2ይ-ክፋል
ኣብ ዓንቀጽ ቀዳማይ ክፋል ናይ’ዚ ኣርእስቲ’ዚ፡ እቲ ኣብ ዋዕላ ምልውዋጥ ወተሃደራዊ ተመኵሮ ኤመሪካን መሓዙታን ተረኺቡ መግለጺ ዝሃበ እስራኤላዊ ጀነራል፡ ኣብ 1982 ዓ/ም ንዝተኻየዱ ወተሃደራዊ ስርሒታት ኣመልኪቱ፡ ዓቢ ግምት ክወሃቦ ዝግባእ፡ እቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሃገረ ሊባኖስ ዘካየደቶ ስርሒት ዘይኰነስ – እቲ ን4 ኣዋርሕ ብዘይ ምቍራጽ ዝተኻየደ “ወፍሪ ቀይሕ-ኮኾብ” (6ይ ወራር) ናይ ስርዓት ኢትዮጵያ መኪቱ ከፍሽል ዝኸኣለ ህዝባዊ ግንባር ዝተባህለ ደገፍ ግዳማዊ ሓይሊ ዘይብሉ ንናጽነት ኤርትራ ዝቃለስ ብንእሽቶ ውድብ ዝተመዝገበ ገዚፍ ወተሃደራዊ ዓወት ምዃኑ ኣብ ቅድሚ ዓበይቲ መኮነናት ምዕራብ ከም ዝመስከረ፣ ብኣጋጣሚ ኣብቲ ዋዕላ ዝተሳተፈ ኤርትራዊ ዶ/ር ኣርዓዶም ተድላ እውን ነቶም ብዛዕባ ሃገረ-ኤርትራ ብዙሕ ኣፍልጦ ዘይነበሮም ተሳተፍቲ መብርሂ ከም ዝሃበ፣ ዶክተር፡ ኣብ 1989 ነቲ ወረኡ ክሳብ ኤመሪካ ዝበጽሐ ኵነታት ውግእ እንሲ ንምብጻሕን ድፋዓት ንምዕዛብን ናብ ሜዳ ኣትዩ ምስ መራሕቲ ውድብን ኣዘዝቲ ክ/ሰ 52ን ከም ዝተራኸበ ገሊጽና ነይርና። መቐጽልታኡ እንሆ፤
ኣብ ትሕቲ ጎቦ እንሲ ዝርከብ ስንጭሮ ኢትጥሓል፡ ማእከላይ እዚ ክፍለ ሰራዊት፡ ቤት ጽሕፈት ብርጌዳት፡ መብጣሕቲ ኣሃዱን ካልእን ኣካላት ክፍለ-ሰራዊት 52 ዓስኪረናሉ ነበራ። እዘን ክፍልታት እዚኣተን ንመከላኸሊ ድፋዕ ወግሬታይ፡ ጀጊሩ፡ እምሰሊምን እንስን ንሸነኽ ደቡብ፣ ክሳድ ዓንደርን ዓጎምበሳን ድማ ንሸነኽ ምዕራብ ኣንቃዕሪረን ይርእያኦ።
ዶክተር ኣርዓዶም፡ ኣብ ቤት-ጽሕፈት ክፍለ-ሰራዊት 52 ኣብ ዝበጽሓሉ ኣጋጣሚ፡ መራሕቲ ክፍለ-ሰራዊት ምስ ኣዘዝቲ ብርጌዳትን ቦጦሎኒታትን ኣኼባ ንምክያድ ክቀራረቡ ጸንሑ። እቲ ጋሻ ክደናጐ ስለ ዘይነበሮ፡ ብሓለፍቲ ስለያ ናይቲ ክፍለ- ሰራዊት ተሰንዩ ናብቲ ክበጽሖ ዝደለየ ታሪኻዊ ድፋዓት እምስሊምን እንስን ተላእከ። ዶክተር፡ ናብ ድፋዕ ተጋደልቲ ታባ እምስሊም ክኣቱ እንከሎ፡ እቲ ድፋዓት ድምጺ ተዂሲ ዘይብሉ ጸጥ ኢሉ ነበረ። ብዘይካ ኣሰር ናይቲ ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ዝሓለፈ ከቢድ ውግእ፡ ኣብቲ ከባቢ ተፋጢጦም ዝዓረዱ ተጻረርቲ ሓይልታት ዘለዉዎ ይመስል ኣይነበረን። ልክዕ ከምቶም ኣሰነይቱ ዝጥቀምሉ ዝነበሩ ኣካይዳ ቅርጹ ሰይሩ ናብቲ ድፋዓት ኣተወ።
ንእግረ መንገዱ፡ ፍቕዲ ዘይብሉ ፍንጫላት ሓጻውን፡ ዝተፈሓሓረ መሬት ተዓዘበ። ሓሓሊፉ’ውን ሽታ ሃንገፍ ክብሎ ተፈለጦ። ኣብቲ ዶክተር ዝመጽኣሉ ቅነ፡ ብመጠኑ ብዙሕ ነገራት ተወጊኑ ነበረ። ናይ ምትህልላኽ ውግእ ኣብ ዝተወዳኣሉ ቅነ እቲ ታባ ብርቱዕ ናይ ሬሳታት ሽታ ዝነበሮ። ተጋደልቲ፡ ካብቲ ሕማቕ ጨና ንምንጋፍ፡ ኣልኮል ዝጠልቀየ ጡጥ ኣብ ኣፍንጫኦም ሰዂዖም ክንቀሳቐሱ ቀነዩ። እንተዀነ፡ ብገለ ወገን ክፋል ናይቲ ድፋዕ ፈጺሙ ኣይጸረየን።
ዶክተር፡ ናብቶም ኣብ ሓለዋ ዝነበሩ ተጋደልቲ ጽግዕ ኢሉ ንቕድሚት ኣብ ዝተዓዘበሉ፡ ብርክት ዝበለ ዘይተቐብረ ዝተዀመረ ሬሳ ወተሃደራት ጸላኢ ተመልከተ። ገና ዘይተጸገነ ብመዳፍዕ ዝፈረሰ ካናለታትን ህዱም ዝነበረ ድፋዓትን ተጋደልቲ ተዓዘበ። እቲ ካብቲ ኢትዮጵያዊ ጀነራል ዝሰምዖ ዛንታ ኣሰራቱ ከይሃሰሰ ኣብ ባይታ ረኸቦ። ዋላ’ኳ ካብ ዓይንኻ ምርኣይ ዝበልጽ ጭብጢ እንተዘየለ፡ ዶክተር ግን ነቲ ታሪኽ ካብ መግለጺ ተጋደልቲ ወሲኹ ክሰምዖን ክርዳኦን ደለየ። ናብቶም ኣብቲ ድፋዕ ዝጸንሑዎ መራሕቲ ውግእ ተጋደልቲን ዘሰነዩዎ ኣባላት ስለያን ብዙሕ ሕቶታት ኣውሓዘ። ካብኡ ሓሊፉ ናብ እዚ ክፍለ-ሰራዊት – ናብ ተጋደልቲ ስዒድ ፈረጅን ሓሊባይን – ድሕሪ ምምላሱ፡ ጠንቂ ናይቲ ንሸሞንተ መዓልታት ዝኸደ ውግእ እንስን እምስሊምን ነዚ ስዒቡ ቀሪቡ ዘሎ ጽማቝ ዛንታ ውግእ ተነግሮ፤
ውግእ እምሰሊምን እንስን፡ ሃንደበት ኣብቲ ቦታ ዝተባርዐ ኵነት ኣይነበረን። ቅድሚ’ዚ ደማዊ ውግእ’ዚ፡ ሓደ ወርሒ ኣቐዲሙ ውግእ ሽረ፡ ኣብ ተመሳሳሊ ግዜ -ምስ ውግእ እንሲ ወርሒ መጋቢት- ድማ ናይ ዓዲ-ዃላ ክልተ ዓበይቲ ዓውደ ውግኣት ሓሊፎም ነበሩ። ብፍላይ ውግእ ዓዲ- ዃላን እምኒ-ሓይልን፡ ኣብ ርሱን ኵነታትን ገስጋሲ ምዕባለ እና ኣርኣየ ኸሎን’ዩ ውግእ እምሰሊምን እንስን ተባሪዑ። ኣሃዱታት ህዝባዊ ግንባር፡ ንዓዲ-ዃላ ተቘጻጺሮም ናብ መንደፈራ ክጽግዑ ቅነ-ሓየላ ምስ በጽሑ፡ ጸላኢ ነቲ ገስጋስ’ቲ ንምቝጻይ ኣብ ግንባር እንሲ ውግእ ወልዐ። ጠንቂ ውግእ እንስን እምሰሊምን ኵነታት ዓዲ-ዃላ ዝፈጠሮ ካብ ኰነ’ምበኣር፡ ኣቐዲምና ንታሪኽ ጕዕዞን ውዕሎን ናይቲ ኣብ ውግእ ሽረን ዓዲ-ዃላን ዝተሳተፈ ኣሃዱታት ምቕዳም ክሕሸና እዩ።
ሓደ ካብቶም ዓዲ-ዃላ ተቘጻጺሮም ናብ መንደፈራ ገጾም ኣብ ምግስጋስ ዝነበሩ ብርጌዳት፡ ኣብ ወርሒ ለካቲት ካብ ግንባር እንሲ ወጺኡ ኣብ ውግእ ሽረ ዝተሳተፈ ኣጋር ብርጌድ 19-52 ናይ ህዝባዊ ግንባር እዩ። መጥቃዕቲ ሽረ፡ ብህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ዝተኻየደ ልፍንታዊ ስርሒት እዩ። ዕላማኡ ድማ፡ ነቲ ናብ ሽረን ከባቢኣን ወሪዱ ዓሪዱ ዝነበረ ናይ ሓባር ጸላኢ፡ ሰብኣውን ንዋታውን ዓቕሙ ምድምሳስን ብኡ ኣቢሉ ድማ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ወያነ ንምእታዉ እዩ። ኣድላይነት ምድምሳስ መዓስከር ጸላኢ ከተማ ሽረ ንሱ ጥራይ ኣይነበረን፥
ከም ዝፍለጥ፡ ኮር 604 ድሕሪ ምድምሳስ እዚ ናደው እዩ ኣብ ሽረ መዓስከሩ ዘደልደለ። ምኽንያቱ ድማ፡ ጸላኢ ኣፍዓበት ንምምላስ ኣብ ግንባር ከረን ተደጋጋሚ ወፍሪ ናይ ምፍንጣስ ፈተነታት ገይሩ ምዃን ምስ ኣበዮ፡ ኣብቲ ምስ ምዕራባዊ ኤርትራ ዝዳወብ ወረዳ ኣድያቦን ሽረ-እንዳስላሴን ነዚ ገዚፍ ሓይሊ’ዚ ብምቕማጥ፡ ንምንቅስቓስ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ እናተቘጻጸረ፡ ማዕረ-ማዕረኡ ኣብ ምዕራብ ኤርትራ ሓድሽ ግንባር ክኸፍት መዲቡ ነበረ። በቲ ኣብ መንጎ ህዝባዊ ግንባርን ህወሓትን ዝተፈጥረ ናይ ወተሃደራዊ ምትሕግጋዝ ስምምዕ መሰረት ድማ፡ ንናይ ክልተኡ ሓይልታት ረብሓ ዝጠቅም ስርሒት ክካየድ ስምምዕ ክግበር ግድን ነይሩ።
ግን፡ እቲ ሓባራዊ ወተሃደራዊ ወፍሪ፡ ምሉእ ብምሉእ ኣብ መጽናዕቲ ወያነ ዝተመርኰሰ ስለ ዝነበረ፡ ሰራዊት ህዝባዊ ግንባር ኣብ ውዱእ መደብ ህወሓት’ዩ ዝተሳተፈ። ኣብ መራሕቲ ውግእ ህዝባዊ ግንባር፡ ባዕሉ ኣብ ዘየጽንዖ ባይታ ሰራዊቱ ከሳትፍ ባህሪኡ’ኳ እንተ ዘይነበረ፡ ወያነ ግን እቲ ስርሒት ክቀላጠፍ ታህዋኽ ነይሩዎ። ንሳቶም፡ ገለ መዓልታት ቅድሚ ሓይልታት ህዝባዊ ግንባር ናብቲ ግንባር ምምጽአን፡ በይኖም ብወገን ሰልኽለኻ ኣብ ዝፈተኑዎ መጥቃዕቲ፡ ገለ ኣገዳሲ ቦታታት ተቘጻጺሮም ነበሩ። ግን ካብኡ ሓሊፎም ናብ ሽረ ክግስግሱ ኣይከኣሉን፣ ክዕወትሉ ከም ዘይክእሉ’ውን ሕሉፍ ተመኵሮ ምሂሩዎም ነበረ። ክልተ ዓመት ይገብር ቅድሚኡ ሽረ ንምሓዝ ፈቲኖም፡ ምስ ከቢድ ክሳራ ንድሕሪት ተመሊሶም ነይሮም እዮም። ጸላኢ ድማ፡ ወያነ ንሽረ ነቕ ከም ዘየብሉዋ ተኣማሚኑ ኣብታ ኸተማ ዓስከረ።
በዚ ምኽንያት፡ ወያነ ካብ ህዝባዊ ግንባር ሰብኣውን ንዋታውን ወተሃደራዊ ሓገዝ ሓተቱ። ነቲ ሓድሽ ዝተቘጻጸሩዎ ከባቢ ሰለኽለኻ’ውን፡ ጸላኢ ነቲ ካብ ዓዲ- ግራት ዘልዓሎ ሓይሊ ናብ ግንባር ሽረ ደሪቡ መጥቃዕቲ ብምኽፋት ዳግም ከይምንጥሎም ስግኣት ሓደሮም። ኵነታት ከይተቐያየረ ነቲ ዝሓዙዎ ቦታ ከም መንጠሪ ክጥቀምሉ ምእንቲ ኸኣ፡ መጥቃዕቲ ሽረ ክቀላጠፍ፡ ኣብቲ ግንባር ንዝተረኽቡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ሃዋኽ ዘለዎ ጠለብ ኣቕረቡሎም።
ህዝባዊ ግንባር ብወገኑ፡ ድሕሪ ምድምሳስ እዚ ናደው፡ ወያነ ምስ ህዝባዊ ግንባር ኣብ ወተሃደራዊ መዳይ ናይ ምትሕግጋዝ ጀሚሩዎ ንዝነበረ ልዑል ድሌትን ሃነይነይታን ክስበር ዝደለዮ ኣይመስልን። ካብ መሰረቱ’ውን ምስተን ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዝንቀሳቐሳ ተቓወምቲ ውድባት፡ ኣብ ወተሃደራዊ ጥራይ ከይተደረተ፡ እንከላይ ኣብ ፖለቲካዊ መዳይ ምትሕግጋዝ ክሰርሓሉ ፕሮግራሙ ስለ ዝነበረ፡ ነቲ ክሕደስ ዝጀመረ ምሕዝነት ንምድልዳል፡ ንመደብ ናይ ወያነ ከዕብር ኣይደለየን።
ሓባራዊ ስርሒት ሽረ ተራ ወተሃደራዊ ስርሒት ኣይነበረን። ብመንጽር ዝምድናታት ክልቲኡ ውድባት ክረአ ኸሎ፡ ወያነ ምስ ህዝባዊ ግንባር ዝምድናኡ ብምብታኽ ንኣስታት ኣርባዕተ ዓመታት ሓንጊዱ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ዳግም ከሐድስ ኣብ ዝነቐለሉ ፈላሚ መድረኽ ብምንባሩ፡ እቲ ስርሒት ንሰራዊት ህዝባዊ ግንባር ሚዛን ዘውህብን ብዓወት ዝድምደምን ክኸውን ነይሩዎ። ግን ከኣ ልዕሊ 12 ሽሕ ዓቕሚ ሰራዊት ዝነበሮ ግንባር ብምንባሩ፡ ሓያል እዩ። ኣርባዕተ ኣጋር ክፍለ-ጦራት፡ ታንከኛታት፡ ናይ መድፍዕን ጸረ ኣየር ረሽራሻትን ዘጠቓለለ ኮር 604 ዝዓረደሉ ግንባር እዩ። ክሳብ 15 ዝበጽሓ ታንክታትን ካብኡ ዝበዝሕ መዳፍዕን ንዝዓጠቐ ሰራዊት ደምሲስካ ኣብ ባይታ ተግባራዊ ጌርካ ወተሃደራውን ፖለቲካውን ጽልዋኻ ከተረጋግጽ ቀሊል ኣይነበረን። ስለ’ዚ ኣብቲ መጥቃዕቲ እቲ ተዓዊትካ ምውጻእን ፈሺልካ ምውጽእን ንህዝባዊ ግንባር ብዓይኒ’ቲ መሻርኽቲ ውድብን ብዓይኒ ህዝቢ ኢትዮጵያን ክወሃቦ ዝኽል ሚዛን ኣገዳሲ እዩ። መልእኽታቱን ጽልዋኡን ንህዝባዊ ግንባር የገድሶ ስለ ዝነበረ እቲ ግጥም ፈታኒ እዩ። ስለ’ዚ እቲ ስርሒት ብዕቱብነት ዝተታሕዘ ይመስል። ምኽንያቱ፡ ኣዘዝቲ ብርጌዳትን ክፍላተ-ሰራዊትን ናይ 52ን ሜካ 74ን ጥራይ ዘይኰኑ፡ እንከላይ ብደረጃ ኣባል ፖለቲካዊ ቤት-ጽሕፈት ወኪል ምዕራባዊ ዞባ ኤርትራ ኣብ ትግራይ ኣትዮም ብቐረባ ክከታተሉዎን ከወሃህዱዎን ቦታኦም ሓዙ።
ከም’ቲ ልዕል ኢሉ ዝተገልጸ፡ ወያነ ኣብ ዘጽንዑዎን ዝነደፉዎን መደብ ይእቶ ነበረ። ሓፈሻዊ ቅርጺ መሬት፡ ኣተሓሕዛ ድፋዓት ጸላኢን መተኣታተውን ንምፍላጥ፡ ካብ ማእከልነት ሓይልታት፡ ቦጦሎኒታትን ብርጌድን ዝተዋጽኡ ክልተ ጕጅለታት፡ ኣብ ውዱእ ግዜ ብሃታሃታ ኮለላ ጀመሩ። እቲ ኮለላ ኣብ 17 ለካቲት ዝጀመረ ኮይኑ፡ ንነፍሲ-ወከፍ ጕጅለ ሓደ መዓልቲ ወሰደላ። እተን ጕጅለታት ዝበጽሓኦ ቦታታት ሓደ ኮይኑ፡ ካብ ጸላኢ ካብ ሽዱሽተ ክሳብ ሸውዓተ ኪሎ ሜተር ብዑፍ በረር ርሒቖም ተዓዘቡዎ። እዚ ማለት ከኣ ንኣተሓሕዛ ድፋዕ ጸላኢ ካብ ርሑቕ እዮም ከጽንዑዎ ፈቲኖም። ምኽንያቱ፡ ንጸላኢ ጽግዕ ኢልካ ትርእየሉ ቦታ ኣይተረኽበን። ካብኡ ንላዕሊ ናብ ድፋዕ ጸላኢ ምጽጋዕ ኣብ ዘየድሊ ትዕዝብቲ እዩ። ጸላኢ፡ ምንቅስቓስ ተጋደልቲ እንተ ተዓዚቡ ጥርጣረታትን ግምታትን ክወስድ ይኽእል’ዩ።
እቶም ኣብቲ መጥቃዕቲ ክሳተፉ – ካብ ሜዳ ኤርትራ ናብ ውሽጢ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ዝተጓዕዙ ኣሃዱታት ህዝባዊ ግንባር፡ ሓደ ብርጌድ ኣጋር ሰራዊት – ብርጌድ 19 ካብ ክፍለ ሰራዊት 52፣ ከምኡ’ውን ናይ መድፍዐኛ፡ ታንከኛ፡ ጸረ-ታንክን ጸረ-ኣየር ረሽራሽን ኣሃዱታት ካብ ሜካ ክፍለ-ሰራዊት 74 እዮም። ሓይልታት ብርጌድ 19 ናይ ክፍለ ሰራዊት 52 ቀዲመን ኣብቲ ግንባር ዝበጽሓ ኮይነን፡ ሜካ 74 ኸኣ እቶም ሓለፍቲ’ኳ ቅድም ኣቢሎም ኣብቲ ግንባር እንተ በጽሑ፡ ኣጽዋር ግን ክሳዕ ዕለት 16 ጌና ኣብ መንገዲ ነበረ።
ብርጌድ 19 ማለት፡ ድሒሩ ሳልሳይ ብርጌድ ክፍለ ሰራዊት 52 ኮይኑ ዝተመስረተ ብርጌድ እዩ። ኣብ መወዳእታ ዓመት 1988 ዝተመስረተ ሓድሽ ብርጌድ ኮይኑ፡ ካብ ዝውደብ ሓደ ዓመት ኣይመልአን። ይዂን’ምበር፡ ንሓጺር ግዜ ኣብ እንሲ (ግንባር ከረን) ዓሪዱ ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን፡ ኣብ ውሽጡ ናይ ውህደት ጸገም ከም ዘይብሉ ኣረጋጊጹ ነይሩ እዩ። በቲ ኣብ መንጎ ኣዘዝቱ ዝነበረ ስጡም ምርድዳእ፡ ፍረ ዘለዎ ሓባራዊ ስራሕ ክዓምም ከም ዝኽእል ዘጠራጥር ኣይነበረን። ልዕሊ ዅሉ፡ እቲ ገና ብሓድሹ ኸሎ ኣብ ባሕቲ ጥሪ ናይ 1989 ኣብ ከባቢ ዓድዕለን ዓድሹማን ዝፈጸሞ ዕዉት መጥቃዕቲ ንብቕዓት ውህደቱ ብተግባር ፈቲኑ ኣረጋገጾ። ተልእኾኡ ብዓወት ስለ ዝፈጸመ፡ ገዛእ ርእሱ መዚኑ ብምትእምማን ኣብ ሓለፍቱን ተራ ሰራዊትን ክብ ዝበለ ሞራል ዓጠቐ።
ይቕጽል