ሞት 40 ሓራምዝ ኣራት-ኪሎ ዘኸተለ ውግእ

ዶክተር ኣርዓዶም ተድላ ይበሃል፣ ናይ ሕጊ ምሁር ኤርትራዊ እዩ። እዚ ስዒቡ ዝቐርብ ታሪኽ ኣብ ዝተፈጸመሉ ግዜ፡ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኤመሪካ ይነብር ነበረ። ዶክተር ኣርዓዶም፡ ካብ ግዜ ምምሕዳር እንግሊዝ ኣብ ኤርትራ ጀሚሩ፡ ኣብ ምትርጓምን ካልእን ይነጥፍ ስለዝነበረ፡ ካብ ክሊ ህንጻታት ኣብያተ-መንግስቲ ርሒቑ ከም ዘይፈልጥ እዮም ፈለጥቱ ዘዕልሉ። ብምኽንያት ስራሑ ድማ – ምስ ክብ ዝበሉ ሰብ መዓርግ መኮንናትን ሰበ- ስልጣንን ጽቡቕ ሌላ ነበሮ። ኣብ ስደት ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኤመሪካ’ውን፡ ዓበይቲ ፈተውትን ኣዕሩኽን ነበሩዎ።

ኣብ መወዳእታ 1982 መጀመርታ 1983 ኣቢሉ፡ ልዕለ ሓያል ሃገር ሕቡራት መንግስታት ኤመሪካን መሓዙታን፡ ነቲ ልሙድ ዓመታዊ ወተሃደራዊ ዋዕላ የካይዳ ነበራ። ኣብ’ዚ መጋባእያ’ዚ ዓቢ ግምትን ቀዳምነት ዝወሃቦን ምልውዋጥ ወተሃደራዊ ተመኵሮ እዩ። ኣብቲ ዓመት’ቲ ካብ መሓዙት ኤመሪካ ዝዀና ሃገራት ዕዉት ወተሃደራዊ ስርሒት ፈጺማ ተባሂላ ኣፍልጦ ዝረኸበት ሃገር፡ ሃገረ-እስራኤል ነበረት። እስራኤል፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ለይቲ ንምልእቲ ሊባኖስ ወሪራ ክትቈጻጸራ ኽኢላ ብምንባራ፡ ሓደ እስራኤላዊ ጀነራል ተመኵሮኡ ከካፍል ኣብቲ መጋባእያ ቀሪቡ መደረ ከስምዕ ልዑል ትጽቢት ተገብረሉ። ዶክተር ኣርዓዶም’ውን፡ ብመንገዲ ሓደ ኤመሪካዊ ጀነራል ዓርኩ ናይ ክብሪ ዕዱም ኰይኑ – ኣብቲ መጋባእያ ኽሳተፍ ዕድል ረኸበ።

እቲ እስራኤላዊ ጀነራል፡ መግለጺ ክህብ ቅድሚ ምጅማሩ፡ ኤመሪካዊ መራሒ መደብ፡ መኽፈቲ ቃል ኣስምዐ። “ናይ ሎሚ ጋሻና፡ ነቲ ኣብ ዓለምና ካብ ዝተራእዩ ወተሃደራዊ ፍጻመታት፡ ብቐዳምነት ዝጥቀስ መስተንክር ወተሃደራዊ ስርሒት ዝፈጸመ ሰራዊት እስራኤል ዝመርሐ ጀነራል እዩ” በለ።

እቲ እስራኤላዊ ጀነራል – “የቐንየለይ” ድሕሪ ምባል፡ ዘረባኡ ንምጅማር ከም’ዚ በለ፡ “ሓንቲ ክትእረም ዝደልያ ነጥቢ ኣላ፣ ኣብ ዓመት 1982 ዝተመዝገበ ዝለዓለ ወተሃደራዊ ፍጻመ እዚ ናይ እስራኤል ኣይኰነን። ሰራዊት እስራኤል ኣዝዩ ገዚፍ ዞባዊ ሓይሊ እዩ። ከም ሊባኖስ ዝኣመሰላ ሃገራት መማዝንቲ እስራኤል ኣይኰናን። እስራኤል ንመጥቃዕቲ ኵለን ሃገራት ዓረብ ደው ኢላ ዝበደሀት ሃገር እያ። ኣብ ዞባና ብወተሃደራዊ ሓይሊ መዘና ዘይብላ ስለዝዀነት፡ እስራኤል ኣብ ደረጃ ሊባኖስ ኣውሪድካ ትርአ ኣይኰነትን። ንሕና፡ ንሊባኖስ ኣብ ሓጺር ግዜ ምቍጽጻርና ከም ዓቢ ፍጻመ ኣይንርእዮን ኢና። ኣብ 1982 ኣብ ዓለምና ዝተራእየ፡ ብዙሕ ዘይፍለጥ ካልእ ወተሃደራዊ ፍጻመ ኣሎ። ንሱ ድማ፡ እቲ ንናጽነት ኤርትራ ኣንጻር ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝዋጋእ ህዝባዊ ግንባር ዝበሃል ሓይሊ እዩ።

“ህዝባዊ ግንባር፡ ናይ ዝዀነት ሃገር ደገፍ ዘይብሉ ብዓቕሚ ኣጽዋር ኰነ ብዓቕሚ ሰራዊት ኣዝዩ ቍንጣሮ እዩ። ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን፡ ኣብ ጸሊም ክፋል ኣፍሪቃ ከም ዞባዊ ሓይሊ ክውሰድ ዝኽእል ገዚፍ ዓቕሚ ኣለዎ። ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ቀደም ብሃገራት ምዕራብ ዝድገፍ ዝነበረ፡ ሕጂ ድማ ናይ ሕብረት ሶቭየት ዓቢ ደገፍ ዘለዎ ኣብ ከባቢኡ ዓርሞሸሽ እዩ። ብተወሳኺ፡ ናይ ሊብያ፡ የመንን ኩባን ደገፍ ኣለዎ። እቲ፡ ህዝባዊ ግንባር ተባሂሉ ዝፍለጥ ውድብ ግን፡ ብዝውንኖ ዕጥቂ በፍጹም ምስ’ዚ ዓቕሚ’ዚ ዘይመጣጠን ኣዝዩ ንኡስ እዩ።

ይዅን’ምበር፡ ነቲ ዅሉ ዓይነት ኣጽዋር ዘለዎ፡ ልዑል ወተሃደራዊ ስልጠናን ምኽርን ዝረክብ ዓርሞሸሻዊ ሰራዊት ኢትዮጵያ በዲሁዎ እዩ። ምብዳህ ጥራይ ዘይኰነ፡ ነቲ ‘ወፍሪ ቀይሕ ኮኾብ’ ዝተሰምየ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተኣወጀ ወተሃደራዊ ስርሒት፡ እቲ ህዝባዊ ግንባር ኤርትራዊ ውድብ፡ ንሰለስተ ኣዋርሕ ተዋጊኡ ዝሰዓረ ሓይሊ ኮይኑ ንረኽቦ፡” በለ።

ኣብ’ቲ ኣኼባ ዝነበረ ክሳዕ ናይ ጀነራል መዓርግ ዝነበሮ ተዓዛቢ መብዛሕትኡ ኣይተረድኦን። “እንታይ እዩ ብዛዕባ ኤርትራ ኢትዮጵያ ዝዛረብ ዘሎ?” እናበለ ንሓድሕዱ ክተሓታተት ጀመረ። ኤርትራዊ ዶክተር ኣርዓዶም ግን፡ ብመግለጺ ናይ’ቲ ጀነራል ስምዒቱ ክቈጻጸር ኣይከኣለን። ኢዱ ሓፍ ድሕሪ ምባል፡ “ኣነ ኤርትራዊ እየ!” (I am an Eritrean!) ክብል፡ ብሓበን ንብዓት ክስዕሮ እናደለየ ብዓውታ ኣድመጸ። ዶክተር ንኣቓልቦ ዅሉ ተሳታፋይ ስለዝሰሓበ ኸኣ፡ ብዛዕባ ኤርትራን ቃልሳን ክገልጸሎም ማይክሮፎን ኣቐበሉዎ። ዶክተር፡ ብዘይሓሰቦ መንገዲ ኣርእስቲ ጕዳይ ቃልሲ ሃገሩ ኣልዒሉ መብርሂ ክህብ ኣብቲ ዓቢ መጋባእያ ዕድል ምርካቡ፡ መሊሱ ብሓጐስ ክፍንጫሕ ደለየ። ነታ ዝረኸባ ወርቃዊት ዕድል ሂቦም ከይጣዓሱ ዝፈርሐ ክመስል፡ ብታህዋኽ ትንፋሱ ውትፍ ውትፍ እናበለቶ፡ ቅጥዒ ኣቀራርባኡ ብዘየገድስ ከምዚ ዝስዕብ ገይሩ ብስምዒት ክገልጽ ጀመረ፥

“ኤርትራ፡ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ እትርከብ ግዝኣት ጥልያን ዝነበረት ኣፍሪቃዊት ሃገር እያ። ድሕሪ ስዕረት ጣልያን ኣብ ትሕቲ ሞግዚትነት እንግሊዝ ዝኣተወት፣ ድሕሪኡ ምስ ኢትዮጵያ ብፈደረሽን ዝተቘርነት፣ ባይቶኣዊ መንግስቲ ተኺላ፡ ባንደራኣ ኣንበልቢላ ትመሓደር ዝነበረት ሃገር እያ። ንጉስ ሃይለስላሰ ብወተሃደራዊ ሓይሊ፡ ባይቶኣዊ መንግስታ ኣፍሪሱ ክጎብጣ ምስ ፈተነ ኸኣ፡ ህዝባ ንናጽነቱ ብዕጥቂ ብረት ይቃለስ ኣሎ …” እናበለ ብዝተኻእሎ መጠን ነታ ብዙሕ ዘይትፍለጥ ኤርትራ ሃገሩ ምስ’ቶም ተጋባእቲ ከላልያ ፈተነ። እቲ እስራኤላዊ ጀነራል’ውን፡ ኣብቲ ባዕሉ ዘልዓሎ ኣርእስቲ መብርሂ ዝህብ ኤርትራዊ ምርካቡ ባህ በሎ።

ሰራዊት ህዝባዊ ግንባር፡ ድሕሪ ፍሽለት ሻዱሻይን ሻብዓይን ወራራት ናይ ስርዓት ደርግ፡ ካብ መድረኽ ምክልኻል ናብ ጃላነት፣ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብ መድረኽ ጃላነት ድሕሪ ምጽናሕ ድማ፡ ኣብ መጋቢት 1988 ናብ መድረኽ መጥቃዕቲ ተሰጋገረ። ዶክተር ኣርዓዶም፡ ምስ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ጥቡቕ ርክብ ስለዝነበሮ ንምዕባለታት ሜዳ ብቐረባ ይከታተሎ ነበረ።

ብፍላይ እቲ ውድብ ካብ መድረኽ ጃላነት ወጺኡ ናብ መድረኽ መጥቃዕቲ ኣብ ዝተሰጋገረሉ ቀዳሞት ዓመታት ንደሓር፡ ወተሃደራውን ዲፕሎማስያውን ሜዳ ፍጥነት ወሲኹ መዛረቢ ማዕከናት ዜና ዓለም ክኸውን ስለ ዝጀመረ፡ ዶክተር ዝያዳ ተምሳጥ ሓደሮ። ሓደ መዓልቲ ካብ ዕለታት ናይ ዓመተ 1989፡ ኣብታ ዝነብረላ ሃገር ኤመሪካ፡ ናብ ሓንቲ ላተርያ ኣላጊሱ ኣተወ’ሞ፡ ኣብኡ ሓደ ሓበሻ ረኸበ። ዝፈልጦ ኰይኑ ስለ ዝተሰምዖ ድማ፡ “ኤርትራዊ ወይ ኢትዮጵያዊ ክትከውን ኣለካ፡ ሓቀይ?” ክብል ዶክተር ነቲ ሰብ ሓተቶ።

እቲ ሓበሻይ ድማ፡ “ኣይተጋገኻን፡ ኢትዮጵያዊ እየ።”

“ኣነ ኸኣ ኤርትራዊ’የ፡ ኣብ ገለ ዝፈልጠካ ኰይኑ ተሰሚዑኒ?”

“ምናልባት ኣብ ኤርትራ ርኢኻኒ ትኸውን ኢኻ፣ ሓደ ካብ ጀነራላት ኢትዮጵያ እየ።”

ዶክተር ኣርዓዶም ንዘረባ’ቲ ጀነራል ቆብ ኣበሎ’ሞ፡ ካብ ድቃሱ ብስንባደ ዝተበራበረ ክመስል፡ ተኲሩ ነቲ ጀነራል እናጠመተ፡ “ኣሃ! ካብ’ዞም ንመንግስቱ ሃይለማርያም ክዓልዉ ዝፈተኑ ክትከውን ኣለካ?”

እቲ ጀነራል፡ “ልክዕ ኣለኻ፡ ሜጀር ጀነራል ቁምላቸው ደጀኔ እባሃል፡” መለሰ ህድእ ኢሉ።

ዶክተር፡ ብዙሕ ነገራት ክሓትቶ ደለየ፣ ግን፡ ንኽብሪ’ቲ ጀነራል ዒብ ገበረ። ንውሱን ካልኢታት ናብቲ ጀነራል ቀው ኢሉ ጠመተ። ኣብታ ሓጻርን ጸባብን ህሞት፡ ካብ ኣፍ-ሓርገጽ ዝወጽአ ፍጡር ይዕዘብ ብምንባሩ ተመስጦ ነይሩዎ። ምኽንያቱ እቲ ኣብ መፋርቕ ግንቦት 1989 ዝተፈተነ ዕልዋ ድሕሪ ምፍሻሉ፡ 29 ምኩራት መራሕቲ ውግእ ዝነበሩ ጀነራላት ዝርከቡዎም ኣስታት 40 መኮነናት እዮም ተረሺኖም። እዚ ተግባር’ዚ ዅሉ ኢትዮጵያዊ ዝዝክሮ መሪር ፍጻመ እዩ።

ዶክተር ኣርዓዶም፡ ነቲ ዅነታት ይከታተሎ ስለ ዝነበረ፡ እቲ ዘዕልሎ ዝነበረ ሰብ ሜጀር ጀነራል ቁምላቸው ደጀኔ፡ ኣብ መላእ ኤርትራን ሰሜን ኢትዮጵያን ናይ ዝነበረ ካልኣይ ኣብዮታዊ ሰራዊት ናይ ዝበሃል ኣቃውማ ሰራዊት ምክትል ኣዛዚ ነበር ከም ዝዀነ፡ መረጋገጺ ኣይደለየሉን። ምኽንያቱ፡ ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ካብ ዘካየዱ ጀነራላት ስርዓት ደርግ፡ እቲ ንእስክላ ኣምሊጡ ናብ ሕቡራት መንግስታት ኤመሪካ ዝኣተወ እንኮ ሰብ፡ ሜጀር ጀነራል ቁምላቸው ደጀኔ ጥራይ ምንባሩ፡ ኣብ ማዕከናት ዜና ተቓሊሑ ነይሩ እዩ።

“እንታይ ድኣ ንብር ነይርኩም ኣብ ሕጂ በጺሕኩም ዕልዋ ፈቲንኩምሉ?” ክብል ዶክተር ነቲ ጀነራል ሓንቲ ሕቶ ወስ ኣበለሉ።

“ካብ ነዊሕ ክንሓስቦ ዝጸናሕና መደብ እዩ ነይሩ። ብዝተፈላለየ ምኽንያት ግን ክናዋሕ ጸኒሑ። ሕጂ ግድን ክንገብሮ ዝደረኸ ኵነታት ተፈጢሩ።”

ዶክተር፡ ዝተፈላለየ መዝነት ምስ ዘለዎም ጸዓዱ ይዅኑ ሓበሻ ናይ ምዕላል ልምዲ ነይሩዎ ጥራይ ዘይኰነ፡ ምስ ዝዀነ ሰብ ተራኺቡ ሓባራዊ ርክብ ንኽፈጥር ግዜ ዘይወስድ መሳጢ ተውህቦ ዝነበሮ ሰብኣይ እዩ። ኣጋውሎ ናይቲ ጀነራል ብምርኣይ ከኣ፡ ኣዳቒቑ ክሓትቶ ተተባብዐ እሞ’ “ከመይ ዝበለ ኵነታት ድዩ ኣጋጢሙ?” በሎ።

“እንሲ ኣብ ዝተባህለ ቦታ፡ ምብራቓዊ ሸነኽ ግንባር ከረን፡ ኣንጻር ሻዕብያ ኣብ ዝተኸፍተ ውግእ ኣብ ታሪኽና ገጢሙና ዘይፈልጥ ክሳራ’ዩ ወሪዱና። ኣብተን ሓያላት ክፍላተ-ሰራዊትና (ክፍለ-ጦራት) ዓቢ ዕንወት ምስ ኣጋጠመ፡ ‘ከም’ዚ ኢልካ ክሳዕ መዓስ ክኽየድ’ዩ? ዝብል ሕቶ ኣብቶም ዝነበርና ጀነራላት ንኮ/ል መንግስቱ ናይ ምእላዩ ንዝነበረና መደብ ከነቀላጥፍ ድርኺት ፈጢሩ። እታ ትውሰድ ስጉምቲ ካብ’ዛ መንግስቱ ናብ ምብራቕ ጀርመን ዝገሸላ ኣጋጣሚ ክትሓልፍ ከምዘይብላ ተሰማሚዕና።”

እዚ መሪር ውግእ ዝተኻየደሉ “እንሲ” ተባሂሉ ዝተጠቕሰ ከባቢታት ንዶክተር ኣርዓዶም ጋሻ መሬት ኣይነበረን። ጎቦታት ከረን፡ እንግሊዛውያን ኣብ ካልኣይ ኲናት ዓለም ኣንጻር ሰራዊት ናይታ ኣባል ሓይልታት ኣክሲስ ዝነበረት ጣልያን መሪር ውግእ ዘካየድሉ ቦታ እዩ። ስለ’ዚ፡ ሰሜናውን ምብራቓውን ሰንሰለት ኣኽራናት ከረን ከም ፊልሚ ብኣዒንቱ ክመሓላለፉ ተራኣዩዎ። ምስቲ ጀነራል ኣዕሊሎም ድሕሪ ምፍልላዮም ከኣ፡ ዶክተር ቀጥታ ናብ ቤት-ጽሕፈት ህዝባዊ ግንባር ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኤመሪካ ኣምርሐ። ናብ ሜዳ ክኣቱ ሓቲቱ ፍቓድ ምስ ረኸበ ድማ ንሳሕል ነቐለ።

ዶክተር ናብ ሳሕል ምስ ኣተወ፡ ምስ ዋና ጸሓፊ ህዝባዊ ግንባር ተጋዳላይ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ተራኸበ። ተጋዳላይ ኢሳይያስ፡ “ሕጂ ኣበይ ኢኻ ክትበጽሕ ትደሊ?” ኢሉ ሓተቶ።

ዶክተር ናብ እንሲ ክበጽሕ ምርጫኡ ምዃኑ ገለጸሉ።

“እንሲ ደኣ እንታይ ኣሎ?”

“ዛንታ እንሲ ኣብ ዋሽንግቶን ዲሲ በጺሑ ኣሎ። ብድምጺ ሓፋሽ ጥራይ ዘይኰነ እንተላይ ብመንገዲ ወተሃደራት ኢትዮጵያ። ስለ’ዚ ናብ እንሲ እየ ክበጽሕ ዝደሊ።”

ዋና ጸሓፊ ህዝባዊ ግንባር፡ መኪና ሂቡ ናብ ግንባር ከረን፡ ናብ ተጋዳላይ እዮብ ፍስሃየ (ሓሊባይ) መራሒ ክፍለ-ሰራዊት 52 ኣፋነዎ።

ዶክተር ኣርዓዶም፡ ኢትጥሓል ናብ ዝተባህለ ቤት-ጽሕፈት ክፍለ-ሰራዊት 52 ዝርከበሉ ስንጭሮ በጽሐ። ስንጭሮ ኢትጥሓል፡ ተራ ንእሽቶ ስንጭሮ ኣይኰነን። ካብ ማይ ክዖ ታባታት ወግሬታይ (ሮራ መንሳዕ፡) ጀጊሩ፡ እንሲን ዓጎምበሳን ዝፈስሱ ወሓዝቲ ጠራኒፉ – ናብ ታሕታይ ቀልሃመት ዝጽንበር ሩባ እዩ። ምስ ሩባ ሀካኖ ድሕሪ ምጽንባሩ ድማ፡ ኣብ ምብራቕ ኣፍዓበት ሩባ ዒንን ላብካን ተባሂሎም ብዝጽውዑ ሩባታት ሓሊፉ ናብ ቀይሕ ባሕሪ ይፈስስ።

ይቕጽል