ቢንያም ግርማይ፡ ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ መበል 12 መድረኽ ቱር-ደ-ፍራንስ 2024 ቀዳማይ ብምውጻእ፡ ሳልሳይ ናይ መድረኽ ዓወት ኣመዝጊቡ።
ቢንያም ነዚ 203.6 ኪሎ-ሜተር ዝሸፈነ ውድድር፡ ኣብ መዛዘሚ ቅጽበታዊ ውድድር ብዘርኣዮ ዘደንቕ ብቕዓት፡ ብ4 ሰዓት፡ 17 ደቒቕን 15 ካልኢትን፡ ነቶም ብደረጃ ዓለም ዝና ዘትረፉን ዓቢ ግምት ተዋሂብዎም ዝነበሩን ተቐዳደምቲ በሊጹ’ዩ፡ ኣብ ታሪኽ ውድድራት ቱር-ደ-ፈረንሳ ብብቕዓቱ ፍሉይ ቦታ ሒዙ’ሎ።
ቢንያም ኣብ ካልኣይ ተሳትፎኡ፡ ኣብ’ዚ መበል 111 ቱር-ደ-ፍራንስ – ኣብ 3ይ፡ 8ይን መበል 12ን መድረኻት ቀዳማይ ብምውጻእ ሰለስተ ሜዳልያታት ዝተሸለመ ቀዳማይ ተቐዳዳማይ ኰይኑ።
በዚ ሎሚ ኣብ መበል 12 መድረኽ ዘመዝገቦ ዓቢ ዓወት፡ ቢንያም ንቐጠልያ ማልያ ኣብ ዝግበር ውድድር ብጠቕላላ 61 ነጥብታት ብምውሳኽ፡ ብ328 ነጥብታት መሪሕነቱ ደሪዑ’ሎ።
ኣብ’ዚ ንቐጠልያ ማልያ ዝግበር ውድድር፡ ቢንያም ነቲ ካልኣይ ኰይኑ ዝስዕቦ ዘሎ ቤልጁማዊ ጃስፐር ፊሊፕሰን፡ ብ111 ነጥቢ ይመርሖ’ሎ።