ኣባል ቤልጁማዊት ክለብ ኢንተርማርሼ-ዋንቲ – ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ፡ ብሰኑይ 1 ሓምለ ኣብ 3ይ መድረኽ መበል 111 ውድድር ቱር-ዲ-ፍራንስ ቀዳማይ ብምውጻእ ዘመዝገቦ ታሪኻዊ ዓወት፡ ዝዓበየ ኣርእስተ ዜና ሓያሎ ማዕከናት ዜና ዓለም ክኸውን በቒዑ’ዩ። ጋዜጠኛ ተስፋልደት መብራህቱ ዘወሃሃዶ ትሕዝቶ’ሎ፡ ብመልክዕ ጸብጻብ ክቐርብ’ዩ።
“ቢንያም ግርማይ፡ ኣብ ቅድድም ብሽክሌታ ሰውራ ጀሚሩ’ሎ” ዝበለ መርበብ ሓበሬታ BBC SPORT፡ ኣብ’ቲ ብጸዓዱ ዝተዓብለለ ውድድራት ኣህጉራዊ ቅድድም ብሽክሌታ፡ ሓደ ካብቶም ኣብ World Tour ዝርከቡ ውሑዳት ኣፍሪቃውያን ከምዝዀነ ብምጥቃስ፡ ኣብ’ቲ ስፖርት ፍሉይ ክእለትን ተውህቦን ዘለዎ ምዃኑ፡ ኣብ 3ይ መድረኽ ቱር-ዲ-ፍራንስ ንማዕከናት ዜና ንዝሃቦ ቃል ኣሰንዩ ኣብ ገጻቱ ኣስፊሩ’ሎ።
መርበብ ሓበሬታ BBC SPORT ኣስዒቡ፡ ወዲ 23 ዓመት ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ዛጊት ኣርእዩና ዘሎ ብቕዓትን ኣብ መጻኢ ከርእዮ ዝኽእል ብቕዓት “መስደምም’ዩ” ድሕሪ ምባል፡ ዘመዝግቦ ዘሎ ዓወታት፡ ኣፍሪቃ ኣብ’ቲ ብዙሕነት ክርኣየሉ ዘይጸንሐ ዓይነት ስፖርት፡ ተወዳደርቲ ጥራይ ዘይኰኑ ተዓወትቲ ተቐዳደምቲ ክተፍርኢ ከምእትኽእል ዘረጋግጽ ከምዝዀነ ገሊጹ።
ማዕከን ዜና France 24፡ “ቢንያም ግርማይ፡ ኣብ ቱር-ዲ-ፍራንስ ናይ መድረኽ ዓወት ዘመዝገበ ናይ ፈለማ ኣፍሪቃዊ” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘስፈሮ ትንታነ፡ ቢንያም ኣብ ዓለም ኣለዉ ንዝበሃሉ ተቐዳደምቲ በሊጹ ቀዳማይ ምውጽኡ ዓቢ ዓወት ከምዝዀነ ብምጥቃስ፡ እዚ – ከም’ቲ ቢንያም’ውን ዝበሎ፡ “ዓወት ኣፍሪቃን ኣፍሪቃውያንን” ከምዝዀነ ኣረዲኡ።
NBC NEWS ኣብ’ቲ ብAssociated Press ዝተዳለወ፡ ምስ ካቫንዲሽን ፖጋቻን ብምንጽጻር ዝዘርግሖ ጽሑፍ ምርኲስ ብምግባር፡ ኣቐዲሙ ኣብ ጂሮ-ዲ-ኢታልያ ናይ መድረኽ ዓወት ብምምዝጋብ ታሪኽ ሰሪሑ ዝነበረ ቢንያም ግርማይ፡ ኣብ ቱር-ዲ-ፍራንስ’ውን ሓድሽ ምዕራፍ ታሪኽ ከምዝጸሓፈ ሓቢሩ።
Reuters ብወገኑ፡ ኣብ 2022 ኣብ ጂሮ-ዲ-ኢታልያ ናይ መድረኽ ዓወት ብምምዝጋቡ፡ ኣቐዲሙ ነቲ ዓወት’ዚ በቒዖም ንዝነበሩ ክልተ ጸዓዱ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ስዒቡ፡ “ናይ መድረኽ ዓወት ዘመዝገበ ናይ መጀመርያ ጸሊም ኣፍሪቃዊ” ዝብል ክብሪ ረኺቡ ዝጸንሐ ብንያም ግርማይ፡ ብሰኑይ 1 ሓምለ ዳግማይ ዓቕሙን ዘዋህለሎ ተመኲሮን ዘንጸባረቐሉ ዓወት ኣብ ቱር-ዲ-ፍራንስ ከምዘመዝገበ ብምግላጽ፡ ኣብ መጻኢ ኪንዮ ሓደ መድረኽ ክኸይድ ዝኽእል ዓቕሚ ከምዘለዎ ዘረጋገጸሉ ዓወት ከምዝዀነ ኣብሪሁ።
ማዕከን ዜና Bloomburg ድማ፡ ቢንያም ግርማይ ኣቐዲሙ ኣብ ቤልጁም፡ ስዊዘርላንድን ኢጣልያን ንዘመዝገቦ ዓወታት ብምጥቃስ፡ ነቲ ኣብ ጂሮ-ዲ-ኢታልያ ዘመዝገቦ ዓወት፡ ኣብ መሬት ኢጣልያ ኣብ ዝተኻየደ ሳልሳይ መድረኽ ቱር-ዲ-ፍራንስ ምድጋሙ፡ መርኣያ ውህሉል ዓቕሙን ብቕዓቱን ከምዝዀነ ኣብ ትንታነኡ ኣስፊሩ’ሎ። ኣብ መጻኢ’ውን ተመሳሳሊ ዓወታት ከምዘመዝግብ ኣሚቱ።