“ፈላሚት ጌጋ ናይ መወዳእታ ዕምሪ”

ስዉእ መራሒ ጋንታ ሃንደሳ – ተጋዳላይ ፍስሃየ ወዲ-ቐሺ እዩ ጸዊዑኒ። “ንዓ ወዲ- መምህር፡ ጦፍ ክትለኣኽ ኢኻ!” በለኒ’ሞ፡ መገሻ ባህ ይብለኒ ስለዝነበረ ትግህ ኢለ ቀረብኩዎ። እቲ ዝኸዶ ቦታ ሓሽከርበብ ምዃኑ ገሊጹ፡ ነተን ከምጽአን ዝሓበረኒ ንብረት ግን፡ ብድፉኑ ዝመጽእ ንብረት ምዃኑ’ምበር ዓይነቱ ኣይገለጸለይን። ኩሉ እቲ ዘጊሸኒ ዝነበረ ምኽንያት ጕዳይ፡ ኣብታ ዝተዓሸገት ደብዳበ እዩ ነይሩ። ንዓይ ዘገድሰኒ ዝነበረ ግዳ፡ ብቐንዱ እቲ መገሻ እዩ። ብሓፈሻ ኵላትና ተጋደልቲ፡ “ጦፍ ክትለኣኽ ኢኻ” ዝብል ትእዛዝ ካብ ሓደ ሓላፊ ክመጽኣና ኸሎ፡ ‘ንወጻኢ ክትገይሽ ኢኻ’፣ ‘ምስ ሓድሽ ዘይረገጽካዮን ዘይረኣኻዮን ከባቢ ክትላለ ኢኻ’ ትበሃል ዘለኻ ኮይኑ ይስማዓካ’ሞ፡ ገጽካ ብርህ ይብል።

መበገሲ ቦታይ መዓስከር ሂወት ድፋዕ ግንባር ሩባ-ዓንሰባ እዩ። ካብ’ዚ ዝተጠቕሰ ቦታ ኣብ ቶየታ ስዒድ ፈረጅ (ኣዛዚ ክ/ሰ 52) ተሳፊረ ናብ ገርገር ኣምራሕኩ። ጕዕዞና ካብ ማእከልን ወሰናስንን ሩባ- ዓንሰባ ወጻኢ ኣይነበረን። እታ ቶዮታ፡ ኣግራብ ዑበል ሰናጢቑ ብዝሓልፍ ጽርግያ እናተሓንበበት፡ ኣብቲ ኣሳግድ እናኣሰራሰረትኒ ትጓዓዝ ነበረት።

ኣቝጽልቲ ዑበል፡ ዘይከም ናይ ካልኦት ኣግራብ፡ ቀጢን ቍናኖ ሸሊል እዩ ዝመስል። ብንፋስ ክንኖ ኸሎ ካብቲ ኣቝጽሊት ዝወጽእ ድምጺ ኸኣ፡ ድምጺ ፋጻ ነበረ። ነቲ ሰፊሕ መሓዝ በቲኽና ናብቲ ኣንጻር ክንሰግር ከለና፡ ኣብቲ ማእከል ሑጻ ሳጃታት – ጎማታተን ብሑጻን ጭቃን ንዝተታሕዛ ተሽከርከርቲ መውጽኢ ኣዕጻው ንረክብ ነበርና።

ኣብ ገርገር ምስ ኣቶና ቀጥታ ናብ ክፍሊ ምውፋር መጓዓዝያ ኣምራሕኩ። ገርገር፡ ዝበዝሕ ክፍልታት ክፍለ ሰራዊትና ዝተዓቝበሉ ጻዕቂ ኣግራብ ዘለዎ ካብ ግንባር ድሕር ዝበለ ታሕታይ ሩባ-ዓንሰባ እዩ። ካብኡ፡ ናብ ደጀን ካብ ዝምለሳ ብሓንቲ ማጅሩስ ዝዓይነታ ናይ ጽዕነት መኪና ገይረ ዛራ ኣተኹ። ካብ ዛራ ናብ ሓሽክርበብ እውን፡ ኣብ ካልእ መኪና ተሳፊረ ቀጸልኩ።

ሓሽክርበብ ኣብ መንጎ ሕሽክብን ዓምበርበብን እትርከብ ሎጀስቲክስ ኤምዳድ ሃንደሳ ዝተዓቝበላ ስንጭሮ እያ። መጸውዒ ናይታ ቦታ ተጋደልቲ ዝሃቡዋ ካብ ሕሽክብን ዓምበርበብን ተዋጺኡ ዝቘመ መጸውዒ ቃል እዩ። ኣብዚ ቦታ’ዚ ማእከላይ ቤጽ-ሕፈት እዚ ሃንደሳ ነበረ።

ኣብቲ ቦታ ወዲ-ባቡር ዝበሃል ሓላፊ ናይ ኤምዳድ ጸንሓኒ። ሕጂ’ውን ገና ስም ናይ’ቲ ክወስዶ ዝኸድኩዎ ንብረት ከይጠቐሰ፡ “ነተን ንብረት ሰዓት ኣርባዕተ ወጋሕታ ናብ መኻዚኖ ኬድና ክንጽዕነን ኢና፡” በለኒ። ከም’ቲ ዝበሎ ናብ’ቲ መኻዚኖ ብምኻድ 12 ሰናዱቕ ጸዓንና። እቲ ኣብ ውሽጡ ንብረት ዝሓዘ ሰናዱቕ ጸረ-ታንክ ነተጕቲ እኳ እንተ ነበረ፡ ገና ሕጂ’ውን ንዓይ ኣይተነግረንን። ኵሉ ኣካላት ውድብ – ንጥፈታቱን ኣሰራርሓኡን ምስጡር ድኣ ይኹን’ምበር፡ ኣሃዱ ዕቃበ ኣጽዋርስ ሕልፍ ዝበሉ ነበሩ። ነቲ ኣብ ልዕሊ ሳንዱቕ ዝነበረ ጽሕፈት ኣንቢበ ክርዳእ ፈቲነ፣ ግን እቲ ጽሑፍ ናይ ሩስያ ስለዝነበረ ከንብቦ ኣይከኣልኩን። ጽዒንና ምስ ወዳእና እዩ – ወዲ-ባቡር እንታይነት ናይ’ቲ ጽዕነት ከም’ዚ ዝስዕብ ኢሉ ገሊጹለይ፦

“እሞ ወዲ-መምህር፡ እዘን 12 ሰናዱቕ TM 57 ጸረ-ታንኪ ነተጕቲ እየን። ኣብ ጕዕዞኻ ሰብ ወይ ንብረት ኣብ ልዕሊኡ ከይስቀሎ ዓቢ ጥንቃቐ ክሓትተካ እዩ። ብጽቡቕ እንተዘይተታሒዙ ክዕክስ ወይ ኣብዘይ ተደልየ ግዜ ነቲጉ ሓደጋ ከውርድ ይኽእል እዩ፡” በለኒ። ነዘን ብሓደራ ዝተረከብኩወን ንብረት ሒዘ እምበኣር፡ ሰዓት 6፡30 ምሸት ካብ ሓሽክርበብ ናብ ግንባር ተፋነኹ።

ብሓቂ ካብ ኤምዳድ ሃንደሳ ክፋኖ ከለኹ ጀሚረ፡ በዘን ንብረት እዚኣተን ከቢድ ጾር እስማዓኒ ነበረ። ከም’ታ ዝተባህለትኒ እናሓለኹ ኪድ ሓዲረ ዛራ (ቦታ) ኣተኹ። እዛ 12 ሰናዱቕ ነተጕቲ ዝጸዓነት መኪና፡ ነፈርቲ ውግእ ጸላኢ ከይርእያኣ ኣብ መንጎ ዕቦልን ዓዳያትን ተዓሸገት። ኣነ ኸኣ፡ ማይ ክሕጸብ ናብ’ቲ ሩባ ወሪደ።

ኣብቲ ሩባ፡ ገብርሂወት ፋሲል ዝተባህለ ሓደ ኢዱ ቆራጽ ተጋዳላይ ረኸበኒ። ብቐረባ ንፋለጥ ስለዝነበርና፡ ናብ’ቲ እንዳ ማሕበራዊ ጕዳይ (ኣሃዱኡ) ተማሊኡኒ ከድና። ቍርሲ ከቝርሰኒ ሸበድበድ እናበለ ኸሎ ግን፡ ነፈርቲ ውግእ ከተፍ በላና። ኣነ፡ ንነብሰይ ረሲዐ ቀጥታ ብጕዳይ ንብረተይ ሓሰብኩ። ከም ሓቂ እታ መኪና ብዝግባእ ተመሳሲላ ተዓሺጋ’ኳ እንተ ነበረት፡ ኣነ ግን ካብ ዓይነይ ስለ ዝገለለት ጥራይ – ካብ’ቲ ዝተገብረላ ምምስሳል ንላዕሊ ፍታሕ ከም ዝሓዝኩ ሸበድበድ በልኩ። እቶም ብጾት፡ ረጊአ ኮፍ ክብል ተዛረቡኒ።

እቶም ኣባላት ማሕበራዊ ጕዳይ ናሽናል ቴብ ስለ ዝነበረቶም፡ ባንድ FM ቀይሮም እቶም መራሕቲ ክልተ ነፈርቲ ውግእ ክዘራረቡ ከለዉ ክከታተሉዎም ጀመሩ። ኣብ መንጎ ዝርርብ ናይቶም መራሕቲ ነፈርቲ፡ “እዚ ሳሕሳሕ ወንበዴሲ ኣሰር መኪናኡ ከይደፈነ ደቂሱ!” ትርእዮዶ ኣለኻ. . . !” ክብሉ ተሰምዑ።

ብዛዕባ ርጋጽ ኣሰር ናይ’ታ ንብረተይ ዝጸዓነት መኪና ምዃኖምን ዘይምዃኖምን እኳ መረጋገጺ እንተዘይነበረኒ፡ ንኻልእ ኰይኑስ ኣይተሰመዓንን። እቲ ዝጸንሓኒ ሻቕሎት መሊሱ ገዲዱ – “ሕጂ መሬት ተበላሽያ!” ብምባል ካብ’ቲ ዘዕረፍኩሉ መዓስከር ናብ በሪኽ ቦታ ወጺአ ንምክትታል ብድድ በልኩ። ገብርሂወት “ናበይ ደሊኻ’ታ!” ኢሉ ብኢደይ ሓዘኒ። እተን ነፈርቲ ውግእ፡ ስጕምቲ ክወስዳ ኣይደንጐያን። ተተኳሲ ቦምባታተንን ጠያይተንን ክሳብ ዝነግፋ፡ ኣከታቲለን ኣርባዕተ ግዜ ደብደባ። ተመሊሶም ክቕጽሉዎ ከም ዝዀኑ ተረዳዲኦም ድማ፡ ናብ ኣስመራኦም ተዓዝሩ።

ድሕሪ ምኻዶም ከይደንጐኹ እናተሃንፈፍኩ ናብ’ቲ ንብረተይ ዝጸዓነት መኪና ዝተዓሸገትሉ ዱር ኣምራሕኩ። ኣብ’ቲ መዐሸጊ ዱር ቅድሚ ምብጽሐይ፡ ሓደ ተጋዳላይ ኣብ መንገዲ ረኸብኩ እሞ፡ ኵነታት ናይ’ቲ ደብዳብ ክገልጸለይ ሓተትኩ።

“ሎሚ ንእስክላ ኢና ህይወትናን ንብረትናን ድሒንና፤ ሩባ ዛራ ዘሎ ምሉእ መዓስከራት ውድብ ክድምስስ ዝኽእል ፈንጂታት ዝጸዓነት መኪና፡ ብሮኬታት ነፈርቲ ጸላኢ ክትሰሓት ውዒላ። ሕጂ’ውን እተን ነፈርቲ ምምላሰን ኣይተርፍን እዩ. . .” በለኒ። በቲ ዝተዋህበኒ መልሲ ብዘይመጠን ሰንቢደ። እቲ ተጋዳላይ ዓይነት ጽዕነት ናይ’ታ መኪና ብኸመይ ፈሊጡ እውን ገሪሙኒ።

ነቲ ዘረባ ድሕሪ ምስማዕ፡ ናህረይ ወሲኸ ብጕያ ኣብቲ እታ መኪና ተዓሺጋትሉ ዝነበረት ቦታ በጻሕኩ። ግን፡ እታ መኪና ኣብ ቦታኣ ኣይጸንሐትን። ኣሰር ናይ ሰለስተ ካብታ ነፋሪት ዝተደርበየ ሮኬታት ግን፡ የማነ-ጸጋም ካብ መዓሸጊ ናይ’ታ መኪና ንመሬት ጸሓሒሩዎ ነበረ። ዋላ’ኳ እቲ ኣብ መንገዲ ረኺበ ዘዘራረብኩዎ ተጋዳላይ እቲ ፈንጂ ካብ ምዕናው ከም ዝደሓነ ገሊጹለይ እንተዀነ፡ ነታ መኪና ምስ ሰኣንኩዋ – ኣሉታዊ ዝዀኑ ሓሳባት ጥራይ ናብ ሓንጐለይ ክውሕዙ ተሰምዓኒ።

እቲ ንብረት ኣብ ምንታይ ከም ዝወደቐ ሸቐልቀል ኣትዩኒ ዳምዳም ኢለ ምስ ሰኣንኩዎ፡ ናብ ቦታ ማሕበራዊ ጕዳይ ገጸይ ኣምራሕኩ። ገና ኣብ እንዳ ማሕበራዊ ጕዳይ ከይበጻሕኩ – ኣብ መንገዲ እንከለኹ ግን፡ እተን ነፈርቲ ውግእ ንኻልኣይ ግዜ ከተፍ በላ።

ሕጂ ግን፡ ከም’ቲ ልሙድ ዝገብራኦ ታርጌት ንምርኣይ ዘጥፍኣኦ ግዜ ኣይነበረንን። ድሮ ዕላማአን ጭቡጥ ገይራናኦ ስለዝነበራ፡ ኣብ ካልኣይ እግሪ ቀጥታ ደብዳብ ጀመራ። ነቲ ንግሆ ዝሃረማኦ ከባቢታት ደጋጊመን ሕርስ ወዓላኦ። ቦምባታተን ነጊፈን ከኣ፡ ካብ ሰማያት ከባቢና ተኣልያ።

ኣነ፡ ቅሳነት ስኢነ ሸቐልቀለይ ቀጸልኩ፣ እቶም ተጋደልቲ ኣባላት ማሕበራዊ ጕዳይ ግን ሞራል ሃቡኒ። “ግዲ የብልካን፡ ንብረትካ ገለ ኣይኰነን። ድሓር ከኣ በይንኻ ትሓምመሉ ንብረት መዓስ ኰይኑ፣ ኵላትና ብማዕረ ኢና እንሓምመሉ. . .!” እናተዋዘዩ ክሳብ ጸሓይ ዓራርቦ ኣዘናግዑኒ።

ኵሉ ተጋዳላይ ይከባበር እዩ’ሞ ኣይከም ንጦፈኛ፣ ብፍላይ ካብ ሓይልታት ናብ ደጀን ወይ ክፍልታት ውድብ ገጽካ ጦፍ እንተ ተንቀሳቒስካ፡ ክብረት መሊኡካ እዩ። ከምኡ ስለ ዝነበርኩ እየ ይመስለኒ – ብጾት ኣባላት ማሕበራዊ ጕዳይ ልዕሊ ዝግባኣኒ ዘአንገዱኒ። ዝነበረኒ ዕራቃን ክዳን፡ ጫማ፡ ማልያን ክስቱሞን ብሓድሽ ብምትካእ’ውን ጀንጀኑኒ። ኣብ እንዳ ማሕበራዊ ጕዳይ ብጽቡቕ ዓጀባ ውዒለ፡ ሰዓት 5፡00 ምሸት ካብኣቶም ተፋነኹ።

ካብኣቶም ተፋንየ ንብረተይ ንዝጸዓነት መኪና ከናዲ ምስ ጀመርኩ፡ እቲ ሻቕሎት ከም ሓድሽ ክደግሰኒ እናተፈለጠኒ ናብ ምውፋር ገጸይ ኣምራሕኩ። ድሕሪ ፍርቂ ሰዓት መካይን ሻዕብያ ከካብ’ቲ ተዓሺገናሉ ዝወዓላ በብሓደ እናወጽኣ ኣብ ምውፋር ብምእካብ፡ ንመገሻ ሞተረታተን ከርስና ጀመራ። ንብረተይ ዝጸዓነት መኪና ኮለኪና መርቸድስ እያ ነይራ። ከይተቐልቀለት ምስ ደንጐየትኒ፡ ህርመት ልበይ ክዛይድ ተፈለጠኒ።

እንተዀነ፡ ኣብ መወዳእታስ መኪናይ እውን ጎተት እናበለት ደኣ ተቐልቀለት። ነታ መኪና ካብ ማዕዶ ምስ ረኣኹዋ፡ ከም ቈልዓ እየ ተሰራሲረ። ምስ መጽአት፡ ነቲ ኣጋጢሙ ዝወዓለ ኵነታት ክፈልጥ ደለኹ’ሞ፡ ቀልጢፈ ኣብ ጎድኒ እቲ ብጻይ (መራሒ መኪና) ቀሪበ ከዕልለኒ ዓደምኩዎ።

ንግሆ ነታ መኪና ኣብ ጽላል ምስ ዓሸጋ፡ ንኣሰር ርጋጻ ከየመሳሰለ ረሲዑዎ እዩ ደቂሱ። እተን ነፈርቲ ድማ፡ ናይ መኪናኡ ኣሰር ተመልኪተን ኣብ’ቲ ቦታ ክድብድባ ውዒለን። ቀዳማይ ደብዳብ ወዲአን ካብ ሰማያት ዛራ ድሕሪ ምእላየን ግን፡ ተቐላጢፉ ነታ መኪና ካብ’ቲ ዝተሳሕተትሉ ኣልዒሉ ናብ መገዲ ጃኒ – ርብዒ ሰዓት ተጓዒዙ ዓሺጉዋ ውዒሉ።

ሽዑ መዓልቲ ንነብሰይ – ከም በዓል ጽቡቕ ዕድል ገሊጸያ። እንተዀነ ብቐንዱስ፡ ዕድል ናይ’ቲ ውድብን ሃገርን ጸቢቑ ምባል ይምረጽ። ምስ’ቲ ብጻይ መራሒ መኪና፡ ብዛዕባ’ዚ እናተጻወትና ኢና ናብ ግንባር ሩባ ዓንሰባ ክንጓዓዝ ኣምሲና። ካብ ዛራ ተበጊስና ከባቢ ፍርቂ ለይቲ – ነተን ንብረት ብሰላም ኣብ መዓስከር ሂወት (ናይ መወዳእታ መዕረፊአን) ኣብጺሕናየን።

ይቕጽል