ሕድገት

ካልኣይ ክፋል እቶም ኣብ ከባቢ ጽርጊያ ስጋለት ቀጣን ዝነበሩ ወተሃደራት፡ በቲ ካብ ወደብ ዘግዓዙዎ ኮናትል ስርናይ ኣብ ዝሰርሑዎ ዕርዲ ዓሪዶም ነይሮም። ሰሰሪቕና ድኣ ርኢናዮ እምበር፡ ዓይንና መሊእና ክንጥምቶስ ድፍረት ኣይነበረናን። ታንክታቶም ኣብ መናድቕ ናይ’ቲ ፍርስራስ ገዛውቲ እየን ተጸጊዐን ዝነበራ። ሽዑ፡ “እዘን ኣብ መናድቕ ተላሒገን ዘለዋ ታንክታት፡ ንኣሕዋትና ከሀምላኦም ይኽእላ እየን” ኢለ ንበይነይ ተዛረብኩ። ወረ ገድልን…

Read More

‘ሓይሊ 33’ – ኣብ ምስባር በሪ ስጋለት

ክፍለ-ሰራዊት 70፡ ናደው እዚ ድሕሪ ምድምሳሱ ኣብ የማናይ ክንፊ ግንባር መስሓሊት ዓረደ። ኣብ ድፋዓት ዕጨ ደብራይ፡ ሃገረግኒን ካልእ ምስኡ ዝተኣሳሰር ናብ ሩባ ዓንሰባ ዘብል ከባቢታትን መከላኸሊ መስመር ሒዙ ነበረ። እቲ ውድብ ውጥን ስርሒት ፈንቅል ምስ ነደፈ ግን፡ ኣብ መጀመርታ ዓመተ 1990 ካብ ድፋዓቱ ወሪዱ ንሓጺር እዋን ኣብ ከባቢ መልመለትን ገልጠምን ታዕሊም ከካይድ ጸንሐ። ኣብዚ ግዜ’ዚ…

Read More