ሚኒስትሪ ንግዲን ኢንዳስትሪን፡ ንሕጋጋት ዘይቅኑዕ ኣሰራርሓ ንግዲ ዝምልከት ሕጋዊ ምልክታ ቊጽሪ 132/2024፣ ከምኡ’ውን ንሕጋጋት ኣወሃህባ ፍቓድ ዋኒንን ቊጽጽር ስርዓተ-ምዝገባን ዝምልከት ሕጋዊ ምልክታ ቊጽሪ 133/2024 ኣውጺኡ።
13 ዓንቀጻት ዝርከቦ ንሕጋጋት ዘይቅኑዕ ኣሰራርሓ ንግዲ ዝምልከት ሕጋዊ ምልክታ ቊጽሪ 132/2024፡ ኣዋጅ ዘይቅኑዕ ኣሰራርሓ ንግዲ ቊጽሪ 125/2002 ዓንቀጽ 10(ሐ)፡ ንሚኒስተር ንግድን ኢንዳስትሪን ብዝህቦ ስልጣን መሰረት ዝወጸ’ዩ።
እዚ ዝርዝር ተግባራት ዘይቅኑዕ ኣሰራርሓ ንግዲ ዝሓዘ ሕጋዊ ምልክታ’ዚ፡ ምስ ምሓዝን ምሕዳስን ዋኒን ዝተኣሳሰር፣ ምስ ዋጋታት ዝተኣሳሰር፣ ንዘይቅኑዕ ውድድር ዝምልከት፣ ምስ ደረጃታት ብቕዓት፡ ዓቐን፡ ዕለተ-ምውዳቕን ግጉይ ሓበሬታ ምቅላሕን ዝተኣሳሰር፣ ንኣድልዎ ኣብ መንጐ ተገልገልቲ ዝምልከት፣ ምስ ኣፍቀድትን ኣተግበርትን ኣካላት ዝተኣሳሰር፣ ከምኡ’ውን ብድጐማ ንዝተዋህበ ኣቕሑ ኣብ ዘይመዓላኦም ምስ ምውዓልን ምሕባእን ዝተኣሳሰር ዘይቅኑዕ ኣሰራርሓ ንግዲ ብዝርዝር ኣስፊሩ’ሎ።
መመሓየሺ ኣዋጅ ፍቓድ ዋኒን ቊጽሪ 128/2002 ዓንቀጽ 25 ንሚኒስተር ንግድን ኢንዳስትሪን ብዝህቦ ስልጣን መሰረት ዝወጸ፡ ንሕጋጋት ኣወሃህባ ፍቓድ ዋኒንን ቊጽጽር ስርዓተ-ምዝገባን ዝምልከት ሕጋዊ ምልክታ ቊጽሪ 133/2024 ድማ፡ ንምዝገባ፡ ምሕዳስን ምስራዝን ፍቓድ ዋኒን፣ ንምስራዝ ፍቓድ ዋኒን ዘድልዩ ሰነዳት፣ ንምቕያር፡ ምጉዳል፡ ምውሳኽ ንጥፈታትን ለውጢ ኣድራሻን ዘድልዩ ሰነዳት፣ ከምኡ’ውን ንስምን ምልክትን ንግዲ ዘነጽር 12 ዓንቀጻት ዝሓቘፈ’ዩ።
ዕላማ ናይ’ዚ ክልተ ሕጋጋት፡ ንጹር፡ ስሉጥ፡ ምዕቡልን ቅቡልን ኣገባብ ኣወሃህባን ምዝገባን ፍቓድ ዋኒን ንምሕያል፡ ከምኡ’ውን ዘይቅኑዕ ኣሰራርሓ ንግዲ ንምእራምን ንምቁጽጻርን’ዩ።
ብመሰረት ሓበሬታ ሚኒስትሪ ንግዲን ኢንዳስትሪን፡ ሓድሽ ፍቓድ ዋኒን፡ ምስ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ተኣሳሲሩ ካብ መጋቢት 2020 ንደሓር ኣቋሪጹ’ዩ ጸኒሑ። ምሕዳስ ፍቓድ ዋኒን፡ ምቕያር ዓይነት ንግዳዊ ኣገልግሎት፡ ከምኡ’ውን ምትሕልላፍን ምስራዝን ፍቓድ ዋኒን ግና ብስሩዕ ክቕጽል ጸኒሑ’ሎ።
ሚኒስትሪ ንግዲን ኢንዱስትሪን ሓድሽ ፍቓድ ዋኒን ምሃብ ኣቋሪጹ ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን፡ ዝጸንሐ ኣሰራርሓ ንምግምጋም ኣብ መላእ ሃገር ምምሕዳራትን ጨናፍር ናይቲ ሚኒስትሪን ዝተሳተፍዎ ዳህሳስን መጽናዕቲን ከምዘካየደ፣ በቲ ዝተኻየደ መጽናዕቲ መሰረት ድማ፡ ክስራሓሉ ዝጸንሐ ሕጋጋት ብምኽላስ ዝተመሓየሸ ሕጋጋት ኣውጺኡ’ሎ።
እዚ ሚኒስትሪ ንግዲን ኢንዱስትሪን ዘውጸኦ ሓድሽ ሕጋጋት፡ ን“ሕጋጋት ዘይቅኑዕ ኣሰራርሓ ንግዲ” ዝምልከት ኣዋጅ ቁጽሪ 125/2002 ከምኡ’ውን ን“ሕጋጋት ኣወሃህባ ፍቓድ ዋኒንን ቁጽጽር ስርዓተ ምዝገባን” ዝምልከት ኣዋጅ ቁጽሪ 128/2002 ዘዕዝዝ’ዩ።
እዚ ክልተ ሕጋጋት፡ ኣብ ጋዜጣ ኣዋጃት ኤርትራ ተሓቲሙ ካብ ዝወጸሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ግብሪ ይውዕል።