ቃለ ቡራኬ ብምኽንያት በዓል ልደት

ብምኽንያት በዓል ልደት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ

፳፻፲ወ፮(2024)

ብኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ዝተፈነወ መልእኽቲ (ቃለ ቡራኬ)

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሐዱ ኣምላክ ።

‘’ ወውእቱ ቃል ሥጋ ኮነ/ እቲ ቃል ሥጋ ኮነ ‘’ ዮሐ. ፩፡፲፬/1፡14

ክቡራንን ክቡራትን ኣመንቲ ክርስትና ብሓፈሻ ኣብ ሃገርን ወጻእን እትነብሩ ኩልኹም ኤርትራውያን እንቛዕ ናብ ክልተ ሽሕን ዓሠረተው ሽዱሽተ በዓለ ልደት ጐይታናንን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብደሓነ ሰላም ኣብጽሓኩም እናበልና መንፈሳዊ ሰላምትና ነቕርበልኩም።

ነዚ ኃይለ ቃል ነባቤ መለኮት ወንጌላዊ ቅዱስ ዮሓንስ ኣብ (ዮሐ. ፩፡፲፬/1፡14) ጽሒፍዎ ይርከብ። እዚ “ቃል“ ዝተባህለ ኣካላዊ ቃል እግዚኣብሔር ወልድ ዝውክል ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ሥጋ ዝተባህለ ድማ ነቲ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ዝወሰዶ ነፍስ ዝተወሓዶ ሥጋ እዩ። እምበኣር ቃል ሥጋ ኮነ ክብል ከሎ “ ኣምላክ ሰብ ኮነ፡ ሰብ ኣምላክ ኮነ“ ክብል ስለ ዝደለየ እዩ።

እግዚኣብሔር ወልድ፡ ብዳኅራይ ዘመን (ድኅሪ 5500 ዘመን)፡ ብፍቓዱን ብፍቓድ ኣቡኡን ብፍቓድ መንፈስ ቅዱስ ሕይወቱን ዘይምርመር መለኮት ምስ ሥጋ ኣወሓሒዱ ብግብሪ መንፈስ ቅዱስ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ተወልደ።

ጐይታ ዝተወልደ ስለ ድኅነት ደቂ ሰባት ሥጋ ሰብ ከም ዝለበሰ ንኸረድእ ወውእቱ ቃል ሥጋ ኮነ/ እቲ ቃል ሥጋ ኮነ (ዮሐ. ፩፡፲፬/1፡14) ብምባል ቀዳማውነቱ ጐይትነቱ ኣምላኽነቱ ከይጐደለ ካብ ቅድስተ ቅዱሳን ንጽሕተ ንጹሓን ድንግል ማርያም ዝተወልዶ ልደት ምዃኑ የረድኣና።

ክቡራንን ክቡራትን ሕዝበ እግዚኣብሔር /

በዛ ክብርቲ ዕለት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ በዓቲ ቤተልሔም ምስ ተወልደ መላእኽትን ጓሶትን ሓቢሮም ስብሓት ለእግዚኣብሔር በሰማያት ወሰላም በምድር ስምረቱ ለሰብእ። ኣብ ሰማያት ንእግዚኣብሔር ምስግና ኣብ ምድሪ ድማ ሰላም ይኹን እናበሉ ኣመስገኑ።

ንሕና`ውን ናብ ኣምሳል ቤተ ልሄም ዝኾነት ቅድስት ቤተክርስቲያን ብምኻድ ኣምላከ ሰላም መድኃኔ ዓለም ሰላምና ከጽንዓልና ብጥብኣት ክንጽልን ብልዑል ድምጺን ክንዝምርን ይግበኣና።

ኣብ ርእሲኡ በዚ በዓል መንፈሳዊ በረኸት ክንረክብ ምእንቲ፡ እግዚኣብሔር ከም ዝኣዘዘና፡ ንሕና`ውን ካብ ዘሎና፡ ንስኡናት ከነካፍል፡ ሕዙናን ክንናዝዝ፡ ሕሙማት ክንበጽሕን፡ ንዝዓረቑ ክንከድንን፡ ግዴታ ኣሎና’ሞ ነዚ ሰናይ ተግባር ክንፍጽም እግዚኣብሔር ይደግፈና።

ነዚ ንምግባር ምሕረት እግዚኣብሔር ኣማላድነት ቅድስት ድንግል ማርያምን ተራዳእነት ኲሎም ቅዱሳንን ኣይፈለየና። በዓልና በዓል ሓጐስ ገይሩ ንሃገርናን ንምሉእ ዓለምን ሰላም የውርደልና።’

ስብሐት ለእግዚኣብሔር ልዑል ወለማርያም ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር ኣሜን።

ብፁዕ ኣቡነ ጴጥሮስ (ሊቀ ጳጳስ)

ዓቃቤ መንበር

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ

ታሕሣሥ ፳፻፲ወ፮(2024)