ብምኽንያት በዓለ ትንሣኤ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ፳፻፲ወ፯ (2025) ብኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ዝተፈነወ መልእኽቲ (ቃለ ቡራኬ)
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሐዱ ኣምላክ ። “አነ ውእቱ ትንሣኤ ወሕይወት፡ አነ ትንሳኤን ሕይወትን እየ።” (ዮሓ. ፲፩፡25/11:25) ክቡራንን ክቡራትን፡ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን እትነብሩ ሕዝበ ክርስቲያን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ማየ ጸሎትን ሆስፒታልን ተዓቚብኩም እትርከቡ ሕሙማነ ሥጋ፡ ኣብ ሓለዋ ሃገርን ልምዓትን ዘለኹም ሠራዊት ምክልኻል፡ ኣብ ተሃድሶ ዘለኹም ናይ ሕጊ እሱራት፡ ብሓፈሻ ኵልኹም ሕዝቢ ኤርትራ እንቋዕ ናብ…
