ወግዓዊ ጽንብል መበል 33 ዓመት ናጽነት፡ “ውሕስነት ሰላም ብመኸተ” ብዝብል ቴማ፡ ሎሚ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ-ቐትሪ ኣብ ስታድዩም ኣስመራ ብልዑል መዓርግ ተኻዪዱ።
ኣብ’ቲ ብናይ ክብሪ ሰልፊ ዝተሰነየ ሰላምታ ንክቡር ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ዝኽረ-ሰማእታትን ዝፈለመ ወግዓዊ ስነ-ስርዓት፡ ኣቦ-መንበር ሃገራዊ ኣወሃሃዲ ሽማግለ በዓላት ኣምባሳደር ዘመደ ተኽለ፡ ብኣማኢት ኣባላት ወተሃደራዊ ሰልፊን ስነ-ጥበባውያንን፣ ከምኡ’ውን ብመንእሰያት ተመሃሮ ዝወቀበ፡ ንሓድነት፡ ጅግንነትን ጽንዓትን ህዝብና ዘንጸባርቕ መሰናድኦታት፣ ከምኡ’ውን ንናይ 30 ዓመታት መሪር ተጋድሎና፡ ንምኽባር ልኡላውነትናን ንልምዓታዊ መኸተናን ዘንጸባርቕ፡ ንነዊሕ ኣዋርሕ ምድላዋት ዝተገብረሉ ምርኢት ክቐርብ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራን ሓይልታት ምክልኻሉን ዮሃናኡ ገሊጹ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ምስ ኩሎም ፈተውቱን ሓራ ህዝቢ ዓለምን “ዮሃና” ድሕሪ ምባል፡ ዝኽሪታት ናጽነትና፡ ኣብ ዲናሚካዊ ሃገራዊ ህንጸት ናጻን ልኡላዊትን ኤርትራ ዝተዓመ ገስጋስ ተልእኾ ኣዛሚድና ንምግምጋም፣ ኣብ ዓለምን ጎዶቦናን ዘሎ ተቐያያሪ ሃዋሁ እንድህስሰሉ ኣጋጣሚ ምዃኑ ሓቢሩ።
ኣብዘን ዝሓለፋ ውሑዳት ዓመታት ብፍሉይ፡ “እንኮ ቀጽራዊ” ዓለማዊ ስርዓት ብመኸተ ሓራ ህዝብታት ዓለም እናተሳዕረ ኣብ ዝኸደሉን ረብሓ ሰፊሕ ህዝብታት ዝውክል ሓድሽ ዓለማዊ ስርዓት ኪመጽእ ምእንቲ ንዝማዕበለ ሃንቀውታ ዝጠቐሰ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ነቲ “መድረኽ ምስግጋር” ምስ ኩሉ ተቐያያሪ ረቛሒታቱ ብዕምቈት ንምርዳእ ዝተኻየዱ ዳህሳሳዊ ንባባት፡ ትሕዝቶ ስነ-ሓሳብ “ዓብልል-ገብት” ምስ ናይ በሃራቱ ስትራተጂታትን ውጥናትን ስልቲታቱን ንምብራህ ዝዓለመ ከምዝነበረ ኣብሪሁ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣስዒቡ፡ ቅድሚ 30 ዓመታት ዝተኣወጀ ንሩስያ ቅድም ዝሰርዐ ኲናት “ድረታ”፡ ብውዕዉዕ ፕሮፖጋንዳታት ዕለታዊ ቴማ ኰይኑ ዘሎ ጉዳይ ከምዝዀነ፣ ንዝተረመሰ ‘ኔቶ’ን ‘ኤውሮጳዊ ሕብረት’ን ኣባዚሕካን ጽዑቕ ክንክን ጌርካን ሓዪሉ ከምዘሎ ንምምሳል ዝካየድ ተዋስኦታት ድማ፡ ኣብ ዓዘቕቲ ተሸኺሉ ከምዘሎ ኪሰትር ዝኽእል ከምዘይኰነ ብምጥቃስ፡ ድረታ ቻይና’ውን ምስ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂን ኪምዕብል ዝኽእል ውጥረትን ዝጋጠም ከምዘይኰነ ኣስሚሩሉ።
ኣብ ውሽጢ’ዘን ዝሓለፋ ሸውዓተ ኣዋርሕ፡ ማእከል መድረኽ ሒዙ ዘሎ ጉዳይ፡ ሓርነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ፍልስጤም ንናጽነት ከምዝዀነ ዝሓበረ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ካብ 1993 ንደሓር፡ ብልሓት በሃራት “ዓብልል-ገብት” ብስም “ፍታሕ ክልተ ሃገራት” ኣዳህሊልካ፡ ግዜ እናመጠጥካን ውሽጣዊ ድኻማት እናመዝመዝካን ንጉዳይ ሓርነትን ናጽነትን ህዝቢ ፍልስጤም ዓፊንካ ንምቕታል ከምዝነበረ ብምንጻር፡ ፍትሓዊ ቃልሲ ህዝቢ ፍልስጤም ግን፡ መኸተኡ ብጽንዓቱ ሰፊሕ ህዝባዊ ምሕዝነት ፈጢሩ፣ ንዓማጽን ምስሉይን ባህሪያት “ዓብልል-ገብት” ኣቃሊዑ ከምዝርከብ ኣገንዚቡ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ንዘቤታዊ ኩነታትና ጽልዋ ዘለዎም እዋናውያን ኩነታትን ምዕባለታትን ጐረባብትና ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ’ዘን ዝሓለፋ 33 ናይ ናጽነት ዓመታት ብበሃራት “ዓብልል-ገብት” ኪፈሓሱ ንዝጸንሑ ኣጀንዳታትን ሳዕቤናቶምን ጠቒሱ፡ ማዕረ ፍሽለት ተጻብኦታቶም ጭንቀቶም ስለዝዓርግ፡ ኣብ’ዚ እዋን ካልእ ኲናት ንምብራዕ ሃነፍነፍ ይብሉ ከምዘለዉ ብምሕባር፡ “ሳላ’ቲ መዘና ብዘይርከቦ ቅያ ሓርበኝነትን ጽንዓትን ናጽነቱን ልኡላውነቱን ዘውሓሰ ህዝቢ ኤርትራ፡ ምስ ቅድመ-ግንባርነትን ድርዒን ጀጋኑ ሓይልታት ምክልኻል፡ ካብ ቅሰን ንላዕሊ ዝበሃል የለን” ክብል ኣስሚሩሉ።
ኣብ መወዳእታ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ድሕነታዊ ድልውነትና ኣብ ቦትኡ እናሃለወ፡ ቀዳምነት ቀዳምነታትና ህንጸት ናጻ ሃገር ስለዝዀነ፡ ልምዓታዊ መደባትና ኣዕቢና ኣድማዕነቱ ንምሕያል ክንነጥፍ፣ ከምኡ’ውን ኣብ ሰፊሕ ምሕዝነታዊ ምትሕብባርን ምምልላእን ጐረባብትና፡ ጎዶቦናን ሓራ ህዝቢ ዓለምን ክንሰርሕ ምዃንና ብምግላጽ፡ ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ዜጋታት ኣብ ዝተፈላለየ ናይ ፈተነ እዋናት ብዘርኣይዎ ሓርበኝነት “ኣገናዕ” ኢሉ።
ብኤሪ-ቲቪን ድምጺ ሓፋሽ ኤርትራን፡ ከምኡ’ውን ብመገዲ ‘ደንደን ሚድያ’ ብማሕበራዊ መራኸቢታት ብቐጥታ ዝተፈነወ ወግዓዊ ጽንብል መበል 33 ዓመት ናጽነት፡ ንህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ፣ ሓይልታት ምድሪ፡ ባሕሪ፡ ኣየርን ፖሊስን፣ ከምኡ’ውን ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝውክል ምዕሩግ ወተሃደራዊ ሰልፊ፣ ብትልሂት ዝተሰነየ ባህላዊ መደብ፣ ልዕሊ 4 ሽሕ ተመሃሮ ዘሳተፈ ሙዚቃዊ ምንቅስቓሳዊ ምርኢት፣ ከምኡ’ውን ካልእ ትሕዝቶ ብዘጠቓልል መሰናድኦታት ማዕሪጉ ነይሩ።