ሕድገት

ራብዓይን መወዳእታን ክፋል

ሰዓታት ናይ ንግሆ እዩ ዝነበረ። ጸሓይ ክትበርቕ እናተገብኣ – በቲ ንሰማይ ዝጋረደ ደበና ተኸዊላ ነበረት። እቲ – “ተጋደልቲ መጺኦም!” ዝብል ዘረባ፡ ርጉጽ ሓበሬታ ድዩ ዋላስ ካብ ባህጊ ዝነቐለ ተራ ወረ – ከረጋግጽ ዝኸኣለ ሰብ ኣይነበረናን። ግዳ ሕልምና ብምንባሩስ ተቐበልናዮ ድኣ።

ኣነ እውን ዝረኣኹ ዘይብለይ፡ ነቲ ኣብ ጥቓይ ዝነበረ መንእሰይ “ኣሕዋትና ኣትዮም ይበሃል ኣሎ” ኢለዮ – ብስምዒት።

መሊሰ ኸኣ፡ ነታ “ይበሃል ኣሎ” እትብል ንርጉጽነት እተህስስ ቃለይ ዓጺፈ፡ ተጋደልቲ ምእታዎም ነገርኩዎ። ንሱ ግን እንድዕሉ ተዓንዚዙ እዩ ዝነበረ። ክዘልል እናተጸበኹዎ ተዓኒዱ ትም። ኣዒንቱ ካብ ሰፈረን ክወጽኣ ዝደለያ መሲለን ተራእያኒ። ኣዒንትና ክንሕጐስ እንከለና ድየን ዋላስ ክንሓዝን እንከለና እየን ዝፈጥጣ – ፈልየ ክፈልጦ ኣይከኣልኩን። ኣነ እውን ዓይኒ ዓይኑ ጠሚተዮ።

ድሓርሲ ምስኡ ምፍጣጥ ኣጽሊኡኒ፣ ሓጐሰይ ምስ ገንፈለ – ንላዕሊ ገጸይ ክሰራሰር ጀሚረ።

ሓሙሽተ ዝኾኑ ሰባት መሪሖምና ምስ ወጽኡ፣ ካብ’ቲ ዝተዓቘብናሉ ቦታ ህዱድድ. . . እናበልና ወጺእና። እቲ ምስ ተሓጐስካ እንታይ ከም ዝግበር ጠፊእዎ ዝነበረ ወዲ፡ እንታይ እዋኑ ሓዲጉኒ ከም ዝተወንጨፈ ክርድኣኒ ኣይከኣለን። ብዙሕ ከይረሓቕና ከኣ፡ ሓሙዅሽታይ ክዳን ዝለበሱ ዕጡቓት ናባና ገጾም ክጐዩ ርኣናዮም።

“ተጋደልቲ እዮም፣ ተጋደልቲ እዮም!” ኢለ ንነብሰይ ሕሹዅ ኢለያ። ገለ ነገር ኣብ ኣካላተይ ዝተዛሕወ ኮይኑ’ዩ ተሰምዓኒ። ተጋደልቲ ርእየ ዘይፈልጥ ክንሰይ፣ ተጋደልቲ ብዛዕባ ምዃኖም ግን ኣይተጠራጠርኩን።

እቶም በዓል ስረ-ግትር ኣቦ፡ ንኹልና ቀዲሞም ኣብ ቅድሚት ብምውጻእ፣ በትሮም ንላዕሊ ገጾም ሰፍ ብምባል “ኣጆኹም! ገድሊ እዮም ኣይትፍርሑ…!” እናበሉ ከተባብዑና ጀመሩ። ኣዘራርባኦም ንተጋደልቲ ጽቡቕ ገይሮም ከም ዝፈልጥዎም ዘመላኽት እዩ ዝነበረ።

“ኣጆኹም፣ ኣሕዋትኩም ኢና ኣይትፍርሑ! ኣጆኹም! እዘን ድሁላት ከይልክማኹም ግን ቀልጢፍኩም ውጽኡ!” ዝበለና – ቀጢን፡ ቆማት፡ ከደራይ መንእሰይ – ጎታን ጸጕሪ ርእሱ ኣብ ጫፉ ተዓዃሊሉ። እታ ጽምእቲ ገጹ ኣብ ሓሳረ መከራ ምንባሩ ትምስክረሉ ነበረት። እቲ ብማይ ባሕሪ ጐርፋዕፋዕ ዝበለ ክዳውንቱ ድማ፡ ንጽንካረ’ቲ ዝቐነዩዎ ቅንያት የመልክት ነበረ።

ድሓርሲ ምስዕዓም ኮነ። ነንዝረኸብካዮ ተጋዳላይ ዘዘሊልካ ብምሕቋፍ ትስዕሞ። ንሳቶም ግን፡ ካብ ደብዳብ ነፈርቲ ውግእን ተጻብኦ ብራርያ ወተሃደራት ጸላእን ስለዝሰግኡ፣ ቀልጢፍና ክንወጽእ ደጋጊሞም ይነግሩና ነይሮም።

ኣብ ማዕረ ቤተ-ክርስትያን ማርያም ጥዋለት ምስ በጻሕና፡ ሓንቲ ኣደ ኣብ ባይታ ተደፊአን “ነዛ ዝጸበበት መሬት ተርህዊ ማርያም ተመስገንኪ!” ኢለን ከመስግና ሰማዕኩወን። ኣነ እውን ብኣእዳወይ እናኣማዕተብኩ ርእሰይ ድፍእ ኣቢለ ካብ’ቲ መዓት ንዘውጽኣትና ማርያም ምስጋናይ ድሕሪ ምቕራብ መንገደይ ቀጺለ።

እቶም ተጋደልቲ ግን፡ “ድሓን ዲኹም? ድሓን ዲኹም?” እናበሉ ደጋጊሞም ምሕታት ኣየቋረጹን። ሽግሮም ረሲዖም ሽግርና ከም ዝኸበዶም ገጻቶም ይምስክራሎም ነይረን። ሻቕሎቶም ህዝቢ ተጐዲኡ ከይኸውን እዩ ነይሩ።

ን ኣ ረ ጋ ዊ ያ ን ን ህጻናትን ደጊፎም ከውጽኡዎም ምስ ረኣኹ ከኣ፡ ኣጸቢቐ ፈትዮም። ሓልዮቶም፡ ልዕሊ’ቲ መዳርግቲ ኣልቦ ጅግንነቶም ዝኸደ መሲሉ ተሰሚዑኒ። ሽዑ፡ “ናትካስ ናትካ ድኣ!” ኢለ ምስ ነብሰይ የሕሸዅሺዀ። ኣብታ ቦታ ኮይነ እውን፡ ነቶም ዘይናቶም ብምዃንና ጅሆ ሒዞም ከም መከላኸሊ ዕርዲ ዝተጠቐሙልና ወተሃደራት ኢትዮጵያ ዘከርኩዎም።

መወዳእታኡ ጉዕዞ ጀሚርና። እንተኾነ፡ ኣብ ማእከል’ቲ ዓቢ ጽርጊያ ምስ በጻሕና፡ ኣብ ዝባን ሓደ ህንጻ ዝደየበ ወተሃደር ብተዅሲ ተቐቢሉና። ሻቡ፡ ብፍርሒ ተሓጊዝና ናይ ዘለና ጐዪና። ነብስና ከነውጽእ ኣይተጸገምናን። ሓደ ሰብ ግን፡ ካብ ማእከል’ቲ ጽርጊያ ምዕይ ምባል ሰኣነ። ፍርሒ ዘዝረቛ መሓውሩ ምስጓም ከሊአናኦ።

“እውይ ሓወይ! ስንኩል እዩ” በልኩ። ኣብ ጸግዒ ሓደ መንደቕ ምስ ተዓቘብኩ እየ ተዛሪበ። ብስንክልናኡ ተገዲዑ ካባና ምትራፉ ዲሒሩ እዩ ተረዲኡኒ። ኣብቲ ላዕልን ታሕትን እንብለሉ ዝነበርና ናይ ወጥሪ ቅንያት፡ ብዙሕ ግዜ ጎፍ ዝብለኒ ዝነበረ መንእሰይ ምዃኑ እውን ኣይረሳዕኩዎን።

እቲ ተስፋ ዝቖረጸ ወተሃደር፡ ሞቱ ዘይተርፎ ህዝቢ ለኪሙ ክመውት ስለ ዝደለየ፣ ደጊሙ ተረረረረረር… ኣበለ። ኣብ ሓደ ጸግዒ ዝነበሩ ክልተ ተጋደልቲ ድማ፡ ሓዲኦም ናብቲ ወተሃደር ገጹ ክትኵስ ጀመረ። እቲ ካልኣዩ ከኣ፡ ናብ’ቲ እቲ ስንኩል ዝነበሮ ቃልዕ ቦታ ብጕያ ብምኻድ፡ ሓዚሉ ኣውጽኦ። ኩሉ’ዚ ኣብታ ዝተላሓግኩዋ መንደቕ ኮይነ እየ ዝዕዘቦ ነይረ። እቲ ወተሃደር ግን፡ ደጊሙ ኣይተቐልቀለን።

ኩሉ’ቲ ተዅስን ምንቅስቓስ ናይ’ቶም ተጋደልትን፡ ፊልም ዝርኢ ዘለኹ ኮይኑ እዩ ተሰሚዑኒ። ነቲ ስንኩል ሓዚሉ ከውጽኦ ምስ ረኣኹዎ እሞ፡ ስምዒተይ ምቍጽጻር እየ ስኢነ። ክቈጻጸሮ ዘይከኣልኩ ንብዓት ከኣ መጺኡኒ።

“ኩልኹም፡ ነዛ ጸግዒ እዚኣ ሒዝኩም ተበገሱ!” ሓደ ካልእ ተጋዳላይ እዩ ኣዚዙና። በቲ ናይ’ቲ ወተሃደር ተዅሲ ሓሪቑ ምንባሩ ኣብ ኣዘራርባኡ ይፍለጥ ነይሩ።

“እዚ ርጉም ወተሃደርሲ ንዓኦም እውን ኣውዲቑሎም ድኣ ከይከውን?” ኢለ ሓሰብኩ። ኣብ ገጽ ብጾቱ ግን፡ ጥንቃቐ ድኣ ወሲኾም እምበር ዘርኣዩና ነጸብራቕሲ ኣይነበረን።

ድሓርሲ፡ ንስጋለት ቀጣን ክንስንጥቓ ጀመርና። ነፍሲ-ወከፍና የማነ ጸጋሙ ቀልባዕባዕ እናበለን ጉያ እናሓወሰን እዩ ዝጓዓዝ ዝነበረ። ኣብታ ጽርጊያ እንከለና – ነፈርቲ ከይረኽባና ኢና ንፈርሕ ነይርና።

ካብ እንዳ በረድ ሕልፍ ምስ በልና፣ ምስተን ኣብ ጽርጊያ ስጋለት ዝተቓጸላ ታንክታትን ብረት ዝጸዓነት ወተሃደራዊት መኪናን ተራኸብና። ኣብ እግረን ብዙሓት ወተሃደራት ምስ ረኣኹ፡ ናይ ሰራዊት ደርግ ምዃነን እየ ገሚተ። “እንቋዓሰይ ኮና!” ድማ ኢለየን ብውሽጠይ።

ቁሩብ ምስ ሰጐምና ግን፡ “እውይ ተጋዳላይ!” ኢሉ ብስንባደ ልቡ ናይ ዝተመልሐ ሰብ ድሃይ ሰሚዐ፡ ቀልጢፈ ግልጽ በልኩ። ኣዒንተይ ንሓደ ገለ ክፋል ኣካላቱ ዝነደደ በዓል ሚላኖ ክዳን ምስ ኣርኣያኒ ድማ፡ ኣነ እውን ሰንቢደ። ልበይ ከኣ ኣበርቲዓ ክትሃርም ጀሚራ።

“እዚኣ ኸኣ ጓል እያ!” ደገመ እቲ ኣብ ዕድመ 50ታት ዝርከብ ሰብኣይ። ኣነ ድማ ከም ኣመለይ ግልጽ በልኩ’ሞ፣ እታ ካላሽና ሓቚፋ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዝወደቐት ስውእቲ ተቐበለትኒ። ዝተገልሃ ኣዒንታ፡ ዝጥምታኒ ዘለዋ ኮይነን ተሰሚዐናኒ።

ካብ’ዚ ንደሓርስ፡ ነብሰይ ፍርሒ በሪሩላ ሃንደበት ገጥ በለት። “ኣነስ ተሰዊአልካ፣ ንስኻኸ ትጋደል ዲኻ?” ትብለኒ ዘላ ኮይና እያ ተሰሚዓትኒ።

“ያላ ቀልጥፉ… ቀልጥፉ… ቀልጥፉ! ነፈርቲ ከየርክባኹም ቀልጢፍኩም ስገሩ!” ዝብል ትእዛዝ እንተዘየበራብረኒ፡ ነታ ስውእቲ ክርእያ ምወዓልኩ ነይረ።

ድሓርሲ በብዘለናዮ ህዱድ እናበልና ክንጐዪ ጀመርና። ጫውጫውታ ህጻናትን ኣዴታትን፡ ዋላ ነቶም ዘይደሃሉ ሰባት እዩ ድሂሉዎም። ትእዛዝ እቲ ተጋዳላይ ምስ ሰማዕና ከኣ፡ ዝያዳ ተረቢሽና።

ኣብ’ቲ ብየማነ ጸጋምና ዝነበረ ባሕሪ፣ ብዙሓት ሬሳታት ወተሃደራት ጸላኢ የንሳፍፉ ነይሮም። ባሕርና ኣብ ክንዲ ጀላቡ፡ ደቂ-ሰብ ከንሳፍፉሉ ምስ ረኣኹ ኣዒንተይ ንብዓት ቋጺረን። ውሽጠይ እውን ተሃሚኹ።

ሓቂ ይሓይሽ፣ እቲ ባሕሪ ደጊሙ ባሕሪ ዝኸውን ኣይመሰለንን። ነቲ እልቢ ዘይብሉ ሬሳታት ምስ ረኣኹ፣ ልክዕ ከም’ታ ዝሞተ እንስሳ ዝኣተዋ ዒላ መሲሉ እዩ ተሰሚዑኒ። ነዛ ንምርኣዩ ኸኣ ጸሊአዮ። በቲ ካልእ ወገን ከኣ ፈትየዮ። ነቶም ወግሐ ጸብሐ “ንወንበዴታት ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ከነጥሕሎም ኢና!” እናበሉ ዝፍክሩ ዝነበሩ ግፍዐኛታት ምጥሓሉ ባህ ኢሉኒ።

ስጋለት ቀጣን ወዲእና ጫፍ ዕዳጋ ምስ በጻሕና፣ ኣዒንትና ካብ’ቲ ደቂ-ሰብ ጸምበለል ዘብል ዝነበረ ባሕሪ ተገላገላ። ሻቡ፡ ነታ ነበርታ ብምህዳሞም ብቐትሩ ዝጸመወት ዕዳጋ ሰንጢቕና፡ ንኩትሚያ ንጸጋምና ብምሕዳግ፣ ነቲ ቀንዲ ጽርጊያ ባጽዕ ኣስመራ ተኸቲልና መገድና ቀጸልና። ምስ ደብዳብ ነፈርቲ ውግእ ጸላኢ ኢና ንቀዳደም ዝነበርና። እንተረኺበናና፡ ህዝቢ እዩ ኢለን ከም ዘየናሕስያልና ንፈልጥ ኢና። ድሓር ግን፡ ንኣማተረን ሕንጥብሎን ንየማንና ሓዲግና ኣብ እምኩሉ ኣዕሪፍና።

ድሕሪ ሓደ ሰዓት ኣቢሎም፡ ኣብ ባጽዕ ዝተማረኹ ወተሃደራት ጸላኢ ብተጋደልቲ ተዀብኪቦም በቲ ዝነበርናዮ ቦታ ክሓልፉ ጀመሩ። ፈለማ እኳ፣ ሓደ ክልተ ሰለስተ እናበልኩ እየ ክቘጽሮም ጀሚረ። ድሓር ግን፡ እቲ ድሮ ዝጸብጸብኩዎ ብዝሖም ምቝጻር ከም ዘየዋጽኣኒ ስለ ዝኣመተለይ፣ ኣብ ኣእምሮይ ንዝኣከብኩዎ ቁጽሪ ኮሊፈ ትም ኢለ ምዕዛቦም ቀጸልኩ።

ነፍሲ-ወከፍ ምሩኽ፡ ሕልናኡ የዕሪቡ ርእሰ-ምትእምማኑ ኣጥፊኡ ነበረ። እቲ ንባጽዕ ኣይትጽርና ክብሉዋ እንከለዉ ዝነበሮም ወኒ፡ ምስኦም ኣይነበረን። ርእሶም ደፊኦም ባይታ-ባይታ እናጠመቱ ዕንክይክይ እናበሉ ክጓዓዙ ኣንከለዉ፣ ገበርቲ ሰናይ ድኣ’ምበር፡ ደም ሰብ ዝሰትዩ ቀተልቲ ይመስሉ ኣይነበሩን።

ኣብ መንጎ እዚ፣ ኣዒንተይ ክኣምናኦ ዘጸገመን ትርኢት ረኣያ። ንኸረጋግጽ ኣዒንተይ ኣብሊሐ ጠሚተ፣ እቲ ትርኢት ግን ኣይተቐየረን።

“ሻምበል ኣስናቀ ተማሪኹ! ሻምበል ኣስናቀ ተማሪኹ!” እናበልኩ ፍንጭራዕ ክብል ጀመርኩ። ሃንደበት ምስ ረኣኹዎ፡ ናብ ጽሉል እየ ተለዊጠ። ሓጐስ የጸልል ብዛዕባ ምዃኑ፡ ዝኾነ ሓበሬታ ኣይጸንሓንን። ስለ’ዚ፡ ዳርጋ ተጸሊለ እየ ዝነበርኩ። ክቱር ሓጐስ፡ ኣብ’ቲ ሑጻ ከም ዘንገርግር ገይሩኒ።

ድሓር እኳ፡ ‘ክቱር ጽልአይ ዝፈጠሮ/ ዝሰኣሎ ሻምበል ኣስናቀ ከይከውን’ እየ ሰጊአ። ሃንደበታዊ ሓሳብ እዩ ከም ዝጠራጠር ገይሩኒ። ሻቡ፡ ቅርብ ኢለ ደጊመ ጠሚተዮ። ሻምበል ኣስናቀ ምዃኑ ምስ ኣረጋገጽኩ፡ ከም ብሓድሽ ክዘልል ጀሚረ። እንተ ንሱ፡ ግልጽ ከይበለ ርእሱ ደፊኡ እዩ መንገዱ ዝቐጸለ።

“እቲ ጨካን ሻምበል ኣስናቀ ተማሪኹ. . .!!” ንዓውታይ ስለ ዝወሰኽኩሉ፡ ኣብ’ቲ ከባቢ ዝነበሩ ሰባት ናባይ ገጾም ክጐዪዩ ጀሚሮም። ምስ ረኣዩዎ ኸኣ፡ ምሳይ ኮይኖም ብሓጐስ ጨዲሮም። እቲ ዝገርም ግን፡ ሓደ’ኳ ሕነ ክፈዲ ዝተሃንደደ ኣይነበረናን።