ብምኽንያት ርእሰ ኣውደ ኣመት ቅዱስ ዮሐንስ 2017 ዓ.ም (2024 ፈ.) ብኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ዝተፈነወ መልእኽቲ (ቃለ ቡራኬ)

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላክ።

ዕንቋዕ ካብ ዘመነ ዮሐንስ ናብ ዘመነ ማቴዎስ ብሰላም ኣብጽሓና።

ወትባርክ ኣክሊለ ዓመተ ምሕረትከ ወይጸግቡ ጠላተ ገዳም፡ ወይረውዩ ኣድባረ በድው። (መዝ ፷፬፡፲፩)

ኣክሊል ዓመተ ምሕረት ትባርኽ፡ ናይ ምድሪ በረኻታት ጠሊ ይጸግቡ፡ ኣብ ምድረ በዳ ገቦታት ይረውዩ። (መዝ 64፡11)

ክቡራንን ክቡራትን ኣመንቲ ክርስትና ብሓፈሻ ኣብ ሃገርን ወጻእን እትነብሩ ኩልኹም ኤርትራውያን እንቛዕ ናብ ርእሰ ኣውደ ዓመት ቅዱስ ዮሐንስ ብደሓነ ሰላም ኣብጽሓኩም ኣብጽሓና።

ዘመን ሓሊፉ ዘመን ክትካእ ዝገበረ ጐይታ ዘመናት ልዑል እግዚአብሔር እዩ፡ (ዘፍ ፩፡፲፬-፲፰/1፡14-18)።

ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ኣብ ዓመት ናይ እግዚአብሔር ዘደንቕ ግብርን ዘይውዳእ ምሕረትን ንርእየለን ንዝክረለን በዓላትን፡ ከምኡ’ውን ንዕኡ ነሥምረሉ ኣጽዋማት ዝእወጀሉ ፍሉይ መዓልቲ ኣለዋ። በዚ ዕለት እዚኣ ዝተኣወጁ በዓላትን ኣጽዋማትን ድማ ኵሉ ሰብ መንፈሳዊ ኮነ ማኅበራዊ ጉዳያት መደባቱ ይሠርዕ። ካብ ዝኃለፈ ዝያዳ ንኽተግህ ብሩህ ባይታ ይፈጥር። ናይ ሓድሽ ዘመን ቀዳመይቲ መዓልቲ ስለዝኾነት ርእሰ ዓውደ ዓመት ተባሂላ ትጽዋዕ፡፡ ዘመናት ብስም ኣርባዕቲኦም ወንጌላውያን እኳ እንተተጸውዑ እታ ቀዳመይቲ መዓልቲ መለወጢ ዘመን ግና ብስም ቅዱስ ዮሐንስ እናተጸወዐት ትነብር ኣላ።

ዘመን ብዘመን ምትካእ ብእግዚአብሔር ዝፍጸምን ንደቂ ሰባት ዝተዋህበ ዓቢይ መልእኽቲ ዘለዎ እዩ።

ስለዚ ኣበዓዕላ በዓላትና ወትሩ መግለጺ ሃይማኖትና ክኸውን ይግባእ። እግዚአብሔር ዘይሠርሓሉ ጊዜ ከምዘየለ ብኣርኣያኡ ዝተፈጥረ ሰብ ጊዜኡ ካብ ሥርዓት ቅድስት ቤተክርስቲያን ወፃኢ ብዘይ ሥራሕ ከሕልፎ ኣይግባእን።

ሓድሽ ዓመት መጸአ ኢልካ ዓመታት ምቝጻር ትርጉም ዘለዎ ኣይኮነን እንታይ ደኣ ብማየ ንስሓ ተሓጺብና ብፍቕሪ ተሓዲስና ሓድሽ ልብን ኣእምሮን ክህልወና ይግባእ። (ኤፌ. ፬÷፳፫/4÷23)

ብተወሳኺ ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍትና ‘‘ዑቁ እንከ ዘከመ ተሐውሩ ከመ ጠቢባን በንጽሕ ወአኮ ከመ ዐብዳን . . . እስመ እኩይ መዋዕሊሁ/ እምበኣር ተጠንቀቑ እቲ ቅንያቱ ክፉእ እዩ እሞ ነቲ ዝተዋህበኩም ጊዜ ብምልኡ ኣብ ረብሓ እናኣውዓልኩም ከም ዓያሹ ዘይኮነስ ከም ለባማት ተመላለሱ’’ ከም ዝተባህለ ዝኃለፈ ዕድሜና ብኃጢኣት፡ ብሸለልትነት ዘኅለፍናዮ ዘመን ከይከውን ጒድለትና ገምጊምናን ኣሪምናን ንቕድሚት እንጓዓዞ ጉዕዞ ክኸውን ይግባእ። (ኤፌ. ፭÷፲፭/5÷15)

ኣብ ርእሲ እዚ ድማ በዚ በዓል መንፈሳዊ በረኸት ክንረክብ ምእንቲ፡ እግዚኣብሔር ከም ዝኣዘዘና፡ ንሕና`ውን ካብ ዘሎና፡ ንስኡናት ከነካፍል፡ ሕዙናን ክንናዝዝ፡ ሕሙማት ክንበጽሕን፡ ንዝዓረቑ ክንከድንን፡ መንፈሳዊ ግዴታ ኣሎና’ሞ ነዚ ሰናይ ተግባር ክንፍጽም እግዚኣብሔር ይደግፈና።

ኣብ መወዳእታ ዘመኑ “ዮሓንስ ተሳዕረ ማቴዎስ ነገሠ” ዝበሃለሉ ዘመን፡ ኣምላከ ምሕረት እዚ ሓድሽ ዓመት`ዚ ዓመተ ሰላም፡ ዓመተ ራህዋ፡ ዓመተ ቅሳነት ጌሩ፡ እግዚአብሔር ንወርኃ ክረምቲ ከምዝባረኸ፡ ብዝናም ኣብቍሉ፡ ብፀሓይ ኣብሲሉ፡ ብንፋስ ኣድሪቑ ንዝሃበና እክለ በረከት ካብ ነጣሪ ነፋሪ ሓልዩ፡ ፍሪኡ ክንሓፍስን ከምኡ`ውን ናብ ብርሃነ መስቀሉ ብሰላም ከብጽሓና ቅዱስ ፍቓዱ ይኹነልና።

እግዚአብሔር ሃገርና ይባርኽ!!!

ብፁዕ አቡነ ጴጥሮስ (ሊቀ ጳጳስ) ዓቃቤ መንበር

ዘኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ

መስከረም ፳፻፲ወ፯/ መስከረም 2024