ኣብ ሚያዝያ 21-22/2019 ኣብ ጅዳ ስዑዲ-ዓረብ ኣብ ዝተጋብአ ዞባዊ ዋዕላ ሃገራት ቀይሕ ባሕሪ፡ መትከላት መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ምውሓስ ሰላምን ርግኣትን ቀይሕ ባሕሪ ዘነጽር መልእኽቲ ቀሪቡ ነይሩ። ኣብዚ ብዝተፈላለየ ጠንቅታት ጸጥታ ቀይሕ ባሕሪ ተሃዋሲ ኮይኑሉ ዘሎ እዋን ድማ፡ ምስ’ዚ ዘሎ ምዕባለታት ብቐጥታ ዝዛመድ ብምዃኑ፡ ነቲ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ዝቐረበ ጽሑፍ ደጊምና ነቕርበልኩም፦
***
ጂኦ-ስትራተጂያዊን ጂኦ-ፖለቲካዊን ተኣፋፍነት ኮነ ኣገዳስነት ቀይሕ ባሕሪ ምኽራር (emphasis) ዘድልዮ ኣይኮነን። ታሪኽን ኩነታትን ይኺድ-ይገላበጥ፡ ናይዚ ኣህጉራዊ መገዲ ማይ ይኹን ሓቚፉዎ ዘሎ ዞባ፡ ሚዛን ዓለማዊ ጽልዋ እናወሰኸ ዝኸይድ እምበር ዝንኪ ኣይኮነን። ከምኡ ስለዝኾነ ከኣ፡ ንድሕነቱ ኪወሃብ ዘለዎ ኣቓልቦ ዝመጣጠኖ ኪኸውን ግቡእ እዩ።
ማዕረ ሚዛንን ኣገዳስነትን ናይቲ ጉዳይ፡ ናይ ዝሑል-ኲናት ኣሉታዊ
ሓድጊ ከየስተናዓቕካ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ 30 ዓመታት ጥራይ ብዘይቅርዑይ/ ዝምቡዕ ኣጀንዳታት ዝተኻየደ ዞባዊን ዓለማዊን ምትእትታዋት ኮነ ዕንደራታት፡ ዝተፈጥረ ኣራግጽን (stampede) ሕልኽላኻቱን ኣዝዩ ኣተሓሳሳቢ ኩነት ፈጢሩ ኣሎ። ዞባዊን ዓለማዊን ኣጀንዳታት ዝፈጸሞ ምትእትታዋት ግን፡ ብዘይ ኣሳሳዪነት ዘቤታውያን ተዋሳእቲ ክዉን ኣምበይ ምኾነን። ስለ’ዚ ከኣ፡ ወጻኢ ካብ ስምዒታዊ ወይ ህውኽ/ግሩህ መቓርቦ (approach) እቲ ጉዳይ ርዙን/ዘይስምዒታዊ (sober) ኣተኣላልያ ክግበረሉ ርትዓዊን ግድነትን እዩ።
ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ዓለም፡ ካብኡ ናብኡ እውን ኣብ ጎዶቦና፡ ብሓቀኛ ሰናይ ድልየት ዝምስረቱ ዞባዊን ክፍለ-ዞባዊን ውዳበታት ውሑዳት ኣይኮኑን፣ ብጭቡጥ ዘድምዑ ግን ዝወሓዱ እዮም። ንጉዳይ ቀይሕ ባሕሪ ቅጥዒ ንምትሓዝ/መኣዝን ንምሃብ ተባሂሎም፡ ዓውደ-መጽናዕቲታት ንምውዳብ ኮነ ናይ ምትሕግጋዝ ጥርናፈ ንምፍጣር ኪውሰዱ ዝጸንሑ ተበግሶታት እውን ውሑዳት ኣይኮኑን፣ ብጭቡጥ ዘድምዑ ግን ዝወሓዱ እዮም። ኣብ ናይ ሓባር መረዳእታ ዝተመስረተ ባይታ ምትሕግጋዝን ውዳበን ምእንቲ ክንፈጥር፡ እቲ
ጉዳይ ዓቃል፡ ቅጡዕ/ስነ-ኣገባብ (methodology) ምስዓብ ይሓትት። ስለ’ዚ ከኣ፡ ዘይሕለል ዕቱብ ቅድመ-ምምኽኻር ግድነት እምበር ሕርያ ኣይኮነን። ምምኽኻር ንህድማ ምስምስ ከይከውንን ግዜን ዕድልን’ውን ከየኽስርን ምእንቲ፡ ብኣሕጽሮት እዚ ዝስዕብ ዛዕባ ኪኽተል ንእምም፦
1) ህልዊ ኩነታት ቀይሕ-ባሕሪን ላቔባታቱን፡ ብኹሉ ማእዝናቱን ማዕዶታቱን (dimensions) ብዘይ ዝዀነ ዘውጊ (bias) ምግምጋም፣
2) ኪውቅዑ ወይ ኪጭበጡ ዝድለዩ/ዘለዎም ዕላማታትን ሸቶታትን ብንጹርነት ምግላጽ፣
3) ስግኣታት (threats) ሰላምን ርግኣትን ቀይሕ ባሕሪ ብደቂቕ ምልላይ (identify) /ምክዋም (categorise) / ምኽታይ (difine ምግባር)፣
4) ናብ ሃናጺ ዕላማታትን ሸቶታትን ዘብጽሕ ስትራተጂ ምቕያስ፣
5) ማዕረ-ማዕረ’ቲ ኣወንታ፡ ስግኣታት መመከቲን መእለዪን ስትራተጂ ምቕያስ፣
6) ንኽልቲኡ ስትራተጂታት ኣጣሚሩ ከተግብር ዝኽእል፡ ዝርዝራዊ ውጥናት ምርቃቕ፣
7) ናይ ትግባረ ኣወዳድባ (መካኒዝም) ምውቓርን ጸጋታት ምጉስጓስን፣
8) ኩሉ ዝግበር ኣወዳድባን መዋቕራትን ልዑላውነትን ኣህጉራዊ ሕጊን ከም ዝምእዘዝ ምርግጋጽ፣
9) ኩለን ዝምልከተን ሃገራት ናይ ባዕለን ብቑዕ ትካላት ምክልኻልን ሓይሊ-ባሕሪን (ብዘይ መተካእታ) ከምዝሃንጻ ምግባር፣
10) ኪኖ ዘቤታዊ ዓቕሚታትን ብቕዓትን ዝዀነ፡ ብሓባራዊ ዓቕሚ ‘ሲነርጂ’ ከምዝሽፈን ምግባር፣
11) ኩለን ዝምልከተን ሃገራት ልዕሊ ሓባራዊ ዓቕመን ንዝዀነ ወይ
ናይ “ወጻኢ” ምትሕግጋዝ ኣብ ዘድልዮ ተልእኾ ወይ ዕማም፡ ብሓባር
ብዝሰማምዓሉ መሰረት ምስ ፍቓደኛታት ናይ ምትሕብባር ሕጋዊ ባይታ ፈጢረን ክሰርሓ፣
12) ንኹሉ’ዚ ተዘርዚሩ ዘሎ ነጥቢታት ብሞያውነት ዘጽንዕ ኣካላት ምቛም።
