ፕረዚደንት ኢሳይያስን ፕረዚደንት ኣልሲሲን፡ ኣብ ምምዕባል ክልተኣዊ ዝምድናን ሓባራዊ ኣገዳስነት ዘለዎም ዞባዊ ጉዳያትን ተዘራሪቦም።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ግብጺ ዓብዱልፋታሕ ኣልሲሲን ትማሊ 11 ሕዳር ምሸት ኣብ ሪያድ ተራኺቦም፡ ኣብ ምምዕባል ክልተኣዊ ዝምድናን ሓባራዊ ኣገዳስነት ዘለዎም ዞባዊ ጉዳያትን ተዘራሪቦም።

ኣብ’ቲ ኣብ ‘ኣህጉራዊ ማእከል ጉባኤታት ንጉስ ዓብደልዓዚዝ’ ዝተኻየደ ርክብ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኤርትራ ኣብ መዳያት ዞባዊ ጸጥታን ካልእ ዞባዊ ጉዳያትን ምስ ሪፓብሊክ ግብጺ ዘለዋ ናይ ምምኽኻርን ምምልላእን ዝምድና ክተደንፍዕ ከምእትሰርሕ ገሊጹ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣስዒቡ፡ ግጭት ሱዳን ኣብ ትሕቲ ጽላል ጐረባብቲ ሃገራት ዘላቒ መዕለቢ ንኽረክብ፡ ግብጽን ሃገራት’ዚ ዞባን ጻዕርታተን ከወሃህዳ፣ ከምኡ’ውን ነቲ ቅልውላው ንዝሓላልኽ ብዝሒ ተበግሶታት ወጊድ ክብላ ከምዝግባእ ኣገንዚቡ።

ፕረዚደንት ኣልሲሲ ብወገኑ፡ ግብጺ ምስ ኤርትራ ዘለዋ ኩሉመዳያዊ ዝምድናታት ንምምዕባል ከምእትደልን ከምእትሰርሕን ብምርግጋጽ፡ ብፍላይ ኣብ’ዚ ኣብ ዞባና ሓያሎ ብድሆታት ተኸሲቱሉ ዘሎ እዋን፡ ምድልዳል ክልተኣዊ ዝምድናን ሽርክነታዊ ምትሕግጋዝን ኣገዳስነቱ ዕዙዝ ከምዝዀነ ኣብሪሁ።

ኣብ’ቲ ርክብ፡ ክልተኦም መራሕቲ፡ ኣብ ዞባውን ኣህጉራውን ጉዳያት ብሓፈሻ፡ ኣብ ዛዕባታት ሱዳን፡ ሶማልን ዞባ ቀይሕ ባሕሪን ኣረኣእያታትን ሓሳባትን ንምውህሃድ፡ ቀጻሊ ምምኽኻርን ምክትታል ምዕባለታትን ክህሉ ኣብ ምርድዳእ በጺሖም።

ኣብ’ቲ ርክብ፡ ብወገን ኤርትራ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ፈጻሚት ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ንግስነት ስዑዲ-ዓረብ ወ/ሮ ወይኒ ገረዝግሄርን፣ ብወገን ግብጺ ድማ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣሰይድ ሳምሕ ሽኩሪን ካልኦት ሚኒስተራትን ተረኺቦም ነይሮም።