ታሪኽ ትማሊ፡ ብታሪኽ ሎሚ ይዅላዕ!

ሃገራዊ ታሪኽ፡ መግለጺ ሚዛንን ክብረትን ሓደ ህዝቢ እዩ። ብዓይኒ ታሪኽ፡ ኩሎም ህዝብታት ሓደ ዓይነት ሚዛን ዝወሃቦም ኣይኮኑን። ብመጠን ዝገጠሞም ብድሆታትን ንዕኡ ንምስዓር ዝሓለፍዎ ታሪኽ፡ ዘጥረይዎ ክብርታትን ዝፈጸምዎ ቅያታትን፡ ርዝነቶም ኣዝዩ ዝተፈላለየ እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ፡ ዓማጺን ተጻባእን ባህርይ ዘይብሉ፡ ናቱ እምበር ዘይናቱ ዘይደሊ ወረጃ ህዝቢ እኳ እንተኾነ፡ ብሰንኪ ዓይኒ ዝስሕብ ስትራተጂያዊ ኣቀማምጣን ጸጋታትን ሃገሩ፡ ገባቲ ፖሊሲ ርእሰ-ሓያላን፡ ከም ሃገርን ህዝቢን ካብ ካርታ ዓለም ክሕከኽ ፈሪድዎ ነይሩ እዩ። ኣብ ባይታ ግን፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ መንፈስ ብቐሊሉ ዝሕከኽ ኮይኑ ኣይተረኽበን። ህዝቢ ኤርትራ፡ ጂኦ-ፖለቲካዊ ስትራተጂ ዓበይቲ ሓይልታት ዓለምና ንምርዋይ ተባሂሉ፡ ሕጋዊ መሰሉ ንናጽነት ምስ ተነፍጎ፡ ጥንግናግ ዓለማዊ ውዲት ፈንጢሱ፡ ዝተመንዝዐ መሰሉ ብቕልጽሙ ንምርግጋጽ፡ ኣብ ዘመናዊ ዓለምና ሓደ ካብቶም ዝጸንከሩ ነዊሕን መሪርን ሓርነታዊ ተጋድሎ ከካይድ ተገዲዱ እዩ። እዚ ነዊሕ ኲናት’ዚ ድማ፡ መዘና ኣልቦ ቅያን ጅግንነትን ኤርትራውያን ዝምስክር ድንቂ ፍጻመታት ዝሓቘፈ እዩ።

ሓደ ካብቶም ጐሊሖም ዝጥቀሱ ጅግንነታዊ ፍጻመታት ሓርነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ እቲ ቅድሚ 34 ዓመታት ኣብ ለካቲት 1990፡ ንምጽዋዕን ከባቢኣን ሓራ ዝገበረ፡ “ስርሒት ፈንቅል” ዝተሰምየ ስትራተጂያዊ መጥቃዕቲ ሓርነታዊ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት መግዛእቲ ኢትዮጵያ እዩ።

ስርሒት ፈንቅል፡ ኣብ ታሪኽ ወተሃደራዊ ግጥማት ዓለምና፡ ሒደት መዳርግቲ ጥራይ ዝርከቦ፡ ብመሬትን ባሕርን እጹብ ወተሃደራዊ ቅያ ዝተፈጸመሉ፡ ብውሕሉል ወተሃደራዊ ስልቱ፡ ብበርቃዊ ቕልጣፈኡን ስፍሓት ሸፈንኡን ንዓለም ዘገረመ፡ ኣብ ክሳድ መግዛእቲ ናይ መጨረሽታ መሸንቆቛ ብምድቕዳቕ፡ መግዛእቲ ፍርቂ ዘመን ፈንቂሉ፡ ጸሓይ ሓርነት ኣድሚቑ ዝዀልዐ፡ ዜጋታት’ዛ ሃገር፡ ብሓበንን ኲርዓትን ንዘንተ-እለት ዝዝክርዎን ዝሕበንሉን ታሪኻዊ ስርሒት እዩ።

እዚ ኣብ ውሽጢ 72 ሰዓታት ዝተፈጸመ መስተንክር ቅያ’ዚ፡ ኣብ ወተሃደራዊ ግጥማት ሓርነታዊ ቃልስና ጎሊሑ ዝሰፈረ ብርቂ ፍጻመ ይኹን እምበር፡ ናይ እዋን ገድሊ ኤርትራዊ መንእሰይ፡ ናብ ከምዚ ዝዓይነቱ ገዚፍን ስትራተጂያውን መጥቃዕቲ ክሰጋገር ቅድሚኡ ዘካየዶ ምርብራብ እቲ ዝነውሐ፡ ዝበርተዐን ሓያል ጽንዓት ዝሓተተን እዩ ነይሩ። ስርሒት ፈንቅል እምበኣር፡ ድምር ውጽኢት ናይቲ፡ ኣብ እምባታት ናቕፋ፡ ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል፡ ባርካን ኣብ ኩሉ ከባቢታት ሃገርን ካብ 1978 እዋን ስትራተጂያዊ ምዝላቕ ጀሚሩ ን12 ዓመታት መመላእታ ብዘይ እስትንፋስ ዝተኻየደ፡ ገዛእቲ ኢትዮጵያን ርእሰ-ሓያላን ዘራያቶምን ኣላሽ ዝበልሉ ማእለያ ዘይብሉ ናይ ምርብራብ ግጥማት እዩ።

ሓርነት ምጽዋዕ፡ ድነ መግዛእቲ ገሊሁ፡ ፍናን ናይቲ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻኢን ዝነበረ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝበረኸ ጥርዚ ብምድያብ፡ ንጉዕዞ ናብ ምሉእ ኣግእዞ ብርቱዕ ናህሪ’ዩ ደሊብሉ። ድሕሪ ስርሒት ፈንቅል፡ ሓርነት ኤርትራ ፍጹም ዘየጠራጥር ክስተት ምዃኑ ግሁድ እኳ እንተነበረ፡ ዓሻ ግን ክሳብ ገበጣ ዝውዳእ ስለዝጻወት፡ ገዛእቲ ኢትዮጵያ፡ ስዕረቶም ተኣሚኖም፡ ካብ ሓሙኽሽቲ ኲናት 30 ዓመት ዝተረፈ ሰብኣዊን ንዋታዊን ጸጋታቶም ኣብ ክንዲ ምእርናብ፡ ኣብ ጸወታ ቅብጸት እዮም ቀጺሎም። እንተኾነ፡ ሕኑቕ ብዘይካ ዓፍራ ካልእ ስለዘይውጽእ፡ ኣብ ከበባ እትዮም እንከለው፡ ኣብ ግንባራት ጊንዳዕን ደቡብን ዝገብርዎ ዝነበሩ ምዕልባጥ፡ ዘምጽኦ ለውጢ ኣይነበረን። ነዊሕ ኣብ ዘይኮነ ግዜ ድማ፡ ህዝባዊ ሰራዊት፡ ንመላእ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ብምእታው፡ ቃልሲ ንናጽነት ኣብ ምዕራፉ ኣብጺሕዎ።

እዚ ዘዂርዕ ሃገራዊ ታሪኽ፡ በቲ ልዑል ፍቕሪ ሃገርን ህዝቢን፡ ሓያል እምነት ኣብ ዕላማ፡ መዳርግቲ ኣልቦ ጽንዓት፡ ጅግንነት፡ ተወፋይነት፡ ርእሰ ምትእምማን ዝመለለይኡ፡ ክንዮ ውልቃዊ ጣዕሚ፡ ረብሓ መጻእቲ ወለዶታት ዘቐድም ተወፋይነት ኤርትራውያን መንእሰያት ዝተነድቀ እዩ። እቲ ቀንዲ ሓይሊ ህዝቢ ኤርትራ፡ እዚ ዝተገልጸ ሃገራዊ መንፈስን ሞራልን መንእሰያቱ እዩ። ሚዛኑን ክብረቱን ኣብ ቅድሚ ማሕበረሰብ ዓለም ኣዝዩ ረዚንን ብቐሊሉ ዘይልዓልን ዝገበሮ ረቛሒ ድማ፡ እቲ ብመንእሰያቱ ዝተሰርሐ ዘሐብን ታሪኹ እዩ።

ከም ስርሒት ፈንቅል ዝኣመሰሉ ንኽቡር ታሪኽና ዘዘኻኽሩ ሃገራዊ ጽምብላት እምበኣር፡ ህላወና ንምርግጋጽ ኣብ ዘካየድናዮ ነዊሕ ምርብራብ ዝነደቕናዮ ዘዂርዕ ሃገራዊ ታሪኽ ብምዕቃብ፡ ንኽብረት ዘብቅዓና ሃገራዊ ሞራልን ክብርታትን ወትሩ ኣብ ቦታኡ ምህላው ንምርግጋጽ፡ መላእ ህዝቢ፡ ኣውራ ድማ መንእሰያት ናይዚ መድረኽ’ዚ ቃልና እነሐድሰሎም ኣጋጣሚታት እዮም። ምኽንያቱ ዘሐብን ሃገራዊ ታሪኽ፡ ነባርነቱ ዚረጋገጽ፡ ንዕኡ ዝሃነጸ ጅግንነት፡ ባህልን ክብርታትን ከይተበረዘ እናተወራረሰ ምስዝቕጽል፡ እቲ ደራኺ ዕላማ ድማ ሸቶኡ ምስዝወቅዕ እዩ። ጽምብል ስርሒት ፈንቅል ኮነ ካልኦት ተመሳሳሊ ጽምብላት ሃገራዊ ታሪኽና፡ ነቲ ኣዝዩ ክቡርን ዘዂርዕን ሃገራዊ ታሪኽና ብምጉላሕ፡ ወትሩ ህያው ኮይኑ ክነብር ዘኽእሉ ብምዃኖም፡ መንእሰያት ጅግንነት ኣቦታቶምን ኣደታቶምን ዘድንቕሉ፡ ናይ ሓበንን ኩርዓትን ዝኽርታት እዮም። ከመይሲ፡ ዘዂርዕ ሃገራዊ ታሪኽ – ዋንነቱ ናይ ሰራሕቱ ዘይኮነ ብቐንዱ ናይ ወረስቱ እዩ። ከመይሲ እቶም ነዚ ዘኹርዕ ታሪኽ ዝሰርሑ፡ ንመጻእቲ ወለዶታት ክበረት ኣጓናጺፎም ሓሊፎም እዮም። ሓርበኛ ኣይነበርን እዩ፡ ታሪኹ እዩ ነባሪ!

ብኸምዚ ዝኣመሰለ፡ እምብዛ ዘሐብንን ዘዂርዕን ጅግንነታዊ ታሪኽ፡ ሓርነቱ ብገዛእ ቅልጽሙ ዝጨበጠ ገድለኛ ህዝቢ ኤርትራ፡ ንናጽነት ከም ቅድመ ኩነት ንምህናጽ ፍትሒን ራህዋን ዝሰፈኖ ስልጡን ሕብረተሰብ እምበር፡ ከም ናይ መወዳእታ ዕላማ ጠሚትዎ ኣይፈልጥን። በዚ ድማ ድሕሪ ሓርነት፡ ረመጽ ሓርነታዊ ኲናት ኣጥፊኡ፡ በሰላ ኲናት ኣሕውዩ፡ ብዝተዓጻጸፈ ጻዕሪን ህርኲትናን ኣብ ጎደና ስልጣነ ንኽጽንበር፡ ኣብ ዳግማይ ገድሊ ንህንጸትን ልምዓትን ሃገር ተጸሚዱ ይርከብ። ተረከብቲ ወለዶ ድማ፡ ብመጠን ዘሐብን ታሪኽ ወለድና፡ ኣብ ምክልኻል ልኡላውነት ሃገር ኮነ ኣብ ልምዓታዊ ተጋድሎ፡ ብርቂን ኣብነታዊን ቅያታት ኣብ ምፍጻም ንርከብ ኣለና።

ራእይን ዕላማን ሰማእታት ፈንቅል ኮነ ኩሎም ናይ ቅድሚ ናጽነትን ድሕሪ ናጽነትን ስውኣትና… ሓርነት እዩ። ሓርነቱ ብሓርነቱ፡ ዝለዓለ ዕያር ናይ ሓርነት። ኩለንተናዊን ምሉእን ሓርነት። ናጽነት፡ ዝበረኸ ሃገራዊ ዕላማ ንምጭባጥ ከም መሰረት ዜገልግልና ባይታ ጥራይ እዩ ነይሩ። እቲ ዝበረኸ ዕላማና መንፈሳዊን ነገራዊን ጠለባት ዜጋታት ብምልኣት ዜረጋግጽ፡ ምዕሩይ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባዊ፡ ባህላዊን ማሕበራዊን ዕብየት ምርግጋጽ እዩ። ባህጊ ህዝቢ ኤርትራ ንሱ እዩ። እዚ ባህጊ’ዚ፡ ሎሚ እውን ከም ትማሊ ብጻዕሪ ተረካብ ሕድሪ ወለዶ እዩ ዚሰምር። ስለዚ ድማ’ዩ ጻዕርና ጻዕሪ ናይዚ መድረኽ’ዚ መንእሰያት ካብ ምንጪ ዘሐብን ታሪኽና ጸዓት እናሰነቐ፡ ክሳብ መወዳእታ ማይል ዜልሓጥ ከይበለ ክቕጽል ዘለዎ። ታሪኽ ትማሊ ብታሪኽ ሎሚ ስለዝዕቀብን ስለዝኹላዕን። ክብሪን ሞጎስን ነቶም ሃገራዊ ክብረት ዘጓናጸፉና ጀጋኑ ኣሕዋትናን ወለድናን! ዮሃና ነቲ ትብዓቱን ጅግንነቱን መለክዒ ዘይርከቦ ሰራሕ ተኣምር መንእሰይ ኤርትራ!!

መጽሔት መንእሰይ