ቀይሕ ባሕሪን ጂኦ-ፖለቲካኡን

ንቀይሕ ባሕሪ ዝምልከቱ ዝተሓላለኹ ተርእዮታት ኣብ ዝኽሰቱሉ ዘለዉ ህሞት፡ መንግስቲ ኤርትራ ሓድሽ መጐተ የብሉን። ኣብ 2019 ዘቕረቦም ክልተን-ሓደን ወረቓቕቲ፡ ንመሰረት ሰረተ-እምነትን ፖሊሲታትን መንግስቲ ኤርትራ ዝገልጹ’ዮም። እቲ ቀዳማይ – “መትከላት ኤርትራ ኣብ ምውሓስ ሰላምን ርግኣትን ቀይሕ ባሕሪ” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ተቓሊሑ ነይሩ። ካልኣይ ክፋሉ ይስዕብ)፦ 

ጂኦ-እስትራተጂያዊ ኣገዳስነት ቀይሕ ባሕሪ 

ከም ኣህጉራዊ ማያዊ መስመር፡ ብኡ ዝሓልፍ ብዝሒ መራኽብን ዓይነትን ዋጋን ናይቲ ጽዕነታትን፡ ሓደ ካብ መርኣያታት ደርማስነቱ’ዩ።
ኣብ’ቲ ንቐይሕ ባሕሪ ዝሓቊፍ ዞባ ዘሎ ናይ ነዳድን ካልእ ማዕድናዊ ጸጋታትን ኰነ ባህርያዊ ሃብትታት፡ ንእስትራተጅያዊ ኣገዳስነት’ቲ ባሕሪ ዘዕዝዝ ካልእ ረቛሒ’ዩ።
ዞባውን ዓለማውን ናይ ዕብለላን ምግባትን ጥሙሓትን ኣጀንዳታትን ዘኸትሎ ቊርቊስን፡ ተወሳኺ ጂኦ- ፖለቲካዊ ማዕዶ (dimension) ይህቦ።

ኤርትራን ህዝባን ቀይሕ ባሕሪን – ካብ ጥንቲ ክሳብ ሎሚ

ካብ ቅድመ-መግዛእቲ 19 ዘመን፡ ኤርትራን ገማግማን ኣካል ናይ ዝገፍሐ መንጠርያ-ቁራዕ (melting pot) ስልጣነታት ምንባሩ ዝፍለጥ’ዩ።
ኤርትራ “ቀይሕ” ማለት ምዃኑ፣ መግዛእቲ ኢጣልያ ነታ ባብ “እምበራጦርያ ምብራቕ ኣፍሪቃ” ዝሓረያ መሬት “ኤርትራ” ኢሉ ምስማዩ ሃንደበት ኣይነበረን።
ድሕሪ ካልኣይ ዓለማዊ ኲናት፡ ብኣመሪካ ዝምራሕ ኪዳን፡ ዓለማዊ ናይ ዕብለላን ጽልዋን እስትራተጂያዊ ረብሓታቱ ኣብ ዝሓረየሉ (እስራኤል – ኢራን – ኢትዮጵያ ከም ቀንዲ ዓምዲታቱ ኣብ “ማእከላይ ምብራቕ”)፣ ቀይሕ ባሕሪን ኪኖኡን ብጊላነት ስርዓት ኢትዮጵያ ኪቈጻጸር ስለዝመረጸ፡ “ኤርትራ ንእስትራተጅያዊ ረብሓታትና ኣይተገልግልን’ያ” ኢሉ’ዩ፡ ናይ ፍርቂ ዘመን ኲናትን ቅልውላውን ዘንቀለ። ኣብ’ቲ ምዕሪት (equation)፡ ናይ ቀይሕ ባሕሪ ግምት/ሚዛን ዕዙዝ’ዩ ነይሩ።
ናይ’ቲ ብሶቭየት-ሕብረት ዝምራሕ ዝነበረ ኪዳን፡ ናይ ጽልዋን ዕብለላን ውጥን-ጸወታ ዝሑል ኲናት፡ ኣብ ቀይሕ ባሕሪን ቀርኒ ኣፍሪቃን ዝተቘራቘሰሉ ታሪኽ ካልኣይ ገጽ ናይ ሓደ ዝምቡዕ መጎት’ዩ ነይሩ።
ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ፡ ከም መቐጸልታ ናይ 50 ዓመታት ተጻብኦ፡ ናይ “ሓንሽ” ፈጠራ “ግጭት ባሕራዊ ዶብ፣ ብናይ ኤርትራን-የመንን ናይ ዶብ ዘይምፍላጥ ምስሕሓብ ኣይነበረን። “ሓንሽ” ንልዑላዊ “እጀታ” የመን ኣስጊርካ፡ “ኤርትራ፡ ኣብ ግዝኣታዊ ማያት የመን ዓሳ ክትገፍፍ ዘፍቅድ” ዝተዋህበ ብይን፡ ካልእ “ሕጋዊ” ፍሕሶ’ዩ ነይሩ።
ድሕሪ ናይ “ሓንሽ”፡ ተመሳሳሊ ናይ “ባድመ” ሕንቅልሕንቅሊተይ’ውን ካብ’ቲ ዝበለየ ውጥን-ጸወታ ዝረሓቐ ኣይነበረን።
ኪኖ ምሕሳም ፍርዳዊ ውሳነ “ባድመ”ን ርግጸት ልዕልና ሕጊን፡ ንኤርትራ “ዕረፍቲ ንምኽላእ” ምእንቲ፡ ናይ ጅቡቲ “ግጭት ዶብ” ምብጋስን ናብ “ባሕራዊ ግጭት” ምሕዋሉን’ውን፡ ሓድሽ ምህዞ ኣይነበረን።
ምስናይ ኣብ ኢትዮጵያ “ተኸሲቱ’ሎ” ዝበሃል “እረማ”ን “ዕርቂ/ሰላም” ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ ተስፋ ርግኣት ንምብርዓን ዝህቀን ዘሎ ጸወታት’ውን፡ ሓድሽን ዘገርምን ኪኸውን ኣይክእልን።
በዞም ክብ ኢሎም ብኣሕጽሮት ተዘርዚሮም ዘለዉ ጭብጥታት፡ ጉዳያት ቀይሕ ባሕሪ፡ ንኤርትራን ህዝባን ሓድሽ መለበሚ ዘድልዮ ጉዳይ ኣይኰነን ኪበሃል ይከኣል።

ሰረታዊ መትከላትን ኣተሓሕዛን “ሰላምን ርግኣትን” ቀይሕ ባሕሪ 

ተማእዛዝነት ንልዕልና ሕጊን ኣህጉራዊ ሕጊን ብዘይ-ኩነት።
ልዑላውነት ህዝብታትን ሃገራቶምን ብዝዀነ ምስምስ ዘይምጒሳይ።
ስግኣታት “ሰላምን ርግኣትን” ቀይሕ ባሕሪ ምልላይን ብውድዓውነት ምክትታልን (ድርኺት/motivation ምትእትታው፣ ኣጀንዳ እዋናዊ ሓበሬታ ናይ “ስዉር”ን ቅሉዕን ንጥፈታት ብዘላቕነት ምምስራሕ)

ዓለማውያን ሓይልታት ብዝርዝር (ኣመሪካ፡ ሩስያ፡ ቻይና፡ ጃፓን፡ ፈረንሳ. . .)፦
ዞባውያን ጐብለላት፦

* ኢራን

* ቱርኪ

* እስራኤል

ሽበራ (ብኹሉ መልክዓቱ)
ቀርሰንቲ
ኣፍለስቲ ሰባት
ዘይሕጋውያን ነጋዶ ኣጽዋር
ነጋዶ ሓሺሽ
በከልቲ ከባቢ

ብመሰረት’ቲ ውድዓዊ ምክትታልን ሓበሬታን፡ መርሓ-ጐደና እስትራተጂን ውጥንን ምሓዝ።
ነቲ እስትራተጂን ውጥንን፡ ምስ “ጐደቦኣዊ ፖሊሲታት” ኤርትራ ተመላላእነት ምሃቡ።
ኣውራ’ተን ኣብ ተኣፋፊ ክፋል ናይ’ቲ ባሕሪን ላቔባታቱን ዘለዋ ሃገራት፡ ናይ ባዕለን ልኡላዊ ብቑዕ ትካላት ምክልኻልን ጸጥታን ብሓፈሻ፡ ዘይነዓቕ ሓይሊ ባሕሪ ከኣ ብፍሉይ ኪህልወን ከም ግድነት።

 ሶማልያ፡ ካብ ናይ 30 ዓመታት ጃላነትን ቅልውላውን ወጺኡ፡ ናቱ ብቑዕ ትካላት ኪሃንጽ፡ ዝዀነ መተካእታ (substitute) ኪውገድን ከይሕሰብን።
ናይ የመን፡ ተመሳሳሊ ከም ናይ ሶማል።
ጅቡቲ ካብ ጊልያነትን ኣሳሳይነትን ወጺኣ፡ ናታ ሃገራዊ ትካላት ክትሃንጽን ክትውንንን።
ኤርትራ፡ ናታ ብቑዕ ትካላት ክትሃንጽን ክትውንንን።
ስዑድያ፡ ብዘለዋ ብልጫታት፡ ኣብ ምሕቡር ጻዕሪ ኣበርክቶ ክትገብር።

ኩለን ክብ ኢለን ተጠቒሰን ዘለዋ፡ ንምምዕባል ናይ ሓባር መረዳእታ ኪጸምዳን ናይ ሓባር ሜካኒዝም ዝፈጥር ሕጋዊ ባይታ ኣዋዲደን፡ ኣብ ፈጽሚ (commitment) ኪኣትዋን።
ኩለን ክብ ኢለን ተጠቒሰን ዘለዋ፡ ሓባራዊ ጸጋታተን ተመላሊኡ፡ ‘ሲነርጂ’ ዝፈጥረሉ ኣወሃሃዲ “እዚን ቊጽጽርን” (ሓበሬታ ምልቕቓሕ፣ ሓባራዊ ልምምዳት. . .ወዘተ) ኪምስርታ።
ኩለን ክብ ኢለን ተጠቒሰን ዘለዋ ብሓባር፡ ልዕሊ ዓቕመን ንዝዀነ፡ ወይ ናይ “ወጻኢ” ምትሕግጋዝ ኣብ ዘድልዮ ተልእኾ ወይ ዕማም፡ ብሓባር ብዝሰማምዓሉ መሰረት፡ ምስ ፍቓደኛታት ናይ ምትሕብባር ባይታ ፈጢረን ኪሰርሓ።
ናብ’ዚ ደረጃ ብቕዓትን ምትሕብባርን ንምብጻሕ፡ ኣዝዩ ከቢድን፡ ግዜን ዕቱብ ዘይሕለል ጻዕሪን ከምዝሓትት ምግንዛብ።
ኤርትራ፡ ካብ’ዚ መሰረታዊ መትከላትን ኣሰራርሓን ወጻኢ፡ ብታህዋኽ ወይ ምድፍፋእ፡ ኣብ ዝዀነ ቀንጠብጠብ ክትኣቱ ሕርያ የብላን። ካብ መጣቘሲ መኣዲታት ምሕያብ ከኣ፡ ኪስራሓሉ ዝጸንሐን ዝግባእን ናይ ታሪኽ ሕርያ’ዩ።

ዓወት ንሓፋሽ!

16-03-2019