ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት፡ ናይ ዮሃና መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት፡ ናይ ዮሃና መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ። ምሉእ ትሕዝቶኡ ይስዕብ፦

መልእኽቲ ሓድሽ ዓመት

ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት 2024፡ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ወጻእን፡ ንሓይልታት ምክልኻሉን፡ ዮሃናን ሰናይ ምንዮትን።

ዓመተ 2023 – ብደረጃ ዞባን ኣህጉርን፡ ተፈጥሮኣውን ሰብ-ሰርሖን ሓደጋታት፡ ቅልውላዋትን ዕጥቃዊ ግጭትን ዝበዝሓ ዓመት’ያ ነይራ።

ኣብ’ዚ ቅልውላዋት ዝዓብለሎ ሃዋህው፡ ህዝቢ ኤርትራ፥ ስኒቱ፡ ሓድነቱን ርግኣቱን ዓቂቡ፡ ሰላሙን ልኡላውነቱን ኣውሒሱ፣ ኣብ ኩሉ ዓውድታት፡ ከም ወትሩ፡ ሓያል ናይ መኸተን ዓወትን ያታኡ ኣመስኪሩ ኣሎ።

ዓመተ 2024 ድማ፡ ንዘላቒ ልምዓትን ገስጋስን እነንቅደሉ፡ ዝሓሸ ዕድል ከተርሕወልና ሰናይ ትምኒተይ እናገለጽኩ፡ ርሑስ ሓድሽ ዓመትን በዓላት ልደትን።

ዓወት ንሓፋሽ!