ኣብ ታሪኽ ኤርትራ፡ ወርሒ መጋቢት እትዝከረሉ ሓያሎ መሰክሕ ፍጻመታት ኣሎ። ኣብ ለካቲት 1975 ኣብ ማእከል ኣስመራ ዝጀመረ ልዕሊ 1000 ዜጋታት ብጠያይትን ካራሩን ዝሃለቕሉ ጭካነ፡ ናብ ብዙሕ ከባቢታት ኤርትራ’ዩ ልሒሙ። ብ9 መጋቢት 1975፡ ኣብ ኣቑርደት 467 ዜጋታት ተቐንጺሎም፡ 80 ቆሲሎም፡ 150 ኣባይቲ ምስ ንብረቱ ተቓጺሉ። እዛ ዕለት’ዚኣ “ጸላም ሰንበት” ተባሂላ ትዝከር። ብዘይካ’ዚ ኣብ ሕርጊጎ 500 ዜጋታት ብጠያይትን ካራሩን ብኣዝዩ ዘስካሕክሕ ኣገባብ ክቕተሉ ከለዉ 130 ቆሲሎም። ኣብ እምበረሚ እውን 73 ዜጋታት ብጅምላ ተረሺኖም ብዙሕ ኣባይቲ ተቓጺሉ።
ሰላማዊ ህዝቢ ኣካል ውግእ ምግባር፡ ባህሊ ወረርቲ ሓይልታት እዩ። ኣብ ግዜ ወራር፡ ህዝቢ ምሉእ ጸላኢ ሓሲብካ፡ ቆልዓ ሰበይቲ ከይፈለኻ ምቕንጻል፡ ንብረቱ ምርሳይን ጥሪቱ ምዝማትን ከም ጅግንነት’ዩ ዝውሰድ። ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ናይ ሎሚ ኤርትራ፡ በብእዋኑ ዝኽሰቱ ዝነበሩ ወራራት ናይ ዝተፈላለዩ ባዕዳውያን ሓይልታት፡ ዝተፈጸሙ መሰክሕ ግፍዒታት ጸዊኻ ኣይውዳእን። እዚ ድሑር ያታ’ዚ፡ ኣብ ሰራዊት ጃንሆይን ደርግን ኣይተቐየረን። ኤርትራ፡ ብውዲት ርእሰ-ሓያላን ምስ ኢትዮጵያ ክትቊረን ከላ፡ “እምቢ ያለ ሰው ጥይት ኣጉርሰው!” (እምቢ ዝበለ ጥይት ኣኾሉሶ) ኢሉ ዝጀመረ ኣረሜንነት፡ “ኤርትራ መሬታ እምበር ህዝባ ኣየድልየናን፣ ዓሳ ንምጽናት ባሕሪ ምንጻፍ!” እናተባህለ ን30 ዓመታት ቀጺሉ። ዛጊት ዝተኻየዱ መጽናዕቲታት ከምዘረጋግጽዎ ኣስታት 100,000 ሰላማውያን ኤርትራውያን እዮም ብውልቂን ብእኩብን ተቐንጺሎም።
ሓርነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንምድቋስ፡ ክንዲ’ዚ ዝኣክል ጃምላዊ ህልቂት፡ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነትን ሰፊሕ ናይ ኲናት ገበንን ኣብ ዝፍጸመሉ ዝነበረ እዋን፡ እዛ ብሰብኣዊ መሰልን ስልጡን መትከላትን እትመጻደቕ ዓለምና፡ ነዚ ቅሉዕ ኣረሜንነት’ዚ ንምዂናን ብጩቕ ክትብል ኣይተሰምዐትን። “ነቶም ሓያላት ገበን ዝበሃል፡ እቲ ካልኦት ዝፍጽምዎ ጥራይ’ዩ” ይብል ኣመሪካዊ ፕሮፌሰር ናኦም ቾሚስኪ። ባዕላቶም፡ መሓዙቶምን ሸቀልቶምን ዝፍጽምዎ፡ ገበን ኣይኮነን።
“ዝወግአ እንተረስዐ ዝተወግአ ኣይርስዕን’ ከምዝበሃል፡ ስርዓታት ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ዝፈጸምዎ ግፍዒን ኣረሜንነትን ካብ ኣእምሮ ህዝቢ ኤርትራ ዝሃስስ ኣይኮነን። የግዳስ ህዝቢ ኤርትራ፡ ድሕሪ ናጽነት ቂምን ቅርሕንትን ክቛጽር ኣይደለየን። ሕነ ናይቲ ኩሉ ስቓይን ግፍዒን ክፈዲ ከይሓሰበ፡ ናጽነቱ ኣብ ዝተጓነጸፈሉ ቅንያት ዝማረኾም 130,000 ወተሃደራት ኢትዮጵያ፡ ብሰብኣዊ ክንክን ሒዙ ንዓዶም ምፍናዉ ዓለም ብዓለሙ ዝፈልጦ’ዩ። እቲ በደል፡ ናይ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዘይኮነ ናይቶም ገዛእቲ ምዃኑ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ንባዕሉ ግዳይ ምዃኑ ዝርዳእ ንቑሕ ህዝቢ’ዩ። ገዛእቲ ኢትዮጵያ እውን እንተኾነ፡ ኣገልገልቲ፡ ናይቲ ንህዝቢታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብቐጻሊ እናናቘትካ ዘይዓርፍ ኲናት ብምስዋር፡ ነዚ ዞባ ናይ ምቁጽጻር ግሎባዊ ስትራተጂ እዮም ዝነበሩ።
ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ እዋን ሓርነታዊ ቃልሲ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብረዚን መስዋእቲ ናጽነቱ ምስተጓናጸፈ’ውን ወራር፡ ዝምታን ግፍዒን ኣይተጋደፎን። ብምስምስ ዶብ፡ ልኡላዊ መሬት ኤርትራ ንምምንዛዕ ኣብ ዝተሃቀነ ቅሉዕ ወራር (1998-2000)፡ እቲ ድሑር ባህሊ ደጊሱ፡ ጃንዳ ማለሊት፡ ካብቶም ቀዳሞት ገዛእቲ ብዘይፍለ፡ እኳ ድኣ ሕስድናን ክፍኣትን ብዝመልኦ፡ ሰፊሕ ግፍዒን ራስያን ምብራርን፡ ክሳብ ምፍሓር መቓብር ሰማእታት ዝዓረገ ነውራም ተግባር ፈጺማ።
ከምዝፍለጥ ኣብ መንጎ ህዝብታት ጽልኢ የለን። ብስልጡን ኣእምሮ፡ ጉርብትና ምርቓ እምበር መርገም ኣይኮነን። ጸሊም ታሪኽ’ዚ ክዝከር ዘድልየሉ ከኣ፡ ንቂምን ቅርሕንቲን ዘይኮነ፡ ንተካእቲ ወለዶታት መለበሚ እዩ። ህዝብን መራሕትን ካብዚ ተሞኩሮ’ዚ ትምህርቲ ቀሲሞም፡ ካብ ኣምልኾ ግዳማውያን ሓይልታት ሓራ ኮይኖም፡ ብሰላም ብሓባር ምንባር ዘኽእል በሪኽ ንቕሓት ኣጥርዮም፡ ሓቢሮም ኣብ ጎደና ዕብየት ክምርሹ።
ቦርድ ክፍሊ ጋዜጣ