ክቡር ፕረዚደንት፣ ዓለምና ቅልውላውን ነውጽን ብዝበዝሖ እዋን ትሓልፍ ኣላ። ኩነታት ዩክሬን፡ ምትህልላኽ ዓበይቲ ሓይልታት ኣብ ባሕሪ ደቡብ እስያ፡ ግጭት እስራኤል ምስ ሓማስ፡ ሕዝቡላህ፡ ኢራን፡ ሑቲ፡ ብዙሕ ህይወት ይቐዝፍ ኣሎ። ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ’ውን ኲናት ሓድሕድ ሱዳን፡ ውሽጣዊ ግጭታት ኢትዮጵያን ሶማልን ኣሰካፊ እዩ። ኣብዚ ሕጽር ዝበለ ቃለ-መጠይቕና ናብዚ ዝተጠቕሰ ዓለማውን ዞባውን ኩነታት፡ ብዓቢኡ ድማ ናብ ዘቤታዊ ጉዳያት ዝቐንዐ ሕቶታት ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ዕድል ስለዝሃብካና ብስም ተኸታተልቲ እናኣመስገንና ብኣህጉራውን ዞባውን ኩነታት ክንፍልም። ሕቶታትና ብፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣመሪካ ክንፍልም ኢና። ፕረዚደንት ትራምፕ ብዓብላሊ ድምጺ ንኻልኣይ እብረ ተዓዊቱ ኣሎ። ምስ ምምጻእ ሓዲሽ ምምሕዳር ኣመሪካ፡ ክስራሓሉ ኣብ ዝጸንሐ ፖሊሲታት ናይዛ ርእሰ-ሓያል ሃገር ኮነ ህሉው ዓለማዊ ኩነታት ለውጢ ክመጽእ ይኽእል’ዶ?
ተራ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ዓለምና ቀሊል ኣይኮነን። ናይ ትራምፕ ዳግማይ ናብ ስልጣን ምምጻእ ኣብ ውሽጢ ገፊሕ መቓን (context) ክርአ ዘለዎ እዩ። ብግዜ እንተርኢናዮ፡ ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ኣብ ዝነበረ እዋን ዝሑል ኲናት፡ ናይ ኣመሪካ ቦታ ኣብ ዓለምና እንታይ ይመስል ነይሩ? እንታይ ጽልዋታት ነይሩዎ? ዝሑል ኲናት ምስተወደአ፡ ኣብ ዝሓለፈ ልዕሊ 30 ዓመታት፡ እንኮ ቀጽራዊ ዓለም ንምፍጣር ኣብ ዝተሃቀነ ጻዕሪ ተራ ዋሽንግተን እንታይ ነይሩ? ናይ ፕረዚደንታት ምቅይያራት እንታይ ግደ ነይሩዎ። ትራምፕ ፈለማ ዝመጻሉ እዋን እንታይ ምልክታት ሰዲዱ ነይሩ? ሕጂ’ኸ ምስ ዳግማይ ምምጻእ ትራምፕ እንታይ ክንጽበ ንኽእል? ለውጢ ክመጽእ ይኽእል ድዩ? እንታይ ዓይነት ለውጢ? ምስቲ ዝሓለፈ ነዊሕ ታሪኽ ኣዛሚድካ ክርአ ዘለዎ እዩ።
ከም መበገሲ ‘ማጋ’ (Make America Great Again) ዝብል ኣርእስቲ ንውሰድ። ‘ማጋ’ ማለት “ንኣመሪካ መሊስካ ሓያል ግበራ” ዝብል ጭርሖ ኣብ ቆብዖም፡ ኣልባሳቶም ክንርእዮ ዝጸናሕና፡ ትራምፕ ድማ ደጋጊሙ ዝዛረበሉ ኣርእስቲ’ዩ። “ንኣመሪካ መሊስካ ሓያል ግበራ” እንታይ ማለት እዩ? እንተድኣ ኢልና “ኣመሪካ የላን፡ ከምቲ ንሓስባ ዓባይ ኣይኮነትን፣ ስለዚ ሓያል ንግበራ፡ ዓባይ ንግበራ” ዝብል መልእኽቲ ዝሓዘ እዩ። ብናይ ትራምፕ ኮነ ብዙሓት ዝስዕብዎ ኣመሪካውያን መረዳእታ፡ ‘ኣመሪካ ዓባይ ኣይኮነትን ዘላ’። ስለምንታይ እያ ዓባይ ዘይኮነት? ስለምንታይ’ያ ሕጂ ከም ብሓድሽ ክትሕይል ዘለዋ? ዝብል ሕቶ ክስዕብ ይኽእል። ብርግጽ ኣመሪካ ኣብዚ ሕጂ እዋን ከምቲ ቀደም ኣብ እዋን ዝሑል ኲናት ኮነ ድሕሪኡ ዝነበረቶ ኣይኮነትን ዘላ። ኣብዞም በሃራት (Elite) ኣመሪካ ዘሎ መረዳእታ (ኩሉ ከምኡ ይሓስብ’ዩ ኢልካ ክትዛረብ ኣይትኽእልን) ሓቅነት ኣለዎ።
ካልኣይ ኲናት ዓለም ድሕሪ ምብቅዑ ኣብ ዝነበረ እዋን ስርዓታት ኣመሪካ ዓብላሊ ተራ እዩ ነይሩዎም፣ ግን ቁሩቊስ’ዩ ነይሩ። ዳርጋ ን50 ዓመታት ኣብ መንጎ’ቲ ሶቭየት እትመርሖ ኪዳን ‘ዋርሶው’ን ኣመሪካ እትመርሖ ‘ኔቶ’ን ሓያል ቃልሲ እዩ ነይሩ። ‘ዝሑል ኲናት’ እንብሎ። እዚ ኩነታት’ዚ ከይዱ ከይዱ ኣብ መወዳእታ ኣብቂዑ። ናይ ኣመሪካ ሓይልን ተወዳዳርነትን ኣይኮነን ከምዘብቅዕ ገይሩዎ። ናይ ሶቭየት ምፍርኻሽ’ዩ። በዓል ጎርቫቾቭ ዘተኣታተውዎ ፐረስትሮይካን ካልእ ማልእን ዝብል ፖሊሲ ንሶቭየት ሕብረት ኣብ ምብትታን፣ ካብቲ መስርሕ ኣብ ምውጻእ፣ ዓቢ ተራ’ዩ ተጻዊቱ። ስለዚ ብተዘዋዋሪ በዓል ሬገን ወይ ታቸር ዘካየድዎ ቃልሲ ተዓዊቶምሉ ክንብል ንኽእል ኢና። ብናይ ሶቭየት መራሕቲ ስሕታን ቅመራ (Miscalculation) ማለት እዩ። እቲ ለውጢ ብዝመጸ ይምጻእ፡ ኣብ መወዳእታ ዝሑል ኲናት ኣኸቲሙ። ምኽታም ዝሑል ኲናት ድማ ናይ እንኮ-ቀጽሪ ስምዒት ክብገስ ጀሚሩ? “ዓለም ክንቈጻጸራ ኢና፣ ዓለም ክንገዝኣ ኢና፣ ዓለም ክንግብታ ኢና፣ ድሕሪ ደጊም ብቚጠባ፡ ብወተሃደራዊ ሓይሊ፡ ብቴክኖሎጂ ወዘተ. ኣብ ዓለም ዝዳረገና ክህሉ የብሉን፣ ዝኾነ ሓይሊ ብጽልዋን ዕበለላን ማዕረና ክመጽእ የብሉን” ዝብል ኣተሓሳስባ ኣምጺኡ።
ምኽታም ዝሑል ኲናት ኣጋግዩዎም ኢልካ ክትዛረብ ትኽእል ኢኻ። “ኣብ ዓለም እንኮ ቀጽራዊ ስርዓት ከነንግስ ኢና፣ ብዝተፈላለየ ጽልዋታት ንሕና መራሕቲ ናይ ዓለም ኢና፤ ንካልኦት ክንቀጽዕ ኢና….” ዝብል ስኽራንን ግጉይ ግምትን ስሕታን ቅመራን ኣምጺኡ። ምስዚ ተኣሳሲሩ ድረታ (ኮንተይመንት) ዝብል ኣምር ማዕቢሉ። ‘መን እዮም እቶም ክወዳደሩና ወይ ማዕረና ክመጽኡ ዝኽእሉ? ስለዚ ክንድርቶም (ኮንተይን ክንገብሮም) ተባሂሉ። ዝሓለፈ ልዕሊ 30 ዓመታት እንተተመልኪትና በዚ ሓሳብ’ዚ ዝተደረኸ ዝተፈላለየ ምዕባለታት ከነንብብ ንኽእል። ካብ ግዜ ክሊንተን ጀሚርካ ንደሓር ናይ ዝመጽኡ ፕረዚደንታት ኣተሓሳስባን ኣካይዳን፡ በዚ መሰረታዊ እምነት ዝተገዝአ’ዩ ነይሩ። እዚ ሕጂ እንርእዮ ዘለና ናይ ዩክሬን ይዅን ናይ ታይዋን ኩነታት፡ ኣብ ዝተፈላለየ ካልእ ከባቢታት ዓለምና ጽልዋ ምዕባይን ምሕያል ብዝብል ኣካይዳ ዝተፈጥረ ነውጺ ውጽኢት ናይዚ ኣተሓሳስባ’ዚ እዩ። እዚ፡ ብቐጥታዊ ምትእትታው ኮነ ብመገዲ ናቶም ወኪላት ወይ መልሕቓት (ኣንከራት) ክትግበር ዝጸንሐ ፖሊሲ፡ ኣብ ዝሓለፈ 30 ዓመታት እንታይ ፈጢሩ እተድኣ ኢልካ ሓደ ብሓደ ክትግምግሞ ትኽእል ኢኻ።
ትራምፕ ኣብቲ ፈለማ ዝመጽኣሉ ‘መሊስካ ንኣመሪካ ዓባይ ግበራ’ (Make America Great Again) ክብል ከሎ፡ ኣመሪካ ምእንቲ ናብ ዝነበረቶ ናይ ቀደም ዝናን ሓይሊን ክትምለስ፡ ቦታኣ ክትሕዝ ኣለዋ ዝኣመቱ ኣተሓሳስባ እዩ ነይሩ። ንትራምፕ ዝርኣዮኦ ዝነበራ መወዳድርቲ ቻይናን ሩስያን ኮይነን ቀዳመይቲ ግን ቻይና እያ። ምስ ሩስያ ብመጠኑ፡ ዝምድናታት ክመዓራረ ይኽእል’ዩ፣ እታ ቀዳመይቲ ስግኣት ናይ ኣመሪካ ወይ ንኣመሪካ ካብ ቦታኣ ዘውረደታ ቻይና እያ” ዝብል እምነት እዩ ነይሩዎ። እዚ ሕጂ 10 ሚእታዊት 25 ሚእታዊት ታሪፍ ወስኽ ወዘተ….ዝበሃል ዘሎ፡ ኣመሪካ ዓባይ ወይ ሓያል ምእንቲ ክትከውን ናይ ቻይና ዓብላሊ ጽልዋ ብዓለም ደረጃ ክጭበጥ ክኽእል ኣለዎ ብዝብል ኣተሓሳስባ’ዩ። ዝርዝቱ ብኣሃዛት ክዝረበሉ ይኽእል እዩ። ብርግጽ ግን፡ ቀዳመይቲ ስግኣት ናይ ኣመሪካ፡ ኣብ ከምዚ ደረጃ ዘውረደታ፡ ቻይና እያ። ብዓለም ደረጃ ዝተፈላለየ ስታስቲክስ ክወጽእ ይኽእል’ዩ፤ እንተኾነ ሎሚ ቅድሚ ቻይና ዝስራዕ፡ ቁጽሪ ሓደ ቊጠባዊ ሓይሊ ኣብ ዓለምና ኣሎ ዝብል ሰብ እንተድኣ ኣሎ “እስከ ኣረድኣኒ በየን በየን መለክዒታት” ኢልካ ክሕተት ይከኣል እዩ። ብቚጠባዊ ሓይሊ፡ ኣመሪካ ንቻይና ክትወዳደራ ኣይትኽእልን እያ።
ብወተሃደራዊ ሓይሊ እንተመጺእና፡ ክንደይ ኑክሌሳዊ ርእሲ-ኲናት (war-heads) ኣሎ ኣይኮነን እቲ ሕቶ። ብቐንዱ እንታይ’ዩ ወተሃደራዊ ሓይሊ? ብደረጃ ዓለም ብጽልዋ፡ ብዕብለላ ርእሰ-ሓያል ዝብሃል በየናይ መልክዒታት እዩ? በዚ መንጽር’ዚ ኣመሪካ ኣበይ ትስራዕ? ቁጠባ እቲ ቀንዲ ዝዓበየ ረቛሒ እዩ። ብቴክኖሎጂ እንተመጺኻ እውን ሎሚ ቻይና ከም ቀደም ኣይኮነትን። ስለዚ፡ እቲ ንእንኮ ቀጽራዊ ኣተሓሳስባ ዘፈልፈለ፡ ኣብ ዓለም ዝወዳደረና ሓይሊ ክህሉ የብሉን፣ ብቴክኖሎጂ፡ ብቑጠባ፡ ብወተሃደራዊ ሓይሊ፡ ብጽልዋ ዝብል ኣተሓሳስባ ብግብሪ የለን። እቲ ኣተሓሳስባ ኣይሰርሐን። ካብ 1990ታት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ’ዚ ዝሓለፈ ኣስታት 35 ዓመታት ቻይና ኣብ ዓለም ክትሕዞ ዝበቕዐት ቦታ ዝከራኸረሉ ሓይሊ ኣሎ ኢልካ ክትዛረብ ኣይትኽእልን። ብቁጠባ፡ ብቴክኖሎጂ፡ ብወተሃደራዊ፡ ብጽልዋ ኣብ እስያ ድዩ ኣብ ኣፍሪቃ፡ ኤውሮጳ፡ ኣብ ኣመሪካ ንገዛእ-ርእሱ ቻይና ዘለዋ ቦታ ቀሊል ኣይኮነን።
ቁጠባ ኣመሪካ ብመንጽር ናይ ቻይና እተዛሚድካዮ፡ ኣመሪካ ዕዳኦም (ናይታ ሃገር ዕዳ) 32 ትሪልዮን ዶላር በጺሑ ኣሎ፣ ምናልባት ልዕሊኡ 34 ወይ 36 ትሪልዮን እውን ክኸውን ይኽእል። በየን እዩ ዝውህለል ዘሎ እዚ ዕዳታት’ዚ? ካበይ’ዩ መጺኡ? ስለምንታይ’ዩ፡ እዚ ቀዳማይ ናይ ዓለም ዝበሃል ዝነበረ ቁጠባ ኣብ ከምዚ ደረጃ’ዚ ወሪዱ እንተድኣ ኢልና፡ ካብዚ ትሪልዮናት ዕዳ፡ 25% ቻይና ንኣመሪካ ትእውዳ እዩ – ብዝተፈላለየ መገዲ። ነዚ ቁጠባዊ ምዕባለታት’ዚ ዘምጽአ ኣብ ምዕራብ ዝነበረ፡ “ንሕና ልዕሊ ኩሉ ኢና፡ ቻይና ክትቀድሕ’ያ ትኽእል’ምበር ክትምህዝ ኣይትኽእልን እያ፣ ናይ ቻይና ‘ፓወር ሃውስ’ ዝብሉዎ ንሳቶም ክንጥቀመሉ ኢና፡ ናይ ዕዮ ዋጋ (labour cost) ታሕቲ እዩ፡ ዋጋ ጸዓት (energy cost) ታሕቲ እዩ፡ ኣብኡ ጉልበት ስለዘሎ ፋብሪካታት ናብ ቻይና ክኸዳ ኣለወን፣” ዝብል ኣተሓሳስባ እዩ። ቁጠባ ክበሃል እንከሎ ኣብ መወዳእታ ፍርያት (production) እዩ። በዚ መገዲ’ዚ ኢንዱስትርያዊ ፍርያት ቻይና እናዓበየ እናዓበየ መጺኡ ሕጂ ቀዳማይ ተሰሪዑ። ቻይና ዕዳ ኣለዋ’ዶ እንድሕር ኢልና – ዕዳ የብላን። ናይ ኤውሮጳ ጉዳይ ድሓር ቀሰይ ኢልካ ክዝረበሉ ይኽእል’ዩ፣ ኣመሪካ ግን ሎሚ ቁጽሪ 1 ቁጠባ ናይ ዓለም ኣይኮነትን። በዚ ድማ፡ ኣመሪካ ናይ ዓለምና ዝዓበየት ሃገር ኣይኮነትን (No more Great). ብቴክኖሎጂ ንሕና ኢና ቀዳሞት ይበሃል ነይሩ። ሎሚ ግን ቻይና ቀዲማቶም ከይዳ እያ። ምናልባት ኣብቲ ፈለማ እንኮ ቀጽራዊ ዓለማዊ ስርዓት ክንፈጥር ኢና ክበሃል ከሎ፡ ሩስያ በቲ ዘለዋ ጂኦግራፍያዊ ስፍሓት፡ ቴክኖሎጂን ቁጠባን ኣብቲ እዋን’ቲ ከም ስግኣት ክቆጽሩዋ ባህርያዊ እዩ ነይሩ። ግን ሕጂ ኣብ ከምኡ ኩነት የላን።
ኣመሪካ ዳግማይ ዓባይ ሃገር ክትከውን እተንድኣ ኮይና ብቑጠባ ክትዕብልል ክትክእል ኣለዋ። ናይ ቻይና ውድድር ታሪፍ፡ ቀረጽ፡ እናጸዓንካ ክትገትኦ ክትክእል ኣለካ። ነቲ ካብ ኢድካ ዝመሎቐ ሓይሊ ክትመልሶ ማለት እዩ። ኣመሪካ ካብ ቻይና ፍርያት ከተእቱ የብላን፡ ናታ ፍርያት ከተብዝሕ ኣለዋ፡ ብዓይነት፡ ብዓቐን ከተዕብዮ ክትክእል ኣለዋ። ክሳብ ናይ መክሲኮን ናይ ካናዳን ፍርያት ናብ ኣመሪካ ከይኣቱ 25% ታሪፍ ይገበረሉ ክበሃል እንከሎ፡ እቲ ቁጠባ ኣበየናይ ሰንኮፍ ደረጃ ከምዘሎ’ዩ ዘረጋግጸልካ። ኣብ ኣዝዩ ሰንኮፍ ደረጃ’ዩ ዘሎ። ኣመሪካ መሸጢ ፍርያት ዕዳጋ እያ እምበር፡ ተፍሪ እያ፡ ትሸይጥ’ያ ክበሃል ኣይከኣልን። በዚ ምኽንያት፡ ኣብ ምክልኻል (protectionism) እያ ዘላ። ብደገ ዝመጻካ ከመይ ጌርካ ትዓግቶ ወይ ትገትኦ’ዩ ዘሎ እቲ ኣተሓሳስባ። ከምኡ ጌርካ’ኸ ክትዓግቶ ትኽእል ዲኻ? ዓቢ ምልክት ሕቶ እዩ። እቲ ኣብ ዋሺንግተን ዘሎ ስርዓት የለን። ነዚ ናይ መወዳእታ ናይ ባይደን መንግስቲ እንተርኢናዮ፡ እቲ ሃገር ኣብ ከመይ ዝበለ ደረጃ ወዲቑ ኣንቆልቊሉ ከምዘሎ ምርዳእ ኣየጸግምን። ናይ ኣመሪካ ስርዓት ብቁጠባዊን ቴክኖሎጂያዊን ጽልዋ፡ ብዝምድናታት፡ ብዓለም ደረጃ እንተርኢናዮ እናተፈራኸሸ ክመጽእ ዝጸንሐ እዩ። ናይዚ ጨናፍር ካልኦት ሕቶታት እውን ከተልዕል ትኽልእ – ኔቶ ኣሎ ድዩ ብሓቂ? ሕብረት ኤውሮጳ ዝበሃል’ከ ኣሎ ድዩ? እንታይ’ዩ እዚ ኪዳናት (alliances) እዚ? ከም ደራዒ ሓይሊ ናይ ኣመሪካ ኣሎ ድዩ? እንታይ ይመስል ትሕዝቶኡ? ብጽልዋ ደረጃ ብእተፈላለየ መገዲ ክትግምግሞ ትኽእል ኢኻ።
ናይዚ ዝሓለፈ ኣስታት 35 ዓመታት ኣተሓሳስባ ከምዚ ዓይነት ጸገማት ከምጽእ ምኽኣሉ ዘገርም ኣይኮነን። ሕጂ “ማጋ” ክበሃል ከሎ ካልእ ዘይኮነ ግብረ-መልሲ እዩ። ካብቲ ዝተኸስረ ዕድላት፡ ካብ ዝተፈጥረ ሕማቕ ኩነታት ዝተወልደ ኣተሓሳስባ እዩ። ንኣመሪካ ከም ብሓድሽ ዓባይ ክትገብራ እንድሕር ኴንካ ድማ፡ ናብኡ ዘብጽሓካ ፖሊሲታት ክህሉ ኣለዎ። ሒዞሞ ዝጸንሑ ፖሊሲታት ብግብሪ እንተርኢናዮ ድረታ (containment) እዩ። እዚ ሕጂ ኣብ ኤውሮጳ እንርእዮ ዘለና ኩነታት ንሩስያ ናይ ምድራት ሕርያ እዩ። እንተኾነ ንሩስያ በይና ክትድርታ ኣይትኽእልን ኢኻ። ሕጂ ካብኣ ትሕይል ሃገር መጺኣ ኣላ። ንዓኣ’ኸ ከመይ ጌርካ ኮንተይን ትገብራ? ናይ ታይዋን ጉዳይ ተምጽእ፣ ሓድሽ ዓይነት ኪዳናት ትፈጥር፣ ህንዲ ምስ ዘለዋ ሓደ ሓደ ምፍሕፋሓት ምስ ቻይና ክትጥቀመላ ትፍትን፣ ንኣውስትራልያ፡ ጃፓን፡ ደቡብ ኮርያ ሓውሲካ ኣብ ባሕሪ ደቡብ ቻይና ሓዲሽ ኪዳን ብምፍጣር ንቻይና ክትቅይዳ ወይ ክትድርታ ትኽእል ኢኻ ዝብል ኣተሓሳስባ ብደረጃ ዓለም ኣብ ገዚፍ ጂኦግራፍ ዝስርሓሉ ዘሎ ፖሊሲ እዩ። ግን ይሰርሕ ድዩ? የወጻጽእ ድዩ? ንብዓል ፍሊፕንስን ካልኦት ሃገራትን እናኣኻኸብካ ኪዳናት ብምፍጣር ንቻይና ክትቅይዳ ወይ ክትድርታ ትኽእል ዲኻ? ናይ ታይዋን ጉዳይ እንተርኢናዮ ምስምስ እዩ። ከም መመኽነይታ ንታይዋን ትድግፍ መሲልካ ንቻይና ንምድራት እዩ።
እዚ ግን ክሰርሕ ይኽእል ድዩ? ናይ እስያ ዲናሚካዊ ቍጠባዊ ለውጥታት ኣብ ማለዥያ፡ ኣብ ኢንዶነዥያ፡ ኣብ ቬትናም ከይተረፈ ዝርአ ዘሎ ቍጠባዊ ምዕባለ ቀሊል ነገር ኣይኮነን – ደሚርካ ክትርእዮ እንከለኻ። ኣብ ርእሲ’ዚ ናይ ሰሜን ኮርያ ይውሰኾ ኣሎ። ናይ ሰሜን ኮርያ ናይ ቴክኖሎጂ ሓይሊ ንኣታቶም ዓቢ ስግኣት እዩ። ነዚ ከመይ ገይርካ ክትቅርቅሮ ወይ ክትቅይዶ ትኽእል? ናይ ጃፓንን ደቡብ ኮርያን እውን ዘቕስን ኣይኮነን። ንሳተን እውን ክወዳደራሉ ዝኽእላ ናይ ቍጠባ ሓይሊ ኣማዕቢለን ኣለዋ። ናበይ ገጸን ከብላ እየን ናበይ ገጸን ክኣትዋ እየን ኢልካ ክትሓስብ ከለኻ ዓቢ ኣርእስቲ እዩ። ‘ማጋ’ ከተተግብር እንተዄንካ፡ ነቲ ኣብኡ ዝመጽእ ዘሎ ምዕባለታት ከመይ ገይርካ ተንብቦ፡ ከመይ ገይርካ ምስኡ ትዋሳእ ቀሊል ኣርእስቲ ኣይኮነን። ናብ ኤውሮጳ እንተመጺእና እናተፈራኸሸ ዝኸይድ ዘሎ ኵነታት እዩ። ክሳብ ክንደይ ደጋፊ ናይ ኣመሪካ ኪዳን ክኸውን ይኽእል? ዓቢ ሕቶ እዩ። ንኔቶ ብወተሃደራዊ ይኹን ብቴክኖሎጂ ብቝጠባ ምርኣዩ የድሊ። መብዛሕትኡ ቍጠባታት ናይ ኤውሮጳ እናተዘቖቖ ከይዱ ተበሪዙ እዩ። ንፕሮፓጋንዳ ናይ ቍጠባ ክኢላታት ኢና፡ ፈላጣት ኢና፡ ዝዛረብዎ ክህሉ ይኽእል። ግን ቍጠባ ኣለወን ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዓለም ዓቢ ነገር ክገብራ ይኽእላ እየን ኢልካ ክትዛረበለን ዝከኣል ኣይኮነን። ለቅብ ለቓቕብ ካብ ናይ ቀደም ኣብ ኪዳን ዎርሶ ዝነበራ ሃገራት ቍጽሪ ወስኽ፡ ጆርጅያ ትእቶ ኣይተእቱ፡ ዩክሬን ትእቶ ኣይተእቶ፡ ኣብ ከምኡታት እዮም ዘለዉ። መትሓዚ ዘለዎ ነገር ኣይኮነን። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነታት ተኣማሚና፡ ዋሽንግተን ማጋ ንምዕዋት ኪዳን ናይ ኤውሮጳ ክትጥቀመሉ ትኽእል ድያ? ሓደ ካብ ናይ ትራምፕ ኣመታት፡ ኣብ ኔቶ ምጽጋዕ ዝብሃል ክህሉ የብሉን ኣይረብሓን እየን እዚኣተን፣ ዓመታዊ ውጽኢተን እውን ኣይከፍላን እየን ዘለዋ፣ ዝብል እዩ። ስለዚ ኣጠማምታኡ ናብ ኔቶ ይኹን ናብ ኤውሮጳ እንታይ ክመስል ይኽእል? ጕዳይ ብጕዳይ ኣብ ኤውሮጳ እንታይ ሓድሽ ነገራት ሒዙ ክመጽእ ይኽእል?
ናይ ላቲን ኣመሪካ ጉዳይ እውን ርእሱ ዝኸኣለ ኣርእስቲ እዩ። ቅድም ዝስራዕ ግን ኣይኮነን። ቅድም ዝስራዕ ናይ እስያ እዩ። ድሕሪኡ ናብ ኤውሮጳ ክትመጽእ ትኽእል። እዚ ሕጂ ትማሊ ኣመት ዝሃቦ ናይ ካናዳን ሜክሲኮን ጉዳይ፡ ናይ ኣመሪካታት ናይ ጎደቦ ጉዳይ እዩ ክትብሎ ትኽእል። ምስ ላቲን ኣመሪካ ዘለዎም ምስሕሓባት ቀደም ኣብ እዋን ዝሑል ኵናት ካብ ኩባ ዝጀመረ እዩ። እዚ እናቐጸለ መጺኡ ሎሚ ኣብ መብዛሕትኡ ደቡብ ኣመሪካ ዘሎ ኵነታት ምቹእ ኣይኮነን። ፍልሰት ምዕጋት፡ ሓደ ካብ ዓበይቲ ናይ ዋሽንግተን ፖሊሲታት ኮይኑ ኣሎ። ከመይ ገይርካ መንደቕ ትሰርሕ? ፍልሰት ከይህሉ ምእንቲ ከመይ ገይርካ ምስተን ሃገራት ትሰማማዕ? ኣብ ከምኡ ደረጃ እዩ ተበጺሑ ዘሎ። ጠንቂ ፍልሰት ግን እንታይ እዩ? ፍወሳኡ እንታይ እዩ? ከም ኣርእስቲ እዚ ጉዳይ’ዚ ስምዒታዊ ይኸውን ኣሎ። ንምንታይ እንተተባሂሉ፡ ናይ ኣመሪካ ናይ ምፍራይ ሓይሊ የለን። ኣነ ኣብ ኣመሪካ ዘሎ ዓይነት ህይወት ‘ኣርተፊሻል’ እየ ዝብሎ። ክንደይ ሰሪሕካ እንታይ ትረክብ ኣይኮነን። ካብ ላቲን ኣመሪካ፡ መክሲኮን ካልእን ናብ ኣመሪካ ዝፈልስ ዘሎ ህዝቢ ንምንታይ እዩ እንተተባሂሉ፡ ግጉይ መረዳእታ ወይ ፐርሰፕሽን እዩ። ፕሮሚስ-ላንድ ኣሎ ስለዝበሃል እዩ። ናይ ብሓቂ ግን ከምኡ ኣይኮነን። መብዛሕትኦም ካብ ላቲን ኣመሪካ ናብ ላቲን ኣመሪካ ዝኣትዉ ዘለዉ ሰሪሖም ሓዋላታት ናብ ስድራቤቶም ክልእኩ ኣብ ዝኽእልሉ ደረጃ የለዉን። ዝተፈላለየ ናይ ፖለቲካ ጉዳያት ማኒፑሌሽን ተሓዊስዎ ግን፡ እቲ ፍልሰት ከም ኣርእስቲ ኣሎ። ካልእ ዝተፈላለየ ንኣገልግሎት ጥዕና ይኹን ካልእ ዝምልከት ጉዳያት እውን ኣሎ። ዘቤታዊ ኵነታት ኣመሪካ ንገዛእ ርእሱ በዳሂ እናዀነ እዩ ዝኸይድ ዘሎ።
ኣብ ከምዚ ዓይነት ኩነታት ትራምፕ መጺኡ እንታይ’ዩ ክገብር ይኽእል? ብዓለም ደረጃ ኣብ ኩሎም ጽላታት ወይ ኣርእስቲታት – ወተሃደራዊ፡ ቴክኖሎጂያዊ፡ ፖለቲካዊ፡ ዲፕሎማስያዊ፡ ልዕሊ ኩሉ ኣብ ቁጠባ እንታይ ክገብር ይኽእል? እንታይ ከዋጽኣኒ’ዩ ኢሉ ክሓስብ ይኽእል? ኣብ ኤውሮጳ እንታይ ክሓስብ ይኽእል? ኣብዚ ሕጂ ዘሎ ናይ ዩክሬን ኵነታት እንታይ ክገብር ይኽእል? ምስ ፑቲን እንታይ ክገብሩ ይኽእሉ? ኣብ ምንታይ ክዘራረቡ ወይ ክረዳድኡ ይኽእሉ? እንታይ ሓድሽ ሓሳባት ከምጽኡ ይኽእሉ? ማእለያ ዘይብሎም ሕቶታት እዮም ተሰሪዖም ዘለዉ? ስለዚ በዚ ኣብ ምርጫ ረኺቡዎ ዘሎ ዓብላሊ ድምጺ ጽባሕ ለውጢ ከምጽእ ይኽእልዶ? መወከሲ ሒዝካ ኢኻ ክትግምግሞ ትኽእል። መወከሲኻ እንታይ እዩ? እዘን ኣርእስቲታት ሓደ ክልተ ኢልካ ክትሰርዐን ክትክእል ኣለካ። ጉዳይ ብጉዳይ እቲ ዘሎ ኩነታት ኩሉ ኣብ ግምት ኣእቲኻ ዝርአ እዩ። ኣመሪካ ደጊማ ሓያል ክትከውን እቲ ፈተና ዓቢ እዩ። ንሱ ፈቲኑ እንታይ ግብረ መልሲ ክረክብ ይኽእል። ኣብ ዓለም ሓደ ዝጻወቶ ጸወታ (ዋን ፐለየር ገይም) ዝበሃል የለን። እተን ካልኦትከ እንታይ ክገብራ እየን? ቻይና እንታይ ክትገብር ትኽእል? ሩስያ በዚ ዘላቶ ናበይ ክትቅጽል ትኽእል? ኤውሮጳ እንታይ ክገብራ ይኽእላ? ኣብ እስያ ዘለዋ ዝተፈላለያ ሓይልታት ኣውስትራልያ፡ ህንዲ፡ ፓኪስታን፡ ኮርያ፡ ጃፓን እንታይ ክገብራ ይኽእላ? ላቲን ኣመሪካ እንታይ ክመስል ይኽእል? ኩሉ እዚታት ጸብጺብካ ክትርእዮ ኣለካ። ከም መቐጸልታ ናይቲ እንኮ ቀጽራዊ ዓለም ክንፈጥር ኢና ተባሂሉ፡ ቅድሚ ሳላሳ ዓመታት ዝፈልፈለ እሞ ዘይተዓወተ ኣተሓሳስባ ንዕኡ ዳግም ትንፋስ ንምስኳዕ ዝግበር ፈተነታት ብቐሊል ክዕወት ይኽእል’ዶ? ክሳብ ክንደይ ምትሕግጋዝ ናይ ካልኦት ሓይልታት ክረክብ ይኽእል? ብኸመይ መገዲ? እቶም ቅድሚ ሕጂ ንእንኮ ቀጽራዊ ስርዓት ኢሎም ዝተቐመጡ ኣገደስቲ ነጥብታት፡ ከመይ ሰሪሖም ናበይ ገጾምከ የምርሑ ኣለዉ? እንታይ ለውጢ ከምጽኣሎም ይኽእል ንዓታቶም? ዓበይቲ ምልክት ሕቶታት እዮም? በዚ ሕጂ ንሱ ዝፍትኖ ዘሎ፡ ሓቝኑ ሓቛቝኑ ገለ ነገር ከምጽእ እዩ። ግን ናብ ምንታይ እዩ ዘምርሕ ኣብ መወዳእታ።
ሎሚ ኩሉ ዓለም ዝዛረበሉ ዘሎ፡ ሓድሽ ዓለማዊ ስርዓት ክመጽእ ኣለዎ ዝብል እዩ። ናይ ሓደ ክልተ ዓብለልቲ ዘይኮነ፡ ፍትሒ ዘለዎ፡ ርትዒ ዘንግስ፡ ንኹሉ ዝሓቊፍ ዓለም ክህሉ ኣለዎ እዩ ዝብል ርእይቶ እዩ ዘሎ። ብዙሕ ቀጽራዊ ዓለም ክትብል ትኽእል፡ ግን ‘ማልቲ-ፖላር’ ንገዛእ ርእሱ እንታይ ማለት እዩ? ትርጕም የብሉን። እንታይ እዩ እቲ ሓድሽ ዓለማዊ ስርዓት? ኣብዚ ዋዕላ ተገይሩ፡ ኣብዚ ከምዚ ተባሂሉ፡ ብሪክስ መጺኡ፡ ማእለያ ዘይብሎም ፈተነታት ይካየዱ ኣለዉ። እዚኣቶም ኩሎም ህቀናታት እዮም ክብሎም እኽእል። እዚ ሓድሽ ዓለማዊ ስርዓት ዝበሃል ዘሎ ንጹር ስእሊ ዝህብ መርሓ-ጐደና ዘለዎ ድዩ? ከምዝን ከምትን ክኸውን እዩ ክትብሎ ትኽእል’ዶ? ኩሉ ዝሳተፎ ዝበሃል ዘሎ ክሳብ ክንደይ ክዕወት ይኽእል? ብመንጽር ጽባሕ ክመጽእ ዝኽእል ለውጢታት፡ እዚ ኣተሓሳስባታት’ዚ ከመይ ክገጥም ይኽእል? መመሊሱ ሕቶታት ዘለዓዕል እዩ። ናይ ትራምፕ ምምጻእ ዓለማዊ ኣገዳስነቱ እንታይ’ዩ? ምስ ዝተፈላለዩ ኣብ እዚ ሕጂ እዋን እንርእዮም ዘለና ነውጽታት እንታይ ለውጢ ከምጽእ ይኽእል? ክንዮኡ’ኸ ኣርሕቕ ኣቢልካ ብምጥማት እንታይ ክፍጠር ይኽእል? ዛዕጎል ሻሕ ኣቢልካ ክትገልጾ ትኽእል ኣይኮነን። ሓቂ እዩ ኣመታት ኣለዉ። ኣብቲ ዝሓለፈ ናይ ኣርባዕተ ዓመታት ግዜኡ ዝሃቦም ኣመታት ነይሮም። ሕጂ ዝህቦም ዘሎ ኣመታት እውን ኣለዉ። መምስ ዘጋጥምዎ ብድሆታትን ጕዳያትን ከመይ ገይሩ ክውስን ይኽእል? ኣብኡ ድላይካ ቅማረ ተጠቒምካ፡ ክትግምት ትኽእል ኢኻ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጕዳይ ከምዚ ክገብር ይኽእል እዩ – ኢልካ ክትዛረብ ግን ሰዓቱ ኣይኣኸለን። ከምዚ እንተዀነኸ ኢልካ ሲናርዮታት ከም ድላይካ ገይርካ ክትስእል ትኽእል ኢኻ። ኣብ መወዳእታ ግን ክመጽእ ንዝኽእል እንተታት ወይ ምዕባለታት? እንታይ ምድላዋት ገይርካ ትጸንሕ’ዩ – እቲ ሕቶ።
ብዛዕባ ኣፍሪቃ ክንዛረብ እንተኾይንና፡ ኣፍሪቃ ዝበሃል ኣብቲ መስርዕ የለን። ብዛዕባ ዞባና ወይ ጎደቦና ክንዛረብ ንኽእል ኢና። ናይ ትራምፕ ፖሊሲታት ኣብ ዞባና እንታይ ክመስሉ ይኽእሉ? እንታይ ጽልዋታት’ከ ክህልዎም ይኽእል? ገና ዘይተመለሱ ሕቶታት እዮም። እቲ ኣርእስቲ ብዙሕ ጨናፍራት ስለዘለዎ፡ እቲ ኣገማግማ ወይ ኣረኣእያ፡ ብዕምቈት፡ ገፊሕ ስእሊ ዝህበካ ክኸውን ኣለዎ። ማዕረ-ማዕረኡ ፖሊሲታት ቀዪስካ ክተተግብር ክትክእል ምእንቲ። ከቢድ ዕዮ-ገዛ ዝሓትት እዩ። ንኹሉ መፍትሒ፡ እቲ ኣገባብ ኣተሓሕዛ ወይ ኣረዳድኣ ናይቶም ጉዳያት እዩ። ትራምፕ መጺኡ ኢልካ ናብ መደምደምታታት ኣይትዘልልን ኢኻ። ብዓቕሊ ንጉዳያት ተንቲንካ ክትርድኦም ኣለካ። እዞም ዘቕረብኩዎም ኩሎም ኣመታት እዮም። ነቲ ዓበይቲ ጉዳያት ክምልሱ ዝኽእሉ። ነቲ ዘቤታዊ (ደሞስቲክ) ጉዳያት ብዝርዝር ክትዛረበሉ ትኽእል ኢኻ። ባይደን እንታይ ይብል ነይሩ? ሃሪስ እንታይ ትብል ነይራ? ዝጠቅምን ዘይጠቅምን መቋየቚ ኣርእስታት ሒዞም ክዛረቡ ንሰምዕ ነይርና ኢና። ንሱ ድዩ እቲ ቀንዲ ኣርእስቲ? ካብኡ ወጻኢ’ኸ እንታይ ኣሎ? እቲ ቀንዲ ንህዝቢ ኣመሪካን ንኣመሪካ ከም ሃገርን ብድሆ ኮይኑ ዘሎ እንታይ እዩ? ንዕኡ’ኸ ክሰግሩዎ ይኽእሉ ድዮም? ካልእ ዝተፈላለየ ላቔባታት’ውን ክተምጽእ ትኽእል። ትራምፕ፡ ጽባሕ እታ ቤት-ጽሕፈት ምስተረከባ፡ (ባይደን ምስወጽአ) እንታይ ክገብር ይኽእል – ኣዒንትና ዘይኮነ ኣእምሮና ከፊትና ቀጻሊ ክንከታተሎ ዘለና እዩ። ሓድሽ ኣርእስቲ ኣይኮነን፡ ኣብቲ መጀመርያ ዝመጻሉ ግዜ እውን ከምኡ ዓይነት ምውስዋስ (ኤክሰርሳይስ) ኣካይድና ኢና። እንታይ ክግበር ይከኣል? ናይ ጽምዶ (ኤንገይጅመንት) ፖሊሲታትና እንታይ ክኸውን ኣለዎ? ንብል ነይርና። ሓቂ እዩ ናትና ጉዳይ ጥራይ ኣተዓባቢና ክንርኢ ኣየድልየናን እዩ። ኣብ ከምኡ ተቐርቂርና ክንተርፍ ስለዘይብልና፡ ኣግፊሕና ክንርኢ ኣለና ኢልና ክንሰርሕ ጸኒሕና። ኣብቲ ፈለማ ምስ ምምጻእ ናቱ እቲ ዝነበረ ፖሊሲታት ምናልባት’ዶ ክእረም ይኽእል ይኸውን ኢልና ነይርና። ኣይተኣረመን። መሊሱ በዝን በትን ተጠዋውዩ ተጻብኦታትን እገዳን መጺኡ። እዞም ሰባት እምበር’ዶ ኣእምሮ ኣለዎም’ዩ ዘብለካ እዩ። ብዝኾነ እተን ኣርባዕተ ዓመታት ሓሊፈን። ሕጂ’ኸ ናበይ ኢና ክንከይድ? በዚ ዝገለጽኩዎ ኣገባብ ዝግባእ መጽናዕቲ ኣካዪድና፡ ትንታነታትካ ገይርና፡ ወረቓቕትና ኣዳሊና ንጽምዶ ክንዳሎ ኣለና? እንታይ ክመጽእ ይኽእል ኢልካ ምምህላል ኣይኮነን። ብወገንና እንታይ ክንገብር ኣለና? ከመይ ገይርና ንጸምድ ምስ ዝተፈላለዩ ምዕባለታትን ሲንያሮታትን? ነዚታት ክንዳሎ ኣለና። ዘለናዮ መወዳእታ ዓመት ስለዝኾነ ድማ፡ ብወገንና ዕዮ ገዛና ገይርና ንጽበ ኣለና ክንብል ንኽእል።
ይቕጽል