ሳልሳይ ክፋል
ቁጽርና ምስ በዝሐ፡ ድምር ድሃይና ዓውታ ንኽፈጥር ኣይተጸገመን። ምህልላና – ነቲ ደበና ዝሓዘለ ሰማይ ክስንጥቖ ዓቕሚ ዘለዎ ኮይኑ ተሰሚዑኒ። ፈጣሪ ድምጽና ሰሚዑ፡ ኣብ ድሕነትና ግዲኡ ከም ዘበርክት ርጉጽ ገይረ ወሰድኩዎ።
ካብቲ ስሙር ምህልላ ወጺኦም ንሰማይ ብምንቅዕራር – “ኣንታ ፈጣሪ፣ ነዞም ቖልዓ ሰበይቲ ርአ!” ንዝበሉ ኣቦ ምስ ረኣኹ ኣነ እውን ካብ ቅኒት ናይቲ ምህልላ ወጺአ ነቲ ደበና ዘንጠልጠለ ሰማይ ኣትኲረ ጠሚተዮ። ሻቡ እቲ ጽርጊያ ብኻፋ ጠልቅዩ ነበረ ።
መሬት ጸጥ ኢላ እያ ዊዒላ። በቲ እቶም መንእሰያት ዘዕለሉና ዕላል ድዩ ብኻልእ ግን ርጉጽ ፍልጠት ኣይነበረንን። ድሓር ከኣ፣ ኔው ነጀው ኢለ ሓቅታት ከጣልለሉ ዝኽእል ዕድል ኣይነበረንን። ዝተረፈትኒ ዕድል ተሸቝሪርካ ሞትካ ምጽባይ ጥራሕ እያ።
ምድረ-ሰማይ ከምታ ዝወዓለታ ምስ ሓደረት ግን፡ ንዘረባ እቶም መንእሰያት ክኣምኖ ጀሚረ። ሰዓት 3፡15 ናይ ለይቲ ምስ ኮነ፣ ኣብታ ንማለቱ ዝተጐምበኹላ ቦታ ኮይነ ዘኪረዮም። ሰማይ ብቝልጭልጭታ ከዋኽብቱ ደሚቑ ነይሩ። ጽባቐ ሰማይ ኣብ ባሕሪ ምስ ዓረፈ፣ ከተማ ባጽዕ ተወሳኺ ድምቀት እያ እትለብስ። ሽዕኡ ግን፣ ብዛዕባኡ ዘስተውዕል ኣእምሮ ኣይነበረናን።
ሰለም ከየበልኩ እየ ሓዲረ። ምዃን… ብሻምብቆ ብረታት እንድየ ተኸቢበ ግዲ። ኣብ ኣፈፌት ሞት ተተርኢሰ’ሞ ከመይ ገይረ እየ ክድቅስ። ብዘይ ንሱ’ውን ኣብ ኣካላተይ ዝነበሩ ሓሳኹ ከይቀተልኩስ ከመይ ገይሩ ድቃስ ክጠልመኒ?
ወጋሕታ ሰዓት 5፡30 ምስ ኮነ ግን፣ ምድረ- ሰማይ ዝገላበጥ ዘሎ መሲሉ ተሰምዓኒ። ዝደቀሰን ዘይደቀሰን ኩሉ ቀባሕባሕ በለ። እልቢ ዘይብሎም ቦምባታት ዘነቡ። ነቶም ኣብ ማዕዶና ዝነበሩ ወተሃደራት፣ ኣብ መዳቕሶኦም ኣትዩ ከም ስጋ ጉዚ ይቘራርጾም ምንባሩ ብኣውያቶም ኢና ፈሊጥና።
ኢዱ ክህብ ዝተሓተተ ኣዛዚ 6ይ ክፍለ-ጦር ኢዱ ምሃብ ምስ ኣበየ ዝተጀመረ ደብዳብ ምዃኑ ኣይሰሓትናዮን። ናይ 24 ሰዓታት በይናዊ ምቍራጽ ተዅሲ ግዚኡ ሓሊፉ እዩ።
ህድግለነ ዘይብሉ ደብዳብ ምስ ዘነበና “ኦሮማይ!” ኢልና ተስፋ ቆሪጽና። ዘይጽንቀቕ ዝመስል ዝነበረ ተስፋና ብርኡይ ኣንቈልቊሉ።
ግቢን ፎሮብያን ቆላማ ሰራዊት ዝርሸነለን ናይ ጥፍኣት ቦታታት ኮይነን እየን ቀንየን። ቆላማ፣ ደቂ’ቲ ከባቢ ኮይኖም፡ ብረት ጸላኢ ዝተሰከሙ ዕጡቓት እዮም። ዓስቢ ምዕጣቖም፣ ውህብቶ 90 ኪሎ ስርናይን ዘይትን ነይሩዎም። ገለ ካብኣቶም፡ ነቲ ኣብ እግሮም ዝተቐብረ ስዉር ነታጒ ረሲዖም፣ ናብተን ዝወሃብኦም ቁሩብ-ቁራቦ ዘቋምቱ ዛህላላት ዕጡቓት እዮም። ነቲ ኣብ ድሕሪ’ቲ ውዲት ዝተነጽፈ ናይ ገረብ ብሓኽላ ተንኮል ደርጋዊያን ዝተረድኡዎ ግን ውሑዳት ኣይነበሩን።
ድሓርሲ – ሞቶም ዘይተርፎም ህዝቢ ለኪሞም ክጠፍኡ ዝወሰኑ ወተሃደራት ደርግ፣ ገዛ-ገዛ እናኣተዉ ንዘዝረኸቡዎ ሰብ ከውድቑ ጀመሩ። ብድሕሪኦም ዝነብር ፍጡር ክህሉ ድላዮም ኣይኮነን። ነታ “ኤርትራ መሬታ እምበር ሰባስ ኣየድሊየናን እዩ” እትብል ጭርሖኦም ብግብሪ ሰሪሖምላ።
እቶም ክርዱናት መኮንናት ሰራዊት ደርግ፡ ነቲ ኣብ ኣስመራ ኮይኑ ዘታልሎም ዝነበረ ኣዛዚ 2ይ ኣብዮታዊ ሰራዊት ኣሚኖምዎ እዮም። ብርጌደር ጀነራል ሑሰን ኣሕመድ “ሰራዊትና ንዕርድታት ግንባር ጊንዳዕ እናደምሰሰ ይመጽኣኩም ኣሎ” እናበለ ውግእ ንክቕጽሉ እዩ ዝደፋፍኦም ዝነበረ። ነዚ ሕሶት’ዚ ጠሪሶም ኣይነቕሑሉን። ክንዲ ዝኾነ ኸኣ፡ ኣእምሮኦም ናብቲ ድሕሪ ምቅይያር ኩነታት ዝህሉ እዋን እዩ ዘቋምት ነይሩ። ብዛዕባ’ቲ ዋጋ ጽንዓቶም ዝምጠወሎም ሽመት እናሓሰቡ ኸኣ፡ ንህዝቢ ባጽዕ ጅሆ ብምሓዝ፣ ክሳብ ዝኾነ ዝኸውን ክዋግኡ ወሲኖም ነበሩ።
እቲ ከባቢ ብሽታ ሬሳታትን ካብ ከባቢና ከይርሓቕና ንወጾ ዝነበርና ቀልቀልን ተበኪሉ ነይሩ። ክልተ ሞስኮቪች ዝዓይነተን ወተሃደራዊ መካይን ነታ ጎማ ዝእግራ ታንኪ ኣሰንየን ኣብ ቅድሚ’ቲ ዝተዓቘብናሉ ቦታ ከተፍ ምስ በላ፣፣ ኩልና ሰንበድና። ሻምበል ኣስናቀ፡ ካብተን ንኣሽቱ መካይን ክወርድ እናተጸበናዮ ካብታ ታንኪ ወረደ። ንሱ ክኾልል እንተጀሚሩ ወይ ንታህዲድ ወይ ከኣ ንምቕታል ምዃኑ ንፈልጥ ኢና። ብሰንኪ’ዚ፡ ዝወድቀና ዕጫ ንምቕባል ከም ኣብ ማይ ዝኣተወት ኣንጭዋ ጥርቅም በልና።
ብሕሹዅታ “ጠፋእና!” ዝበለ መንእሰይ ብፍርሒ ኣብ ዝኣትዎ ጠፊኡዎ ነይሩ። ንሱ ድኣ ተዛሪቡ እምበር ንሕና’ውን ካብ ዓንኬል ፍርሒ ክንወጽእ ኣይከኣልናን።
ጠልፈፍ ጠልፈፍ እናበለ ዝቐረበና ሻምበል ኣስናቀን፡ ዓጂቦምዎ ዝመጽኡ ወተሃደራትን ዝምሕሩና ኮይኖም ኣይተራእዩናን። እቲ ዝተጸዋወገ ገጻቶም ንጥፍኣትና ዘንቀዱ እዩ ኣምሲሉዎም ነይሩ። ኣነ እውን፣ እምነተይ ኣብታ ዝተጸጋዕኩላ ናይ ስሚንቶ ዓንዲ እየ ኣንቢረዮ። ንኽተድሕነኒ ጽቡቕ ገይረ ተላሒገያ ነይረ። ገሊኦም ከኣ፡ ካብቲ ዝኽስከሰና ጠያይት ንምምላጥ ኣብ ድሕሪ ከምኦም ፍጡር ክስኵዑ ፈቲኖም።
ኣብ ጥቓና ዝበጽሐ ሻምበል ኣስናቀ ደው በለ። ዓጀብቱ ተቐላጢፎም ቦታታት ብምሓዝ ኣፍ ሻምብቆ ብረቶም ናባና ገጾም ኣቕንዑዎ። ኣቀባቢሎምዎ ግዲ ጸኒሖም ኢማናታቱ ተኸፊቱ ነይሩ።
“ከጥፍኣና እዩ’ዚ ከይሲ!” ዝበሉ ኣቦ፣ ነቲ ዝስዕብ ጨካን ስጉምቲ ንዘይምርኣይ በትሮም ኣብ ባይታ ተኺሎም ርእሶም ደፍኡ።
ንባጽዕ ጋሻኣ ምዃኖም ዝተፈልየ ኣለባብሳኦም ይምስክረሎም ነይሩ። “ኣስተርእዮ ማርያም ንኸብዕሉ ዝመጽኡ ጋሻ እዮም ዝመስሉ” ኢለ እናገመትኩ ተኲረ ጠሚተዮም። ንሶም ድማ ንሻምበል ኣስናቀ ተኲሮም ጠመትዎ። መሊሶም ከኣ – ንርእሶም ናብ ባይታ ደፍኡዋ።
ሻምበል ኣስናቀ ኣብ ቅድሜና ምስ ተገተረስ፣ እቶም ኣብ ድሕሪት ዝነበሩ ሓለፍቲ፡ ትዕቢታዊ ብዝመስል ኣሳጕማ ማዕጠጥ እናበሉ ናብኡ ገጾም ቀረቡ። ሻቡ፡ ሓደ ካብቶም ምሳና ዝነበሩ መንእሰያት “እው…ይ! እዚኦም ድኣ እቶም ኣለዉ ዝተባህሉ ዓበይቲ መኮንናት እንዲዮም ግዲ!” ኢሉ ብሕሹዅታ ክዛረብ ሰማዕኩዎ።
መን ምዃኑ ብድምጹ ኣለልየዮ እየ። ግልጽ ኢለ ክጥምቶ ግን፡ ዝሕሰብ ኣይነበረን። ከምኡ ክገብር እንተዝፍትን፡ ምዕይ ብምባለይ ጥራሕ ዓጀብቲ ሻምበል ኣስናቀ ተኲሶም መውደቑኒ ነይሮም።
“እዚ ኣብ ማእከል ዘሎ ኮሎኔል በላይ ኣስጨናቂ እዩ ዝበሃል። ብየማኖም ዘሎ ሻለቃ ሮሪሳ ዳዲ እዩ። እቲ ሓደ ድማ ሓለቓ ሓምሳ ሃይማኖት እዩ ዝበሃል” ዝበለ መንእሰይ ማዕርጎምን ኣስማቶምን ተረርር… ኣቢሉ ምስ ወጽኦ ገረመኒ። ግዳ ሕጂ እውን ምዕይ ኣይበልኩን። ኣዒንተይ ናብቲ ኣእጋሩ ኣጋሕቲኑ ኣብ ቅድሜና ደው ዝበለ ሻምበል ኣስናቀ እየን ተጸሚደን።
ቀጺሉ እቲ መንእሰይ – “እቶም ብጸጋም ዘለዉ ድማ ሻለቃ ሃይሉ ኣየለ እዮም ዝበሃሉ። ምስኦም ለጊቡ ዘሎ ድማ ሻምበል ወንድወሰን ይበሃል። እቶም ክልተ ግን ኣይፈልጦምን እየ” በለ’ሞ ንዘረባ ሻምበል ኣስናቀ ንምስማዕ ትም በለ።
እቶም ላዕለዎት ወተሃደራዊ ሓለፍቲ ኣብ የማነ ጸጋሙ ደው ዝበሉ ሻምበል ኣስናቀ፣ “እሺ፣ ከመይ ዊዒልኩም?” ብምባል ኣፉ ከፈተ። ነቲ ብዙሕ ህዝቢ ንኸስምዕ ዓው ኢሉ እዩ ተዛሪቡ። ነቲ ዝተኣስረ ገጹ ኸኣ ክፈትሖ ፈተነ።
እቶም ንምርሻን ድኣ’ምበር ንዝርርብ ዝኸውን ግዜ ክወሃበና ዘይተጸበዩ በዓል ስረ-ግትር ኣቦ፣ ምእማን ግዲ ስኢኖም – ናብ ባይታ ንዝደፍኡዋ ርእሶም ብምቕናዕ፡ ገጾም ብእስርታ ነተን ደቀቕቲ ኣዒንቶም ናብ ሻምበል ኣስናቀ ገጾም ኣቕንዑወን።
“እግዚኣብሄር ይመስገን” ዝብል ሓባራዊ መልሲ ሃብናዮ። እቶም ኣቦ ግን “ወይ ሰብ ደቀይ! ኣንታ ፈጣሪ፣ ነዚኣ ክርኢዶ ዓቚርካኒ?” ኢሎም ብሕዙን ቃና ክዛረቡ ሰማዕኩዎም። ኣብ መንጎ ከቢድ ስቕታ ዝተዘርበት ዘረባ ብምዃና ግዲ ኮይና፡ ብመጕልሕ ድምጺ ተደጊፎም ዝተዛረቡዋ ኮይና እያ ተሰሚዓትኒ።
“ኣንቱም ኣቦ ከይተለክሙና እባ!” ሓደ ካልእ ሰብ እዩ ብሕሹዅታ ክገንሖም ፈቲኑ። ንሶም ግን ኣይመለሱን። ንሳ ዝወሰኖም ጥርቅም ኢሎም።
ኣእዛነይ ድኣ’የን ዝሰምዓኦም ነይረን እምበር፣ ኣዒንተይሲ ኣብ ገጽ ሻምበል ኣስናቀን ብጾቱን እየን ነይረን። ኣዒንቱ ኣብ ገጸይ ምስ ኣንከራረዋ እሞ ዝምሕረኒ ኮይኑ እውን ኣይተሰምዓንን። ኣፍጢጡ ምስ ጠመተኒ ኣብራኸይ ረሸሽ በላኒ። ካብ ኩሎም ንዓይ ዝሓረየ መሲሉ ድማ ተሰሚዑኒ።
“ኣጆኹም ኣይትፍርሑ! ዘፍርሕ የብልኩምን። ናይ ኣብዮታዊ ሰራዊትና ኣሃዱታት ኮማንዶ ብሄሊኮፕተራት ገይረን ኣብ ከባቢ ጋሕቴላይ ብምውራድ ናባና ገጸን ይግስግሳ ምህላወን ከነበስረኩም ኢና መጺእና” ዝበለ ሻምበል ኣስናቀ፣ ዘረባኡ ኮሊፉ ደጊሙ ንገጻትና በዒንቱ ኮለለን። ዝግታኡ ስምዒትና ንምምዛን ምዃኑ ኣየጠራጠረንን።
ሻምበል ዘረባኡ ብምቕጻል – “ስለ’ዚ… ካብዞም ቀተልቲ ወንበዴታት ሓራ ትወጽእሉ ግዜ ተቓሪቡ እዩ” ኢሉ ፍሽኽ በለና። እንተኾነ፡ ኣስናኑ ድኣ’ዩ ገሊሁልና እምበር ዝኾነ ንፍሽኽታ ዝገልጽ ትርኢት ኣይነበሮን።
ቀጺሉ እውን ብዙሕ ኣርእስቲታት ኣልዓለ። ግዳ ዛዕባታት ድኣ’ዩ ዝተናኽፍ ነይሩ እምበር የብስሎስ ኣይነበረን። ነዚ ምስ ሰማዕኩ፣ ናይ ዓቕሊ ጽበት መደረ ይገብረልና ምህላዉ ብውሽጠይ ደምደምኩ።
ድሓር ግን መደረኡ ምዝዛሙ ዝወድአ ክመስል፣ ምግዓር ኣቋሪጹ ሓንሳእ ዝግ በለ። እንተኾነ ብእኡ ገይሩስ ኣይሃጠመን። ሃንደበት ድምጹ ኣበሪኹ፡ “በትግላችን እናሸንፋለን!” ምስ በለና ከም ስንብድ በልና። ሃንደበትነቱ ድኣ ኣሰንቢዱና እምበር ፈኸራስ ኣብ ዘበነ ደርግ ዝለመድናዮ ጣቋ ድሕረ ኣኼባ እዩ ነይሩ።
“ዘይተርፈካ ጋሻ ኣጥቢቕካ ስዓሞ” ምስ ኮነና፡ ገሌና ጸጋማይ ገሌና ድማ የማናይ ኢድና ዓሚዅና ንላዕሊ ገጽና ሰፍ ብምባል – ነቲ ዘዝበሎ ደገምናሉ።
“ቀይ ባህራችን በደማችን!” ቀጸለ ሻምበል። ዓውታኡ ካብቲ ዝቐደመ ዝሓየለ ገበሮ። ንሕና ኸኣ ጨጨጓሩ ንውሽጢ ጌርና ንዓውታኡ ብዝዳረግ ድሃይ ጨራሕና። ድምር ጽምጽና ንሻምበል ኣስናቀ ባህታ ፈጠረሉ።
ብውሽጠይ ግን፡ “ባሕርናስ ናትና ድኣ!” እየ ዝብል ነይረ። ሞት ድማ ተመንየሉ። ልሳነይ እናጨርሐት፣ ሓንቲ ካብተን ዝዘንባ ዝነበራ ቦምባታት ኣብ ኣካላቱ ዓሊባ ክትረፋትቶ ዓይነይ ዓሚተ ጸሎተይ ኣብጺሐ። ካልእ ከድሕነና ዝኽእል ኣማራጺ ዝነበረ ኮይኑ ኣይተራእየንን።
ሻምበል ኣስናቀ፣ ውዒሉ ሓዲሩ ጨካን ሸውሃቱ ኣባና ከም ዘጽሕዮ ጠሪሰ ኣይተጠራጠርኩን። ከምኡ ክንዲ ዝኾነ፡ ብጠያይት ከየውደቐና እንከሎ፣ ብመድፍዕ ህዝባዊ ግንባር ንኽቕድሞ ንኣምላኸይ ለሚነዮ።
ድሓርሲ እቶም ኣሕሉቕ ንሓድሕዶም ተጓጀሙ። ጸኒሖም ከኣ፡ ሃንደበት ፈጨው ከም ዝብል ኣድጊ ሓዲጎምና ከዱ። ከተባብዑና ድዮም መጺኦም ዋላስ ዕላማኦም ክነግሩና ክርድኣኒ ኣይከኣለን። እቶም ኣብ ከባቢየይ ዝነበሩ ሰባት እውን ዝተረድኦም ኮይኖም ኣይተራእዩንን። ከምኡ ክንዲ ዝኾነ ኸኣ፣ ብምኻዱ ኣብ ክንዲ ንሕጐስ ተዓዚምና ተረፍና።
ክቱር ፍርሒ ኣብ ውሽጥና’ዩ ተጸፍዩ። መሬት ምስ መሰየ ዝተላዕለ ብርቱዕ ደብዳብ ግን ዝያዳ ኩሉ እዋን ኣርዓደና። እንተኾነ ኩሉ ሰብ መመዕቆቢኡ ሒዙ ነበረ። ድሕሪ’ቲ ደብዳብ፣ ድምጺ ካልእ ዓይነት ብረታት ዝሰማዕኩ ስለ ዝመሰለኒ ንምፍላዩ ኣእዛነይ ጸለኹ። ኣብ ዘለኻያ ተሓቢእካ ክትሰምዕ እንተዘይኮይኑ፣ ክትቅልቀል ዘኽእል ህሞት ብዘይምንባሩ ግን፡ ካብ ቦታይ ምንቕ ኣይበልኩን።
ኣብ መንጎ’ዚ፡ ደብዳብ ከቢድ ብረት ኣቋሪጹ ጻዕቂ ደቀቕቲ ብረት ተሰምዐ። እዝግዮታ ኣቦታትን ኣዴታትን ጀመረ። ኣስላምን ክርስትያንን ኣብ ሓደ ናይ መሓብኦ ቅርዓት ዓጒጎም ንፈጣሪኦም በብቛንቋኦም ክልምኑዎ ጀሚሮም። ቋንቋኦምን እምነቶምን ብዘየገድስ፣ ፈጣሪ ንሰራዊት ጸላኢ ጸሪጉ ደቆም ተዓዊቶም ሰላም ከውርደሎም ኣጻሊቶም።
እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ፡ “ተጋደልቲ መጺኦም! ተጋደልቲ መጺኦም!!” ዝብል ዓውታዊ ድምጺ ሰማዕና። ናብ ኩሉ ንኽልሕም ግዜ ኣይወሰደን።
እንታይ ከም ዝመስሉ ንምርኣይ ኣመና ተሃንጥየ ብምንባረይ፡ ኣነ እውን ክሳደይ ኣወጥዊጠ ክጥምት ጀሚረ። ገለ ካብ’ቲ ኣብ ስእለ ኣእምሮይ ዝቐረጽኩዎ ግን፡ ጉልቡታት፣ ጎታናትን ጀባጅብን ኮይኖም ይስምዑኒ ነይ ሮም።
ይቕጽል