በዓል ጥምቀት፡ ኣብ መላእ ሃገር ብልዑል ድምቀት ተኸቢሩ።

በዓል ጥምቀት፡ ብጹኣን ሊቃነ ጳጳሳትን ጳጳሳትን፡ ተወከልቲ ቤት-ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ፡ ሓለፍቲ ሃገረ ስብከት ኣስመራ፡ ሊቃውንቲ፡ ምምሕዳራት ሰበኻ ጉባኤታትን ተወከልቲ ኣድባራትን፡ ከምኡ’ውን ሰበ-ስልጣን መንግስቲ፡ ዲፕሎማሰኛታትን ብኣሽሓት ዝቚጸሩ ምእመናንን ኣብ ዝተረኽቡሉ፡ ሎሚ 20 ጥሪ ብልዑል ድምቀት ተኸቢሩ።

ብደረጃ ሃገር ኣብ ከተማ ኣስመራ – ከባቢ ሜዳ ባሕቲ መስከረም ኣብ ዝርከብ ባሕረ-ጥምቀት ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት፡ ብመሪሕነት ዓቃበ መንበር ቅዱስ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ ብጹእ ኣቡነ ጴጥሮስን ብጹኣን ሊቃነ-ጳጳሳትን መኽፈቲ ጸሎት ምስ ተዋህበ፡ ውዳሴ ማርያም ተዓዲሉ፡ ከምኡ’ውን ጸሎት ስርዓት ቅዳሴን ኪዳንን በጺሑ።

ብድሕሪ’ዚ፡ ብበዓል ተራ ደብሪ ደብረ-ግእዛን መድሃኔ ኣለም ቤተ-ክርስትያን ገዛ-ባንዳ ምርሒት ምስ ተኻየደ፡ ኣብ ቤት-ጽሕፈት ፓትሪያርክ ሓላፊ ስብከተ ወንጌል መምህር ስምኦን በየነ፡ ንበዓል ጥምቀትን መንፈሳዊ ትርጒሙን ስነ-ምግባራዊ መልእኽቱን ዝምልከት ኣስተምህሮ ሂቦም።

“ሃገራውን መንፈሳውን በዓላትና ብሰላምን ሓጐስን ክነብዕል ንዘኽኣሉና ሰማእታትና ምስጋና ይኹን” ዝበሉ መምህር ስምኦን፡ መግለጺ መንነትናን ሓድነትናን፣ መርኣያ ፍቕርናን ስኒትናን ስለዝዀኑ፡ ሰናይ ተግባራት ክንፍጽመሎም ብምልባው፡ ዘመነ ሰላምን ራህዋን ክዀነልና ተመንዮም።

ብድሮ ከካብ ኣብያተ-መቕደሱ ኣብ ባሕረ-ጥምቀት ዝሓደረ ታቦታት ኣብ ዝተዳለወሉ ቦታ ምስ ቈመ፡ ሊቃውንቲ መምህራን ብሕብረት ኣሸብሺቦም። ምህለላ ምስ በጽሐን ብጹኣን ኣቦታት ማዕዳን ቡራኬን ምስ ሃቡን፡ ባሕረ ጥምቀት ብመሪሕነት ዓቃበ መንበር ቅዱስ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ ብጹእ ኣቡነ ጴጥሮስን ብጹኣን ጳጳሳትን ብኣርባዕተ መኣዝን ተባሪኹ።

ኣብ መወዳእታ፡ ብጹእነቶም ማይ ካብ ባሕረ ጥምቀት ድሕሪ ምንጻግ፡ ታቦታት ከም’ቲ ዝመጾ ኣገባብ – ብኽብሪ ተዓጂቡ ነናብ ደብሩ ብምምላስ፡ ናይ’ቲ በዓል ፍጻመ ኰይኑ።

ብሽብሸባ፡ ምህለላ፡ ማዕዳ፡ ቡራኬ፡ ከምኡ’ውን መንእሰያት ትምህርቲ ሰንበት ብዘቕረብዎ ጣዕመ ዜማ ተሰንዩ ን3 ሰዓታት ዝቐጸለ ስነ-ስርዓት፡ ብኤሪ-ቲቪን ድምጺ ሓፋሽ ኤርትራን ብቐጥታ ተፈንዩ።