ናብ ዘቤታዊ ኩነታት ክንሰግር ክቡር ፕረዚደንት፡ ኣብ ድሮ ሓድሽ ዓመት ስለእንርከብ፡ ን2025 ዝተታሕዘ ኣብ መስርሕ ዝጸንሐን ዝቕጽልን ይኹን ሓድሽ መደባት ሃገራዊ ልምዓት ብዝምልከት ዝተሳእሉ መደባት እንታይ ይመስሉ?
ሃገራዊ ልምዓታዊ ውጥናትና ምስ ግዜ መመሊስና እናኸለስና እናኣወርጸጽናዮም መጺእና ኣለና። ማይ ቀዳምነት ዝስራዕ እዩ። ንብዙሕ ረቛሒታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ናይ ማይ ልምዓት ፕሮግራማትና ኣማዕቢልናዮም ኣለና። በብቕሩብ ዓቕሚ እናደለብና መጺእና ሕጂ ኣብ ዝሓሸ ኩነታት ኣለና ክንብል ንኽእል። ንዓመታት ክንሰርሓሉ ዝጸናሕና ጥሙር ናይ ማይ ክዖ ፍወሳታት እውን ኣሎ። እቲ መደብ ዝርዝራዊ ክኸውን ስለዘለዎ ብዞባ፡ ብንኡስ ዞባ፡ ብኸባብን ብዓድን ደረጃ ከነተኣታትዎ ዘለና ናይ ማይ ልምዓት መደባት ኣራቒቕናዮ ኣለና። ክሳብ 330 ሚልዮን ሜተር ክዩብ ዝሕዝ ዓበይቲ ዲጋታት ክንሰርሕ ክኢልና ኣለና። ኣብ ከከባቢኡ ነናይ ዕስራ-ሰላሳ- ሓምሳ ሚልዮን ሜተር ክዩብ ዲጋታት ገይርና ኣለና። ብኡ ግን ዝውዳእ ኣይኮነን። ዘለና ናይ ማይ ጸጋ ኣብ ምሉእ ምቍጽጻርና ከነእትዎ ምእንቲ ዛላታት ከትርታት፡ ንኣሽቱን ዓበይትን ራህያታት ናይ ምስራሕ መደባት ቀጻሊ እዩ። ዒላታት ኣብ ዘድልየሉ ቦታ፡ እንተላይ ናይ ባሕሪ ጨዋም ማይ ንሓድሕዱ እናዋሰብና ንነዊሕ ግዜ ዝኸይድ ዘላቒ ናይ ውሕስነት ማይ መደባት ሒዝና ኣለና። ንጽርየት፡ ንዝስተ፡ ንጥሪት፡ ንሕርሻ ንኢንዱስትሪ ዘድልየና ማይ ነዚ ሕጂ ዘሎ ወለዶ ጥራይ ዘይኮነ ድማ ንመጻእቲ ወለዶታት እውን ዝኸውን ማይ ከነውሕስ ክንክእል ኣለና።
እቲ እነዋህልሎ፡ እነዕርቖ፡ እንእክቦ ማይ ብኸመይ መገዲ ንጥቀመሉ እውን ካልእ ስራሕ እዩ። ንጥሪት ይኹን ንሕርሻ፡ ኢንዱስትሪ ብኣድማዕነት ክንጥቀመሉ ዘመናዊ ዝበሃል ቴክኖሎጂታት ማይ ከነተኣታቱ ኣለና። ሓደ ዓቐን ማይ ኣብ ክንዲ ንዓሰርተ ሄክታር ንሚእቲ ሄክታር ከምዘስቲ ንምግባር እንታይ ጥበባት ክንምህዝ ኣለና? እንታይ ቴክኖሎጂታት ከነተኣታቱ ኣለና? ሓሲብናን መሪጽናን ከነዋድድ ኣለና። ማዕረ-ማዕሪኡ ናይ ሰብ ጸጋና ምስኡ ከነማዕብሎ ኣለና። ናይ ማይ ልምዓት መደባትና እናማዕበለን እናተራቐቐን ክኸይድ ስለዘለዎ ብፍላይ ንዝመጽእ ዓመት 2025 ይኹን ድሕሪኡ ዝትግበር እተመሓየሸ ዝርዛራዊ መደባት ኣለና። ዲጋታት ዓበይቲ፡ ማእከሎት፡ ንኣሽቱ፡ ኣበይ ንሃንጽ፡ ከትርታት፡ ዛላታት ኣበይ ንሰርሕ፣ ምግራብ ኣበይ፡ እንታይ ዓይነት ገረብ ንተክል ዝርዝራት ዘለዎ እዩ። እቲ መደባት ብላዕሊ ብሃገር ደረጃ ጥራይ ዘይኮነ፡ ክሳብ ከባብን ዓድን ዝወርድ እዩ፣ ምስ ካልኦት ናይ ልምዓት መደባትና ኣተኣሳሲርካ ማለት’ዩ። ሕጂ ኣየናይ ነቐድም እናበልና ኣብ ተርታ ናይ ቀዳምነታት እዩ ዘረባና።
ኣብ ትሕተ-ቅርጺ ንዝተፈላለየ ናይ ልምዓት መደባትና ዘሳልጥ ጽርግያታት ጥራይ ዘይኮነ እንተላይ ወደባት፡ ንጽላት ሃብቲ ባሕርና ዘድልየና ትሕተ-ቅርጺ ብሰፊሕ ክንዝርግሕ ክንክእል ኣለና። እቶም ገሊኦም ኣዝዮም ዓበይቲ ስለዝኾኑ፡ ሕጂ ክንገብሮም ኣይንኽእልን ኢና። ግን ኣብ መደብና ኣትዮም በብመድረኹ ክትግበሩ እዮም። መስመር ባቡር፡ መስመር ገመድ (ተለፈሪካ)፡ ወደባት፡ መዕርፎ ነፈርቲ፡ ልዕሊ ኩሉ ከኣ መንበሪ ኣባይቲ ኣብዚ ናይ ትሕተ-ቅርጺ መደባት ዝኣቱ እዩ። እዚ በብኸባቢኡ ዝርዝራት ዘለዎ እዩ። ሎሚ፡ ንዓመታ ድሕሪኡ ዝትግበር እናበልና ጠለባትን ኩነታትን ህዝብና ኣብ ግምት እናእተና እነተግብሮ እዩ። ራብዓይን መወዳእታን ክፋል ኣብ ገጠር ዘሎ፡ ኣብ ሓውሲ ከተማታት ዘሎ፡ ብቐንዱ ከኣ እቲ ተዋሲኑ ዝጸንሐ፡ ከምቲ ዝድለ ኣገልግሎት ዘይረክብ ዘሎ፡ ጽሩይ ዝስተ ማይ ይኹን ንጽሬት ዝኣክል ማይ ዘይረክብ ዘሎ፡ መጐዓዓዚ ካልእ ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ዘይረክብ ዘሎ ክፋል ህዝብና ንዕኡ ቀዳምነት እናሃብና ማለት እዩ። ንኡ ቀዳምነት እናሃብና ግን፡ ነቲ ካልእ ንገድፎ ማለት ኣይኮነን። ተዛናቒ ንሓድሕዱ እናተመላልአ ዝኸይድ ናይ ትሕተ-ቅርጺን መንበሪ ኣባይቲን መደባትና ብገፊሕ ተኸሊሱ ንኡ ዘተግብር ዝርዝራዊ ውጥናት ኣዳሊና ኣለና። ካብቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ መደባት ዝማዕበለ ማለት እዩ።
ማይን ትሕተ-ቅርጺን ምስ በልካ ድሕሪኡ ዝመጽእ ጸዓት እዩ። ብዘይ ጸዓት ዝኾነ ነገር ክትገብር ኣይትኽእልን ኢኻ። ካብ ዲጋ ማይ ጨንጒዕካ ናብ ግራውትን ዝተፈላለዩ ቦታታትን ከተባጻጽሕ፡ ናይ ኢንዱስትሪን ምስናዕን መደባት ብግቡእ ከተተግብር፡ ካብዚ ዘለናዮ ፍልማዊ ወይ ናይ ዕንጋሎ ቁጠባ ወጺእና፡ ናብ ክብሪ ምውሳኽ (ቫልዩ ኣዲንግ) ናብ ምምስራሕ (ፕሮሰሲንግ) ናብ ምስናዕ ክንድይብ፡ ብዘይኤለትሪክ ዝኸውን ነገር የለን። ናይ ኤለትሪክ ኣገልግሎት ወዲቑ እዩ ጸኒሑ። መጀመርያ መበገሲ ክኾነና ኣብ ሕርጊጎ ዝተዋደደ ናይ 120 ሜጋዋት መመንጨዊ ሎሚ የለን። ሕጂ ናበይ ገጽና ኢና ክንከይድ ዘለና? ብዝብል፡ ናይ ጸዓት ፕሮግራማትና ከም ብሓድሽ ከሊስና፡ ተተግበርቲ ፕሮጀክትታት ስኢልና ኣለና። ቅድሚ ሕጂ እውን ገሊጸዮ ነይረ፣ ረስናዊ (ተርማል) ጀነረይተራት ዓበይቲ፡ ማእከሎት፡ ንኣሽቱ ክንጥቀም፣ ብዘይካ’ዚ ተሓዳሲ ጸዓት (ሪኒዋብል ኢነርጂ) ናይ ንፋስ ይኹን ጸሓይ፡ ንሓዋሩ ድማ ጂኦተርማል ከነተኣታቱ ወጢንና ንሰርሕ ኣለና። ቅድሚ ሕጂ ዝጸንሓና ኣተሓሳስባ ኣመሓይሽናዮ ክንብል ንኽእል። ሓደ ሃገራዊ ርቦ ወይ መርበብ (ግሪድ) ካብ ሰሜን ንደቡብ፡ ካብ ምብራቕ ንምዕራብ፡ ናብ ኩሉ ከባቢታት ሃገር ዝዝርጋሕ ክንገብር፡ ካብ መተሓላለፍን መዘርግሒን ጀሚርካ ክሳብ ዘቤታዊ ሃልኪ ኣብ ዘሎ ዝርዝራት እንታይ ክንገብር ከምዘለና ከም ብሓድሽ ተኸሊሱ ኣሎ። እተዳቐለ (ሃይብሪድ) ማለት ረስናዊ፡ ተሓዳሲ፡ ንሓዋሩ እውን ካልኦት መመንጨዊታት ከነማዕብል ኣለና ኢልና ነዚ ሳልሳይ ኣካል (ኮምፖነንት) ናይ ልምዓት መደባትና ኣሐዲስናዮ ኣለና። ንኹሎም ናይ ልምዓት ፕሮጀክትታትና ናይ ሕርሻ፡ ሃብቲ ባሕሪ፡ ኢንዱስትሪን ካልኦት ዝተፈላለዩ መደባትን ዝኸውን ቀረብ ጸዓት ከነዋድድ፡ ካብ 360 ሜጋዋት ጀሚሩ ናብ ልዕሊ 2000 ሜጋ ዝኸይድ ሃገራዊ መርበብ ስኢልና ንምትግባሩ ስርሒታዊ ውጥናት ጀሚሩ ይኸይድ ኣሎ። ነቲ ዘሎ ናይ ተሓዳሲ ጸዓት ዕድላት ተጠቒምና ዋላ ኣብቲ ዝረሓቐ ከባቢታት ኣገልግሎት ኤለትሪክ ክንቅርብ ኣለና። ነቲ ኣብ መጓሰ ዝነጥፍ ህዝብና እንተወሓደ ጸሓያውን ንፋሳውን ጸዓት ተጠቒምና ናይ ዒላ ፖምፓ ክንገብረሉ ክንክእል ኣለና። እዚ ካብቲ ሃገራዊ ግሪድ ወጻኢ ማለት እዩ። ኩሉ’ዚ፡ ሕጂ ዝመጸ ሓድሽ ሓሳብ እኳ እንተዘይኮነ፡ ብግዜ ዝልካዕ ዝርዝራዊ ውጥናት ክህልዎ ስለዘለዎ፡ ጸጋታት’ውን ከነጐሳጉሰሉ ስለዘለና፡ እቲ መደብ ክሳብ ዝተሓተ ዝርዝራቱ ተዳቒቑ ይስርሓሉ ኣሎ።
ነዚ ምስ ገበርና ናብ ምስናዕ ክንከይድ ንኽእል። ናይዚ ሃገር ናይ ምስናዕ ታሪኽ ኩሉ ዝፈልጦ እዩ። ሕጂ ዝነበረን ዝዓነወን እናበልና ኣብኡ ክንቍዝም ኣይኮንናን። ካብኡ ዝሓየለ፡ ናይ ክብሪ ምውሳኽ (ቫልዩ- ኣዲንግ) መደባት ክንትግብር ኣለና። ናይ ዕንጋሎ ቁጠባ ትርጉም የብሉን። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ልክዕ ከም ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ኢና ዘለና። ካብኡ ወጺእና ግድን ናብ ምስናዕ (ማኒዩፋክቸሪንግ) ክንከይድ ኣለና። ናይ ቈርበት፡ ሓጺን፡ ፕላስቲክ ውጽኢት ጥራይ ዘይኮነ ዝተራቐቐ ናይ መካይን መስርሒ ዓቕምታትና’ውን ከነዕቢ ኣለና። ብውሕዱ ካብ ሃለኽቲ መግቢ፡ ስጋ፡ ጸባ፡ ኣሕምልቲ፡ ፍረታት ምምስራሕ ዝጅምር ገዘፍቲ መደባት ከነተኣታቱ መዲብና ድማ ንሰርሓሉ ኣለና። መሬት ኣይሰኣንናን፡ ዝኣክል ኣለና። ብፍላይ ናይ ሕርሻ መደባት ኣብቲ ዝለዓለ ደረጃኡ ከነብጽሖ ኣለና። ናይ ሃብቲ ባሕሪ ጸጋታትና መወዳእታ የብሉን፣ ዳርጋ ኣይተንከፍናዮን። ስለዚ ነዚ ንምምዕባል ልክዕ ከምቲ ናይ ትሕተ- ቅርጺ፡ ማይን ጸዓትን መደባትና፡ ንሱ’ውን ዝርዝር ስርሒታዊ ውጥናት ወጺእሉ ኣሎ። ኣበይ ኣበይ ኢንዱስትሪታት ከነቕውም ንኽእል፡ ኣብ ቀዳማይ መድረኽ፡ ካልኣይን ሳልሳይን መድረኻት ኢልና ዝርዝር ውጥናት ኣውጺእና ኣለና።
ነዚ ኩሉ ዝተጠቕሰ ዓበይቲ መደባት ንምትግባር፡ ቅድም ቀዳድም ዝመጽእ ጸጋ ሰብ እዩ። ጸጋ ሰብና ዘሐጉስ ምዕባለታት ኣርእዩ ኣሎ ኢልና ክንዛረብ ኣይንኽእልን። ገና ኣብቲ ንደልዮ ደረጃ ኣይበጽሐን። ስለዚ ስርዓተ ትምህርቲ ኣገባብ ኣመሃህራ፡ ሞያዊ ስልጠናታት ነዚ ሸቶ’ዚ (ታርጌት) ብዘገልግል መገዲ ከነማዕብሎ ኣለና። ነዚ ኩሉ ናይ ጸዓት፡ ማይ፡ ትሕተ ቅርጺ፡ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት፡ ኢንዱስትሪ፡ ምስናዕ መደባት ዝትግብር መወዳእታኡ ሰብ እዩ። ንዕኡ ዝበቅዕ ሰብ ክህልወና ኣለዎ። ክኢላታት ሞያውያን፡ ተመኩሮ ዘዋህለለ ዓቕሚ የድልየና። ቀዳምነታት ኢልና ኣብ ዝተፈላለየ ጽላታት መደባት ክንሰርዕ ከለና፡ ልዕሊ ኩሉ ቀዳምነታት ዝስራዕ፡ ንሓዋሩ እውን እቲ ቀንዲ ረቛሒ ናይ ልምዓት ጸጋ ሰብና እዩ። ዘላቒ ምዕባለ ከነረጋግጽ ምእንቲ። ሓንጺጽናዮ ዘለና ስርሒታዊ ውጥናት ብኣድማዕነት ከነተግብሮ ብቑዕ ዓቕሚ ሰብ ክንምልምል ኣለና። ሓድሽ ሓሳብ ኣይኮነን። ቅድሚ ሕጂ ክንሰርሓሉ ጸኒሕና ኢና። ከምቲ ንደልዮ ተዓዊትና’ዶ? እንታይ ጸገማት ኣጋጢሞምና? ካብቲ ዘይተዓወትናሉ መደባት እንታይ ተማሂርና? እንታይ’ከ ክንገብር ንኽእል ኢልና ገምጊምና፡ እዚ ናይ ዓቕሚ ሰብ ምምዕባል ጉዳይ ብዕቱብ ክንሰርሓሉ ኢና። እዚ ምስቲ ማሕበራዊ መደባት ዝስራዕ እዩ። ናይ ጥዕናን ትምህርቲን ኣገልግሎታት ኣስፊሕና ክንዝርግሕ ብዓይነቱ እውን ክብ ከነብሎ፡ ነቲ ቅድሚ ሕጂ ዝጸንሐ መርሓ ጎደና ከም ብሓድሽ ከሊስና፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ሰላሳ ዓመታት እንታይ ገይርና? ካብኡ ዝተማሃርናዮ እንታይ እዩ? ካብዚ ብኸመይ ብዝበለጸ ኣካዪዳ ንስጉም ኢልና፡ ሓደ ካብ ዓበይቲ ናይ ልምዓት መደባትና ገይርና ሒዝናዮ ኣለና። ጸጋ ሰብ ምድላውን ምቕራብን ጥራይ ዘይኮነ፡ ናቱ ቅርጺን ኣወዳድባን እውን ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ኣድማዒ ስራሕ ንምስራሕ ውዳበን ምሕደራን ወሳኒ እዩ።
እዚ ዝጠቐስኩዎ ኩሉ ኣብ 2025ን ክንዮኡን ክትግበር ተታሒዙ ዘሎ መደባት እዩ። እዚ ማለት ግን ሓንሳብ ኣብ ወረቐት ተሓንጺጹ፡ ተጻሒፉ ኣብ ከብሒ ኮፍ ዝበለ ኣይኮነን። መዓልቲ መዓልቲ እናተመላለስካ ዝርአ፡ ዝግምገም፡ ዝሕደስ እዩ። እንታይ ሓዲሽ ዝተረኽበ ኣሎ? ብኡ እንታይ ክንገብር ንኽእል? ትማሊ ቅድሚ ትማሊ ዝሓሰብካዮ ወይ ዝመደብካዮ ሎሚ ካብኡ ዝሓሸ ሓሳብ ክርከብ ይኽእል እዩ። ኣብ ምህዞኣዊ (ኢኖቬቲቭ) ወይ ዲናሚካዊ ኣመዓባብላ ኣቲና ኢና ክንሰርሕ ዘለና። እዚ ከም ባህሊ እውን ክዅስኰስ ዘለዎ እዩ። ቀደም ኣብ 2012 ክትግበሩ ዘውጻእናዮም ዝተፈላለዩ መደባት ሎሚ ድሕሪ 12 ዓመት ተመሊስካ ክትርእዮም ከለኻ፡ ኣንታ ተጋጊና ነይርና ኢና? ከመይ ኢሉ ሽዑ ሓንጎልና ከምዚ ይሓስብ ነይሩ? እዚ ኣመሓይሽና ከምዚ ክንገብር ኣለና ኢኻ ትብል። ከምኡ እናገበርና ነቲ መደባት እናሓደስና ዓቕምና’ውን እናመዘንና ንኸይድ ስለዘለና ድማ ኣብ ጽቡቕ ማእዝን ኣለና። እቲ ጽቡቕ ነገር ዘይተዓወትናሉ ኣይተዓወትናሉን፡ ዘይሰለጠና ኣይሰለጠናን ኢና ንብል። ከምኡ ምባል ነቲ ጸገማት ንምርዳእ፡ ሓደስቲ ነገራት ንምሕንጻጽ ይሕግዘካ እዩ። ብኸምዚ ስለንኸይድ እዞም ሕጂ ተሓንጺጾም ዘለዉ መደባት ዝያዳ ክውንነታውያን (ሪያሊስቲክ) እዮም። ድሕሪ ክልተ ሰለስተ ዓመታት’ከ እንታይ ክመስሉ’ዮም እንድሕር ኢልና ክመሓየሹ ይኽእሉ እዮም። ሓዲሽ ነገር፡ ሓድሽ ምህዞ ክመጽእ ይኽእል’ዩ። ካብቲ ብግብሪ ክንሰርሕ ከለና እንምሃሮ እውን እነማዕብሎ ሓሳባት ስለዝህሉ፡ ካብቲ ሕጂ መዲብናዮ ዘለና ዝበለጸ ፕሮግራማት እውን ክንትግብር ንኽእል። ስለዚ ኣብዞም ዝሓንጸጽናዮም መደባት ጥራይ ተሓጺርና ኮፍ ንብል ኣይኮንናን።
ነዚ ገዘፍቲ መደባት ኣብ ምትግባር በይንና ኣይኮንናን ንነጥፍ። መሻርኽቲ ክህልዉና እዮም። ምስ መሻርኽትና ከመይ ገይርና ኢና ንሰርሕ፡ ምስ ቀረባ ናይ ኣፍሪቃ ሃገራት ይኹን ምስ ሩስያ፡ ስዑዲያ፡ ቻናይ፡ ጣልያንን ካልኦትን እንፈጥሮ ሽርክነት ምስቲ ናይ ልምዓት መደባትና ኣወሃሂድናን ኣዋሲብናን እንሰርሓሉ እዩ። ምስ ኩላቶም ብግሁድ ኢና ንዘራረበሉ። ቀዳምነታትኩም እንታይ’ዩ፡ ንሕና ሓደ፡ ክልተ፡ ሰለስተ ቀዳምነታትና እዚኦም’ዮም፣ እንታይ ፕሮጀክትታት ኣለኩም፡ ንሕና ከምዚን ከምዚን ፕሮጀክትታት ኣለና፣ ብግዜ ሰሌዳ ኣብዚ ሕጂ እዋን እዚአን እዚአን ኣለዋና፣ ንዕኡ ዘድሊ ጸጋታት ኣለኩም የብልናን እናበልና ኢና ንኸይድ። ስለዚ፡ ሃገራዊ ናይ ልምዓት መደባትና መመሊሱ እናወርጸጸ ዝኸይድ ዘሎ፡ ምስ ግዜ ከኣ ናይ ትግባረኡ ውሕስነት እናተረጋገጸ ዝኸይድ ዘሎ’ዩ ኢልና ክንዛረብ ንኽእል።
ሕራይ ክቡር ፕረዚደንት፡ ናይ ጸዓትን ናይ ኣባይቲን ገሊጽካዮ ስለዝኾንካ ንኡ ዝምልከታ ኣዳሊናየን ዝነበርና ሕቶታት ክንሓልፈን ኢና። ኣብ ኣገልግሎት ህዝባዊ መጐዓዝያ ክንሰግር፣ ኣገልግሎት ህዝባዊ መጐዓዝያ ህዝቢ ክዛረበሉ ካብ ዝጸንሐ ዓበይቲ ጉዳያት ሓደ እዩ። ኣገልግሎት ህዝባዊ መጐዓዝያ ካብ’ዚ ዘለዎ ኩነት ወጺኡ ናብ ዝሓሸ ደረጃ ንምስግጋሩ እንታይ ይሕሰብ?
እዚ ዘከራኽር ኣርእስቲ ኣይኮነን። ዝበለጻ ኣውቶቡሳት ክህልዋና ኣለወን። ናይ ከተማ ኣውቶቡሳት ጥራይ ዘይኮነ ናብ ርሑቕ ገጠራት፡ ካብ ጥዑይ ጽርግያ ወጻኢ ኣብ ሓመድ ጽርግያ ክኸዳ ዝኽእላ፡ ምሉእ ኣገልግሎት ዝህባ ኣውቶቡሳት ክህልዋና ኣለወን። ኣብ ኩሉ ከባቢታት ሃገር። ቀዳምነት ከኣ ነቶም እተዋሰኑ (ማርጂናላይዝድ) ከባቢታት ኣገልግሎት ዝህብ መጐዓዝያ ክህሉ ኣለዎ። ክንደይ ኣውቶቡሳት ነምጽእ፡ ካበይ፡ እንታይ ዝዓይነተን ጥራይ እዩ እቲ ሕቶ። እንተዘየለ፡ እዚ ሕጂ ዘሎ ኣገልግሎት ኣኻሊ ኣይኮነን። ሓደ ዜጋ ኣብ ዝደለዮ እዋን፡ ኣብ ዝደለዮ ቦታ ክንቀሳቐስ፡ ብዘይ ሓረጣ ኣገልግሎት ዝህብ መጐዓዝያ ከተቕርበሉ እንተኽኢልካ፡ ኣብ ዕብየት ናይቲ ቁጠባ ዝህልዎ ኣበርክቶ ቀሊል ኣይኮነን። ኩሉ ዜጋ ምሉእ ኣገልግሎት መጐዓዝያ ክረክብ ከሎ፡ ንዕብየት ቁጠባ ደራኺ እዩ።
ኣገልግሎት መጐዓዝያ ዝተማልአ ምግባር ጥራይ ዘይኮነ ክድጎም እውን ኣለዎ። ድጎማ ናቱ ሞጎት (ሎጂክ) ኣለዎ። ሓደ ዜጋ ካብዚኣ ናብዚኣ ክንቀሳቐስ ምእንቲ ክንድዚ ወጻኢታት ይገብር ኣለኹ፡ ናይ ጎማን ነዳዲን ጉልበትን፣ ስለዚ ክንድዚ ክኸፍል ኣለዎ ኣይኮነን። ብድጎማ ንዕኡ ኣሳልጦ ሂብካ፡ ንሱ ኣብ ቁጠባ ኣበርክቶ ከምዝገብር ኢኻ ትገብር። ኣብ ካልኦት ጽላታት እውን ብተመሳሳሊ። መጐዓዝያ ግን ወሳኒ’ዩ። መጐዓዝያ ንሰብ ጥራይ ዘይኮነ እንተላይ ንጥሪትን ምህርቲን እውን ምሉእ ኣገልግሎት መጐዓዝያ ክህሉ ኣለዎ። ካብ ርሑቕ ገጠር ናብ ከተማታት ዝገዓዓዝ ኣሕምልቲ፡ ጥሪትን ካልእን መጐዓዝያ ክረክብ ኣለዎ። ካብ ደገ ኣብ ዝመጽእ ፍርያት ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝቀላቐል ዘሎ ዝቕባበ (ኢንፊለሽን)፡ ዘይግባእ ክብሪ መሰረታውያን ሃለኽቲ፡ ከምቲ ዝድለ ኣገልግሎታት ስለዘየለ ዝፍጠር ዘሎ እዩ። ሓደ ካብኦም መጐዓዝያ እዩ። ካብ ሓደ ከባቢ ሓምሊ ጽዒንካ ናብ ኣህላኺ ወይ ናብ ዕዳጋ ከተብጽሖ እሞ፡ እቲ ዘፍረየ ክረብሓሉ እቲ ኣህላኺ ድማ ክጥቀመሉ ምእንቲ፡ ናህሪ ናይ ዋጋታት ዘየዛይድ ኣገልግሎት መጐዓዝያ ክህሉ ኣለዎ። እቲ ዘፍሪ ዘሎ ዝረብሓሉ፡ እቲ ዘህልኽ’ውን ብርትዓዊ ዋጋ ኣገልግሎት ዝረኽበሉ ኩነታት ክንፈጥር ኣለና። እንታይ’ዮም እቶም ኣብ ውሽጢ ሃገር ፈርዮም ኣብ ዕዳጋጋት ዝቐርቡ ዘለዉ፡ ዋጋታቶም ከመይ እዩ፡ ኣብ መነባብሮ ሰባት እንታይ ጽልዋ የምጽኡ ኣለዉ ብቐጻሊ እናተራእየ ክኸይድ ዘለዎ’ዩ። ሓዲሽ ፍልስፍና ኣይኮነን። መሰረታዊ ፍታሕ ከተምጽእ፡ ኣብ መንጎ ኣፍራዪን ኣህላኽን ዘሎ ጉዕዞ ክሓጽር፡ ኣብኡ ዝግበር ወጻኢታት ኣብ መነባብሮ ዜጋታት ኣደራዕ ከይከውን ምእንቲ መንግስቲ ኣገልግሎታት ብድጎማ ንኩሉ ህዝቢ ክቕርበሉ ኣለዎ። ኣውራ ድማ ነቶም ኣብ ምሕዱግ ከባቢታት ዘለዉ።
ሓደ ካብ ርሑቕ ገጠር ናብ ዘመድ፡ ቤተሰብ፡ ናብ ዕዳጋ ወይ ከተማ ክንቀሳቐስ ዝደለየ፡ ኣእምሮኡ ቀሲኑ ኣብ ዝደለዮ ሰዓት ትኬት ቆሪጹ ክንቀሳቕስ ምእንቲ ገዚፍ መርበብ (ኔትዎርክ) ናይ ጽርግያታት ክህሉ ኣለዎ። ኣብ ጽርግያታት ጥራይ ተሓጺሩ ዝተርፍ ግን ኣይኮነን። ማዕሪኡ ኣገልግሎት ምድራዊ መጐዓዝያ ክምዕብል ኣለዎ። ናይ ገማግም ባሕሪ ኣብ ግምት ኣእቲኻ ማለት እዩ። ኣብ ገምግም ባሕሪ ንቱሪዝም ዝኸውን ብቑዕ ኣገልግሎት ክህሉ ኣለዎ። ናይ መሬት ጥራይ ዘይኮነ ናይ ባሕሪ ምንቅስቓስ’ውን ክህሉ ክኽእል ኣለዎ። መጐዓዝያ ኣየር እውን ኣይንሓስበሉን ማለት ኣይኮነን። ሕጂ ኣብኡ ስለዘይበጻሕና ደሓን ይጽንሓልና ኢልና ንውንዝፎ ኣይኮነን። ቅድሚ ኩሉ ግን ናይ መሬት መጐዓዝያ እዩ። ብሓፈሻዊ ገምጋም ክንገልጾ ከለና፡ ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ፡ ኣርብዓ ሚእታዊት ሰላሳ ሚእታዊት’ውን ኣይንሽፍንን ዘለና፡ ሚእቲ ካብ ሚእቲ ክንሽፍኖ ኣለና ኢልና ንሰርሓሉ ዘለና እዩ።
ክቡር ፕረዚደንት፡ ንግዳዊ ንጥፈታት ንምብርባር ሚኒስትሪ ንግድን ኢንዱስትሪን ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን ንኣወሃህባ ሓዲሽ ፍቓድ ዋኒን ዝምልከት ዘውጸኦ ዝተመሓየሸ መምርሒ ኣሎ። ምስ’ዚ ተኣሳሲሩ፡ ወፍሪ ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ወጻኢ ናይ ዝርከቡ ዜጋታት ንምትብባዕ እንታይ ዝተታሕዘ መደባት ኣሎ?
እቲ ብሚኒስትሪ ንግዲን ኢንዱስትሪን ዝወጸ መምርሒ፡ ዝያዳ ነዞም ክጠቕሶም ዝጸናሕኩ ጉዳያት ዝምልከት እዩ። ዘይሕጋዊ ንግዲ፡ ምቁጽጻር ዘይብሉ ንግዲ፡ ግብሪ ዘይከፍል ንግዲ፡ እቲ ዝዓበየ ሃስያ ከኣ ነዚ ሕጂ ናይ ፖሊሲ ምምሕያሽ ክግበረሉ ኣለዎ ንብሎ ዘለና፡ ካብ ኣፍራዪ ናብ ኣህላኺ ዝበጽሕ ሃገራዊ ፍርያት ብኸመይ መገዲ’ዩ ዝንቀሳቐስ፡ ከመይ ክኸውን ኣለዎ፡ ኣብ ግምት ዘእተወ እዩ። ንኣብነት፡ በጊዕ ካብ ሃይኮታ ብሸውዓተ ሚእቲ ተገዚኣ ኣብ ኣስመራ እንተደኣ ብክልተ ሰለስተ ሽሕ ትሽየጥ ኣላ ኢሎምኻ በየናይ ሞጎት? እቲ ዘፍረየ ሞሳኡ ክረክብ ኣለዎ። ደድሕሪአን ክኸይድ እናወዓለ ዝጓሰየን ኣብ መወዳእታ ኣብ ዕዳጋ ኣብጺሑ ሞሳኡ ክረክብ፡ እቲ ሸማታይ ከኣ ብርትዓዊ ዋጋ ክጥቀም ኣለዎ። ኣብ መንጎ ዘበጻጽሕ ነጋዳይ እንተሎ እውን ካብ ኣፍራዪ ናብ ኣህላኺ ስለዘብጽሐን ርትዓዊ መኽሰብ ክረክብ ኣለዎ። እንተዘየለ ብሓረጣ ሰብ ከተሽግር ዝግባእ ኣይኮነን።
ኣብ ንግዲ ዘጋጥም ዘሎ ጸገማት፡ ዘየድሊ ክብሪ ናይ ሃለኽቲን ኣገልግሎታትን፡ ካብ ደገ ብኮንትሮባንድ ዝመጽእ ኮነ ብዝተፈላለየ መገዲ ዝኣቱ ኣብ መወዳእታ ነቲ ኣህላኺ ጽዕነት’ዩ ዝፈጥረሉ ዘሎ። እዚ ኩሉ ሰራሕተኛ መንግስቲ ምስ ድሩት ደሞዙ ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ዕዳጋ ኩነታት ከዋጻጽኦ ኣይክእልን’ዩ። ስለዚ ርትዓዊ ዝኾነ ናይ ንግዲ ንጥፈታት ክህሉ ኣለዎ። እዚ ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ እዩ። ናይ ደገ’ኸ? ኣብ ደገ ዘሎ ናይ ውልቀ ዜጋ ይኹን ናይ ስድራ ቁጠባ ናይ’ታ ሃገር ቁጠባ እዩ። ኣብ ዝተቐመጠ ይቀመጥ። ብርዱእ ምኽንያታት ካብ’ቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ዜጋ፡ እቲ ኣብ ደገ ዘሎ ዝሓሸ ዕድል ስለዝረኸበ፡ ኣብ ወፍሪ ክሳተፍ ዝበለጸ ዕድል ኣለዎ። ስለዚ ዜጋታት ኣብ ኢንዱስትሪ ይኹን ኣብ ኩሉ ጽላታት ክኣትዉ ክኽእሉ ኣለዎም። ኣብ ሆቴልን ሪስቶራንተን ጥራይ ኣይኮነን ወፍሪ ዝግበር። ኣብ ሕርሻ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ናይ ወፍሪ ዕድላት ኣሎ። ኣብ ምስናዕ ኣብ ነንበይኖም ዓውድታት ዝጽበየና ዓበይቲ ናይ ወፍሪ መደባት ኣሎ። ኣብ ዝተራቐቐ ካልእ ዓበይቲ ናይ ሓጺን፡ ፕላስቲክ፡ ኤለክትሮኒክስ፡ ነንበይኖም ኢንዱስትሪያዊ ፍርያት ዓበይቲ መደባት ኣለዉና። ብዓቕሚ መንግስቲ ዝግበር ወፍሪ ኣሎ። መንግስቲ ግን ኣብ ድሩት ከባቢታት ጥራይ’ዩ ክሰርሕ ዝኽእል። ካብ ናይ ዕንጋሎ፡ ናይ ድጎማ ዕዳጋ ወጺእና ናብ ምስናዕ ክንከይድ ኣለና ክንብል ከለና፡ ናብኡ ክንከይድ ምእንቲ፡ ኣብ ኩለን ጽላታት እንተላይ ኣብ ዕደና፡ ወፍሪ ናይቶም ኣብ ደገ ዘለዉ ዜጋታት ክህሉ ኣለዎ። እዚ ክብሃል ከሎ ከነተባብዖም ኣለና ኢልካ ጥራይ ኣብ ክሰርሑሉ ዘይክእሉ ባይታ ከተእትዎም ኣይትኽእልን ኢኻ።
ቁጠባ ናይዚ ሃገር ቀጻሊ እገዳታት ክግበረሉ ስለዝጸንሐ ዓቕምና ብግቡእ ከይንጥቀመሉ ዓንቂጹና እዩ። ሓደ ካብቲ ተጻብኦታት እውን ኣብ ደገ ዘሎ ዜጋ ከምዝለምስ ምግባር’ዩ ነይሩ። ስለዚ ዜጋታት ኣብ ቁጠባ ሃገር ኣድማዒን ንጡፍን ተሳትፎ ከምዝህልዎም ንምግባር ቅድም ቀዳድም ምቹእ ሃዋሁው ክዋደድ ክኽእል ኣለዎ። ብሕጊ፡ ብኣዋጃት፡ ብግብሪ ንዕኡ ዝኸውን ምቹእ ባይታ ክፍጠር ኣለዎ። እቶም ዝተዛረብናሎም ናይ ትሕተ ቅርጺ፡ ማይ፡ ጸዓት ካልኦት ዝተፈላለዩ ናይ ልምዓት መደባት ዕላማኦም ምቹእ ሃዋህው ንምውዳድ እዩ። እዚ ባይታ’ዚ ምስ ተፈጥረ ከመይ ገይርካ ወፍሪ ትገብር፡ እንታይ ዓይነት ፍርያት ተፍሪ፡ ክንደይ ወጻኢታት ትገብረሉ፡ ዓይነት ፍርያትካ እንታይ ይመስል፡ ኣብ ዞባዊን ዓለማዊን ዕዳጋታት ከመይ ተቕርቦም ዝበሃል ኣከራኻሪ ኣይኮነን፣ ቀሊል ነገር’ዩ። እቲ ዝዓበየ ስራሕ ንወፍሪ ምቹእ ሃዋሁው ዝፈጥር፡ ጽርግያታት፡ ኣገልግሎት ኤለክትሪክ፡ ማይ ምውዳድ፣ ጉልበት ሰብ ምቕራብ፣ ሞያዊ ክእለት ምምልማል እዩ። ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ሰብ፡ ምስቲ ዝሓለፍናዮ ኩነታት ሕጂ ዘለዎ ዕድል ኣዝዩ ዝተደረተ’ዩ። እቲ ዝበዝሕ ኣብ ወፍሪ ክዋሳእ ዝኽእል ኣብ ደገ ዘሎ እዩ። ንዕኡ ምቹእ ሃዋሁው ክትፈጥረሉ ድማ፡ እዞም እንዛረበሎም ዘለና ናይ ልምዓት መደባት ምውዳድ የድሊ። ክንደይ ግዜ ክወስድ ይኽእል፡ ናይ ብሓቂ ኣብኡ በጺሕና ዲና ብወድዓውነት ክርአ ዘለዎ እዩ። ልክዕ እዩ ኣብ ደገ ዘለዉ ዜጋታት ዘለዎም ተገዳስነትን ንቕሓትን መዳርግቲ የብሉን። ሕጂ ግን መሊኡ ኣብ ዘይተዋደደ ሃዋህው፡ ኣብ ዘይተዳለወ ከባቢታት፡ ንዑ ከምዚ ግበሩ ክንብሎም ኣይንኽእልን ኢና።
ናይ ወፍሪ መደባትና ንሓዋሩ ካብ’ዚ ዘለናዮ ናይ ዕንጋሎ ቁጠባ ወጺኡ፡ ናብ ኢንዱስትሪያዊ ናይ ምስናዕ ደረጃ ሰጊሩ፡ ኣብ ምዕቡል ደረጃ ቁጠባ ከብጽሓና ምእንቲ ነዚ ዝጠቕሶ ዘለኹ ሃዋህው ከነዋድድ ኣለና። ድሕሪኡ ዜጋታት ኩላቶም በብመንገዶም ክዋስኡ ይኽእሉ’ዮም። ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ሰብ’ውን ምስ ግዜ ዓቕሚ ደሊቡ ኣብኡ ኣትዩ ዘይሰርሓሉ ምኽንያት የለን። እዚ ክብሃል ከሎ ግን፡ ንሰብ ኪድ ፈትን ዕድልካ ርአ ኣይትብሎን ኢኻ፡ መርሓ ክትህቦ ኣለካ – ናይቲ ዝድለ ዘሎ። ምስዚ ተኣሳሲሩ ሓደ ካብቲ ከይተጠቕሰ ክሓልፍ ዘይብሉ ናትና ባንካዊ ኣገልግሎታት እዩ። ኣገልግሎት ባንካታት ኣብ ምንታይ ደረጃ ኣሎ? ንኸምዚኦም ዝኣመሰሉ ወፍርታት ከሳልጥ ይኽእል ድዩ? ቅድሚ ሕጂ ዝተገብረ ፈተነታት ኣሎ። ንግዳዊ ባንክ፡ ናይ ልምዓት ባንክ፡ ናይ ኣባይቲ ባንክ ኣሎ ሓደ ኣሎ ኢልካ ብዙሕ ነገራት ከተምጽእ ትኽእል ኢኻ። ግን ኣብ ምንታይ ደረጃ እዩ ዘሎ። ምስቲ ብግዳም ዝጸንሐ ቀጻሊ ጸቕጢን ተጻብኦን፣ ቀጻሊ ማሕለኻታት ኣገልግሎት ባንካታት ክሳብ ክንደይ ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ወፍሪ ናብ ዝተፈላለየ ዓውዲታት ከተባብዕ ይኽእል ዝብል ሕቶ ጎሲኻዮ ዝሕለፍ ኣይኮነን። ባንካዊ ኣገልግሎታት ማዕረ ማዕረ’ዚ ዝተፈላለየ ናይ ወፍሪ መደባትን ፖሊሲታትን ተሰማሚዑ ክምዕብል ዘለዎ እዩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ከምኡ ብቕዓት ኣሎ ድዩ? ካልእሲ ይትረፍ እቲ ካብ ምቁጽጻር ወጻኢ ዝኸይድ ገንዘባዊ ዝርግሐን ኣገልግሎትን ከመይ ይጥመት? ናይ ደገ ሽርሒን ገለን ገዲፍካ ማለት’ዩ። እቲ ናይ ደገ ከም ልሙድ ክትወስዶ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ውሽጡ ዘሎ ኣሰራርሓ ግን ብቑዕ ድዩ? ንሱ እውን ክጻፈፍን ክምዕብልን ዘለዎ እዩ።
ወፍሪ፡ ኢንዱስትሪ፡ ንግዲ ክንብል ከለና ንኩሎም እዞም ጉዳያት’ዚኣቶም ዘጠቓለለ እዩ። እዞም ክጠቕሶም ዝጸናሕኩ ናይ ልምዓት መደባት፡ ጽላት ብጽላት ኢንዱስትሪ ብኢንዱስትሪ ሒዝናዮም ዘለና ውጥናት፡ ነዚ ዕድል እዚ ንምፍጣር እዩ። ሚእቲ፡ ሽሕ፡ ዓሰርተ ሽሕ፡ ፍርቂ ሚልዮን ሰባት ተዋሲኦም እንተሰሪሖም፡ ንሳቶም ክፈጥሩዎ ዝኽእሉ ሓይሊ ናይ ቁጠባ ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነታት ዘለቕ ክብል ኣይክእልን’ዩ። ንዕኡ ክትፈጥር ግን ንዕኡ ዝኸውን ባይታን ሃዋሁውን ከተዋድድ ኣለካ። በብግዜኡ ነተኣታትዎምን ነመሓይሾምን ኣዋጃትን ፖሊሲታትን ንዕኡ ዝኸውን ባይታ ንምንጻፍ ኮይኑ ቀሊል ስለዘይኮነ ብቐጻሊ እንሰርሓሉ ጉዳይ እዩ። እታ ኣቐዲመ ዝጠቐስኩዋ ናይ ሞያ ጉዳይ ከኣ ዓባይ ብድሆ’ያ። እዚን ወዲ ኸምዚን ኣብ ግምት ኣትዩ፡ ናይ ፖሊሲ ምትዕርራይ ዝግበረሉ ይግበረሉ፡ ምምሕያሽ ኮነ ቅርጻዊ ምትዕርራይ ዘድልዮ ብቐጻሊ ምምሕያሽን ምትዕርራይን እናተገብረሉ ይኸይድ ኣሎ። ጸጋታት ምጉስጓስ ክብሃል ከሎ ናይ ሰብ ጸጋኻ መዚንካ ዝከኣልን ዘይከኣልን ፈሊጥካ እዩ። ብሓፈሻ ግን እቲ ናይ ንግድን ወፍሪን መደባትና ቀሲንናሉ ንኸይድ ዘለና ኣይኮነን። ተስፋ ዝህብ ነገራት ኣሎ፡ ዕቑር ተኽእሎ ኣሎ። ቅድሚ ዝኣገረ ግን ናይ ብሓቂ ነቲ ዝድለ ሃዋህው ንምፍጣር ትግባረ ናይቶም ክጠቕሶም ዝጸናሕኩ መደባት ምቅልጣፍ መሰረታዊ እዩ። እቲ ስርሒታዊ ዝርዝራት እናተዓቀነ ስለዝኸይድ ከኣ፡ ኣብ ዝጠዓመ እዋን እቲ ዘድሊ ስጉምቲ እናተወስደ ክኸይድ እዩ። ወፍሪ ክበሃል ከሎ ኩሉ ሳዕ ንዜጋታት ቀዳምነት ዝህብ እዩ። ኣብ ደገ ዘለዉ ዜጋታት ድማ ብርዱእ ምኽንያት ቀዳምነት ናይ ቀዳምነት ዝወሃቦም እዮም። ሃንደራእ ኢልካ ዝእቶ ዘይኮነ ግን ኣብ ዝተጸንዐ መርሓ ጎደና ኣትዮም እዮም ክሰርሑ ዘለዎም። ነዚ ዝኸውን ባይታ ኣብ ምምድማድን ፖሊሲታት ኣብ ምምዕርራይን ኢና ዘለና። ኣጻፊፍና ወዲእናዮ ክንብል ኣይንኽእል። ኣብታ ኣቐዲመ ጠቒሰያ ዝነበርኩ ናይ ኣባይቲ መደባት ተመሊሰ ግን፡ እቲ ቅድሚ ሕጂ ዘውጻእናዮ መደባት ስለዘይተዓወተ ትካላትና ብምሉኡ ዳግመ ምትዕርራይ ንገብረሉ ከምዘለና ክሕብር እደሊ። እተን ተጎቲተን፡ ደንጕየን ዝጸንሓ መደባትና ከኣ፡ ሓይልታት ምክልኻል ኣትዩ ብምሉእ ዓቕሙ ክሰርሓለን እዩ።