ጸላኢ ኣጽርያ ናብ ፎርቶ ተምርሕ። ቦጦሎኒታት 219ን 319ን፡ ክልተ ረሻሽ 14.5 ክልተ ሞርታርን፣ ከምኡ’ውን ካብኣተን የማን ኮይኑ ዝድግፍ፡ 75 ጸረ- ታንኪ ዝዓጠቐ ሓይሊ ሞተራይዝድ፣ ካብ ጸጋም ድማ ሰለስተ ረሽራሽን ኣርባዕተ ታንክታትን።
መዳፍዕ ሜካ ክፍለ-ሰራዊት 74፡ 122 ሚ/ሜተርን 76 ሚ/ሜተርን ኣብ ከባቢ ዓዲ ኮኾብ፣ ቢኤም 21 ኣብ ካርታ ጥቕሲ 155745 ቦታኦም ብምሓዝ ኵላቶም ናብ ካርታ ጥቕሲ 220630 ብራኸ ነጥቢ 2124 ከምኡ’ውን 1821 ገዛእቲ ቦታታት ዕላማ ወሲዶም ሻምብቆታቶም ኣቕንዑ። እዞም ገዛእቲ ቦታታት እዚኣቶም ንወያነ ዝተዋህቡ ሸቶታት ነበሩ።
ጸላኢ ሰለስተ መስመር መከላኸሊ ድፋዕ ነይሩዎ። እቲ ቐዳማይ፡ ናይ ቅድሚት ሓለዋ ኮይኑ ፍዅስ ዝበለ፣ እቲ ካልኣይ መከላኸሊ፡ ካብቲ ቐዳማይ ድልድል ዝበለን ብሓደ ብርጌድን ሻለቃን ዝተታሕዘ፣ እቲ ሳልሳይን ኣገዳስን ከኣ፡ እቶም ስትራተጂታት ናይቲ ከተማ ኮይኖም፡ ዳኖሳ ዝተባህለ መምርያ ክ/ ጦር ዝተደኰነሉ ሰሜን ካብ ፎርቶ ብራኸ ነጥቢ 2010 ዝኣመሰሉ እዮም። እዚኣቶም እቶም ዝደልደሉ ድፋዓትን ብገዚፍ ዓቕሚ ሰራዊት ዝሕለዉን ቦታታት እዮም።
ገለ ካብ ተጋደልቲ ወያነ፡ ነቲ ብጎላጕል ከጥቅዕ እጃም ዝወሰደ ሰራዊት ህዝባዊ ግንባር ኣመልኪቶም ክዛረቡ ኸለዉ፡ “ሻዕብያ ነዛ ጎልጐል ክትሰግሩዋ ክትብርትዓኩም እያ፣ እንተዀነ፡ ለካቲት ክፍለ ሰራዊት ናትና ብጸጋምኩም ስለዘሎ ክሕግዘኩም እዩ፡” እናበሉ ክዛረቡ ተሰምዑ። እቶም ነዚ ዝሰምዑ ተጋደልቲ ኸኣ፡ ኣብቲ ውግእ ተዓዊቶም ክወጽኡ ከም ዘለዎም ዝደፍእ ኒሕ ሓዞም።
ኣዛዚ ክፍለ ሰራዊት 52 ተጋዳላይ ስዒድ ፈረጅን ማእከልነት ብርጌድ ሜካ 74 ተጋዳላይ ጸሃየ መኮነንን ወዲ-ወረደ ምስ ዝርከቦም ሓለፍቲ ወያነ ብሽነኽ ምዕራብ ሽረ ኣብ ከባቢ ዓዲ-ኮኾብ ኮይኖም ነቲ መጥቃዕቲ ከወሃህዱ፣ ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ውድብ ህዝባዊ ግንባርን ክ/ ሰራዊት ሜካን ድማ፡ ምስ ኣዘዝቲ ግንባር ሓየሎምን ሳሞራን ብምዃን ብመስመር ሰለኽለኻ ቦታኦም ሓዙ።
ናብ ሽረ ክመጽእ ዝኽእል ረዳት ሰራዊት ኰነ ናይ ነፈርቲ ውግእን ካልእን ካብ ኣስመራ እዩ ዝምገብ። ከምኡ’ውን ካብ በዓል ዓዲ-ግራት ክድረብ ከም ዝኽእል ግምታት ነይሩ። ነዚ ተኽእሎታት’ዚ ምውጋዱ ዝከኣል’ኳ እንተዘይ ነበረ፡ ቅልጣፈ ተጠቒምካ ግን ተግባራውነቱ ናብ ዝለዓለ ምድያብ ከም ዝከኣል መረዳእታ ነይሩ። መጥቃዕቲ፡ ብወገን ወያነ ሰዓት 2፡ 00 ለይቲ ክጅመር፡ ሰራዊት ህዝባዊ ግንባር ድማ ካብ ናይ ወያነ ናይ ዜሮ ሰዓት ሓደ ሰዓት ጸኒሑ ሰዓት 3፡00 ወጋሕታ ከጥቅዕ መደብ ተታሕዘ።
ጕዳይ መደብ ውጉኣት ምልዓል ንገባር ተጋሩ ስለ ዝተዋህበ፡ ዝዀነ ተጋዳላይ ውጉእ ከውጽእ ንድሕሪት ክምለስ ከም ዘይብሉ መምርሒ ተዋህበ። እቲ ተጋዳላይ’ውን እቲ ህዝቢ ብሕጉስ መንፈስ ክቕበሎ ስለ ዝተዓዘበ፡ ብምሉእ እምነት’ዩ ተቐቢሉዎ። ህዝቢ ኣድያቦ፡ ሰራዊት ህዝባዊ ግንባር ንጸላኢ ክወቅዕ ኣብ ጎድኒ ወያነ ክስለፍ ምስ ተዓዘበ፡ ብዝተፈላለየ መንገድታት ሓጐሱ ይገልጽ ነበረ። “እንቋዕ ሻዕብያ ሃለኹም’ምበር ደጊም … ” እናበለ፡ ነታ ቅድሚኡ ብወያነ ተፈቲና ካብ ግንባር ሰለኽለኻ ፍሑኽ ዘይበለት ከተማ ሽረ፡ ካብ ቊጽጽር ጸላኢ ክትናገፍ ምዃና ብርእሰ ምትእምማን ይገልጽ ነበረ።
በዚ መሰረት፡ ቦጦሎኒ 119 ብሓደ ወያናይ መንገዲ ተመሪሓ ናብ ሸቶኣ ተጸገዐት። መጥቃዕቲ ትጅምረሉ ናይ ዜሮ ሰዓት፡ ብጸጋማ ዝተሰለፈ ለካቲት ክፍለ- ሰራዊት ወያነ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምኽፋቱ ሓደ ሰዓት ጸኒሓ ክትጅምር ተጸበየት። እንተዀነ፡ ወያነ ካብቲ ዝተዋህቦም ናይ ዜሮ ሰዓት ፍርቂ ሰዓት ተደናጕዮም ጀመሩ። ብኡ ምኽንያት እዛ ቦጦሎኒ’ዚኣ ትጅምረሉ መጥቃዕቲ’ውን ናብ ሰዓት 3፡30 ክጕተት ግድን ኰነ። ናብ ድፋዕ ጸላኢ ኣብ ምብጻሕ፡ ከምቲ ብኽሻፋ ዝተዓዘቡዎ ዘይኰነ ራሕቂ ነይሩዎ። ናይ ስንጭሮታት ምዉት መሬትን ምጽልማት ወቕትን ባህርያዊ ዕንቅፋት ኣጋጢሙ ተደናጐየት። መጥቃዕቲ ምስ ጀመረት’ውን ንቐዳማይ ሸቶ ቀልጢፋ ኣይተቘጻጸረቶን። በዚ ምኽንያት፡ ኣብቲ ዝድለ ዕላማ ከይበጽሐት ግዜ ወግሐ። መሬት ምስ በርሀ እያ ነቲ ቐዳማይ ሸቶ ክትቈጻጸር ዝኸኣለት።
ይቕጽል
ኣርካን
ጎይታኺ ጎልጐል ሰሜናዊ ባሕሪ
ሹማ ዓዲ ዕለ ኣብቲ ዕዉት ወፍሪ
ስጥመት ወሲኽካሉ ነቲ ሓይሊ
ጉዕዞ ምዕራብ ነድያቦ ብእግሪ
ማኣስ ተጠዊኻ ቋሓይን ማይ ጸብሪ
ወርቂ’ዩ ንዓኻ ግዜ ክቡር
ኒሕን ሓቦን ወሲኻ መሓውር
ምስ ሕሙም ከብድኻ ዘይትሓድር
ኣርሓ ከለኻ ዶ ድኣ ዝራብዕ ክፍክር
ንሓቂ ኣውጺእካያ ካብ መቓብር
ሰራዊቶም ብኸረን እጽበ
ንሽረ ኣቲኻ ዘይ ተሓስበ
ሃብሮም ኣባ ጥመር ዘይዳነ
ንሃንቀውታ መራሕቲ ወያነ
ኣዕጊብካዮ ብናትካ ውሳነ
ብዓል ቁምጣ ምስ ጥውዮ ነጸላ
ንግሆ ጕንደት ምሸት ዓዲ-ዃላ
ምሩጽ ኣርሓ ናይ ውግእ ክኢላ
ወዲ ላምና ወዲ እታ ማቴላ
እፎይ ኢላ መሬት ንሓላላ
ሰሜናዊ ቀርኒ ልዕሊ ርእሲ
መርትዖኻ ምስክር ናይ እንሲ
ተነጊሩ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ
ፈኒኻሎም ናየጻምእ ሕንዚ
ስጋ ኣፍዓበት ስጋ ናደው እዚ
ብሉይ ሜላ ኣረጊት ሽጣራ
ንሕልፈቶም ኮይኑ መናውራ
ፋሕ ብትን ኣትዩዎም ደቂ ዛግራ
ተረፍሪፎም ሬሳ ኣብ ልዕሊ ሬሳ
ውሕጥ ኣቢሉዎም ኳዕናን ዓጎምበሳ
መዳርግቲ ኣልቦ ዝበሉዎ
ሰራዊቶም ሰልሚ ውሒጡዎ
ቀደሙ’ውን ኣስማት ከቢዱዎ
ምስ ዘይ ዓቕሙ ከወዳድርዎ
ዕሱብ እንድዩ ዕሱብ ዘይብልዎ
እቲ ፈኸራን ብዝሒ ሰራዊትን
መዳፍዕን ሕጭጭታ ነፈርትን
ሓሞት ዕሱባትን ቀይሕ ሰራዊትን
ሞራል ደርግን መንፈስ ተጋደልትን
ፍልልዩ ሰማይን መሬትን
ዕላማ’ዩ ሓይሊ ሓያላት ዘማስን
ተጋ/ት ብርኽቲ ኣብርሃም መ/ደንደን