Normal
0
false
false
false
EN-US
X-NONE
X-NONE
MicrosoftInternetExplorer4
/* Style Definitions */
table.MsoNormalTable
{mso-style-name:”Table Normal”;
mso-tstyle-rowband-size:0;
mso-tstyle-colband-size:0;
mso-style-noshow:yes;
mso-style-priority:99;
mso-style-qformat:yes;
mso-style-parent:””;
mso-padding-alt:0in 5.4pt 0in 5.4pt;
mso-para-margin-top:0in;
mso-para-margin-right:0in;
mso-para-margin-bottom:8.0pt;
mso-para-margin-left:0in;
line-height:107%;
mso-pagination:widow-orphan;
font-size:11.0pt;
font-family:”Calibri”,”sans-serif”;
mso-ascii-font-family:Calibri;
mso-ascii-theme-font:minor-latin;
mso-hansi-font-family:Calibri;
mso-hansi-theme-font:minor-latin;
mso-bidi-font-family:”Times New Roman”;
mso-bidi-theme-font:minor-bidi;
mso-font-kerning:1.0pt;}
ብእመት ለኪዕና በጺሕናዮ ስጉሚ
ሓርፋፍ ኣካይዳ ካብ ትማሊ ናብ ሎሚ
ነቲ ገደል ሜዳ ነቲ ሞት መስዋእቲ
ምሕዝነት በረኻ ምስ ደቂ ሕድርቲ
ሃለዋት ከፊልና ሃልዋት ክንፈጥር
ብዓወት ንሓፋሽ መሪቕና መቓብር
ቀዳሞት ኣሕሊፍና
ዳሕረዎት ንቕጽል
ብውሑድ ቁጽርና ፈቲሕናዮ ግድል
መጋባእያ ድያብሎስ ዝዋዓለ ፍርዲ
ንዓና ንሕልፈት መሬት ንባዕዲ
ህርፋን ቀይሕ ባሕሪ ጅኦ ስትራተጂ
ብርሃን ኣይነበረን መዓስ ከም’ዚ ሕጂ
ሸውሃት ሕማቕ እዋን ኣፍ ከፊቱ ሓርገጽ
ውሕጥ ከብለና ዘልኣለም ክንቅበጽ
መፍተል ጽውጽዋይ ውዲት እከይ ግረት
ዕርፊ ኣጽኒዕና ኣብ መትከል ፈንጢስናዮ ስበት
ጥሩምባ ነፊሖም ኣዋጅ ናይ ህልቂትና
ከም ጨጓር ሓሰኻ ፍሑኽ እናበልና
ብደምና ሃኒጽናዮ ውሽጣዊ ሕርያና
እምበር ዓለም ድኣ ትግዘትዶ ኾይና
ኣብ’ቲ ብሉይ ኪዳን ዘምበረሉ ቴማ
ሕልፈትና ክንገር ናይ ህልቂት ዋዜማ
ማሕተም ገይራትሉ ዓለም ብዓለማ
መርዚ ሞት ልኢኻ ብጋዝ ኣቃሚማ
ናይ’ዚ ዅሉ ግፍዒ ኣበሳን በደልን
ሃገር’ዩ በደልና ሪምን መንነትን
ከም ሕሱም ቀልዩና ሃልሃልታን ረመጽን
ብሓንሳብ ነዲድና ንሕናን’ዛ መሬትን
ሳላ ጽንዓትና ግን ኣብቲ ምድረ-በዳ
ብሰረት-እምነት ብጽዓት ናይ ሜዳ
ኵሉ ስዒርናዮ ናይ ምዕራብ ኣጀንዳ
ወለዶ ሰሪሕና ካብ ሽዳ ናብ ሽዳ
ነቲ ብሉጽ ባህሊ ክብርታት ናይ ገድሊ
ሎሚ ቀጺልናዮ ልክዕ ከም ትማሊ
ዝደጋገም ትዉፊት ዝውረስ ጅግንነት
እቲ ስጡም መሳርዕ ኣሎ’ቲ ሓድነት
ከም’ታ ናይ ቀደምና እታ ጥውዮ ነጸላ
ምስ’ታ ጸላም ሽዳ ኣብታ ቃለ-ማሕላ
ብቕዱስ ዕላማ ዋርሳይ ይቕጽላ
መስርዕ ከይበተኸ ሂወት ይኸፍለላ
ብቓልን ብግብርን ብስጋን መንፈስን
ኣለና ኣብ መትከል ንሕናን’ዛ መሬትን
ነቓዕ ሃሰው ዝብል የለን ዝበታትን
ኣበይ ኣሎ ሎሚ ከማና ዝቐስን