ኣብ ወጻኢ ዝነበር ኤርትራዊ፡ ዓቢ ግምጃ ሃገር ኢዩ። ኣበርክቶኡ ንህዝቡን ሃገሩን፡ ካብ ኣርባዓታት ናይ ዝሓለፈ ዘመን ኣትሒዙ ክሳብ ሎሚ፡ ንልዕሊ 80 ዓመታት፣ ዘየቋረጸ፡ ልዑልን፡ እንትርፎ ሒደት፡ መወዳድርቲ ዘይብሉን እዩ።
መንግስቲ ኤርትራ፡ ሓደ ካብቶም ቀንዲ ኣዕኑድ ሃገር’ዩ ዝቘጽሮ፣ ንተርኡ ዝበቅዕ ‘ራብዓይ ግንባር’ ዝብል ስም ድማ ሂብዎ ኣሎ።
ሓይሊ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ወጻኢ ከም ኣብ ውሽጢ፣ ዓሚቚ መንነቱ፡ ርሱን ሃገራውነቱ፡ ዘይክማህ ተወፋይነቱ፡ ልዑል ንቕሓቱ፡ ስጡም ውዳበኡ ኢዩ። እዚ መለለይታት’ዚ፡ ኣብ ዕምሪ ሰለስተ ተኸታተልቲ ወለዶታት፣ ዝማዕበለን ዝተፈተነን ንኹሉ ፈተነታት ዝሰገረን ኢዩ።
ሓይልን ኣበርክቶን ኤርትራዊ ዲያስፖራ፣ ውድብን መንግስትን ህዝብን ኤርትራ ጥራይ ኣይኰኑን ዝግንዘብዎ፣ ጸላእትን ተጻባእትን ከምኡ’ውን ዝተፈላለየ ዝመበገሲኦም፡ እንተ ብፍላጥ እንተ ሰኣን ፍላጥ፡ መጋበርያ ዝኾኑን’ውን ኣዐርዮም ይፈልጡዎ ኢዮም። ሃገርን ህዝብን ነዚ ዓቢ ምንጪ ሓይሊ ኤርትራ የኽብርዎ፣ ተጻባእትን መጋበርያታቶም ከኣ ይፈርሕዎ። ሃገርን ህዝብን ይዂስኩስዎ፡ ሰብ እከይ ዕላማን ግብርን ከዳኽምዎን ክብትንዎን ተንኰል ይፍሕሱ፡ ኩሉ ዓቕሞም የውፍሩ።
እዚ ቅልስ’ዚ ብዙሕ ዝመልክዓቱ ብዙሕ መድረኻት ሓሊፉ’ዩ፣ ጸላእቲ ሓደ ሓደ እዋናት ዝሰለጦም መሲልዎም ተሃዊኾም ዝጸንበልሉ ግዝያት’ኳ እንተነበረ፣ መሬት ምስ ወግሐስ ማይ ዓዂቶም ኢዮም ተሪፎም። ራብዓይ ግንባር፡ ንውሕ’ታን ጫውጫውን፡ ምድንጋርን ጐነጽን መኪቱ፣ ኣብ ነፍስወከፍ መድረኽ ሓይሉ’ዩ ወጽኡ፡
ሎሚ’ውን፡ እዚ ብሉይ-ሓድሽ ቅልስ፡ ሓድሽ ዝመስል ኣረጊት መደባትን ስልትን ተጻብኦን መኸተ ኣንጻሩን ይቕጽል ኣሎ። ጸላእትናን ተጻባእትናን እቲ ንዓሰረታት ዓመታት ብዘይ ፋይዳ ዝደኸሙሉ ‘ለውጢ-ስርዓት’ ኢሎም ኣፍኲሶም ዝገልጽዎ፡ ብሓቂ ግን ኤርትራ ምንብርካኽ ዝዕላምኡ መደቦም፣ ካብ ደገ ተበጊስና ከነዕውቶ ንኽእል ኢና እናበሉ ይህውተቱ ኣለው።
ሃንደስቲ ናይዚ ውዲት ተጻባእቲ መንግስታትን ቀንዲ ትካላተንን ኢዮም። ኣብ ትግባረኡ ዓቢ ተራ ዝጻወታ ኣህጉራውያንን ዞባውያንን ውድባት፡ ትካላት ‘’ምርምር’’፡ ማዕከናት ዜና፡ ‘ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰል’ ዝተጠመቓ ማሕበራት ፡ ናይ ሎቢ ኩባንያታት ኣለዋ። ተቘጺሮም ዝሰርሑ ጸይቀ ዑሉላት ወጻእተኛታት’ውን ኣለዉ። ኣብ ታሕቲ ድማ፡ ክተኣካኸቡን ክፈናጥሑን፡ ክወዳደሱን ክጸራረፉን ግዜ ዘይወሰደሎም፣ ብበበይኑ መደባትን ብቅሉዕ ጐነጽን ንህዝብና ንምፍርራሕ፡ ኣብ ውሽጡ ነቓዕ ንምፍጣር፡ ስጥመቱ ንምድኻም ዝሰርሑ መጋበርያ።
ኣብ ወጻኢ ዝነብር ህዝብና- ራብዓይ ግንባር- ንኹሎም እዚኦም ኢዩ ዝምክት ዘሎ። መኸትኡ ግን ብኣውራኡ፡ መልሰ-ተግባራዊ ዘይኰነስ ተበግሶኣዊ ኢዩ። ዕላማታቱ እዞም ዝስዕቡ ኢዮም፦
ሃገራዊ መንነትን ሃገራዊ ንቕሓትን ምሕያል
ቋንቋታትና፡ ባህልታትና፡ ክብርታትና ምዕቃብ ምውርራስን ምስግጋርን፣
ታሪኽና፡ ኣውራ ድማ እቲ ናጻ ኤርትራ ዝፈጠረ፡ ወለዶታት ዝተቓለሱሉን ዝተሰውኡሉን ሓርነታዊ ቃልስናን፣ ናጽነትን ልኡላውነትን ንምውሓስ ዝተኻየደ ዕውት ተጋድሎን፡ ሓባራዊ ፍልጠትን ውርሻን ኩሎም ኤርትራውያን ከም ዝኸውን ምግባር፣
ሃገራዊ ትካላትና – ነቲ ናጽነት ዘምጽአን ዝዓቀበን ህዝባዊ ግንባር፣ ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ ተሃኒጹ ንሃገር ብብቕዓት ዝተኸላኸለ ተዋጋኢን ኣፍራይን ሃናጽን ሓይልታት ምክልኻል፡ ናጻ መስመር ዝኽተል ሃገራዊ መንግስቲ ኤርትራ- ንምሕያል ምብርካት፣
ሃገራዊ ትእምርታትና – ባንዴራ ፡ ሃገራዊ መዝሙር፡ ታሪኻዊ ዕለታትናን በዓላትናን- ከምዝኽበርን ከምዝደምቕን ምግባር፣
ኣብ ወጻኢ ዝነብር ህዝብና፣ ብትምህርቲ፡ ሞያ፡ ብቁጠባ፡ ማሕበራዊ ህይወት፡ ቦትኡን ተራኡን ኣብቲ ዝነብረሉ ሃገር፣ ዕዉት ከምዝኸውን ምግባር፣
እዚ፡ ያታ ኩሎም ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራዊ ማሕበረ-ኮማት ካብ ዝኸውን ጸኒሑ ኢዩ። ኤርትራውያን ብውርዝነቶም፡ ሕግን ስርዓትን ኣኽቢሮም ብስኒት ኣብ መንጎ ሕድሕዶምን ምስ ዜጋታት እቲ ዝቕመጡሉ ሃገራትን ብምንባሮም፡ ንደቆም ብኤርትራዊ መንነትን ክብርታትን ብምኹስኳሶም ኢዮም ዝፍለጡ። እዚ ዕዙዝ ያታ’ዚ ክዕቀብን ክሕይልን የድሊ።
ኩለንትናዊ ኣበርክቶ ንህንጸት ሃገር ምዕባይ፣
ኣቐዲሙ ከምዝተጠቕሰ፣ ኣበርክቶ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን ኣብ ኩሉ ሕሉፍ መድረኻት ግዙፉን ኣድማዕን ኢዩ። ሎሚ ኤርትራዊ ዲያስፖራ፣ ዝርግሐኡ ዝሰፍሐ፡ ቁጽሩ ዝበዝሐ፡ ሞያውን ቁጠባውን ዓቕሙ ዝተዓጻጸፈ፡ ጽልውኡ ኣብቲ ዝነብረሉ ሃገራት ዘይነዓቕ ኢዩ። ብእኡ መጠን ድማ፡ ተራኡን ኣበርክትኡን ንስድራ ቤቱን ህዝቡን ሃገሩን ማዕረ ብዝሑን ዓቕሙን ንክኸውን ኣበርቲዕና ክንሰርሕ የድልየና።
ኤርትራዊ ዳያስፖራ ካብ ሓይሊ ናብ ሓይሊ ክግስግስ፣ ሓድነት ኤርትራውያን ምሕያል፡ ንቕሓቶም ምዕማቚ፡ ተሳትፎኦም ምስፋሕ፡ ሞያውን ቁጠባውን ዓቕሞም ምብራኽ፡ ውዳበኦም ምድልዳል ወሳኒ ኢዩ። ኤርትራዊ ኮማት ኣብ ታሪኽ ምስ ነፍስወከፍ መድረኽን ከባብን ብዝሳነ ሓያልን ኣድማዕን ውዳበኡ ዝፍለጥ’ኳ እንተኾነ፡ ድኽመታት ክነብሮን ሕጂ’ውን ክህልዎን ባህርያውን ትጽቢት ዝግበረሉን ኢዩ።
ድኻማት ምልላዪን ምፍዋስን ኣገዳሲ ኣካል ጉዕዞ ውዳበታትና ኮይኑ’ዩ ጸኒሑ። ካብ ኣብ ዝሓለፈ መድረኻት ንላዕሊ ድማ፡ ሎሚ ዓቕሚ ህዝብናን ተሰኪምዎ ዘሎ ሓላፍነትን ኣብ ዝዓበየሉ፡ ዝለዓለ ኣቓልቦ ዝሓትት ኢዩ።
መደባትናን ውዳቤታትናን ነቕርቦ ኣገልግሎትን ብቑዕን ማዕረ ሃንቀውታን ጠለባትን ህዝብና፡ ከምዝስጉምን ክንገብር ይግበኣና። ነቲ ዝተፈተነን ዘድመዐን ንዓወት ዘበርከተን ኣተሓሕዛና ምስ ሓድሽ መድረኽን ባህርያት ዘመን-ሓበሬታን ተክኖሎጂን ከምዝምዕብል ምግባር የድልየና።
ማዕረ-ማዕረ’ዚ፡ ኩሉ ዝቐደመ ፈተነታቶም ዝፈሸሎም ጸላእትን ተጻባእትን ሃሱሳትን፣ ጉልባብም ቀይሮም ኣብ መሳርዕና ሰሊኾም ህዝብና ክመቓቕሉን ውዳቤኡን ኣበርክቶኡን ከዳኽሙን ከነፍቅድ የብልናን።
እቲ ዋና ነገር፡ እቲ ፍሉጥ ኢዩ። ዕርፊ ምጽናዕ። ተበግሶ ምዕታር። ንህዝብና ንህቦ ኣገልግሎት ብቐጻሊ ምምሕያሽ። ኣብ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባዊ፡ ማሕበራዊ፡ ባህላዊ፡ ዜናውን ዲፕሎማስያዊ መደባትና ዓይነታዊ ምዕባለታት ምምጻእ። ውዳበና ምስፋሕን ኣድማዕነቱ ምብራኽን።