ሰብ – ብዝሓለፈ ታሪኹ ክንየት ክሳዱ ንድሕሪት ኣዚሩ፡ ናብ ትማሊ እናጠመተ ዝነብር እንተኾይኑ፣ ሓድሽ ዛንታ ክፈጥር ኣይክእልን እዩ። ብኣንጻሩ፡ ዛንታ ትማሊ ረሲዑ፡ ሓድሽ ስጕሚ ክስጉም እየ እንተበለ እውን፣ ሎሚን ጽባሕን ድቂ ትማሊ ስለዝኾና፡ ክስጉም እምበር ከድምዕ ኣይክእልን እዩ። ዛንታ ትማሊ ጥጡሕ መበገሲ እዩ። ካብኡ ዝጥረ ምህሮ ድማ፡ ናብ ጥጡሕ መዕለቢ ይመርሓካ።
ስለ’ዚ፡ ድሕሪ ብዙሕ ስጕሚ፡ ሓንሳብ ንድሕሪት ቁሊሕ እናበልካ እውን ዛንታ ትማሊኻ ከተንብቦ ኣሎካ። ሃገራውያን ጽምብላትና ከኣ፡ ካብ ዛንታ ትማሊ ተማሂርካ ንርግጽ ጽባሕ ንኽትስጉም ዘኽእሉ እዮም። እቲ ምንታይሲ፡ ትማሊ ዝተፈጸሙ ቅያታት፡ ንድፊ ጽባሕ ንምትግባር ብሓበን ንኽትብገስ ዝድርኹ ስለዝኾኑ። ጽባሕ ከጋጥሙ ንዝኽእሉ ሓርጐጽጐጽ ድማ፡ እቶም ትማሊ ነቲ ዝኸፍአ ሓርጐጽጐጽ ንኽትሰግር ዘኽኣሉኻ ክብርታትካ መወከሲታትካን፡ ንሓደስቲ ብድሆታት ክትስዕር ዓቕሚ ከምዘሎካ መሰኻኽርካን እዮም።
ብዙሓት ኣብ ሕሉፍ ታሪኾም ነብሰ- ምትእምማን ዘይብሎም ሕብረተ-ሰብ፡ ንታሪኾም ብኹሕለ-ምሕሊ ከማላኽዑን ሽዑ ዘይጨበጥዎ ጽባቐታት እናደረሱ ዛንታ ክወራርቑን ይርኣዩ እዮም። ንሕና እዞም ንሕና ግን፡ መጸባበቒ ክትውስኸሉስ ይትረፍ፡ ብሓያል ጥበብ እውን እቲ ልክዖም ከተንጸባርቐሎም ዝኸብዱ ዛንታታት እዮም ዘለዉና። ክሳብ ሎሚ ዘይተገልጹ ጥራይ ዘይኮኑስ፡ ዘንተ እለት’ውን ብኸፊል ጥራይ ክግለጹ ዝኽእሉ ትእምርትታት።
ጸሓፍቲ ዛንታን ኣዘንተውትን እኮ፡ ዝዝንቶን ዝጸሓፍን እንተስኢኖም ጥራይ ኣይኮኑን ኣእዳዎም ዝእክቡ። ንኣየናይ ገሊጽካ ንኣየናይ ከም እትገድፍ ዝጨንቀካ ድርብራብ ቅያታት ጎፍ ክብሉኻ እንከለዉ እውን፡ ብስቕታ ይግለጹ እዮም።
ስርሒት ፈንቅል ሓደ ካብ’ቶም ብጥበባት ይኹን ብስነ-ፍልጠት ምግላጾም ዘሸግሩ ቅያታትና እዩ። ሰብ ወዲ ሰብ እኮ – ንሳይንሳዊ ክውንነት ስዒሩ እዩ ንመዓልታት ኣብ ህሮሩማ ብዘይ ማይ ተጓዒዙ። ሰብ ወዲ ሰብ እኮ ንሽዳ ኣምኪኹ ቈርበት ንዘቃጽል ሸልቊ ከም ርሑስ ጐላጉል እዩ ጋሊብሉ። “ነዚስ ሰብ ድዩ ሰጊሩዎ?” ዘየብል ኣይኮነን። ሰብ ደኣ፡ እቲ ብወገን ጸላኢ ዝነበረ ቁጽሪ ሰቡን ቁጽሪ ኣጽዋሩን ብምሉኡ እውን እኮ – ሰብ እንድዩ።
ንምዃኑ፡ ኣብ ስርሒት ፈንቅል መን ንመን እዩ ስዒሩዎ? ብዝሒ ኣጽዋርን ሰራዊትን ከምኡ’ውን ክልቲኡ ወገን ዝሕዞ ጂኦግራፊያዊ ኣቀማምጣ፡ ገለ ካብ’ቶም ዓበይቲ ናይ ኲናት መዐቀኒታት ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። ስርሒት ፈንቅል በዞም ረቛሒታት እዚኣቶም ጥራይ ተዓቂኑ እንተዝኸውንሲ፡ እቲ ዓወት ናይ መን ኮን ምኾነ? እሞ እንታይ ደኣ’ዩ ነይሩ ተወሳኺ ዕጥቂ ተጋዳላይ? ብሓቂ ድዩኸ ዘራይ ዘይነበሮ? ብዓይኒ ዘይርአ ሓጋዝስ ነይርዎ ይኸውን እዩ – ኣብ ውሽጡ ዝተሓብአ ጸላኢ ዘይርኣዮ ሓይሊ።
እዚ ኩሉ ስንጭሮን ኣጻምእ ጐላጉልን ሰምሃር ብዳንጋ ጥራይዶ ይኸውን ተሰጊሩ? ሰብ ወዲ ሰብዶ ደኣ – ኪኖ ግምታት ስነ-ፍልጠት ሰጒሙ፡ ንመዓልታት ኣብ ጥራይ ከብዱ ይጓዓዝ እዩ!? ከርሲ’ዛ ኩልና እንፈልጣ ከርሲ፡ ጠዓሞት እንተዘይበሊዓ እኳ ብምንብሃቚ ትጠርዕሲ፡ ጽንዓት ሳላ ዝተመገበት ኢያ’ምበር ከመይ ኣቢላ ደኣ ክንድኡ ክትዕገስ!? እዛ ውዕዩዶ ዝሒሉዶ እናበለት እተማርጽ ጎሮሮ፡ እንታይ ስለ ዝረኸበት እያ፡ ኣብ’ቲ ውዑይ የብሉ ዝሑል፡ ቃዕ- ቃዕ እናበላ፡ ከመይ ኣቢላ እያ ብኡ ኣቢላ ቃዕ ኢላ ዘይተረፈት!?
ዕረፍቲ ግን ነይሩ ኣብ’ቲ ነዊሕ ጉዕዞ – ብጽንዓት ዝርከብ ዕረፍቲ። መግቢ’ውን ነይሩ ኣብ’ቲ ዓጸቦ – እንጌራ ጽንዓት። ማይሲ መዓስ ተሳኢኑ ኣብ’ቲ ምድረ በዳ-ኦኣሲስ ጽንዓት። እቲ ተራ ተጋዳላይ እኳ ክንደይ ታንኪ ሒዙ ምስ ክንደይ ታንክታት ይገጥም ምህላዉ፣ ክንደይ ኣብ ጐድኑ ኣሰሊፉ ምስ ክንደይ ጸላኢ ይገጥም ምህላዉ ዝርዝር ኣሃዝ ኣይነበሮን። እታ እንኮ ንሱ ዝፈልጣ፡ “ብዝሕን ዓይነትን ጸላእን ስንቁን ብዘየገድስ፡ ክንዕወት ኣሎና!” እትብል፡ ጽምኢ ናጽነት ጥራይ እያ።
ከም ስርሒት ፈንቅል ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ታሪኻውያን ቅያታት ክንጽምብል እንከሎና እምበኣር፡ ነቲ ኣብኡ እተንጸባረቐ ሃገራውነትን ተወፋይነትን ዝውለዶ ብቕዓት፡ ኣብ ሎሚ ይኹን ጽባሕ ንዝጋጥሙ ብድሆታት፡ ንዓኣቶም ከም ቀንዲ መወከሲ ገይርካ እምነትካ ንኽትድርዕ ዝሕግዝ እዩ። እቲ ምንታይሲ፡ ትማሊ ኣይሂ እሳት ንዘጽሓየ ህዝቢ፣ ንርግጽ ለምለም ጥራይ እግሩ ኣብ ዳንዴር ተሓምበለ ዝበለ ሓፋሽ፣ ንዘናውጹ ናይ ግዳም ድምጽታት፡ ድምጺ ውሽጡ እናሰምዐ እዝኑ ዝለኾዀ ዜጋ፣ ቈርበቱ ብመግረፍቲ ከም ጨርቂ እናተገፈፈ፡ ምስጢሩ ዓቂቡ ዝተጸመመ ኣድሃ፣ ሎሚ ይኹን ጽባሕ ዝመጽእ ናይ ሓጺንን ቃላትን ኲናት እንታይ ከገርሞ ይኽእል!?
ንእሳት ዘብርድ ተጻዋርነት፣ ኪኖ ሓጺን ዝጸንዕ ጽንዓት፣ ንእሾኽ ናብ ዕምባባ ዝቕይር ኣረኣእያ ዝውንን ህዝቢ፣ ሕልምታቱ ካብ ምትግባር ክዕንቅጾ ዝኽእል ሓጹራት ከቶ ክህሉ ኣይክእልን። ሎሚ ኣብ ልምዓታዊ መደባቱ ከጓንፍዎ ንዝኽእሉ ብድሆታት ከኣ፡ ከይተወላወለ “ብርግጽ ክሰግሮም እየ!” ዘብል እኹል ናይ ትማሊ መወከሲታት ኣለዎ።
ታሪኻውያን በዓላትና ኣብ እንጽምብለሉ እምበኣር፡ ነዞም ጽባቐታት እዚኦም እናኾላዕናዮም ንምግስጋስ እዩ እቲ ዝዓበየ ተልእኾናን ተልእኾኦምን። ሎሚ ዓበይቲ ሕልምታት ሒዙ፡ “ብርግጽ ከግህዶም እየ!” ክብል እንከሎ፡ ንስለ ኒሕ ዝዝረብ ወይ’ውን ብጐስጓስ ዝተጠርየ ዘይኮነስ፣ ናይ ትማሊ ውዕሎኡ ስለዘተኣማምኖ እዩ። ብጽንዓቱን ራእይኡን፡ ኣብ ሽዳ ተንሳፊፉ ማዕበላት ዝሰገረ ሓፋሽ፣ ሎሚ ንዓኡ ዘሰናብድ ሓድሽ ማዕበል ህይወት ካበይ ክፍጠር ይኽእል!?
ክንደይ እሞ – ኣብ ባሕሩ ማዕበላት ክፈጥሩ ጨብረቕ ዘይበሉ። ህድኣት ውሽጡ ግን፡ ንኹሉ ዝዘልል ማያት ኣህዲእዎ። ኣብ ቅድሚኡ ዓጋምን ጋባን ተኺልካ ክትዓናቕፎ እንተፈተንካ እውን፡ ብእሾዀን ከይተዳህለ፡ ንፍረአን እዩ ናብ ረብሓኡ ዘውዕሎ – ትማሊ ነቲ ዝኸፍአ ብኸምኡ ስለዝሰገሮ። ኣብ ስርሒት ፈንቅል ጥራይ ዘይኮነ እኳ፡ ኣብ ኩሉ ገድላዊ ታሪኽና፡ እንተደቀስካ እሳት ወይ ቀዝሒ፣ እንተተሳእካ ዕርቃንን ጥምየትን፣ እንተሰጐምካ ሓርጎጽጐጽን ጐነጽን፣ እንተኣዕረፍካ እሾኽን ቋቚራን ዝነበረሉ ረባጺ ዘመን እዩ ነይሩ።
ነዚ ብጽንዓቱን ብተስፋ ናይ’ታ ብርግጽ ከምዘውግሓ ዝተኣማመነላ ጽባሕን፡ ብመንገዲ ኩሕለ-ምሕሊ ዘየድልዮ ታሪኽ ንኹሉ ናብ ርህው ዝቐየረ ዜጋ፣ ሎሚ ውዕሎ ትማሊ ክጽብምል እንከሎ፣ ንናይ ጽባሕ ወፍሩ ምሉእ ሓበንን ምትእምማንን እዩ ዝፈጥረሉ። ስለዝኾነ ከኣ፡ ብርግጽ ይዕወተሉ። ነዚ ጽንዓት ከም ባህሉ ዘስረጸ ህዝቢ፡ ድፍን ሕልሚ ልምዓቱ ንምርግጋጽ እውን እንታይ ዘወላውሎ ከይህሉ።
ሳላ ዝተጸመመ እንድዩ – ንእሾኽ ጭቃ ሰጊሩ ኣብ ታኼላ ክዘልል ክኢሉ። ሳላ ዝተጸመመ እንድዩ፡ ሰብ ንዝፈጠሮም በርቅን ነጎዳታትን ከም ሙዚቃን መሰነይታኡ ብርሃንን ቈጺሩ፡ ከይተዳህለ ዘፍ ኣቢልዎም። ሳላ ዝተጸመመ እንድዩ፡ ተፈጥሮ ምርር ክብል እንከሎ እውን ንዓጸቦ ብምጽንናዕን ብጽንዓትን ሰጊርዎ።
ሎሚ ደኣ’ሞ፡ እቲ መበገስን መዕረፍን ኩሉ ምስ ጠጥሐ፡ ኣብ መንጎ ንዝጸንሕ ገፈል መፈል እናኣለየ፡ ቀጠልያ ሕልሙ ንምግሃድ እንታይ ከይዓጅቦ። እዚ ትማሊ፡ “ከንቱ ፈተነ እዩ፡ ረብሪቡ ክገድፎ እዩ፡ ናብ ዓራርቦ ገጹ እዩ” እናተባህለ፡ ጸኒዑ ከይተዳህለ ጉዕዞኡ ዘየቋረጸ ጸብደል ሓፋሽ፡ ሎሚ ደኣ ኣብ ሑጻታት ምድረ በዳ እኳ ልሙዕ ክፈጥር ኣይእግሞን። እዚ ግን ብሓደ ለይቲ ዘጥረዮ ሓይሊ ወይ ተፈጥሮ ዝዓደሎ ጽባቐ ኣይኮነን – ሕሉፍ ታሪኹ ዝምሃሮ ዋንነቱ እዩ።
ገድሊ ንናጽነት – ብዙሓት ገድልታት እዩ ወሊዱ። ብሳላ እቲ ኣብ ገድሊ ንናጽነት ዝተጠርየ ኩለንትናዊ ክብርታት ከኣ፡ ተሰጊሮምን ይስገሩ ኣለዉን። ፈንቅል እምበኣር፡ ሓደ ካብ’ቶም ኩሕለ-ምሕሊ ዘየድልዮም – ዝደመቑ ናይ ትማሊ መወከሲታትና እዩ እሞ፡ ስርሒት ፈንቅል ምጽምባል ማለት፡ ንጽባሕ ዝኾነካ ስንቂ ከተዳሉ እንከለኻ፡ ካብ ፈንቅል ዝተረኽበ ኣተኣማማኒ ጽባቐ – ዓመታዊ ካብ ዒላኡ እናቐዳሕካ ምስጓም ማለት እዩ።