ውሑዳት ታቤላታት፡ ብዙሕ ትሕዝቶ፡ ኣብ ስጋለት ቀጣን

ከተማ ምጽዋዕ ኣብ ቅንያት ዝኽሪ ስርሒት ፈንቅል ስለዘላ፡ ኣብ ብዙሕ ቦታታት ነቲ በዓል ዘንጸባርቕ ምድላዋት እዩ ዝረአ። ሎሚ ዕለት 08/02/2024 ምሸት ምስ መሳርሕተይ ኣብ ጎደናታት ባጽዕ ከም ኩሉ ግዜ ሸናዕ እናበልና፡ ናይ ቅንያት ዝኽሪ ስርሒት ፈንቅል ዳሳትን ስሉም ጽርግያን እዩ ተቐቢሉና። እዚ ኩሉ ዘንጸባርቕ ነገር ንድምቀት ናይዚ በዓል ዘርኢ ኮይኑ፡ ካልእ ተወሳኺ ደስ ዘብል ትዕዝብቲ ኸኣ ኣብ መንገድና ጎፍ ኢሉና። ነዚ ደኣ ከም ኣብነት ንጠቕሶ ኣሎና እምበር ካልእ ብዙሕ ብኣብነት ክጥቀስ ዝኽእል ምድላዋት ነይሩ እዩ። እዚ ሕጂ ንዛረበሉ ዘለና፡ ሓጺር ታሪኻዊ ጽሑፍ ስርሒት ፈንቅል ዝሓዘ ታቤላታት፡ ካብ ስኔማ ስጋለት ጀሚሩ ክሳብ ጥዋለት ሒዙካ ዝሳገር፡ ኣብ ውሱን ርሕቀት ዝተደኮነ ታቤላታት’ዩ። ብቅርጥው ዝበለ መልክዑ፡ ብሓጺር መንገዲ ታሪኽ ዝነግር ኮይኑ ስለዝረኸብኩዎ እየ ክጽሕፎን ኣድናቖተይ ክገልጽን ተገዲደ። ንዝረኣኻዮ ጽቡቕ ከኣ ጽቡቕ ከይበልካ ክሕለፍ ስለዘይብሉ፡ ነቶም ነዚ ዝገበሩ ኣገናዕ እናበልኩ፡ ዝረኣኹዎ ከካፍል መሪጸ ኣለኹ። በሉ ሕጂ ካብ ስኔማ ስጋለት ናብ ጥዋለት እየ ከስግረኩም። ኣነን መሳርሕተይን እና’ንበብናልኩም ክንከይድ ኢና። ብሓባር ንኺድ።

ቀዳማይ ታቤላ፡ ቀዳማይ ገጽ፡ ዕለት 08/02/1990 መጥቃዕቲ ስርሒት ፈንቅል፡ ኣብ ታባ ከንቴባይ ህዝባዊ ሰራዊት ንመአዘዚ ቦታ 6ይ ክፍለ- ጦር (ዓድዕለ) ተቖጻጺሩ፣ ህዝባዊ ሰራዊት ኣብ ጋሕቴላይ መጥቃዕቲ ኣካይዱ፣ መስመር ኣስመራ ምጽዋዕ ተቖጻጺሩ። ዝብል ጽሑፍ፡ ብቛንቋ ትግርኛን ብዓረብን ተጻሒፉ ንርኢ። በቲ ካልኣይ ገጽ ከኣ፡ “ነቲ ሓይሊ ባሕሪ ናይ ኢትዮጵያ ጥራይ ኣይኮናን፡ ሓይሊ ናይ ሓያላን ኢና ስዒርና፡” ተጋዳላይ ተወልደ ቀላቲ። ዝብል ንርኢ፡ ናይ ቀዳማይ መዓልቲ ውዕሎ ከኣ ብኸምዚ ኣሕጽር ኣቢሉ ገሊጹዎ ይሓልፍ።

ካልኣይ ታቤላ፡ ቀዳማይ ገጽ፡ ዕለት 09/02/1990 ህዝባዊ ሰራዊት ንደንጎሎ ታሕታይ ድግድግታን ደጎሊን ተቖጻጺሩ። ዝብል ነንብብ። ኣብቲ ካልኣይ ገጽ ከኣ፡ “ጸላኢ ኣብዚ ውግእ’ዚ ዓቢ ሰብኣውን ንዋታውን ክሳራ’ዩ ኣጋጢምዎ። ድሕሪ ስርሒት ፈንቅል ድማ ብግብሪ ጸላኢ ሞይቱ’ዩ፡” ተጋዳላይ ሮሞዳን ዑስማን ኣወልያይ። ወሲኹ ናይ ካልኣይ መዓልቲ ውዕሎ ይገልጾ።

ሳልሳይ ታቤላ፡ ቀዳማይ ገጽ፡ ዕለት 10/02/1990 ህዝባዊ ሰራዊት ሰዓት 7፡00 ንታባ ፎርቶ ምጽዋዕ፡ ሰዓት 16፡00 ከኣ ንግራር ተቖጻጺሩ። ክብል ከሎ ኣብ ካልኣይ ገጽ ናይቲ ታቤላ ከኣ፡ “ጸላኢ ዓሻ’ዩ … እቲ ተደጋጋሚ ኲናት ዝመሃሮ ኣይመስለንን። ብሕጂ ክመሃር ከኣ ንጽበ፡ እንተ ዘይተማህረ ከኣ ባዕልና ንምህሮ፡” ተጋዳላይ ገረዝግሄር ዓንደማርያም (ውጩ)፡ ኣሰንዩ ናይ ሳልሳይ መዓልቲ ውዕሎ ይነግር።

ራብዓይ ታቤላ፡ ቀዳማይ ገጽ፡ ዕለት 11/02/1990 ናቫል በይዝ ኣብ ትሕቲ ምሉእ ቁጽጽር ህዝባዊ ሰራዊት ኣትዩ። ድሕሪ ምባል ኣብ ካልኣይ ገጽ ከኣ፡ “እዛ ዛዛሚት ኲናት ካብ ባጽዕ እያ ተበጊሳ፡ ባጽዕ እያ ነታ ዛዛሚት ኲናት ኣርሕያ ኣሕሊፋታ፡ ” ተጋዳላይ ፍሊጶስ ወልደየውሃንስ። ወሲኹ ናይ ራብዓይ መዓልቲ ውዕሎ ይገልጽ።

ሓምሻይ ታቤላ፡ ቀዳማይ ገጽ፡ ዕለት 13-14/02/1990 ኣብ ግንባር ጊንዳዕ ብርቱዕን ደማዊን ኲናት ተኻይዱ፡ ህዝባዊ ሰራዊት ኣብ ውሽጢ ባጽዕ ንዝነበረ ሰራዊት ጸላኢ፡ ኢዱ ብሰላም ክህብ መልእኽቲ ሰዲዱ። ኣብ ካልኣይ ገጽ ከኣ “እዛ ባሕሪ ባሕርና እያ፡ ወነንታ ከኣ ባዕልና ኢና፡” ተጋዳላይ ሑመድ መሓመድ ካሪካረ። ኣሕቢራ ናይ ክልተ መዓልቲ ውዕሎ ብሓንሳብ ጠርኒፋ ተዘንቱ።

ሻድሻይ ታቤላ፡ ዕለት 15/02/1990 – ፈለማ ሰራዊት ጸላኢ ዓሪዱሉ ኣብ ዝነበረ ዝተመረጸ ከባቢታት፡ ብኸበድቲ መዳፍዕን ታንክታትን ብርቱዕ ደብዳብ ተኻይዱ – ተጋደልቲ ህዝባዊ ሰራዊት ካብ ናቫል በይዝ ብፈጣናት ጀላቡ ብምስጋር ንርእሲ ምድሪ ተቖጻጺሩ – ተመሳሳሊ ግዜ ህዝባዊ ሰራዊት ንስጋለት ቀጣን ሰጊሩ ጥዋለት ኣትዩ። ኣብ ካልኣይ ገጽ እቲ ታቤላ ከኣ፡ “ዝኾነ ስትራተጂ፡ ካብ ዕውት ስልትን ዕውት ስርሒትን ጥራይ’ዩ ዝርከብ፡” ተጋዳላይ ስብሓት ኤፍሬም። ዝብል ኣሰንዩ ናይቲ ዕለት ውዕሎ ይገልጽ።

ሻብዓይ ታቤላ፡ ቀዳማይ ገጽ፡ ዕለት 16/02/1990 ወደባዊት ከተማ ምጽዋዕ፡ ምሉእ ብምሉእ ሓራ ኮይና። ምስ በለ ካልኣይ ገጽ እቲ ታቤላ ኸኣ፡ “ምምጻእ ህዝባዊ ግንባር ከም ሓይሊ፡ ምድሓን ጂኦ- ፖለቲካዊ ረብሓታት ህዝቢ ኤርትራ እዩ፡” ተጋዳላይ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ። ዝብል ተወሲኹዎ፡ ምልኣት ሓርነት ከተማ ምጽዋዕ ይነግር።

ሻምናይ ታቤላ፡ ቀዳማይ ገጽ፡ ኣብ ስርሒት ፈንቅል ዝተሳተፉ ዓቕሚ ሰብን ኣጽዋር ህዝባዊ ሰራዊትን -ዓቕሚ ሰብ 13,500 – ኣሃዱታት ክ/ሰ 61፡ 70፡ 74፡ 85፡ 96ን፡ ዝተዋጽኣ 9 ኣጋር ብርጌዳትን 3 መካናይዝድ ብርጌድን – 10 ፈጣናት ጀላቡ ዝዓጠቐ ሓይሊ ባሕሪ ህዝባዊ ሰራዊት – ኣጽዋር፣ 45 ታንክታት 100 ሚ.ሜ፡ 31 ከበድቲ መዳፍዕ፡ (85፡ 120፡130 ሚ.ሜ)፡ 4 ቢ.ኤም 21 ወንጫፊ ሮኬታት፡ ልዕሊ 20 ጸረ ነፈርትን ኣጋርን ረሻሻት፡ ጸረ ታንኪ ሚሳይላት። ብምባል እዚ ዝተሳተፈ ዓቕሚ ክገልጽ ከሎ፡ ኣብ ካልኣይ ገጽ ከኣ፡ “ውሽጣዊ ሓድነትካ ምስ ኣሐየልካ ኢኻ ንጸላኢ ክትስዕር ትኽእል። ኣብ መወዳእታኡ እቲ ዓወት ዘይተርፍ ምዃኑ ከኣ ይረኣየና ነይሩ፡” ተጋዳላይ ሮሞዳን መሓመድኑር። ብምባል ናይ ሻምናይ ታቤላ ትሕዝቶ ይውድእ።

ታሽዓይ ታቤላ፡ ቀዳማይ ገጽ፡ ካብ ዕለት 08-16/02/1990 ዝወረደ ክሳራ ጸላኢ ሰብኣዊ ክሳራ ምውትን ቁሱል 18,000 ኣጽዋር ኣብ ምሉእ ጎላጉል ሰምሃር ተዘርጊሑ ዝነበረ ኣጽዋራት ብዘይካ ውሑድ ዝዓነወ ዝበዝሕ ተማሪኹ። ዝተማረኸ ኣጽዋራት 130 በብዓይነተን ታንክታት፡ 8 ቢ. ኤም 21 ወንጫፊ ሮኬት፡ ኣስታት 70 ከበድቲ መዳፍዕ (122፡ 85፡ 76 ሚ.ሜ) ኣስታት 100 ከበድቲ መዳፍዕ ረሻሻት (23፡ 37 ሚ.ሜ) ካልእ ፈኮስቲ ብረትን ተተኮስትን። ክብል ከሎ፡ ኣብ ካልኣይ ገጽ ከኣ፡ “ስርሒት ፈንቅል፡ በሪ ምሉእ ሓርነት ዘርሓወ መግዛእቲ ፍርቂ ዘመን ዝፈንቀለ መስተንክር ጅግንነታዊ ፍጻሜ እዩ፡” ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ። ብምባል ብናይ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ቃል ይዓጹ።

ከምቲ ኣብ መእተዊ ዝገለጽኩዎ፡ ሓጺርን ገላጽን ስራሕ ብምዃኑ፡ ንኹላትና ጽማቝ ትሕዝቶ ናይ ስርሒት ፈንቅል ክንሕዝ ኣኽኢሉና ኣሎ’ሞ፡ ንሕና’ውን እንተ ዘየንዋሕናዮ ይሓይሽ። ወደሓንኩም!።