ኤርትራ፡ ጕዕዞ ኣብ ተዘክሮታተይ

“እዚ ክቡር ዜጋ፡ ልዑል ምልከት ቋንቋ ዓረብ ዝውንን ብምንባሩ፡ ኣብዛ ብውሕሉል ዋሕዚ ትረኻ ብቋንቋ ዓረብ ጽሒፉ [ናብ ትግርኛ ዘተርጐማ] መጽሓፉ፡ ህዝቢ ኤርትራ መሰሉ ንምውሓስ ዘካየዶ ዘስደምም ገድሊ ብምንጽብራቕ፡ ዝተሰግሩ መስገደላትን ዝተጨበጡ ዓወታትን ብመልክዕ ስእሊ ከምዝረኣዩና ብምግባር ጽሒፉ፡” ይብል ኣብ መዓልቲ ፋንዋኡ ካብ ዝተነበበ፡ ንገለ ክፋል ስነ-ጽሑፋዊ ኣበርክቶ ገዲም ተጋዳላይ ኣምበሳደር ኣሕመድ ጣህር ባዱሪ ዝገልጽ ክፋል።

እዛ ባዱሪ “ኤርትራ፡ ጉዕዞ ኣብ ተዘክሮታተይ” ዝብል ወይ ከኣ በቲ መበቈላዊ ስማ “ኢርትርያ ሪሕላ ፊ ኣልዚክርያት” ዝሰመያ ህብብቲ መጽሓፍ’ዚኣ፡ ሰብኣውነት ዝመልኣ፡ ናይ ሓደ ናጽነት ሃገሩ ንምድላይ ካብ ብንኡሱ ዝነቅል፡ ዝስደድ፡ ኣርሒቑ ዝስደድ፡ ዝዕለም፡ ዝስልጥን፡ ዝጋደል – ኰታ ብጻዕቂ ፍጻመታትን ሕልኽላኻት መድረኻት ሰውራን ሓሊፉ ናጽነት ሃገሩ ናይ ዝርእን ክሳዕ ዝለዓለ ጽፍሒ ሓላፍነት ዝበጽሕን ዜጋ ዛንታ እተዘንቱ ሓንቲ ካብ ብሉጻት መጻሕፍቲ ሃገርና እያ። ኣቀራርባኣ ምቝሉል፡ ዋሕዚ ዝሓለወ፡ ሰብኣውነትን ግርህናን ዝመልአ፡ ተንካፍን ተሃራፍን ብምዃኑ ድማ፡ ኣብ መንጎ ኣንበብቲ ዓቢ ክብሪ ዝረኸበት መጽሓፍ ታሪኽ ህይወት እዩ ኣበርኪቱልና።

ታሪኽና በቲ ዝበቕዖ ደረጃ፡ ዕምቈት፡ ሕልኽላኻት፡ ጥርዚ ፍጻመታት፡ . . . ጌና ኣይተዘንተወን ንብል ኢና። ብልክዕ፡ ኤርትራውያን ሰራሕቲ ታሪኽ’ምበር ኣዘንተውቲ ታሪኽ ኣይኮንኩምን ንዝብል ትዕዝብቲ ገለ ወጻእተኛታት ንበቕዖን ንሓልፎን ኢና። ታሪኽና ኣይተዘንተወን ዝብል ዘረባ’ውን መውጽኢ ኣፍና ጌርናዮ። ግደ ሓቂ፡ ህዝቢ ኤርትራ መዋእሉ ኣብ ቀጻሊ ታሪኽ ምስራሕ ስለ ዝሓለፎ፡ እፎይ ኢሉ ከዘንቱን ብዛዕባ ሕሉፉ ክዛረብን ብዙሕ ዕድል ኣይረኸበን። ነፍሲ-ወከፍ ደቒቕ ኣብ ታሪኽ ህዝብና፡ ናይ ገዛእ- ርእሳ ፍጻመ ሓዚላ ሓሊፋ። ዋጋ ህላወን ቀጻልነትን ስለዝዀነ ድማ፡ ኣብ ሎሚ’ምበር ኣብ ሎሚ ኴንካ ንትማሊ ብዝግባእ ኣብ ምዝንታው ኣየድሃብናን።

እቲ ብርቂ ሃገራዊ ቅያዊ ታሪኽ ግን፡ ከም ብዕትብቲ ዝመሓላለፍ ናብ ወለዶታት ክሰግር ይርአ። ከነዘቱ ኣሎና። ከም’ዚ ናይ ብጻይ ባዱሪ ዝኽርታት፡ ንወለዶታት ዝሰርጽ ሓያል ቃልሲ ንሃገርን ሃገራውነትን ዝምህር’ዩ። እቲ ዕሸል ዜጋ፡ ኣንጊሁ ጾር ህዝብን ሃገርን ክስከም ዝሓለፎ ጕዕዞ፡ ንመጻእቲ ወለዶታት ቅርሲ ኰይኑ “ዋጋ ዝሓለፈ” ብዓይኒ ሰብ ውዕሎ ዝምስክር’ዩ። ዝወዓሉ እንተ ዘይነጊሮም፡ እቲ ረዚን ዝተሓልፈን ሰብ ዘሕለፈን ታሪኻዊ መድረኻት ነበረ ወይ ብሃሳስ ዝዝንቶ ክኸውን ይኽእል’ዩ። ደሓር ክትመልሶ ብዙሕ ዋጋ ይሓትት።

ዜና ዕረፍቲ ገዲም ተጋዳላይ ኣሕመድ ጣህር ባዱሪ ምስ ተሰምዐ፡ ባዱሪ እቲ ኣብ መጽሓፍ “ኤርትራ፡ ጕዕዞ ኣብ ተዘክሮታተይ” ምስኡ ዘጓዓዘና ባዱሪ’ዩ ቅጅል ኢሉና። ኣብ ኤርትራ፡ ካብ ኤርትራ ጉዕዞ ናብ ሱዳን፡ ግብጺ፡ ሶርያ፡ ዒራቕ፡. . . ምስኡ ተጓዒዛ። እቲ ጕዕዞ፡ ንውልቃዊ ዛንታኡ ኢሉ ዘይኰነ፡ ንዛንታ ኤርትራን ኤርትራውነትን ዝተኼደ ጕዕዞ ብምዃኑ፡ ምስኡ ኣብቲ ሕልኽላኽ ዝመልኦ ጕዕዞኡ ተጓዒዝና። ክዕንቀፍ እንከሎ ተዓንቂፍና፣ ክስጕም እንከሎ ሰጕምና። ኣብ ነፍሲ- ወከፍ ፍጻመ ምስኡ ተደናጊጽና፡ ተገሪምና፡ ተሓጒስና፡ ተቢዕና፡ ተሻቒልና፡ ፈሪሕና፡ . . .። ጕዕዞ ቃልሲ ቀሊል ከም ዘይኰነ ርዱእ’ዩ። ዘየቕለልዎ ምኽንያታት ድማ፡ ቃልሲ ሕልኽላኽ መድረኻት ስለዝሓልፍ’ዩ። ናይ ውሽጥን ግዳምን መሰናኽላት ከም ተንኰበት እናተጠቕለሉ፡ ከም ሽንፍላ እናተሓጽቡ፡ ጸርዮም ዘይጸርዩ ድማ ኣለዉ። እቲ ሓቀኛ ሃገራዊ ተቓላሲ ኸኣ፡ ኣብ ቀጻሊ ምጽራይ ተጓዒዙ ከም ዝዕወት ዛንታ ባዱሪ ይገልጸልና። እንቋዕ ተጻሕፈ።

“ኣነ” እናበልካ ምዝንታው፡ ዓቢ ብድሆ ሰብ ውዕሎ ምዃኑ ይግለጽ እዩ። ኣብቲ ሓባራዊ ገድሊ፡ ‘ኣነ’ ውልቃዊ ምንያት ከየስምዕ ክትስከፍ ኣይጽላእን። ግን፡ ድምር ኣነታት ስለዝዀነ ንሕና ዝኸውን፡ ናይ ዓይኒ ምስክርነትካ ኣብቲ ናይ ሓባር ጕዕዞ፡ ናይ ሓባር ዛንታ ኢኻ እትውክል። ስለ’ዚ፡ ኣነ ንኣጋንኖ፡ ንውልቃዊ ምስሊ ዘይኰነ፡ ኣነ ንንሕና ክሳዕ ዝዀነ ነቲ ስክፍታ ክንሰግሮ ኣለና። ተጋዳላይ ባዱሪ፡ ዝመረጾ ኣዘናትዋ ድማ፡ ቀንዲ ሓይሊ ናይ’ታ መጽሓፍ እዩ።

ሓደ እዋን፡ ዶክተር ተኸስተ ፍቓዱ ነታ ህብብቲ፡ “ጕዕዞ ካብ ናቕፋ ናብ ናቕፋ” ዘርእስታ መጽሓፉ ኣብ ዝጸሓፈሉ፡ ኣነ እናበለ ከዘንቱ ምፍታኑ ዓቢ ብድሆ ከም ዝፈጠረሉ ገሊጹ ነይሩ። ንብዙሓት ተጋደልቲ ጸሓፍቲ ወይ ሰብ ውዕሎ ዘጋጥም ዘሎ ብድሆ ድማ’ዩ። ንኺድ ግን ንስገሮ፤ ነቲ ዝረኣናዮ፡ ዝወዓልናዮ፡ ዝመስከርናዮ፡ ናትናን ናይ ብጾትናን ውዕሎ በቲ ግቡእን ልክዑን ኣገባብ ምዝንታው ዛንታ ኩልና ምዝንታው ስለ ዝዀነ፡ ክንዮ ስክፍታ ንዝህልዎ ረብሓ ከነማዕዱ ኣለና። እቲ ዘድልየና ጥበብ ምዝንታውን ኣቀራርባን እዩ።

መጽሓፍ፡ “ኤርትራ፡ ጕዕዞ ኣብ ተዘክሮታተይ” ሓንቲ ጽብቕቲ ኣብነት ናይዚ ኣገባብ ኣዘናትዋ እያ። ባዱሪ ከም ሰብ – ከም ኮተቴ፡ ከም ሳጋሚ፡ ከም ተጋዳላይ፡ ከም ኣቦ፡ ከም ብዓል ስልጣን – ኣብቲ ኤርትራዊ ጕዕዞ ምስኡ ስለዘጓዓዘና ክብሪ ይግብኦ። እታ መጽሓፍ ድማ፡ ካብተን ግድን ክንበባ ዘለወን መጻሕፍቲ ሃገርና ምዃና ብዙሓት ይጠቕሱ። መበቈላዊ ጽሑፍ ብቋንቋ ዓረብ ስለዝዀነ፡ ብቋንቋ ዓረብ ዘንብቡዋ ዝያዳ ነቲ ሓቀኛ ምስትምቓር ክረኽቡዎ ይኽእሉ። ኣብ መስርሕ ትርጉም ዝጠፍእ ብዙሕ’ኳ እንተ’ሎ፡ ተርጐምታ ብውሕሉል ኣገባብ እዮም ኣቕሪቦማ ዘለዉ። ክልቲኡ ቋንቋታት ኣብ ስፍሓት ዓቢ ፍልልይ’ኳ እንተ’ለዎ፡ ኣብቲ መንፈስን ኣብቲ ታሪኽን ሓደ ስለዝዀነ፡ ብርቂ ስራሕ’ዩ። ክብረት ይሃበልና ተጋዳላይ ባዱሪ፣ ንኽብሪ ሃገርካ ተቓሊስካ፡ ጕዕዞ ቃልስኻ’ውን ብድሙቕ ሰነድ ሓዲግካ። ካልኦት ብጾት’ውን ኤርትራ ኣብ ጕዕዞ ተዘኵሮታቶም ዝጽሕፉ ይግበሮም።

ካብ’ዚ ቀጺልና፡ ዕረፍቲ ገዲም ተጋዳላይ ኣሕመድ ጣህር ባዱሪ ምስ ሰምዑ ዝተፈላለዩ ሰባት ስምዒታቶም ገሊጾም። ኣማናቱላህ ዓብደልራሕማን ካብ ከረን እዚ ዝስዕብ ኣካፊሉና፤

“ምስ ባዱሪ፡ ድሕሪ ምምራቕ መጽሓፍ ‘ኤርትራ፡ ጕዕዞ ኣብ ተዘክሮታተይ’ ብቋንቋ ዓረበኛ እየ ኣብ ሓደ ናይ መንእሰያት ናይ ሌላ መደብ ክንገብር ተላልየዮ። ኣብ 2012፡ ንመንእሰያት ዝኸውን ተመኵሮ ካብ መጽሓፉ ከካፍለና ምስ ዓደምናዮ፡ ሓንጐፋይ ኢሉ ተቐቢሉና። ሽዑን ድሕሪኡን ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ምስ ባዱሪ ኣብ ንራኸበሉ ዝነበርና፡ ምቕሉል ኣቀባብላኡ መመሊሰ ንክረኽቦ ደፋፊኡኒ። ካብ ስፍሓት ልቦናኡ ብዙሕ ነገር ኢኻ እትመሃር። ናይ ፍልጠት ሸውሃቱ፡ ንመንእሰያት ከውርሶ ዝብህግ ነዊሕ ናይ ቃልሲ ተመኵሮኡ፡ ኣብታ ምስ ጀመርካያ ክትገድፋ ዘይትኽእል ናይ ተዘክሮታቱ መጽሓፍ ትረኽቦ። እታ መጽሓፍ እትኽተሎ ናይ ኣዘናትዋ ኣገባብ፡ ነቶም ዘይወዓልና፡ መንእሰያት 60ታት ብኣየናይ መስተንክራዊ ጕዕዞ ቃልሲ ተጓዒዞም እዛ ሎሚን ንሓዋሩን ወለዶታት ብኽብሪ እናተሓበኑ ዝነብሩላ ሃገር ከም ዘረከቡና፡ ላዛ ብዘለዎ ኣገባብ ኣቕሪቡልና።

ንባዱሪ፡ ካብ መጽሓፉ ወጻኢ ብኣካል ረኺብካ ኣብ እተዕልለሉ፡ እቲ ተንቀሳቓሲ ስጋ-ለበስ ናይ ልቦናን ፍልጠትን መኽዘን ኣእምሮኡ ምስ ትሕትና ዝመልኦ ባህርያቱ፡ ብምቕሉል ኣገባብ ውዕለቱ ዘካፍል’ዩ። ኣብ ንኡስ ዕድመኡ ዝነበሮ ኩሉ ዕድላት ራሕርሑ በጃ ሃገርን ህዝብን ምስ ብጾቱ ዝተጓዕዞ ነዊሕን ዝተሓላለኸን ቃልሲ፡ ዝነግሮ ብዙሕ ዛንታ ኣለዎ። ካብ ልቦናን ዛንታን ባዱሪ ካዕበት ኣብ ርእሲ ምምሃር፡ ማዕረ ኽንደይ ከም ባሕሪ ትሕት ብምባል ንኹሉ ከተሰንፎ ከም እትኽእል ይስወጠካ። እቲ ዝተበገሰሱ ዕላማ ኣብ ሸቶኡ በጺሑ ነቲ ዝኣመነሉን ዝተወፈየሉን ጕዕዞ ቃልሲ ኣብ ደብተር ወሪቑ ንዓና ንመንእሰያት ኣረኪቡ፡ መስርሕ ዕብየት ሓደ ብቑዕ ሃገራዊ ብኸመይ ዝበለ ጕዕዞ ከም ዝሓልፍ ካብ ውልቃውን ሓቀኛን ተመኩሮኡ ብዙሕ ትመሃር።

ኣብ ህይወት፡ ነዊሕ ቃልሲ ብምክያድ፡ ንሸቶ ህዝቢ ዝመጽአ እንተ መጽአ ከይተሓለልካ ኣብ ዕላማ ከተብጽሖ ምኽኣል ማዕረ ኽንደይ ምቕሉል ከም ዝገብረካ ባዱሪ መምህር’ዩ። መዛኑኡን መቃልስቱን – ከም ኩሎም ዝሓለፉ ገዳይም ብጾቶም – በዚ ናይ ዕረፍቱ ዜና ማዕረ ኽንደይ ተሰሚዕዎም ይኸውን? ዝብል ሕቶ ይመላለሰኒ። እዚ ኩሉ ግዜ ሓደ ዓቢ ጅግና ክሓልፍ እንከሎ እነልዕሎ ሕቶ’ዩ። ታሪኽ ሰሪሕካ ምሕላፍ ጸጋ’ዩ፣ ዝሰራሕካዮ ታሪኽ ኣዘንቲካ ምኻድ ከኣ ተወሳኺ ጸጋ። ዛንታኻ ጥራይ ዘይኰነ፡ ዛንታ ሓፋሽ ስለ እትነግር።

ካብ ስፍሓት ልቦና ባዱሪ ዝምንጩ ትሕትናኡ፡ ተረከብቲ ወለዶ ታሪኾምን ጕዕዞ ዝሓለፉ ኣያታቶምን ክፈልጡ ኣለዎም ብምባል’ዩ ዛታኡ ወሪቑልና። እዚ ሓያልን ተባዕን ፓለቲከኛን ዲፕሎማትን፡ እዚ ንሓቂ ዝተሰየፈ ጋዜጠኛ፡ እዚ ንዕላማ ሓፋሽ ብዘለዎ ዓቕሚ ዝተቓለስ ሃገራዊ፡ ሎምስ ይኣኽለኒ ኢሉ ኣዕሪፉ ክትሰምዕ ከለኻ ክትቅበሎ ይኸብደካ። ነባሪ ታሪኽ’ምበር ነባሪ ሰብ ስለዘየለ ግን፡ ንባዱሪ እውን ከም ብዙሓት ጀጋኑ ኣፋኒናዮ። ንዓሚቝ ልቦናኡ ካብታ ፍረ ኣእምሮኡ ዝዀነት ናይ ተዘክሮታቱ መጽሓፍ ክንረኽቦ ንኽእል – ካብዛ ዓቢ ናይ ህይወት ትምህርቲ ከም እንቐስም እትገብር ደጋጊምካ እትንበብ መጽሓፍ። ከም ሓንቲ መዘክር ናይ ኣብ ጕዕዞ ቃልስና ዝተፈጥረን ዝተጓዕዘን ሰብ ኰይና ከተገልግለና እትኽእል ዓባይ መጽሓፍ ድማ’ያ።

መንእሰያት፡ በየናይ ናይ መትከል ጕዕዞ ኣብ እንጓዓዘሉ ኢና እንዕወት ኣብ ዝብል፡ ካብ ዛንታ ህይወት ባዱሪ ንህይወትና ምሉእ ዘገልግል ካብ ሓድሕዱ ዝበላለጽ ክብርታት ክንወርስ ንኽእል። ነቲ ብዙሕ ዘይተነግረሉ ሓርነታዊ ሰውራና ካብ ውልቃዊ ተመኩሮኡ ብምብጋስ ተዘካሪን ነባርን ስራሕ ከበርክተልና ብምኽኣሉ፡ ሎሚን ንሓዋሩን ኣብ ልቢ መንእሰያት ተዘካሪ እዩ። ሰንሰለት ወለዶታት ዝተዋራረሱሉ ናይ ሃገርና ታሪኽ፡ ካብቲ ዓቢ ናብቲ ንኡስ ወለዶ እናተሰጋገረ ብዝደጋገም መስተንክራዊ ታሪኽ እናተዀልዐ ብምቕጻሉ ድማ’ያ ሃገርና ኤርትራ ዘይትድፈር፡ ሰላማ ዘውሓሰት፡ ሃገር ኰይና ትነብር ዘላ።

ዜና ዕረፍቲ ጀጋኑ ብሓፈሻ፡ ንመንእሰያት ዓቢ ሓላፍነትን ሕድርን’ዩ ዘሰክመና። ባዱሪ ንኣብነት፡ ብህይወት ኣብ ዝጸንሓለን ዓመታት ብዘበርከቶ ጸብጺብካ ዘይውዳእ ውዕሎ ኩሉ ግዜ እናተዘከረ ክነብር’ዩ። ታሪኽና ናይ ምጽሓፍ ተበግሶ፡ ኣብዚ ዘይናትካ ታሪኽ እናዘመትካ ዝንበረሉ ዞባ፡ ይጽናሓለይ ዝበሃሎ ኣይኰነን። ከም’ዚ ባዱሪ ዝወሰዶ ናይ ተመኩሮ መጽሓፍ ብምድላው፡ ነቲ ሃገራዊ ዛንታና ድርዒ ዝኸውን ስለ ዝዀነ፡ ናይ ኩሉ ዝወዓለ ሓላፍነት’ዩ። ዛንታ ውልቀ-ዝኽሪ ድማ፡ ተንባብን ንናይ ሰብ ተመኩሮ ብቐሊሉ ንኽትርዳእ ሓጋዝን ስለ ዝኸውን፡ ካብቲ ብዕለታትን ጸብጻባትን ዝመልእ ናይ ታሪኽ መጽሓፍ፡ ኣብ ተነባብነቱን ኣብ ምውራስ ታሪኽን ምስ ህያው ኣብነት ስለ ዝቐርብ ዓቢ ቦታ ኣለዎ።

ሰባት፡ እቲ ንኽትሓስቦን ክትትግብሮን ዓቐብ ኰይኑ ዝስምዓካ ነገር ብከማኻ ሰባት ከም እተተግበረ ኣብ እትዕዘበሉን እተንብበሉን፡ ነቲ ሓያል ኰይኑ ዝስምዓካ ዝነበረ ክትትግብሮ ኒሕ ዘዕቢ’ዩ። ካብኡ ብምብጋስ፡ ታሪኽ ናይ ምስራሕ ወንኻ ይዓዝዝ። በዚ ምኽንያት፡ ተበግሶ ባዱርን ካልኦት ተመሳሳሊ ስጉምት ዝወሰዱ ውሑዳትን ኣብ ምውራስ ታሪኽ ዓቢ ግደ ኣለዎም።

እዚ ባዱሪ ገዲፉልና ዘሎ ናይ ተዘክሮታቱ ዛንታ፡ ወካሊ ዛንታ ናይቶም ምእንቲ ራህዋ ሓፋሽ ከዐውቱ ኩሉ ዕድላቶም ዘወፈዩ፡ ታሪኽ ብሓበን ዝዝክሮም ኣርካናትና እዩ። መንእሰያት ድማ፡ ኣብ ኣሰሮም ብምስዓብ ንሃገርና ኤርትራ ናብ ዝለዓለ ናይ ምዕባለ ብራኸ ንኸነብጽሓ ሓላፍነት ዘሰክመና እዩ።

ዝተጻሕፈ ታሪኽድሕሪ ፈጸምቱ ንዘልኣለም ይነብር፣ ፈጸምቱ ኸኣ ኣብ ትሕቲ ባይታ ተደብዮም እንከለዉ፡ ንዘልኣለም ክዝከሩ ይነብሩ።