ዘሐብን መኸተ ራብዓይ ግንባር
ጕዕዞ ታሪኽ ኤርትራ፤ ቅሉዕ ወራር፣ ዘየቋርጽ ተጻብኦ፣ ግዳማውን ውሽጣውን መሰናኽል፣ ተፈልይዎ ኣይፈልጥን ኢዩ። ጸላእቱን መጋበርያታቶምን፣ እናኽሰዓሩ ኣብ ክንዲ ስዩምን ኣላሽን ምባል፣ ስልትን ጕልባብን ቀይሮም’ዮም ክጻብእዎ ጸኒሖም። ባህሪኦም ኣጸቢቑ ዝፈልጥ ህዝቢ ኤርትራ ድማ፣ ንኹሉ’ዚ ጠሓሒሱ፤ ናጽነት፣ ምድልዳል ልኡላውነት፣ ውሽጣዊ ሰላምን ስኒትን፣ ምንጻፍ ሰረተ-ልምዓት ኣረጋጊጹ ኣሎ። ኣብ ወጻኢ፣ ቅድምን ድሕርን ናጽነት፣ ብዝተፈላለየ ኣስማት፣ ብበበይኑ ጭርሖታት፣ ከም ነፋሒቶ…
