ዑደት ጕጅለ መንእሰያት ለንደን

“ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን ህሉው ኰነታት ሃገርና እንታይ ይመስል፡ ኣብ ምምጻእ ናጽነት ይኹን ምዕቃብ ናጽነት ዝተሰግረ ቓልሲ፡ ዘመሓላልፈልና መልእኽቲ እንታይ እዩ? ኣብ ዝብል፡ ነቲ ብትምህርቲ ይኹን ማሕበራዊ መራኸቢታት ክንቀስሞ ዝጸናሕና ፍልጠት፡ ብግብሪን ብቐረባን ንኽንርእዮ ኢና ናብ ሃገርና መጺእና ዘለና” ዝበለ፡ ካብ መንእስያት ማሕበረ-ኮም ኤርትራውያን ዓባይ ብሪጣንያ – ለንደን ዝዀነ መስፍን ገብረብርሃን እዩ።

መስፍን ገብረብርሃን

መንእሰያት ማሕበረ-ኮም ኤርትራውያን ለንደን፡ ካብ 3 – 20 ለካቲት 2024 ዓ.ም. – ናጽነት ኣብ ምምጻእን ምዕቃብን ሓያል መኸተ ኣብ ዝተኻየደሎም ዕርድታት ሰራዊት ኤርትራ፡ ከምኡ ድማ ናይ ህንጻን ልምዓትን ቦታታት ዑደት ኣብ ዘካየደሉ፡ ብጾቱ ብዛዕባ ታሪኽ መኸተ ኤርትራውያንን ህሉው ኩነታት ሃገርን ኣገዳሲ ፍልጠት ክሕዙ ከም ዝኸኣሉ እዩ ገሊጹ።

እዚ ኣብ ዝያዳ ንቕሓት ዘተኮረ ውዳበ፡ ካብ 1ይ ክሳብ ሻዱሻይ ዙርያ ዝቕጽል ኰይኑ፡ ካልኦት ጕጅለታት’ውን በብግዜኡ ክስዕባ ምዃነን እዩ እቲ ሓበሬታ ዘብርህ። ዕላማ ናይ’ዚ ዑደት፡ ኣባላት ብትምህርቲ ንዝቐሰሙዎ መሰረታዊ ታሪኽ ኤርትራን ብረታዊ ተጋድሎ ኤርትራን፡ ብኣካል ኣብ ቦታ ፍጻመ ብምምጻእ፡ ካብ ኣርካናት ኣያታቶምን ኣቦታቶምን ንኽሰምዑዎን ዝያዳ ንኽጭብጡዎን እዩ።

ኣብ’ዚ ንበዓል ስርሒት ፈንቅል ዘጠቓለለ ዑደት፡ ኣባላት ጕጅለ፡ ዕርድታት ናቕፋ፡ ባድመ፡ ግንባር ጊንዳዕ፡ ኣፍዓበት፡ ዓዲ-ያዕቆብ፡ ግንባር ሰሓርቲ (ዓዲ ሓውሻ)፡ ግንባር ደቀምሓረ፡ ዴዳ፡ ሓወልቲ ሰማእታት ሻምብቆ፡ ገንፈሎም፡ ዓሾርም፡ ምዕጥር፡ ባረንቱን ዝኣመሰሉን ኣብ ምምጻእን ምዕቃብን ናጽነት ከቢድ ርብርብ ዝተኻየደሎም ሰፈር ጀጋኑ ብምብጻሕ፡ ካብ ዘዝምልከቶም ኣካላት ሰፊሕ መብርሂን ሓበሬታን ተዋሂቡዎም። ብዛዕባ ሓያሎ ቅያታት’ውን ተዘንትዩሎም። ምስ’ቲ ኣብ ዕርድታቱ ጸኒዑ ዝርከብ ሰራዊት ኤርትራ እሂን ምሂን ተበሃሂሎም፡ ኣዕሊሎም፡ ሓበሬታ ተለዋዊጦም፡ ኩነታት ሰራዊት ኤርትራ ብቐረባ ንኽዕዘቡ እውን ዕድል ረኺቦም። ከምኡ ድማ፡ ስእላዊ ምርኢት መኸተ ሰራዊትን ህዝብን ኤርትራ ኣንጻር ጸላእቲ ተዓዚቦም።

ብምኽንያት ምዝዛም ዑደት መንእስያት ማሕበረ-ኮም ለንደን ኣብ ‘ማእከል መዘናግዒ ቴክኖ ጋርደን’ – ኣስመራ ዝተገብረ ናይ ዘተን ምፍናውን መደብ፡ ሓለቓ ጠቕላሊ ስታፍ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ጀነራል ፍሊጶስ ወልደየውሃንስ፡ ኣብ ምዕቃብ ባህልን ሃገራዊነትን ዘተኮረ ሓጺርን ኣማኣዛኒን ሓሳብ ሂብዎም።

ኣባላት እቲ ጉጅለ ድማ፡ ብኹላቶም መንግስታዊ ትካላትን ህዝብን፡ ብሕልፊ ድማ ብሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ንዝተገብረሎም ኣቀባብላን ምትሕብባርን ኣድኒቖምን ኣመስጊኖምን።

ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ ካብ መንእሰያት ናይ’ዚ ማሕበረ-ኮም ዝዀነ ሙሴ ኣስመላሽ “ብቐዳምነት ሰራዊትና ዝገበረልና ኣቀባብላ ፍሉይን ድሙቕን ምንባሩ ከይጠቐስኩ ክሓልፍ ኣይደልይን። ብቐረባ ከም ዝተዓዘብናዮ፡ ኣባላት ሰራዊትና ብፖለቲካዊ ንቕሓትን ወተሃደራዊ ብቕዓትን ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ዝበጽሑ፡ ሕጉሳትን ተስፋ ዘለዎምን ኰይኖም ኢና ረኺብናዮም። ምስ ሰብ ዘለዎም ኣቀራርባ፡ ክፉትን ዓዳሚን’ዩ። መብዛሕትኦም ደቂ 23/24 ዓመት መንእሰያት ክነሶም፡ ኣብ’ዚ ዕድመ’ዚ ኣጥርዮሞ ዘለዉ

ሰናይት መንግስትኣብ

ብቕዓትን ንቕሓትን፡ ከምኡ ድማ ተመኵሮ ኣዝዩ ዘደንቕ እዩ። ንሕና፡ ብሓቂ ተሓቢንና ኢና” ብምባል ንሰራዊት ኤርትራ ብኣድናቖት ዝገለጸ ክኸውን እንከሎ፡ ካብ ኣባላት ናይ’ዚ ጉጅለ ሰናይት መንግስተኣብ ብወገና፡ “ቅድሚ ናብ ለንደን ምምጸአይ፡ ኣብ ዓዲ ጥልያን እየ ነይረ። ኣብኡ ዝመሃራና ውፉያት ኣደታትና ነይረን። ሎሚ ኣብ’ዚ ምስ መጻእኩ ድማ፡ ብዝበለጸ ብዙሕ ነገራት ተማሂረ ኣለኹ። ብትምህርቲ ድዩ ብመራኸቢ ብዙሃን ዝሰሞዖ ዝነበርኩ ታሪኽን ቦታታትን ክርእዮ በቒዐ። እቲ ኣብ’ዚ ዝረኣኹዎን ዝተነግረኒን ኹሉ ኣብ ሓንጎለይ ተቐሪጹ ኣሎ። ከም’ዚ ናትና ዕድል ንዘይረኸቡ ስደተኛታት ንኸካፍሎም ክጽዕር እየ። ነቶም ካብ መስመር ወጺኦም ዘለዉ እውን ሓቅታት ብምንጋር ክንመልሶም ክንጽዕር ኢና” ኢላ።

እዞም ኣብ ለንደን ዝምቕማጦም፡ ብተበግሶኦምን ውዳበ ማሕበረኮ-ምን ናብ ሃገሮም ዝመጽኡ ዜጋታት፡ ኣብ ዝተንቀስቐሱሉ ኩሉ ቦታታት፡ ብሓለፍቲ ግንባር፡ ሓለፍትን ኣባላትን ሰራዊት፡ ኣካላት ምምሕዳር፡ ነበርቲ ናይ’ቲ ከባቢ፡ ሓበሬታን መብርሂን እናተዋህቦም፡ ኣብ ሓልሓለ፡ ዓዲ ሃሎ፡ ባጽዕን ካልኦት ቦታታትን፡ ከም ፋብሪካ ፕላስቲክ፡ ምርባሕ ከብቲ፡ ሕርሻን ዘራእትን፡ ዲጋታት ዝኣመሰሉ ህንጻዊን ልምዓታዊን መደባት’ውን ተዓዚቦም።

ያሬድ መንግስተኣብ

ንኣስታት ሰላሳ ዓመታት ኣብ ስደት ዘላ ሰናይት መንግስተኣብ፡ ብዛዕባ ኣብ ሰራዊት ኤርትራ ዝሓደራ ተምሳጥ እንክትገልጽ – “ንዓይ ዝያዳ ኣደኒቝኒ ዘሎ ናይ ሰራዊትና እዩ። ኣብ 1987 እየ ብንእስነተይ ምስ ሓፋሽ ውድባት ዓዲ ጥልያን ክነጥፍ ጀሚረ። ንሰርሕ – ንውፈ ዘለና እዩ ዝመስለኒ ነይሩ። ኣብ’ዚ መጺአ ምስ ረኣኹ ግን፡ ሰራዊትና ኣብ ውግእ ጸኒሑ፡ ኣብ ሰላም ወይ ዕድል ኣብ ዝረኸበሉ ግዜ፡ ዛላታት፡ መንገዲ ባቡር፡ መቓብር ሓርበኛታት ክሰርሕ፡ ኣብ ዝኸድኩዎ ኣብ ስራሕ ተጸሚዱ ክርእዮ ከለኹ፡ ብጣዕሚ ገሪሙኒን ኣሐቢኑንን። እሞ ድማ ሕጉስን ውፉይን። ኣብ ኣእምሮይ ፍሉይ ጦብላሕታ ዝገደፈለይ ከኣ እዚ’ዩ። ካብ’ዚ ዑደት ዓቢ ነገር ሰኒቐ እምለስ ኣለኹ። ናይ ሰራዊትና ተወፋይነትን ዘሰላስሎ ዘሎ ልምዓታዊ ስራሓትን ድማ፡ ደፋኢ ሓይሊ ዀይኑና ኣሎ። ካብ ዝቐደመ ብዝለዓለ ተወፋይነትን ድርኺትን ንኽንሰርሕ ዝደፍእ ትዕዝብቲ ኢና ሰኒቕና ዘለና” ኢላ።

መንእሰያት ማሕበረ-ኮም ዓዲ እንግሊዝ – ለንደን፡ ብውዳበ ማሕበረ-ኮም መንእሰያት ከተማ ለንደን ዝተበገሰ ዀይኑ፡ ኣባላቱ፡ ነቲ ብጽሑፍ ይኹን ብኻልእ ኣገባብ ዝተማህሩዎን ዝቐሰሙዎን ፍልጠት፡ ብኣካል ኣብ ሃገሮም ተረኺቦም፡ ካብ ወዓልቱን ናይ ዓይኒ መሰኻኽርን ንኸራጕድዎን ተወሳኺ ሓበሬታን ዛንታን ንኽሰንቁን እዩ ዑደት ወዲቡ። 35 ኣባላት ሒዙ ድማ፡ ብገዳይምን ኣብ’ቲ ቅያ ዝወዓሉን ኣባላት ሰራዊት መግለጺ እናተዋህቦን እናተዘንተወሉን ኣብ ሰፊሕ ዕርድታት ሰራዊት ኤርትራ በጺሑ።

ኣብ ስደት ነዊሕ ዓመታት ዝገበረ መስፍን ገብረብርሃን እውን፡ ብኣዘዝቲ ሰራዊት፡ ህዝቢ’ቲ ከባቢን ሰበ-ስልጣን መንግስቲን ንዝተገብረሎም ድሙቕ ኣቀባብላ ብምድናቕ “ብዛዕባ ቅያታት ቃልሲ ኤርትራ ኣብ ቦታኡ ተዘንትዩልና። እቶም ምእንቲ’ዛ ሃገር ዝተሰውኡ ጀጋኑ ተጋደልትን ዋርሳይን ዝወደቑሉ ቦታታት ብኣካል ምርኣይ ንዓና ዓቢ ትምህርቲ እዩ። ርኢናን ስኢልናን ከም ‘ቫኬሽን’ ኣይኰንናን ክንሓልፎ። ንሕና ሰኒድናዮ፡ ሓበሬታ’ውን ሰኒቕና ኣለና። ነቶም ኣብኡ ገዲፍናዮም ዘለና ብጾትና ክንገልጸሎምን ካብ ዝረኸብናዮ ፍልጠት ከነካፍሎምን ኢና። ነፍሲ-ወከፍና፡ ካብ ኣባላት ስድራና ጀሚርና፡ ንጎረባብትና፡ መሳርሕትና፡ ኮታ ብቐረባ ክንረኽቦም ንዝኸኣልና ዜጋታት ብምክፋል፡ እናስፋሕናዮ ክንከይድ ኢና” ይብል።

ሊያ ብርሃነ

ሊያ ብርሃነ ኣብ ዝሃበትና ሓጺር ዘረባ ድማ “ኣብ’ዛ ሃገር ዝተሓልፈ ቓልሲ ከቢድ ምዃኑ ብኣካል ኣብ ዝገበርናዮ ጉዕዞ ብዝያዳ ተገንዚብና። ሰራዊትና ስለ ሃገሩን ህዝቡን ዝገብሮ ተወፋይነት፡ ሓቦን ኒሕን ቀሪብና ክንዕዘብን ክንፈልጥን ዕድል ረኺብና። ስለ’ዚ ንሕና ድማ፡ በቲ ዘለና ዓቕሚ ብተወፋይነትን ጽንዓትን ክንሰርሕ ከም ዘለና እዩ ሓላፍነት ዘሰክመና” ክትብል ሓሳባ ኣካፊላ።

ሓደ ካብ’ቶም ዑደተኛታት ዝዀነ ያሬድ መንግስተኣብ፡ “ነቲ ብመጽሓፍ ዝተመሃርናዮ ብኣካል መጺእና ክንርእዮን፡ ካብ’ቶም ነዚ ቅያታት ዝወዓሉዎ ኣርካናት ኣያታትናን ኣቦታትና ተጋደልትን ክንሰምዖን ኢና መጺእና። ነዚ ዕድል ብምርካብና ፍናን እዩ ተሰሚዑኒ። ኣብ ወራራት ነይርና ኢና። ወራራት መኪትና ኢና። ናይ ግዜ ጉዳይ ዀይኑ ግን፡ ኣብ ስደት ተረኺብና። ዓድና ጠሊምና ስለ ዝተሰደድና – መብጽዓ ነይሩና እዩ። ዝምልከተና ኣይመስለናን እዩ ነይሩ። መብጽዓና ድማ ኣሐዲስና።

“ምስ’ቶም ካብ ብረታዊ ቃልሲ ኣትሒዞም ክቃለሱን ክምክቱን ዝጸንሑ ዜጋታትና ተጠርኒፍና ከነበርክት ጀሚርና። ስለ’ዚ ንሃገርና፡ ህዝብናን መንግስትናን ክንክሕስ ኢና። ኣብ’ዚ ታሪኽ ኤርትራ ንምድምሳስን ንህዝቢ ኤርትራ ንምብትታንን ዝግበር ዘሎ ውዲት ክንምክትን ታሪኽና ከነጉልሕን እንተ ዄይና፡ ብዝያዳ ተወዲብና እእጃምና ከነበርክት ስለዘለና፡ ውዳበና ክቕጽል እዩ።

ነዛ ሃገር እዚኣ እንታይ ዋጋ ተኸፊሉ፡ እንታይከ ይኽፈል ኣሎ፡ ብኣካል ምስ ረኣኻዮ፡ ነቲ ክትገብሮ ዝጸናሕካ ከም ዋላ ሓንቲ ቖጺርካ ብዝያዳ ከተበርክት ኢኻ እትድረኽ። ንስነ-ኣእምሮኣዊ ኲናት ብተናጸል ጥራይ ዘይኰነ፡ ተወዲብካ ክትቃለሶ እንከለኻ ዝያዳ ውጽኢት ኣለዎ። ስለ’ዚ ድማ ብዝያዳ ብደረጃ መንእሰያት ተውዲብና ናይ ንቕሓት መደባት ወሲድና ኢና ተበጊስና። በቲ ኣብ’ዚ ምስ መጻእና ዝተዋህበና ሓበሬታን ምኽሪን፡ ዝያዳ ውጽኢታዊ ስራሕ ከም እንሰርሕ እየ ዝኣምን” ኢሉ።

ዮሴፍ ተኸስተ

ዮሴፍ ተኸስተ እውን፡ “ናብ’ዚ መምጽኢና ንታሪኽና ብቐረባ ንምፍላጥ እዩ። ኣብ’ዚ ምስ መጻእኩ መንእሰያት ንልዕሊ 20 ዓመት ኣብ ዶባት ዓሪዶም ሕድሪ ኣቦታቶምን ኣያታቶምን ከጽንዑ ርእየ። ተወፋይነት፡ ጽንዓት፡ ንቕሓት፡ ሓድነት ርእየ። በዚ ጉዳይ’ዚ ድማ ኣነ ናይ ዓይኒ ምስክር እየ። ኤርትራ ሰብ ከምዘይብላ ክዝረብ እንከሎ፡ ነቲ ሓቂ እምስክር። ንሓሳዊ ‘ቻለንጅ’ ክገብሮ ምዃነይ ድማ ኣእምን” ብምባል፡ ዝያዳ ርእሰ-እምነት ከም ዘሕደረ ገሊጹ።

ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ እዞም መንእሰያት፡ ምስ ምሁራት መንእሰያት ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ንዝዝርጋሕ ኣንጻር ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ዝቐንዐ ናይ ሓሶት ጸለመ ንምምካት – ብሓባር ክሰርሑ ዝኽእሉሉ መንገዲ ብሰፊሑ ተመያዪጦም። ንሃገራዊ ጉዳይ ኣብ ዝምልከቱ መዳያት እውን ሓሳብ ንሓሳብ ተለዋዊጦም።