ቢንያም ግርማይ፡ ሳልሳይ ናይ መድረኽ ዓወት ብምምዝጋብ ሓድሽ ታሪኽ ምስራሕ ቀጺልዎ።

ቢንያም ግርማይ፡ ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ መበል 12 መድረኽ ቱር-ደ-ፍራንስ 2024 ቀዳማይ ብምውጻእ፡ ሳልሳይ ናይ መድረኽ ዓወት ኣመዝጊቡ። ቢንያም ነዚ 203.6 ኪሎ-ሜተር ዝሸፈነ ውድድር፡ ኣብ መዛዘሚ ቅጽበታዊ ውድድር ብዘርኣዮ ዘደንቕ ብቕዓት፡ ብ4 ሰዓት፡ 17 ደቒቕን 15 ካልኢትን፡ ነቶም ብደረጃ ዓለም ዝና ዘትረፉን ዓቢ ግምት ተዋሂብዎም ዝነበሩን ተቐዳደምቲ በሊጹ’ዩ፡ ኣብ ታሪኽ ውድድራት ቱር-ደ-ፈረንሳ ብብቕዓቱ ፍሉይ ቦታ ሒዙ’ሎ።…

Read More