ሕድገት

ሳልሳይ ክፋል ቁጽርና ምስ በዝሐ፡ ድምር ድሃይና ዓውታ ንኽፈጥር ኣይተጸገመን። ምህልላና – ነቲ ደበና ዝሓዘለ ሰማይ ክስንጥቖ ዓቕሚ ዘለዎ ኮይኑ ተሰሚዑኒ። ፈጣሪ ድምጽና ሰሚዑ፡ ኣብ ድሕነትና ግዲኡ ከም ዘበርክት ርጉጽ ገይረ ወሰድኩዎ። ካብቲ ስሙር ምህልላ ወጺኦም ንሰማይ ብምንቅዕራር – “ኣንታ ፈጣሪ፣ ነዞም ቖልዓ ሰበይቲ ርአ!” ንዝበሉ ኣቦ ምስ ረኣኹ ኣነ እውን ካብ ቅኒት ናይቲ ምህልላ…

Read More

ኤርትራ፡ ጕዕዞ ኣብ ተዘክሮታተይ

“እዚ ክቡር ዜጋ፡ ልዑል ምልከት ቋንቋ ዓረብ ዝውንን ብምንባሩ፡ ኣብዛ ብውሕሉል ዋሕዚ ትረኻ ብቋንቋ ዓረብ ጽሒፉ [ናብ ትግርኛ ዘተርጐማ] መጽሓፉ፡ ህዝቢ ኤርትራ መሰሉ ንምውሓስ ዘካየዶ ዘስደምም ገድሊ ብምንጽብራቕ፡ ዝተሰግሩ መስገደላትን ዝተጨበጡ ዓወታትን ብመልክዕ ስእሊ ከምዝረኣዩና ብምግባር ጽሒፉ፡” ይብል ኣብ መዓልቲ ፋንዋኡ ካብ ዝተነበበ፡ ንገለ ክፋል ስነ-ጽሑፋዊ ኣበርክቶ ገዲም ተጋዳላይ ኣምበሳደር ኣሕመድ ጣህር ባዱሪ ዝገልጽ ክፋል።…

Read More

ታሪኽ ትማሊ፡ ብታሪኽ ሎሚ ይዅላዕ!

ሃገራዊ ታሪኽ፡ መግለጺ ሚዛንን ክብረትን ሓደ ህዝቢ እዩ። ብዓይኒ ታሪኽ፡ ኩሎም ህዝብታት ሓደ ዓይነት ሚዛን ዝወሃቦም ኣይኮኑን። ብመጠን ዝገጠሞም ብድሆታትን ንዕኡ ንምስዓር ዝሓለፍዎ ታሪኽ፡ ዘጥረይዎ ክብርታትን ዝፈጸምዎ ቅያታትን፡ ርዝነቶም ኣዝዩ ዝተፈላለየ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ዓማጺን ተጻባእን ባህርይ ዘይብሉ፡ ናቱ እምበር ዘይናቱ ዘይደሊ ወረጃ ህዝቢ እኳ እንተኾነ፡ ብሰንኪ ዓይኒ ዝስሕብ ስትራተጂያዊ ኣቀማምጣን ጸጋታትን ሃገሩ፡ ገባቲ ፖሊሲ…

Read More

ሕድገት

ራብዓይን መወዳእታን ክፋል ሰዓታት ናይ ንግሆ እዩ ዝነበረ። ጸሓይ ክትበርቕ እናተገብኣ – በቲ ንሰማይ ዝጋረደ ደበና ተኸዊላ ነበረት። እቲ – “ተጋደልቲ መጺኦም!” ዝብል ዘረባ፡ ርጉጽ ሓበሬታ ድዩ ዋላስ ካብ ባህጊ ዝነቐለ ተራ ወረ – ከረጋግጽ ዝኸኣለ ሰብ ኣይነበረናን። ግዳ ሕልምና ብምንባሩስ ተቐበልናዮ ድኣ። ኣነ እውን ዝረኣኹ ዘይብለይ፡ ነቲ ኣብ ጥቓይ ዝነበረ መንእሰይ “ኣሕዋትና ኣትዮም ይበሃል…

Read More