ክቡር ፊልሞን ያንግ – ፕረዚደንት መበል 79 ኣኼባ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት
ክቡር ኣንቶንዮ ጉተረሽ – ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት
ዝኸበርኩም ወከልቲ ሃገራትን መንግስታትን
ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን
እዚ ኣኼባ ሓፈሻዊ ባይቶ፡ ኣብ ኣገዳሲ መድረኽ ምስግጋር ዓለማዊ-ስርዓት’ዩ ዝጋባእ ዘሎ። ቅድሚ ናብ’ቲ ቀንዲ ኣርእስቲ ምእታው ድማ፡ ሓጺር ድሕረ-ባይታኣዊ ክወና ንምሃብ፦
ቅድሚ ሓደ ዘመን፡ ድሕሪ 1ይ ዓለማዊ ኲናት ኣብ ጥሪ 1920፡ ‘ማሕበር ሃገራት’ (league of Nations) ክምስረት ከሎ፡ “ዓለማዊ ሰላም” ንምንጋስ ተባሂሉ’ዩ ተበጊሱ። ‘ማሕበር ሃገራት’ ከድምዕ ስለዘይከኣለ፡ 2ይ ዓለማዊ ኲናት ተወሊዑ። ድሕሪ 25 ዓመታት፡ መተካእታ ‘ማሕበር ሃገራት’፡ ‘ሕቡራት ሃገራት’ (United Nations) ኣብ ጥቅምቲ 1945 ካልእ ዓለማዊ ኲናት ንምግታእን ዓለማዊ ሰላም ንምውሓስን ተመስሪቱ፣ ዓለም ናብ’ቲ ብ“ዝሑል ኲናት” ዝፍለጥ መዋእል ክልተ-ቀጽሪ ኣትያ። ዝሑል ኲናት ምስ ኩሉ ዲናሚካቱ፡ ሰላም ከየንገሰ፡ ድሕሪ ኣስታት 45 ዓመታት (ኣብ 1991)፡ ብምብትታን ቀጽሪ “ሶቭየት-ነበር” ኣኽቲሙ። ሓድሽ ሓደገኛ መዋእል “እንኮ-ቐጽሪ” ተበጊሱ። “እንኮ-ቐጽሪ”፡ ሓድሽ ስነ-ሓሳብ ኣይነበሮን። ናይ ካልኦት ሃብቲን ጸጋታትን ንምግባት፡ ብሓይሊ/ጽልዋ ዓብሊልካ ግዛእ ዝብል ናይ ዕማኾ ስሱዓት፡ ንመዋእላት ዝጸንሐ ናይ ባርነትን መግዛእቲን ደግሲ’ዩ።
ከም ሳዕቤን፡ እዉጅ ኲናት “ድረታ”፣ ጎይቶት “እንኮ-ቐጽሪ” ኣብ ኤውሮጳ ብገፊሕ፡ ብፍሉይ ከኣ ኣብ “ኡክራይና” ዝካይድ ዘሎ ዕንደራን ሳዕቤናቱን፡ ብተመሳሳሊ መጐትን ንተመሳሳሊ ዕላማታትን፡ ኣብ እስያ ኣንጻር ቻይና ዝርአ ዘሎ ናይ “ድረታ” ምትዂታዂን ናብ ሓደገኛ መድረኽ ናይ ምድያቡ ዘሎ ኣመታትን፣ ኣብ ጎዶቦና ጉዳይ ፍልስጤም ቀቲልካ ንምጽናት ዝተኣወጀ ኲናት ፈጢሩዎ ዘሎ ነውጺን ሓደገኛ ኣመዓባብላኡን፣ ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝተፈላለየ ዞባታት ብዝተፈላለየ ብልሓታት፡ መግዛእታዊ ባርነት ንምዕቃብን ንምንጋስን ዝካየድ ሸርሒታት ዘስዕቦ ዘሎ ቅልዉላዋትን ዕንወትን፣ ኣብ ላቲን ኣመሪካ፡ ተመሳሳሊ ሃይመናዊ ምልኪ ንምርግጋጽ ዝካየድ ቅሉዕ ምትእትታዋት፣ ኣብ ኣሜሪካን ኤውሮጳን ንዝፈራኸሽ ዘሎ ልፍንቲታትን እናዓበየ ዝኸይድ ህዝባዊ ተቓውሞታትን ንምቑጻይ ዝካየድ ሽጣራታት፡ ደማሚርካ ኪርአ ‘ከሎ፡ ናይ’ዚ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓሱራት (decades) ናይ “እንኮ-ቐጽራዊ” ዕንደራታት ንድየትን ፍሽለትን ዘረጋግጽ ሕላገታት’ዩ።
ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን
ኣብ ኩሎም ዝሓለፉ መዋእላት፡ “ዓለማዊ ስርዓት” ንምቕራጽ/ንምውዳብ ዝተኻየዱ ፈተነታት፡ ምእንቲ ርእሶም ሸቶ ኣይነበሩን። ቅርጺታት ናብ ሸቶ ወይ ዕላማ መብጽሒ ኣገባብ ወይ ሜላ’ዩ። ሰላም ወይ ርግኣት፡ ከም ኩነት ናብ ራህዋን ዕብየትን’ውን፡ ናብ’ቲ ናይ መወዳእታ ናይ ወዲ-ሰብ ሃንቀውታ ንምብጻሕ፣ ፍትሒ ንምርግጋጽ፣ ፍትሓዊ ስርዓት ምንጋስ ማለት’ዩ። ዕብለላን ዓሎቕ ሓይልን ታህዲድን ዝምታን ምግባትን ዘይብሉ፡ ፍትሓዊ ስርዓት ምርግጋጽ ወይ ምውሓስ ማለት’ዩ። ብመገዲ “ማሕበር ሃገራት” ይኹን ብመገዲ “ሕቡራት ሃገራት”፡ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ሚእቲ ዓመታት ብህዝብታት ዓለም ሃንቀውታ ዝተገብረሉ ሸቶ ኸኣ፡ “ፍትሓዊ ዓለማዊ ስርዓት” ንምንጋስ’ዩ ነይሩ። እቲ ሕቶ፡ እዚ ባህጊን ሃንቀውታን ህዝብታት ተጨቢጡ’ዶ? ዝብል’ዩ። እቲ ክውን መልሲ፡ “ኣይተጨበጠን” እዩ። እቲ ዝስዕብ መጐታዊ መደምደምታ ኸኣ፡ ስለዘይተጨበጠ፡ ተስፋ ኣየቚርጽን፣ ብኣንጻሩ ቈራጽነትን መኸተን የሐይል።
ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ተጋባእቲ
ናይ ህዝቢ ኤርትራ ተመክሮ፡ ከም ሓደ ካብ ኣሽሓት ኣብነታት ወሲድና ንምዝራብ፡ ኣብ’ዚ ናይ ሰለስተ መዋእላት፣ ኣስታት 80 ዓመታት ድሕሪ ምኽታም 2ይ ዓለማዊ ኲናት፡ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ናጽነት መሰሉ ከየሰላስል፡ በሕዋት “ዳላስ” – “ኤርትራ ንእስትራተጅያዊ ረብሓታትና ኣይተገልግልን’ያ” ስለዝተባህለ፡ ናይ 50 ዓመታት ፖለቲካውን ዕጥቃውን ሓርነታዊ ቃልሲ ከካይድን ከቢድ መስዋእቲ ኪኸፍልን ምግዳዱ ጥራይ ዘይኰነ፣ ብተመሳሳሊ “ሃይመናዊ” መጐት ኣብ ዞባና ዝሰዓበ ቅልውላዋትን ዕንወትን፡ ናይ ትማል ዝኽሪታት’ዩ። ድሕሪ 1991 እውን እንተዀነ፡ ብዝጠፈሸ መናቘቲ ሽጣራታት “ዶባዊ ግጭታት”፡ ህዝቢ ኤርትራ ጉዕዞ ሃገራዊ ህንጸቱ ቀሲኑ ከይቅጽል ዝተሃቀነ ፈጠራ ቅልውላዋት ዘኽሰሮ ዕድላትን ዘኸተሎ ዕንወትን ቀሊል ኣይነበረን። ጽንዓት ህዝቢ ኤርትራ ግን ክምህ ኣይበለን። ከም ወትሩ፡ ጽንዓት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጐኒ ፍትሒ ዘጨነቖም ሃይመናውያን፡ ብፍሽለት ውዲታቶም እናተረበጹ፡ ተጻብኦታቶም ምስ ምዕራጉ፡ ነቲ ንመዋእላት ኣንጻር ሽበራን ዓሎቕን ዝመከተ ህዝቢ ኤርትራ “ንምቕጻዕ”/ንምስንካል፡ ኣብ 2009 ብመሰረቱ መርትዖ ዘይነበሮ ቅሉዕ ሓሶት ፈብሪኾም፡ “እገዳ” ኣስገዲዶም። ኣብ 2018 እቲ “እገዳ” ተላዒሉ’ኳ እንተተባህለ፡ ገና ዘይተመለሰ ዘሎ ሕቶ፡ “ብቐደሙ፡ ስለምንታይ እገዳ?” ዝብል’ዩ። እገዳ፡ ምስ ሕሱር ናይ ምስይጣን ዘመተታትን ምጥቛስ ሽርሒታትን ቀጻሊ’ዩ።
ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን
ተመክሮ ህዝቢ ኤርትራ፡ ጫፍ እምባ-በረድ’ዩ ኪበሃል ይከኣል። ኣብ ልዕሊ ካልኦት ህዝብታት፡ ኣብ ኣፍሪቃ፡ ላቲን-ኣመሪካ፡ እስያ፡ ኤውሮጳን ኣመሪካታትን ዝፍጸም ዘሎ ግፍዒታት፡ እልቢ የብሉን። በዚ ኣጋጣሚ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ፡ ዚምባብወ፡ ቨነዝዌላን ኩባን ዝተስገደደ በይናዊ ስጉምቲታትን እገዳታትን ክለዓል ንምሕጸን። ብመንጽር ጐብለላት ጫካ ከንግስዎ ዝደልዩ ስርዓት፡ ሕቡራት ሃገራት ዝቘመሉ መትከላት ኣበይ ኣሎ? ልዕሊ ኩሉ ግን፡ ህዝቢታት ዓለም ሰላምን ርግኣትን ኣውሒሶም፡ ልምዓትን ዕብየትን ራህዋን ዝረኽቡሉ ፍትሒ ዘረጋግጽ ዓለማዊ ስርዓት ኪዋደድ፣ ካብ ናይ ሓደ ምሉእ ዘመን ነዊሕ ቃልስን መኸተን ብጽንዓት ዝሓየለ ምሕዝነት ምህናጽ፡ ንዕድላት ዝግደፍ ሕርያ ኣይኰነን። ጎብለላት ጫካ፡ ብገበናቶም ኪሕተቱን ፍትሒ ኪረጋገጽን ኣለዎ።
ሰናይ ምንዮት!
የቐንየለይ።