ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ፡ ብዓይነትን ብዝሕን ኣዝዮም ረዘንቲ ክብርታት ዘለውዎ ህዝቢ እዩ። እዚ ክብርታት እዚ ስለዝውነነ ድማ’ዩ፡ ኣብዛ ኹሉ መሰናኽላት ዝመልኣ ዓለም፡ ዘጋጥምዎ ብድሆታት እናሰገረ፡ ነቲ ንዘመናት ዝዓቀቦ ክቡር ስነ-ምግባራቱ ብሓድነት እናኣስተማቐረ ዝቕጽል ዘሎ። ኣብ ሕብረተ-ሰብና፡ ብሉጻት ክብርታት ኣለዉ ክበሃል እንከሎ፡ ነውርታት – ማለት ዒብ እውን ዝሓቘፈ እዩ። ክዕቀቡ ዘለዎም ክብርታትን ክውገዱ ዘለዎም ነውሪታት ናይ ሓደ ሕብረተሰብ ከኣ፡ እቲ ሕብረተ-ሰብ ባዕሉ’ዩ ክዋስኣሎም ዘለዎ። ተዓዛቢ መጺኡ እዚኣቶም ክብሪ እዮም ይተዓቀቡ፣ እዚኣቶም ድማ ዒብ እዮም ይወገዱ ክብል ፍጹም ክውንነታዊ ኣይኰነን። ምኽንያቱ፡ ክብርታት ብዓቢኡ ምስ ባህሊ ብመጠኑ ድማ ምስ ሃይማኖት ቀጥታዊ ምትእስሳር ስለዘለዎም፡ እቲ ዋናኦም ዝዀነ ሕብረተአብ እዩ ክቕልሶም ዝግባእ። እዚ ሓቂ’ዚ ክኢላታት ዓውዲ ስነ-ሕብረተሰብ እውን፡ “ባህሊ በቲ ወናኒኡ ድኣ’ምበር ብኻልእ ኣይምእዘንን እዩ’’ ክብሉ ገሊጾሞ እዮም። እቲ ምንታይ ባህሊ – ኪኖ ብደገ እትዕዝቦ ምስጢራዊ ሓይሊ ስለዘለዎ።
ሕብረተሰብ ኤርትራ፡ ፈታዊ ሰናይ ጸላኢ ግናይ እዩ። ምንብባሩን ምክብባሩን ከኣ ንመን’ሞ ዘየቕንኦ. . .? ኣብ ሕማቕ ኣብ ጽቡቕ ብሓደ ክትዕዘቦ ደስ ዘየብል ኣይኰነን። ንኣብነት፡ ኣብ ሓዘን ንሓዘንተኛ ኣብ ምጽንናዕ ዝግበር ወግዒ፡ ኣብ መርዓ ድማ ንበዓል ኣበባ፡ ኣበባ ንምውሳኽ ዝካየድ ምውሳእ ብሕብረተ-ሰብና ካብ ዝዝውተሩ ኣብነታውያን ወግዕታት እዮም። ብዘይካ’ዚ ንዒብ ቦታ ዝኸልኡ ክብርታት’ውን ኣለዉዎ። ዘይናትካ ምድላይን ዘይጸዓርካሉ ሃንቀው ምባልን ነውሪ እዩ፣ ከም ሰብ ዘቑጽር’ውን ኣይኰነን። ከምኡ’ውን ዘይምትሕልላይ፡ ንጽጉም ወገንካ እናረኣኻ ከተስቅጥ… እታ ናይ ውሽጥኻ ሕልና እኳ ትኣኽለካ። ሰብ ከይብለኒ ምባል (ጌጋ ንኸይትፍጽም ከባቢኻ ግልጽ ምባል)ን፡ ብልምድን ኣካይዳን ሕብረተሰብካ ምምእዛዝን እውን፡ ኣካል ዒብ ሕብረተሰብ ኤርትራ እዮም።
እዞም ንጠቕሶም ዘለና፡ ገለ ካብ’ቶም ኣብ ሕብረተሰብና ንዘመናት ዝሰረቱ ክብርታት እዮም። የግዳስ ካብ ባሕሪ ብጭልፋ እንተተባህለ ይሓይሽ። ነዞም ንዘመናት ሓይሊ ኰይኖም ከም ሕብረተሰብ ኣብ’ዚ ዘብጽሑና ክብርታት – ምዕቃቦምን ናብ ዝቕጽል ወለዶ ብግቡእ ከምዝመሓላለፉ ምግባሮምን በቲ ሓደ ወገን፡ ነቶም መንሽሮ ባህሊ እናዀኑ እናተታተዩ ዝቕጽሉ ዘለው ዒብ ዘድልዮም ልምድታት ምውጋድ ድማ በቲ ካልእ፡ ይጽንሓለይ ዘይብሃሎ እዋናዊ ዕማም ናይ ኩሉ ወገን ምዃኑ፡ እንግረ መንገድና ከነዘኻኽሮ እንደልዮ መልእኽቲ እዩ።
ክብርታትን ዒባትን፡ ቅድሚ ሕብረተሰብ ዝፍጠሩ ኣይኰኑን። እንታይ ደኣ ሕብረተሰብ ከም ሕብረተሰብ ምስ ቆመ ዝሃንጾም እዮም። ኣብ’ዚ፡ ንክብሪ እናኣደመቐት ንዒብ እናኣህሰሰት ክትቅጽል ዓቢ ተራ ክትጻወት ትጽቢት ዝግበረላ ድማ፡ እታ መሰረት ሕብረተ-ሰብን ሃገርን ዝዀነት ስድራ-ቤት እያ። ምኽንያቱ፡ ክብርታት ሕብረተ-ሰብና ኣብ ስድራቤት ስለዝተሰረቱ እዮም ዝቕጽሉ ዘለዉ። እንተዘይኰይኑ፡ ኣብ ስድራቤት ዘይተሰረተን ዘይተሃንጸን፡ ኣብ ሕብረተሰብ ክህሉ ምጽባይ ብሓደ ኢድካ ከም ምጥቃዕ’ዩ ክኸውን። ስለ’ዚ፡ ኣበርክቶ ስድራቤት ኣብ ምዕባይ ክብርታት ሕብረተሰብ ወሳኒ ይኸውን።
ዝጸንሓና ባህሊ ኣቦዋትን ኣደታትን፡ ተካኢ ወለዶ ንዝዀነ ህጻን መልሚሉ ኣብ ዝብጻሕ ዘብጽሕ እዩ። ሓንቲ ካብ’ቶም ኤርትራውያን ወለዲ ናብ ደቆም ክብርታት ሕብረተ-ሰቦም ዘሰጋግሩላ መድረኽ ድማ መኣዲ እያ።
መኣዲ፡ ሓንቲ ካብ’ቶም ብወግዒ ክቢ ዝእንገዱ ውግዕታት ሕብረተሰብና እያ። ወግዒ ሓዘንና፡ ወግዒ ጓይላና፡ ወግዒ መኼዳና ወዘተ. . . ብወግዒ ክቢ እዩ ዝካየድ። ሓንቲ ካብተን ተሃረፍቲ ዝዀነት መኣዲ ወግዕና – ካብኣ ዝርከብ ረብሓ መወዳድርቲ የብሉን። ኣብ ቁርሲ፡ ኣብ ምሳሕ፡ ኣብ ድራር ወዘተ ስድራቤት ብሓባር ኮፍ ኢልካ ክትምገብ እንከለኻ ዘሎ መቐረት፡ ንዓኦ ዝምጥን ቃላት’ውን ዝርከቦ ኣይኰነን። ነፍሲ-ወከፍ ኣባል ስድራቤት፡ ካብ ወግዒ መኣዲ ብማዕረ ተረባሒን ኣርባሕን እዩ። እቲ ምንታይ፡ ኣብ ሕብረተ-ሰብና መኣዲ ቤት-ትምህርቲ እያ – ወላዲን ውሉድን ሓቢሮም ዝመሃሃሩላን ዝመያየጡላን መድረኽ።
ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ፡ ብፍላይ ኣብ ከተማታት ንኣገዳስነት መኣዲ ዝፈታተን ዝተፈላለየ ዘመናዊ ልምድታት ይተኣታቶ ስለዘሎ፡ መኣዲ ክብረታ ከይሃስስ ስድራቤታት ብሓፈሻ ሕብረተሰብ ድማ ብፍላይ፡ ልዑል ቈላሕታ ክገብሩሉ ዘለዎም ጉዳይ እዩ። ኣብ ባህልና ኣመጋግባና፡ ብፍላይ ኣብ ገጠራት ብብዝሒ ብመኣዲ እዩ ዝፍጸም። ኩላ ኣባል ስድራቤት ብኣቦን ኣደን ማሚቛን ማዕሪጋን፡ ኣብ ሓደ መኣዲ ተቐሪባ እያ ብፍቕሪ እናተጠማመተትን እናኣውግዐትን ትቋደስ። ኣብ ከተማታት ግና፡ ብዝተፈላለየ ቅቡልን ዘይቅቡልን ኩነታት – እዚ ናይ መኣዲ ክብሪ እናሃሰሰ ይኸድ ኣሎ ጥራይ ዘይኰነ፡ ብፍላይ ኣብ ሓደ-ሓደ ስድራቤታት ዳርጋ ይርሳዕ ኣሎ ክበሃል ዘየድፍር ኣይኰነን።
ኣባላት ስድራቤት፡ ብመኣዲ ከቢቦም ክምገቡ እናኸኣሉ፡ የግዳ ነፍሲ-ወከፍ ኣባል ነንበይኑ (በብያቲኡ ሒዙ) ክምገብ ምርኣይ ንቡር ኰይኑ ኣሎ። እዚ ዓይነት ኣመጋግባ፡ ኣብ ከም ፓስታ ስፓጌቲ፡ ፓስታ ማኮሮኒ፡ ሩዝን ካልእን ዓይነት መግብታት፡ ቅቡልን መድረኽ ዘምጽኦ ኣመጋግባን ብምዃኑ፡ ብመኣዲ ከቢብካ ክትምገቦ ዝከኣል ኣይኰነን። በብያትኻ ሒዝካ ክትምገቦ ዘገድደካ ስለ ዝዀነ፡ ዝውቀስ ኣመጋግባ ኣይኰነን። ናቱ ክብርን ጽባቐን ተቐባልነትን ዘለዎ እዩ። ከነወግዶ’ውን ኣይንኽእልን ኢና። ብተወሳኺ፡ ኣብ ውራያት መርዓን ካልእ ጽምብላትን፡ በብያትኻ ሒዝካ ክትምገብ ምኽኣል ንባዕሉ፡ ብዅሉ መዳዩ ቅቡልን ዘዋጽእን እዩ። እቲ ክሃስስ የብሉን እንብሎ ዘለና ግና፡ ኣብ ገዛና ኰይንና፡ ኣብ በብያትና ጣይታ (እንጀራ) ሒዝና ከም ደቂ ዛግራ ፋሕ ኢልና ብቐጻሊ ምምጋብን ብዘይ ኢሂን ሚሂን በሊዕና ምትንሳእ’ዩ። ከምኡ’ውን ኵልኻ ኣባላት ስድራቤት ኣብ ገዛ እንከለኻ፡ ዋላ በብያትኻ ሒዝካ ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ሳሎን ከቢብካ ኣብ ክንዲ ምምጋብ፡ ኣብ በበይኑ ግዜ ምምጋብ ኣሎ። ወፊርካ ውዒልካ ገዛ ምስ ኣተኻ’ውን፡ በብዝኣቶኻዮ እናተመገብካ ኣመት ናይ’ቲ ኣባል ስድራቤትካ ከይገበርካ ምቕጻል ይርአ እዩ። ብኸምዚ ኣብ ሳሎን ብሓደ ኮፍ ኢሎም እናተራኣኣዩን እናኣውግዑን ካብ ዘይምምጋብ ዝተላዕለ፡ ኣብ ግዜ መግቢ ምብላዕ ዘይፋልጡን ዘይረኣኣዩን ኣባላት ስድራ ዝሰኣኑ ኣይኰኑን። ነቲ ክዕቀብ ዘለዎ ወግዕና ዘጥፋኦ ዘሎ ከኣ እዚታት እዩ። ሓቂ እዩ፡ ሰዓታት ስራሕ፡ ኣብ በበይኑ ግዜ ክትምገብ ዝድርኽ እኳ እንተ ኾነ፡ ኣብ ከም ቀዳመ-ሰንበት፡ በዓላትን ካልእ ኣጋጣሚታትን ግን፡ ብሓደ ኣብ ሳሎን ከቢብካ ምምጋብን ምውጋዕን ንመንፈስ መኣዲ ኣብ ስድራቤት ዘማሙቕ ስለ ዝኾነ ሸለል ክበሃል ኣይግባእን።
ስለዚ፡ ኣብ ዘመናዊ ልምዲ ኣመጋግባ፡ በብያትና ሒዝና ክንምገብ እንከለና፡ እታ ኣብ ሞንጐ ተመገብቲ ክንትግብራ ዘለና ወግዕን ፍቕርን፡ ክትተርፍ ወይ ብስቕታ በሊዕካ በሊዕካ ብያትኻ ኣቐሚጥካ ብምኻድ ክትትካእ የብላን። እቲ ሓባራዊ ወግዒ፡ ሓባራዊ ዕላል፡ ሓባራዊ ኢሂን ሚሂን፡ ሓባራዊ ደሃይ ስራሕን ኵነታት ስድራቤትን ምፍልላጥ፡ በብያትና ሒዝና እናተመገብና ከይተረፈ ከነተግብሮ ንኽእል ኢና። ብኸምዚ መገዲ ዝመሓላለፍ ክብርታትን ምኽሪን፡ ሓደ ካብ’ቲ ንህዝቢ ኤርትራ ከም ሓደ ህዝብን ሕብረተሰብን ሓድነቱን መንነቱን ኣኽቢሩ ብስጥመት ክጓዓዝን ክምርሽን ኣኽኢሉዎ ዘሎ እዩ። እዚ ‘መንፈስ ናይ መኣዲ’ ድማ ብዅሉ መዳዩ ማለት፡ ብክቢ መኣዲ ኮነ በብያትና ሒዝና ኣብ እንምገበሉ ግዜ፡ ተዓቂቡ ክንቅጽል ኣለዎ። እቲ ምንታይ፡ ኣብ መኣዲ ክቢ ይኹን በብያትና ሒዝና ኣብ እንምገበሉ እዋን፡ ኣብ’ዛ ጠርናፊትና ዝዀነት መንፈስ ናይ መኣዲ እንረኽቦም – ከም ምኽሪ፡ ተግሳጽ፡ ፍቕሪ፡ ሓይሊ፡ ሓድነት፡ ጽንዓት ወዘተ ዝኣመሰሉ ክብርታት፡ ብዝግባእ ክንቀስሞም ዝሓሸ ዕድል ስለዝፍጠረልና እዩ።
በዚ ኣጋጣሚ ከይተጠቕሰት ክትሕለፍ ዘይብላ ነጥቢ ኣላ። ንሳ ከኣ፡ ንትርጉም መኣዲ ብዕምቆት ካብ ዘይምርዳእ፡ ነንበይንኻ ተቐሪብካ ምብላዕ (ኣብ ገዛ ይኹን ኣብ መርዓ)፡ መግቢ ብዘይ ኣገባብ ንከይሃልኽ ተራ ስለዋዘለዎ – ንበይንኻ ኰይንካ ምብላዕ ክድግፉ ዝስምዕ ሞገት እዩ። እዚ ግን ናይ ኣረዳድኣ ጸገም ደኣ’ምበር፡ ኣብ መኣዲ’ውን እኮ ዓቕምኻ መግቢ ቀሪብካ ብቖጣቢ መገዲ ክትቋደስ ዘይክኣል ኣይኰነን። ኣብ መኣዲ ብዙሕ መግቢ (ክሳብ ዝተርፍ) ክቕረብ ኣለዎ ዝብል ባህሊ’ውን የብልናን። ኣብ መኣዲ ገዛና ይኹን ኣብ መኣዲ መርዓ፡ ዓቕምና ዝዀነ መግቢ ዘይቕርበሉ ምኽንያት እንታይ ኣሎ ድዩ? እቲ ጸገም ናይ ኣረዳድኣን ናይ ኣተገባብራን ጸገም ጥራይ እዩ ክኸውን ዝኽእል። ሕጂ’ውን፡ እዚ ሓሳብ ንዘመናዊ ልምዲ ኣመጋግባ ንምንእኣስ ኣይኰነን፡ እንታይ ደኣ፡ ወግዒ መኣድና ንኸይሃስስ፡ እቲ ክቢ መኣዲ ኴንና ክንምገቦ እንኽእል ንመገቦ፡ እቲ በብያትና ሒዝና እንምገቦ ድማ ብኸምኡ ንመገቦ፡ ንምባል እዩ።
ከም’ቲ ቅሩብ ትንክፍ ዘበልናዮ፡ ካብ መኣዲ ዝርከቡ ረብሓታት ብዙሓት እዮም፣ ንምርዳኡ ምእንቲ ክጥዕም ኣብ ወግዒ መኣዲ በቶም መራሕቲ ናይታ ስድራ ዝዀኑ ኣቦን ኣደን ዝርከቡ ጥቕምታት ካብ ባሕሪ ብጭልፋ ፈላሊልና ከነቕርብ። ቅድሚኡ ግን፡ እቶም ብኣቦ ዝርከቡ ክብርታት ብኣደ’ውን ክርከቡ ከምዝኽእሉ፡ እቶም ብኣደ ዝርከቡ ድማ ብኣቦ’ውን ከምዝርከቡ ምግላጽ ጽቡቕ እዩ። ካብ ኣቦ ብዝርከቡ ክንጅምር፦
1. ትብዓት፦ ትብዓት ኣብ ገዛኻ’ዩ ዝጅምር፣ ካብ ኣቦኻ ኣብ ወግዒ መኣዲ ድማ ትመሃሮ። ኣብ ኩሉ ጉዕዞኻ ዘይትጽዓድ ንኽትከውን፡ ሂወት ብኹሉ ሸነኻታ ቃልሲ ብምዃና ኣብቲ ቃልሲ ተዓዋቲ‘ምበር ተስፋ ቆሪጹ ጉዕዞኡ ዘቋርጽ ከይትኸውን፡ ኣብ ወግዒ መኣዲ ካብ ኣቦኻ እትረኽቦ ተመኩሮን ምኽሪን’ዩ። ካብ’ቲ እትምገቦ መግቢ ብዘይንእስ ትብዓት እናተቛደስካ ትዓቢ፣ ከም ኣቦኻ ድማ ተባዕ ትኸውን።
2. ምኽኣል፦ ንዘጋጥመካ ነገር ክትሃድመሉ ዘይኰነስ፡ ካብኡ እትረብሖ ስለዘሎ ክትገጥሞ’ዩ ዘለካ። ካብ ብድሆታት ብዙሕ ረብሓታት’ዩ ዘሎ። ንኣብነት ትበልሕ፡ ትነቅሕ፡ . . .። ስለ’ዚ፡ ኣብ ሂወት ክኢላ ኰይንካ ንኽትወጽእ፡ ናይ መጀመርያ ቤት-ትምህርትኻ ወግዒ መኣዲ እያ። መምህርካ ድማ ኣቦኻ’ዩ፣ ከምኡ ክኢላ፡ ንጸገማት ተጻዊሩን በዲሁን ዝነብር ኰይንካ ክትዓቢ ይምህረካ።
3. ምጽናዕ፡- መምስ ዘጋጥመካ ትቀያየር እንተዀይንካ – ኣብ ሂወት ኣብ ሓደ ምዕራፍ ወይ ኣብ ዓወት ከይበጻሕካ ኢኻ እትተርፍ። እዚ ንከይትኸውን ግን፡ ኣቦኻ’ዩ ኣብ ወግዒ መኣዲ ጽኑዕ ንኽትከውን ኰስኲሱ ዘዕብየካ። ካብ ተመኩሮኡ ጽንዓት ይምህረካ፣ ጸገማት ግዝያውያን ምዃኖም ጽንዓት ድማ መፍትሒኦም ምዃኑ፡ ብግብሪ እናኣርኣየ የዕብየካ። ጽንዓት ድማ፡ ራኢኻን ሸቶኻን ካብ ፈለማ ኣነጺርካ ብምስኣል ክትሰርሕን፡ ኣብ ዓወት ክትበጽሕን ትገብረካ። ጽንዓት፡ ኣብ ሎሚ ኰይንካ ኣብ ጽባሕ ናይ ምንባር ጥበብ እያ።
ኣብ ወግዒ መኣዲ ገለ ካብቶም ካብ ኣደ ዝርከቡ ክብርታት ድማ፦
1. ፈቃር ንምዃን፦ ፍቕሪ እንተመቒልካዮ እዩ ዓጸፋ ዝኸውን። ሓቅነቱ ፈቲንና ከነረጋግጾ ንኽእል ኢና። እንተዘይኰይኑ፡ ፍቕሪ ምስ ተመቕለ’ዩ ዓጸፋ ዝበዝሕ። ‘’ምሃብ ዘይለመደስ ሃበኒ መን ኣልመዶ?’’ ዝብል ምስላ ኣቦዋት ኣለና። እዚ ምስላ’ዚ ብዓይኒ ፍቕሪ እንተርኢናዮ፡ ፍቕሪ ምሃብ ዘይለመደ ፍቕሪ ክልምን ኣይክእልን – ኣየምሕረሉን ድማ ንባል እዩ። ምኽንያቱ፡ ፍቕሪ እንተለጊስካ ኢኻ ፍቕሪ ዝልገሰልካ። ፍቕሪ ምስ ኣሕዋትካ፡ ምስ ጎረባብትኻ፡ ምስ መሳርሕትኻ፡ … እንተሃልዩካ ብርግጽ ኣብ ምንባር እቲ ዝኸስብ ሰብ ንስኻ ኢኻ። ፈቃር ምዃን ግን – ኩሉ ዝኽእሎ ኣይኰነን – ኣተዓባብያ ወሳኒ እዩ። ምኽንያቱ፡ ፍቕሪ ቀሲሙ ዘይዓበየ ከመይ ገይሩ ፍቃር ክኸውን ትጽቢት ይግበረሉ? ፈቃር ምዃን እምበኣር፡ ካብ ገዛኻ እዩ ዝብገስ። ኣብ ገዛኻ ኢኻ ፈቃር ምዃን እትመሃር። መምህሪ ፍቕሪ ድማ ኣደ እያ፣ ካብ ኣደ ኢኻ ኣብ ወግዒ መኣዲ ምፍቃር ትመሃሮ። እዚ ክቡር ህያብ’ዚ፡ ኣብ ወግዒ መኣዲ ምስ ኰንካ ኢኻ እናኣስተማቐርካዮ ትዓቢ። ኤርትራዊት ኣደ ፈቃር እያ፣ ለዋህ እያ. . . ዝበሃል እኮ፡ ፈቃር ምዃን ኣብ ግዜ ወግዒ መኣዲ ካብ ኣደታታ ስለዝወረሰቶ እዩ። ኣብ ሂወት ምርካብን ምስኣንን ንቡር’ዩ። ኣደ ግን ትርከብ ትስኣን ቀዳምነት ውላዳ ምስ ሰርዐት እያ። ብፍላይ ኢድ ኣብ ዝሓጽራ (ኣብ እትስእነሉ) እዋን፡ ቅድሚ ከብዳ ከብዲ ውላዳን ስድራ-ቤታን እያ እትዕንግል። እዚ ከኣ መግለጺ ካብ ልቢ ዝመንጨወ ፍቕሪ ኰይኑ፡ ኣብ ወግዒ መኣዲ ዝርከብ ዘይበርስ ክቡር ባህሊና እዩ።
2. ምስጢራዊ ምዃን፦ ዘጋጠመ እንተኣጋጠመ ኤርትራዊት ኣደ – ኢዳ ኣይትህብን፣ ሃህ ኢላ እትዛረብ እውን ኣይኰነትን። ዓቛሪት፡ ከኣሊት፡ ሰታሪት – ብሓጺሩ ምስጢር ሓላዊት ኣደ እያ። ኩሉ ኣብ ውሽጣ ትጾሮ። ቀላይ ዓሚቚ ይኸውን ግን ኣይከም ልቢ ኣደን። ኣብ ስድራ ንዘጋጥመ ሕማቕ ይኹን ጽቡቕ ንደገ ከይወጽእ፡ ቀንዲ ማዕጾኡ ኣደ እያ። ስለ’ዚ፡ ኣደ ኣብ ወግዒ መኣዲ ምስጢራዊ ምዃን ትምህረካ።
3. ብሓድነት ምንባር፦ ኣደ ንኹሉ ኣባል ስድራቤት (ብዘይ ኣፈላላይ) ኣብ ሓደ መረዳእታ ንምምጻእ እትገብሮ ጻዕሪ ቀሊል ኣይኰነን። ኩሎም ድቃ ብሓድነት ክዓብዩን ብሓድነት ጸገማቶም ክብድሁን ብቃል ይኹን ብግብሪ ወትሩ ምስ መሃረት’ያ። ኣብ ወግዒ መኣዲ ድማ፡ ነዚ ሓድነት’ዚ ዝጻረር ተግባር ትእርምን ንዝያዳ ሓድነት ምኽራን ሓሳባታትን ትልግስ። “ኣደ መብራህቲ ገዛ’ያ” እናተባህለ ክምሰለላ ከሎ፡ ህላውነታ ማዕረ ክንደይ ነቲ ስድራ ኣብ ሓድነት ከምዘምጽኦ ዝገልጽ’ዩ። ብሓጺሩ ኣደ ጠርናፊት ስድራ’ያ።
እዚ ዝጠቐስናዮ ገለ ካብቶም ኣብ ወግዒ መኣዲ ካብ ኣቦን ካብ ኣደን ናብ ውላድ ዝሰጋገሩ ክብርታት’ዮም። እቶም ብኣቦ ዝሰጋገሩ ዝበልናዮም፡ ብኣደ’ውን ክሰጋገሩ ይኽእሉ’ዮም – ከምኡ’ውን እቶም ብኣደ ዝበልናዮም ብኣቦ ይሰጋገሩ እዮም።
ኣብ ሂወት ብዓወት ክትጉዓዝ ሓይሊ ዝዀኑኻ ልቦናዊ ህያብ’ዮም። እዞም ልቦናዊ ህያባት ወለዲ ከይቀሰምካ ምዕባይ ዘምጽኦ ጸገማትን ሃጓፋትን ማዕረ ክንደይ ሃሰዪ ምዃኑ ድማ ርዱእ’ዩ። ስለዚ፡ ወግዒ መኣዲ እታ እንኮ ሓቢርና ካብ ኣቦን ኣደን ናብ ውሉድ ወለዶ መልእኽቲ እነመሓላልፈላ መድረኽ ስለዝዀነት፡ ዕሽሽ ክትበሃል ኣይግባእን። ዋላ በበያትና ሒዝና ኣብ እንምገበሉ እዋን’ውን፡ ብኣቦን ኣደን ተማእኪሉ ዝመሓላለፍ ዕላልን ወግዕን ብዝግባእ ክቕጽል ኣለዎ።
ኣብ መወዳእታ እስከ ሓደ ሓሳብ ከነልዕል፣ ከምቲ ቀደም ኣቦዋትን እኖታትን መኣዲ ክቕረቡ ዝህወኹ ዝነበሩ፡ ናይ ሎሚ ከምኡ’ዶ ኣለና? እዚኣ ነፍሲ-ወከፍና ወለዲ ክንምልሳ ዘለና ሕቶ እያ። ምኽንያቱ፡ በብወገንና (ተማሃራይ ኣብ ትምህርቱ ሰራሕተኛ ድማ ኣብ ስራሑ) ዝወዓልናዮ ዕዮ፡ ኣብ’ቲ እንምገበሉ እዋን (ብክቢ መኣዲ ይኹን በብያትና ሒዝና) ክንግምግሞ ኣለና። ዝነበረ ናይ ሓባርን ናይ ውልቅን ጌጋታትና ኣብ ወግዒ መኣዲ እንተዘይኣሪምናዮ፣ ሳዕቤኑ ቀሊል ኣይክኸውንን እዩ። ከምኡ’ውን ናይ ዝቕጽል መዓልቲ ዕዮ ገዛና’ውን ኣብ ወግዒ መኣዲ ኢና ክንወሃብን ክንቅበልን ዘለና። ወግዒ መኣዲ ኣብ ሕብረተ-ሰብና ብእኩብ ክንሓስብ፡ ሓድነትና ከነትርር፡ ብድሆታት ብናይ ሓባር ቃልሲ ክንዕወተሎም፡ ብኣካል ብኣእምሮን ብመንፈስን ሓደ ስድራ ኰይንና ክንዓቢ እተኽእለና መድረኽ ስለዝዀነት፡ ሃየ ድኣ ኣይነቚርራ።
ንምጥቕላል፡ ዘለውና ብዙሓትን ብሉጻትን ክብርታት ንኽንዕቅብ ተራ ወግዒ መኣዲ ዓቢ ካብ ኰነ፡ ኣብ ወግዒ መኣዲ ዘለና ግንዛበ ክዓሙቕን ክዓቢን ከምዘለዎ ዘካትዕ ኣይኰነን። እቲ ምንታይ ክብርታት ምስ ግዜ ሃሰስቲን ተበለልቲን እዮም። እዘን ሎሚ ብሰንኪ ቅልውላው መንነት (ክብርታት) ንሓድሕደን ክዋድኣ ክንዕዘብ ዘለና ሕብረተሰባት ዓለምና፡ ክብርታተን ብግቡእ ስለዘይዓቀባ እዩ እምበር፡ ከምኡ ኰይነን ስለዝተፈጥራ ኣይኰናን። ክብርታተን ስለዘይዓቀባ ከም’ዚ እንርእየን ዘለና ብካልኦት ክዕበለላን ኣብ ረብሓ ካልኦት ክውዕላን ምርኣይ ዘገርም ኣይኰነን። ዜጋታተን መሰረታዊ ስነ-ምግባር ጠፊኡዎም ከም እንስሳ ክዋድኡ፡ ዓሌት ምስ ዓሌት፡ ቀቢላ ምስ ቀብላ፡ ሃይማኖት ምስ ሃይማኖት፡ ወዘተ ክቃተሉ ካብ ምርኣይ ንላዕሊ ዘሕዝን ነገር የለን።
ስለ’ዚ፡ ክብርታት ኢድን እግሪን ሃልዩዎ ባዕሉ ዝዕቀብ ዘይኰነስ፡ ኢዱን እግሩን ሕብረተሰብ እዩ። ሕብረተሰብ እንተዘይተሰኪምዎ ግን፡ ናብ ዝቕጽል ወለዶ ብዝግባእ ከይተሰጋገረ ዝበርስ ምዃኑ ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ። ዘለውና ክብርታት ርኢና ከይንስእኖም ንዓቅቦም። ወግዒ መኣዲና ኣብ ምዕቃቦም ተራኣ ዕዙዝ ስለ ዝዀነ፡ ሃየ ኣይነቑርራ – ነማሙቋ። ዘለናዮ ዘመን ዘመን ዕብለላን ግሎባውነትን ምዃኑ ከይስሓትና፡ ኣብ ባህልና – እቲ ዘነይተና ክብርታትና እናኣድመቕና ብዝሓየለ እንስጕመሉ ግዜ ሕጂ ክኸውን ኣለዎ።