ኤርትራን ግብጽን፡ ምስ ቀይሕ ባሕሪ ካብ ዝዳወባ ኣርባዕተ ሃገራት ኣፍሪቃ ብምዃነን፡ ዝምድናአን ዘመናት ዘቚጸረ’ዩ። በብእዋኑ ዝርከብ ዘሎ ጥንታዊ ቅርስታት’ውን ኣብ መንጎ ነበርቲ ምድሪ- ባሕሪ (ናይ ሎሚ ኤርትራ)ን ጥንታውያን ግብጻውያንን ንዝነበረ ንግዳውን ካልእን ዝምድናታት ዘረጋግጽን ዘጒልሕን’ዩ። ብዝበለጸ እናደልደለን ህዝባዊ መልክዕ እናሓዘን ዝመጽአ ግና፡ ኤርትራ ኣንጻር ድሌት ህዝባን ኣህጉራዊ ሕግን፡ ብጉልባብ ፈደረሽን ምስ ዘውዳዊት ኢትዮጵያ ክትቊረን ድሕሪ ዝሓለፈ ዓማጺ ብይንን ድሕሪ 10 ዓመቱ ዝሰዓበ ምልሓቕ ኤርትራ ብኢትዮጵያን፡ ሓርበኛታት ተቓለስቲ ዝርከብዎም ብዙሓት ኤርትራውያን ናብ ግብጺ ምስ ተሰደዱ’ዩ። ኣብ’ቲ እዋን’ቲ መራሒ ግብጺ ዝነበረ ጀማል ዓብደልናስር፡ ነቶም ኤርትራውያን ተቓለስቲ ናብ ኤርትራ ዝቐንዐ ፈነወ ሬድዮ ብቋንቋታት ትግርኛን ዓረብኛን ከምኡ’ውን ፖለቲካዊ ምትእኽኻብ ኤርትራውያን መንእሰያት ተመሃሮ ኣፍቂዱ ምንባሩ፡ ታሪኽ ሰኒድዎ ኣሎ።
እዚ ብምድንጋጽ ፈሊሙ ምስ ምዕኳዂ ሰውራ ኤርትራ ናብ ምቕሉል ፖለቲካዊ ደገፍ ዝማዕበለ ዝምድና፡ ድሕሪ ናጽነት እናሰፍሐን እናደንፍዐን’ዩ ክመጽእ ተራእዩ። ድሕሪ ረፈረንደም፡ ግብጺ ካብ’ተን ንናጻን ልኡላዊትን ሃገረ ኤርትራ ኣፍልጦ ዝሃባ ቀዳሞት ሃገራት ምዃና፡ ነቲ ዝምድናታት ንቕድሚት ዝደፍእ ተወሳኺ ስጒሚ’ዩ ነይሩ። ካብ’ቲ እዋን’ቲ ጀሚሩ፡ ኣብ መንጎ መራሕትን ካልኦት ሰበ-ስልጣንን ኣብ ኣስመራን ካይሮን ዝካየድ ቀጻሊ ርክባትን ምምኽኻርን ከኣ፡ ነቲ ዝምድናታት ንምግምጋምን ንምዂላዕን ዓቢ ተራ’ዩ ዘለዎ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብዕድመ ፕረዚደንት ዓብዱልፋታሕ ኣልሲሲ ካብ 24 ክሳብ 26 ለካቲት ኣብ ሪፓብሊክ ግብጺ ዝገበሮ ናይ ሰለስተ መዓልታት ወግዓዊ ምብጻሕ፡ ኣካልን መቐጸልታን ናይ’ቲ ኣብ ኩሉ መዳያት እናማዕበለ ክመጽእ ዝጸንሐ ዝምድናታት’ዩ። ፕረዚደንት ዓብዱልፋታሕ ኣልሲሲ፡ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ቤተ-መንግስቲ ኣልእትሓድያ ዝገበሮ ብናይ ክብሪ ሰልፊን ሃገራዊ መዛሙር ኤርትራን ግብጽን ዝተሰነየ ምዕሩግ ወግዓዊ ኣቀባብላ ድማ፡ መርኣያን መግለጽን ናይ’ቲ ድልዱል ሕውነታዊ ዝምድና’ዩ።
ኣብ’ቲ ስነ-ስርዓት፡ ብወገን ኤርትራ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ግብጺ ኣቶ ፋሲል ገብረስላሰን፣ ብወገን ግብጺ ድማ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣሰይድ ሳምሕ ሹክሪን ካልኦት ላዕለዎት ሰብ-መዚን ተረኺቦም ነይሮም።
ብድሕሪ’ዚ ስነ-ስርዓት፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ፕረዚደንት ኣልሲሲን፡ ፈለማ ንበይኖም፣ ካልኣይ እዋን ድማ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ክልተአን ሃገራት ዝተሳተፍዎ ርክብ ኣካዪዶም። እቲ ብቐንዱ ኣብ ምምዕባልን ምዕማቚን ክልተኣዊ ዝምድናታትን ሽርክነታዊ ምትሕግጋዝን ዘተኰረ ርክብ፡ ሓባራዊ ኣገዳስነት ኣብ ዘለዎም ዞባውን ኣህጉራውን ጉዳያትን ምዕባለታትን ብሓፈሻ፡ ግጭት ሱዳን፡ ጸጥታ ዞባ ቀይሕ ባሕሪን ካልእን ድማ ብፍላይ እውን ተዘሪቡሉ’ዩ። ኣብ መወዳእታ፡ ፕረዚደንት ኣልሲሲ፡ ንክብሪ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ምስኡ ዝተጓዕዘ ልኡኽን ናይ ምሳሕ እንግዶት ገይሩ።
ኣብ ካልኣይ መዓልቲ ዑደቱ – ሰንበት 25 ለካቲት፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ብሚኒስተር ሃብቲ ማይ ግብጺ ዶ/ር ሃኒ ስዌልም ተሰንዩ፡ ኣብ ከተማ ካይሮ ዝርከብ ታሪኻውን ሃይማኖታውን ኣገዳስነት ዘለዎ ቦታታት፣ ቅርስታትን ኣብያተ-መዘክርን በጺሑ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ፈለማ፡ ኣብ ማእከል ከተማ ካይሮ ዝርከብ፡ ካብ 1176 ክሳብ 1183 ዓመተ-ምህረት ንከተማ ካይሮ ንምክልኻል ዝተመስረተ ፍቕያ ሳላሓዲን ኣላኣዩቢን ኣብኡ ዝርከብ ኣስታት 175 ዓመት ዝገበረን ምሉእ ብምሉእ ብእምነ-በረድ ዝተሃንጸን መስጊድ መሓመድ-ዓሊ ባሻን’ዩ በጺሑ። ኣካየድቲ ናይ’ቲ ቦታ ድማ፡ ብዛዕባ ታሪኹን ታሪኻውነቱን መብርሂ ሂቦምዎ።
ንፕረዚደንት ኢሳይያስን ምስኡ ዝተጓዕዘ ልኡኽን ዘሳፈረ ቃፍላይ መካይን ብድሕሪ’ዚ፡ ናብ ሃገራዊ ቤተ-መዘክር ስልጣነታት ግብጺ፡ ከምኡ’ውን እቲ ዓቢ ቤተ-መዘክር’ዩ ኣምሪሑ።
ኣስታት 50,000 ቅርሲታት ሓቚፉ ዘሎ ሃገራዊ ቤተ-መዘክር ስልጣነታት ግብጺ፡ ንጸጋታትን ብዙሕነትን ግብጻዊ ስልጣነታት ዝገልጽ ሃብታም ትሕዝቶ ዘለዎ ኰይኑ፡ ንኣነባብራ ጥንታውያን ግብጻውያን፡ ኣልባሳቶምን ስልማቶን፡ ኣጽዋሮምን ናውቲ ማእቶቶምን ዝገልጽ ቅርሲታት፡ ከምኡ’ውን ሙምያታትን ካልእን ይርከቦ። ኣብ’ዚ ብሰለስተ ደርብታት ዝቘመ ህንጻ፡ እቲ ዝተሓነጠ ሙምያታት ዝርከቦ ክፍሊ፡ ኣብ’ቲ ትሕቲ ምድሪ ዝተሰርሐ ሳልሳይ ደርቢ ዝርከብ ኰይኑ፡ እንትርፎ ናብ’ቲ ሙምያ ዝቐንዐ ካብ ላዕሊ ትኽ ኢሉ ዝወርድ ብርሃን፡ ግብ ዝበለ ጸላም’ዩ። ከም’ዚ መግበሪኦም፡ “ንዕቃበ ናይ’ቲ ሙምያታት ሓጋዚ ስለዝዀነ’ዩ” ይብሉ ክኢላታት። ኣብ ጐድኒ ነፍሲ-ወከፍ ዝተጋደመ ሙምያ ከኣ፡ ቴርሞ ሜተር ይርከብ። ዝዀነ ለውጢ ኣብ ሙቐት፡ ሓደጋ ምፍራስ ናይ’ቲ ሙምያታት ስለዝዀነ፡ ሙቐት ናይ’ቲ ብቬትሮ ዝተሰርሐ ሳንዱቕ ብቐጻሊ’ዩ ዝምዝገብ። ደረቕ ስእሊ ይኹን ቪድዮ ምልዓል ድማ ብጥብቂ ዝተኸልከለ’ዩ። (ከም ገለ ክትስእል እንተተረኺብካ፡ “መርገም ሙምያታት እንተዘይቀተለ የዕነኒ” ዝብል ብሰፊሑ ዝኣምኑሉ ኣበሃህላ ሰው የብሉልካ።)
ቕኣብ 50 ሄክታር ዝተደኰነ “እቲ ዓቢ ቤተ-መዘክር ግብጺ” ድማ፡ ካብ’ቲ ኣህራማት (ፒራሚዳት) ዝርከቦ ከባቢ ‘ጊዛ’ 2 ኪሎ-ሜተር ርሒቑ ዝተደኰነን ገና ምሉእ ብምሉእ ዘይተዛዘመን ኰይኑ፡ ኣሽሓት ዓመታት ዝገበረ፡ ንቅዲን ጥበብን ስነ-ህንጻ ጥንታውያን ግብጻውያን ዘርኢ ግዙፍ ዓንድታት፣ ከምኡ’ውን ክሳብ 530 ኩንታል ዝኽብደቱ ሓወልትታትን ጣኦታትን ሓቚፉ ይርከብ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ እናተዘዋወረ ትሕዝቶኡ ኣብ ዝተዓዘበሉ፡ ብኣካየድትን ሞያውያንን መግለጺ ተዋሂብዎ።
ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ዑደቱ – ሰኑይ 26 ለካቲት፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ካብ ከተማ ካይሮ ኣስታት 100 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ማእከል ስነ-ፍልጠታዊ ምርምርን ስልጠናን ሃብቲ እንስሳ’ዩ ዑደት ፈጺሙ።
እዚ ኣብ ከተማ ‘ሳዳት’ ኣብ 4,000 ትርብዒት ሜትሮ ዝተደኰነ፡ 29 ዘመናዊ ኣብያተ-ፈተነን ብርክት ዝበላ ከብቲን ዝውንን ማእከል፡ ኣብ ዘመናዊ ሜላታት ምርባሕ፡ ምድቓልን ምስባሕን ናይ ጸባን ስጋን ከብቲ፡ ጀነቲካዊ ምምሕያሻት፡ ከምኡ’ውን ምምስራሕ ጥዕናኡ ዝሓለወ ጸባን ስጋን ውጽኢቱን ይነጥፍ። ንተመሃሮ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ድማ፡ ከም መሰልጠኒ የገልግል። ኣብ ትሕቲኡ ዝመሓደር ልምዓት ሓምላይ መግቢ እንስሳን ውሱን ዓይነታት ኣሕምልትን ከኣ፡ ኣብ ዘሰላስሎ ንጥፈታት ዓቢ ኣስተዋጽኦ ኣለዎ።
ኣካየድቲ ናይ’ቲ ማእከል ንፕረዚደንት ኢሳይያስን ንሱ ዝመርሖ ልኡኽን፡ ብዛዕባ ዕላማን ተልእኾን ናይ’ቲ ማእከል፡ ስፍሓቱን ዘሰላስሎ ንጥፈታትን፡ ፍርያት ጸባ ንምስሳንን ጥዕናኡ ንምውሓስን ዝካየድ ምርምራዊ ስርሓት ዝምልከት፡ ብምርኢት ቪድዮ ዝተደገፈ መብርሂ ሂቦምዎን ንክፍልታት ናይ’ቲ ማእከል ክዕዘብ ዓዲሞምዎን።
ብኸም’ዚ ድማ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ምስኡ ዝተጓዕዘ ልኡኽን፡ ኣብ ሪፓብሊክ ግብጺ ዘካየድዎ ናይ ሰለስተ መዓልታት ወግዓዊ ምብጻሕ ዛዚሞም፡ ሰሉስ 27 ለካቲት ፍርቂ መዓልቲ ናብ ኣስመራ ተመሊሶም።