2ይ ክፋል
ኣብ ቀዳማይ ክፋል ናይዚ ኣርእስቲ’ዚ፡ ኣባል ሃንደሳ ክ/ሰራዊት 52 ተጋዳላይ ሳምሶን ኢሳቕ ካብ ሩባ ዓንሰባ ናብ ደጀን (ሓሽክርበብ ኤምዳድ ውድብ) ሓንቲ መሰነይታ ደብዳበ ሒዙ ከም ዝተላእከ፣ እቶም ኤምዳድ ድማ ነተጕቲ ጸረ-ተሽከርከርቲ ዝሓዘ ሳናዱቕ ኣብ መኪና ጽዒኖም ናብ መበገሲ ቦታኡ ከም ዘፋነዉዎ፣ ክምለስ ከሎ ኣብ ዛራ ምስ ወዓለ ግን፡ ነፈርቲ ውግእ መጺአን ኣሰር ናይታ ነተጕቲ ዝጸዓነት መኪና ስለ ዝረኣያኦ ኣብቲ እታ መኪና ዝተዓሸገትሉ ከባቢ ክድብድባ ከም ዝወዓላ፣ ሳምሶን ከኣ እቲ ንብረት ውድብ ከይዓኑ ኣዝዩ ተሻቒሉ ከም ዝወዓለ፣ ንምሸቱ ግን ብዘይ ጕድኣት ክድሕኑ ስለ ዝኸኣሉ ብሰላም ተጓዒዙ ናብ መበገሲ ቦታኡ ከም ዝበጽሐ ተመልኪትና። መቐጸልታ ናቱ እንሆ፤
ደርግ፡ ብስም “ባሕሪ ነጋሽ” ዝጸውዖ ወተሃደራዊ ወፍሪ ኣብ ዝፈነዎ ወራር፡ ነቲ ኣብ ከተማ ባረንቱ ዝጨበጦ ዓወት ኣብ ግንባራት ኣልጌና፡ ሓልሓልን ናቕፋን ንምድጋሙ ሓሊኑ ሰፊሕ ወፍሪ ንምቕጻል ፈቲኑ ነይሩ። ብተመሳሳሊ ኣገባብ፡ ብወገን ናትና ግንባር’ውን ብፍላይ ኣብ መጀመርታ 1986 ፈተነታት ጸላኢ ብርሱኑ ነበረ። ካብ ጥቅምቲ 1985 ዓ.ም ጀሚሩ ጸላኢ ኣብ ሰለስተ ግንባራት ብዝፈነዎ መጥቃዕቲ፡ ኣቐዲሙ ኣብ ከባቢ ገርሳሕቶ፡ ወግሬታይ፡ ደብረመዓር፡ ወለትሕገም፡ እንዳ ክርቢት፡ ወርጨጋ፡ ኩበት፡ ኢትተሃመል፡ እንዳ ቦምባ፤ ኣብ ግንባር ናቕፋ ድማ ኣብ ፊደል-ፐ … ዝነበረ ድፋዓት ተጋደልቲ ፈረሰ። ግን፡ እዚ ዝተጠቕሰን ካልእ ኣብ ቍጽጽር ሰራዊት ጸላኢ ዝኣተወ ዘይተጠቕሰ ድፋዓትን ኵሉ ብሓይሊ ተመንዚዑ ማለት ኣይኰነን። ካብ ሩባ ዓንሰባ ናብ ሓልሓል ዘብል ከባቢታት ሰራዊት ጸላኢ ኣጥቂዑ ኣብ ቍጽጽሩ ምስ ኣእተዎ ዝተረፈ ምስኡ ዝኣስር መስመር ንምትሓዙ ስለ ዘይጠዓመ ባዕሉ ተጋዳላይ ዝሓደጎ ድፋዓት እዩ ነይሩ።
ኣብ መወዳእታ፡ ናይ ግንባር ናቕፋ ድፋዓትና ካብ ኢድ ጸላኢ ተመንዚዑ ናብ ዝነበሮ ክምለስ ከሎ፡ ኣብ ግንባር ሩባ- ዓንሰባን ናብ ሓልሓል ኣብ ዘብል ስግር ዓሪዱ ዝነበረ ሰራዊትና ግን፡ ንድሕሪት ተመሊሱ ኣብ ጎቦታት ጊዛንን ኣብ እግሪ ምእሳር በቕሊን መከላኸሊ መስመሩ ኣደልደለ። እንተዀነ፡ ንሰንሰለት ጊዛንን ምእሳር-በቕልን ኣብ ዘራኽብ ሩባ ናይ ዓንሰባ ዝነበረ ድፋዕ ክፍለ ሰራዊትና ገና ሓደጋ የንጸላልዎ ነበረ። ምኽንያቱ ታንክታት ጸላኢ ብሩባ ዓንሰባ እናተጸግዓ ንቦጦሎኒታት ሓደን ሰለስተን ናይ ብርጌድ 45 እናሃረማ ኮፍ ከብላአን ኣይከኣላን።
ነዘን ታንክታት እዚኣተን ብከቢድ ብረት ክትሃርመን ቅርጺ መሬት ኣጸጋሚ ኰነ። በዚ መሰረት ኣባላት ክፍሊ ወተሃደራዊ ሃንደሳ ክፍለ ሰራዊት 52 ግቡእ ተራና ክንጻወት ነይሩና። ንውሽጢ ኣቲኻ ፈንጂ እናቐበርካ ምዕናወን ኣማራጺ ኰይኑ ተረኽበ። በዚ መሰረት፡ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ናይ 1986 ነዚ ትፍጽም መስርዕ ዓጠቐት።
እቶም ክንትግብሮ ዝተመዘዝና ተጋደልቲ፡ መራሒ መስርዕ ኣፈወርቂ ኣማኒኤል (ወዲ-መደኒ፡) ግርማይ ሰመረ (ወዲ-ሰመረ፡ ) ሓኪም ጋንታ ሳምሶን ኢሳቕ (ወዲ- መምህር፡) ተስፋማርያም (ገፈርሳ፡) ማንጁስ የማነ ኣስመሮም (ወደ’ስመሮም፡) ቲናይ፡ ተኽልማርያም ማኑ ነበርና። ሰዓት ሸሞንተ ምሸት ሓሙሽተ TM 57 ጸረ-ታንኪ ነተጕቲ ተሰኪምና ነቐልና። ነፍሲ-ወከፍ ነታጒ ሸውዓተ ኪሎ ኣቢሉ ክብደት ነበሮ።
እቲ ናብ መስመር መከላኸሊ ጸላኢ ተጸጊዕና ንቐብሮ ነተጕቲ፡ ዝግባእ ዕላማኡ ክወቅዕ ምእንቲ ምስጢራውነትን ጥንቁቕ ምምስሳልን ይሓትተና ነበረ። ክንዲ ዝዀነ ከኣ፡ ካብ መከላኸሊ ድፋዕ ወገን ኣጸቢቕና ንውሽጢ ቅድሚ ምስጓምና፡ መራሒ መስርዕ ወዲ- መደኒ ደጊሙ ኣተሓሳሰበና። “ብጾት፡ ከም ኵሉ ግዜ ስራሕ ሃንደሳ ሓያል ጥንቃቐ ዝሓትት እዩ’ሞ ብፍላይ ሎሚ ግን ዝያዳ ዘኽብዶ ፍሉይነት ኣለዎ። እዚ ሕጂ ንሰርሖ ተልእኾ ብጽፈት ምስ ዝፍጸም ጥራይ እዩ እዘን ኣብዚ ድፋዕ ኣሲረን ዘለዋ ቦጦሎኒታት ውሕስነት ክረኽባ ዝኽእላ። እንተዘየለ እዘን ኣብዚ ተጸጊዐን ዘለዋ ታንክታት ጸላኢ ኣይከስርሓአንን እየን፡” በለና። ንምሕጽንታ ወዲ-መደኒ ‘ኣብ ልብና የሕድሮ’ ኢልና ብምቕባል፡ እናብረዅናን እናተጸቐጥናን ካብቲ ዝግባእ ንላዕሊ ግዜ ወሲድና ኣብቲ ዝድለ ቦታ በጻሕና። ድሕሪ’ዚ መራሒ መስርዕ መመደብምና ኣትሓዘና።
እቲ ነታጒ ክቕበሮ ዝተመደበ ከባቢ ለሰ እዩ። ርጋጽ ታንክታት እናተመልከትና ኣብቲ ኣዘውቲረን ዝጽጋዓሉ መታዀሲአን ኣተኰርና። ንምብራቕ ዘብል ሸነኽ ናብ ጸላኢ ዝቐረበ እዩ። ብኡ ወገን፡ ግርማይ ሰመረን ካልኣዩን ልክዕ ኣብ መንጎ ክልተ ዋርድያ ክቐብሩ ተመደቡ። ካብ ግርማይ ንምዕራብ ወገን ገፈርሳ ክቐብር፤ ገፈርሳ ገዲምን ትኩርን ስለ ዝነበረ ምስኡ ሓድሽ ተጋዳላይ የማነ ማንጁስ (ወዲ ኣስመሮም) ተመደበ። ካብ ገፈርሳ ቀጺለ ባዕለይ ሳምሶን፤ ካባይ ንድሕሪት ቲናይ፤ ኣብ መወዳእታ ንሸነኽ ምዕራብ ድማ ተኽልማርያም ማኑ ፈንጂ ክንቀብር ተመደብና። ኣብ መንጎ ነፍሲ- ወከፍ ክቕበር ዝተመደበ ነታጒ ዝነበረ ጋግ ናይ 50 ሜትሮ እዩ። ወዲ-መደኒ፡ ካብ ጫፍ ምብራቕ ንምዕራብ (ክሳብ ወዲ-ማኑ ዝተመደበሉ) እናተንቀሳቐሰ ይከተተለና ነበረ።
ገለ ካብቲ ወዲ-መደኒ ዝገብረልና ዝነበረ ሓገዝ፡ ነቲ ዝተዃዕተ ካብ ታሕቲ ዝወጽአ ሓመድ ይጕሕፈልናን የመሳስለልናን ነበረ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ተልእኾና ፈጺምና ብሰላም ናብ መበገሲ ቦታና ተመለስና።
ከም ልሙድ፡ ድሕሪ ነፍሲ-ወከፍ ተልእኾ ገምጋም ንገብር ኢና። ስራሕና ብዝግባእ ተፈጺሙን ኣይተፈጸን፡ ወይ’ውን ኣብ ኣፈጻጽማ ዘጋጠመ ጕድለታት እንተ ነይሩ መምሃሪ ክዀነና ምእንቲ፡ ነተጕቲ ቀቢርና ድሕሪ ናብ ቦታና ምምላስና ገምጋም ገበርና። ኣብቲ ገምጋም ገፈርሳ ዘቕረቦ ስክፍታ ነይሩ። ንሱ ድማ ብዛዕባ’ታ ንሱ ዝቐበራ ፈንጂ እዩ ዝነበረ። ኣብ ርእይቶኡ፡ “እታ ንሕና ዝቐበርናያ ፈንጂ ፊላታትረ ምግጣም ይኣቢ ስለ ዝነበረ ፈንጂ ክንቅይር ኣለና ወይ ተመሓይሻ ዳግማይ ክትቅበር ኣለዋ፡” በለ። ኣበሃህላኡ ናብቲ ቦታ ኣቲና ስራሕና ከነጽፍፍ እዩ ዝጠልብ ነይሩ።
እቲ ጠለብ ባህ ዘብል ኣይነበረን። ብግብሪ ግን ንግበር ዝብል’ምበር ሸለል ንኽንብሎ ዝደፍእ ኣካል ኣይነበረን። በዛ ርእይቶ ናይ ገፈርሳ መሰረት፡ እቶም ዝቐበርና ብዘይ ሓደ ጐደል ነታ ፈንጂ ንምቕያራ ንጽባሒቱ ምሸት ደጊምና ናብቲ ቦታ ኣተና። ከምቲ ናይ ቀዳማይ ኣተኣታትዋና ብልዑል ጥንቃቐ ኣቲና ኣብ ዘዝቐበርናዮ ነታጒ ሓዝና።
ናብታ ክንምለስ ዝቐሰበትና – ብገፈርሳን ብየማነ ማንጁስን ዝተቐብረት ነታጒ- ዝቐረብኩ ኣነ ነበርኩ። ወርሒ ስለ ዝነበረት ኵሉ በዓል ገፈርሳ ንምምሕያሻ ዝገብሩዎ ምንቅስቓሳት ብደቂቑ ይከታተሎ ነበርኩ። ይፍሕሩዋ፤ ደኒኖም ይርእዩዋ፤ ካብ ዝደነንዎ ይቐንዑ፡ …። መራሒ መስርዕ ወዲ-መደኒ ተዛሪቡዎም ሓለፈ። ግን ኣብ ምንቅስቓሳቶም ዝመጽአ ለውጢ ኣይተራእየንን። ኵነታቶም ባህ ስለዘይበለኒ ግደፉዋ ክብሎም ካብ ምቕማጠይ ክትንስእ እናተደናደንኩ ከለኹ እዩ እምበኣር – ብርቱዕ ማሕታ መሬት ዝቐደደ። ከባቢና ልክዕ ከም ደበና ኣልቦ ብርሃን ጸሓይ በርሀ። ድምጺ ናይቲ ነትጒ’ውን ንመሬት ኣንቀጥቀጦ።
ኣነ ኣብ መሬት ልሕግ በልኩ። ከባቢና ብትክን ደሮናን ጸልመተ። ዋላ ናይ ክልተ ሜትሮ ካባይ ዝተፈንተተ ነገር ክርእይ ዘይክእለሉ ኵነት ተፈጥረ። ብዙሕ ቍርጽራጽ ኣዕጻውን ሓመደ-እምንን ኣብ ዝባነይ ዓለበ። ንሰከንድታት ዝኣክል ግዜ መኣዝነይ ሰሓትኩ። በየን ኣሎ ምብራቕ፡ በየን ኣሎ ምዕራብ፡ ኣንፈት ድፋዕናን ድፋዕ ጸላኢን ተገማጠለኒ። ንነብሰይ ብኢደይ ፈተሽኩዎ። ደም ዝወጽአ ኣካል ከም ዘይነበረኒ ኣረጋገጽኩ። ካብ ብጾተይ ብህይወት ዝተረፈ ኣሎ ኢለ ግን ኣይገመትኩን።
መሬት ሒዘ እቲ ልክዕ መኣዝነይ ክዝክር እናመርመርኩን እናሓሰብኩን ከለኹ፡ ብድሕረይ ምንቅስቓስ ናይ ሰብ እሰምዕ። “ተመስገን! ካብ መስዋእቲ ዝተረፈ ሰብ ኣሎ ማለት እዩ፡” በልኩ ብውሽጠይ። እቲ ዝሰማዕኩዎ ምንቅስቓስ ናይ መራሒ መስርዕና እዩ ዝነበረ። ናባይ ቀሪቡ ብምናተይ ትንክፍ ኣበለኒ።
“እህ፡” ኣድመጽኩ።
“ኣለኻ!”
“ኣነስ ኣለኹ፡ እንድዒ ካልኦት’ምበር!”
“በል ካብ ዘለኻዮ ከይትንቀሳቐስ፡” ኢሉኒ ሓለፈ።
ከምቲ ዝበለኒ ግን፡ ኣብ ዝነበርኩዎ ኣይተጸበኹን። ኣነ’ውን ኵነታት በዓል ገፈርሳ ክፈልጥ ተንቀሳቐስኩ። ቅርብ እንተበልኩ ዘይነበረ ክንዲ ገዚፍ ዒላ ጕድጓድ ተኳዒቱ ጸንሓኒ። ገፈርሳን የማነ ማንጁስን ኣብቲ ከባቢ ኣሰሮም ይረኣየኒ ኣይነበረን። እንታይ ከም ዝገብር ጠፊኡኒ ዕንድ በልኩ። ቅድሚ ሰከንድታት ዝነበረ ምንቅስቓስ ናይቶም ብጾት ኣብ ኣእሙሮይ ከም ስእሊ ተመሲሉ ተቐጀለ። ገፈርሳ፡ እታ ነታጒ ንኽትቅየር ወይ ንኽትመሓየሽ ርእይቶ ክህብ ከሎ ዝነበሩ ናይ ኢዱ ምንቅስቓሳትን ናይ ገጹ ስምዒታትን ከም ህያው ተራእዩኒ። ኣብ ኣፍንጫ ጸላኢ ከም ዝነበርኩ ፍጹም ረሳዕኩዎ። ከምኡ ኢለ ከለኹ፡ ወዲ-መደኒ ነቶም ብምብራቕ ዝነበሩ ብጾት መሪሑዎም ጽግዕ በለኒ። ኣነ’ውን ካብ ሕሉፍ ናብ ህሉው ዓለመይ ውነይ መሊሰ፡ ብዛዕባ ክንገብሮ ዝነበረና ክዝቲ ቅሩብነተይ ኣርኣኹ።
ኣብ’ቲ ከባቢ ንዝተፈጥረ ኣሰራት ከነመሳስል ሃቀንና። ወዲ-መደኒ ግን ተቓወመ። “ኖእ፡ ጸላኢ ሕጂ ደብዳብ ክገብር ስለ ዝዀነ ተኣሊና ብምጽናሕ ኣብ መንጎ ኣገሪህና ብምምጻእ ኣሰራት ምጥፋእ ይሓይሽ፡” በለና። በቲ ዝሃበና ትእዛዝ መሰረት ከኣ፡ ኵሉ ነገር ገዲፍና ናብ ሓንቲ ትሓይሽ ዝበልናያ ስንጭሮ ኣልጊስና ተጸበና። ኣብ መንጎና ዘረባ ኣይነበረን። ምስ ገዛእ ርእስና ግን፡ ከም ሕሱም ንሓስብ።
ብጾተይ ብዛዕባ’ታ ሰባብ ፈንጂ ይሓስቡ ነይሮም ይዀኑ። ብወገነይ ግን፡ ብዛዕባ’ታ ሓንቲ ጥራይ ኣኰንኩን ሓሲበ። እንኰላይ ብዛዕባ’ቲ 12 ሰናዱቕ ዝመልአ ነተጕቲ ሓሰብኩ። እቲ ልዑል ክንክን እናገበርኩ ዘምጻእኩዎን ብደብዳብ ነፈርቲ ካብ ምዕናው ንእስክላ ሓሊፉ ኣብ ድፋዕና ብሰላም ዝበጽሐ ነታጒ፡ ኣብ መወዳእታ ኣብ ክንዲ ንጸላኢ ኣብ ጥፍኣት ብጾተይ ገፈርሳን የማነ ማንጁስ (ወደ’ስመሮም)ን ምውዓሉ ኣዝየ ሓዘንኩ።
ከም’ቲ መራሒ መስርዕ ወዲ-መደኒ ዝገመቶ፡ ጸላኢ ድሕሪ ሒደት ደቓይቕ ደብዳብ ጀመረ። መድፍዕ 76፡ ሞርታራት፡ ብሬናትን ካልእን ገይሩ ንድፋዓትና ሓዊ ተፍኣሉ። ንዕስራ ደቓይቕ ደብዲቡ ዘፍ ምስበለ ኢና ድማ – ጥንቃቐ ብዝመልኦ ናብ ቦታ ሓደጋ ዝተመለስና።
ብቐዳምነት ዝጀመርናዮ ስራሕ፡ ሬሳ ብጾትና ምእራይ ነበረ። እቲ ዝነተጐ ፈንጂ ጸረ-ሰብ ዘይኰነ ንታንኪ ከዕኑ ተባሂሉ ዝተሰርሐ እዩ። ሰንሰለት ታንኪ ክበናጥስ ድርዒ ሓጺን ታንኪ ክትርብዕ ዓሊሙ ዝተሰርሐ ነታጒ፡ ንስጋን ዓጽምን ወዲ-ሰብ ናብ ምንታይ መልክዕ ክቕይሮ ከም ዝኽእል ንምግማቱ ዘጸግም ኣይኰነን። ብጾትና ስጋኦምን ኣዕጽምቶምን ከም ጕዚ ተዳቒቑ፡ ኣብቲ ከባቢ ምስ ሓመድ ስለዝተዘርወ፡ ናይ እከለን ናይ እከለን ኢልካ ክትፈልዮ ዝከኣል ኣይነበረን። ዝረኸብናዮ ቍራጽ ስጋ ኣራሪና ካብ ኣፍንጫ ጸላኢ ንድሕሪት ምልስ ኢልና ኣብ ሓደ ቀበርናዮ። ፍጹም ዘስካሕክሕ ፍጻመ እዩ ዝነበረ።